በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!
፫/3 ነሐሴ ዕረፍት አባ ስምዖን ዘዓምድ (ሶርያዊ) እዩ። በረከቱ የካፍለና።
አብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ስሞም ተፈላጥን ልዕል ዝበለ ካብ ዝኾኑ አቦታት ሓደ ዝኾኑ፡ ቅዱስ ስምዖን ዓምዳዊ እዩ። አባ ስምዖን ዘዓምድ ዝተወልደሉ አብ መበል 4ይ ክፍለ ዘመን አብ ሶርያ ኮይኑ ብፍሉይ ድማ አብ ንጽቢን ዝተባህለ ቦታ ተወሊዱ ዝዓበየን ምስ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ መማህርቱን ፈታዊኡን ከም ዝነበረ እዩ ታሪኹ ዝነግር። ንክልቲኦም ዝመሃሮም ድማ ቅዱስ ያዕቆብ ዘንጽቢን እዩ። አባ ስምዖን ዘዓምድን ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያውን ናብ አገልግሎት ብምኻድ ምስ ተፈላለዩ ሓደ መዓልቲ ንካልኣይ (ዳግማይ) ጊዜ ተራኸቡ።
ቅዱስ ኤፍሬም ንድንግል ማርያም እግዝእትየ” ኢሉ ደጋጊሙ አብ ጉባኤ ከመስግና እንከሎ አባ ስምዖን ዘዓምድ ድማ እዚ ትምህርቲ እዚ መን ምሂሩካ በሎ። ቅዱስ ኤፍሬም ድማ ተገሊጹለይ ከይብል ውድሴ ከንቱ ፍሪሑ መምህርና በሎ። ቅዱስ ስምዖን ከኣ መምህርናስ ከምዚ ኢሎም ኣይመሃሩናን ስለ ዝዓረፈ ከምኡ ትብል ኣለኻ በሎ። ነጊሩና እባ ኣይንገረናን ብዝብል ተኸራኺሮም ይመስከር ይመስከር ኢሎም ናብ መቓብሩ ከይዶም እንተረኣዩ 10 ኣጻብዑ ከም ድሙቕ ሽምዓ እና ኣብርሃ ተንሢኡ “በሕይወትየ እብለኪ ”ሰላም ለኪ ኦ! ቅድስት ድንግል ከመ ስምዖን ዘዕምድ ወድኅረ ሞትየሰ ኩሎሙ ኣዕጽምትየ ይብሉኪ ወይዌድሱኪ ሰላም ለኪ ኦ! እግዝእትየ ቅድስት ድንግል ከመ ኤፍሬም ሶርያዊ” ኢሉ መስከረ። በዚ ድማ ሕያውነት ቅዱስ ኤፍሬም ተገልጸ።
ናይ አዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ክብርን ናይ ቅዱስ ኤፍሬም ጸጋን መስኪሩ ደጊሙ ናብ መቃብሩ ተመልሰ። ቅዱስ ስምዖን ዘዓምድ ድማ በዚ ነገር እዚ ተገሪሙ ንቅዱስ ኤፍሬም ሰጊዱ እግዝትየ እትብል ቃል ስንቂ ሒዙ ናብ በረኻ ከደ። እቲ ውዲ 7 ዓመት ጓሳ እንከሎ ዝጀመሮ ጾምን ጾሎትን ናብ በረኸ ምስ ከደ ድማ ብጣዕሚ ሓይሉ ጾመን ጸለየን ተጋደለን፡ ክስብ አብ ሕቆኡ ገመድ ጠቕሊሉ ምስቲ ጾም ዝጾሞ ዝነበረ ድማ እቲ ገመድ ናብ ውሽጢ ነብሱ ብምእታው ነብሱ ይጨኑ ከም ዝነበረን እዩ ታሪኽ ዝነግረና።
እቶም መነኮሳት ናይቲ ገዳም ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዑ ነቲ አበ ምኔት ነጊሮም ነቲ ገመድ አውጺኦም ነአባ ስሞኦን ዘዓምድ ካብቲ ገዳም ሰጎግዎ። ንሱ ግን እዚ ነገር እዚ ሕማማተ መስቀል ናይ ክርስቶስ ንምዝካር እዩ ዝገብሮ ነይሩ። አባ ስምዖን ድማ ካብቲ ገዳም ወጺኡ ናብ ጫካ በረኻ ብምካድ አብ መንጎ አራዊት መሮርን ዝተፈላለዩ እንስሳታትን ኮይኑ ይጽሊ ነበረ ።እግዚየብሔር ድማ ነቲ አበምኔት ብራእይ ተገሊጹ ንስምዖን ፍፈታውየይ እንተዘይመሊስካዮ አይምሕረካን እየ በሎ። እቶም መነኮሳት ድማ ደልዮም ይቅረ በለልና ብምባል ናብ ገዳሙ መለስዎ። ብብዙምኅ ተጋድሎ ድማ አብቲ ገዳም ተቐመጠ። ብድሕርዚ እግዜአብሔር ካብ ገዳሙ ወጺኡ ናብ ሓንቲ 15 ሜትሮ እበጽሕ፡ ዓባይ ኦም ከይዱ ንኽቕመጥ ዘአዘዞ። በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ዓምዲ/ኦም አቦ ዝተባህለ። ልዕሊ 50 ዓመት ድማ ደው ኢሉ ብዘይ ዕረፍትን ድቃስን ጸለየ ተጋደለ።
እቲ ዝነበሮ ቦታ ናብ ከተማ ቀረባ ስለዝነብረ ብዙሓት ተፈዊሶም እዮም። ብናቱ ስብከት ተማሂሮም ሃይሞኖቶም አጽኒዖም ። ናብ ንስሓ ዝተመልሱ ቁጽሪ የብሎምን ክበሃል ይከአል። ሓደ ሓደ ክፉአት ሰብት ድማ ንዕኡ ብምርአይ ጥራይ ይምለሱ ነይሮም። ን12 ዓመት ድማ ብሓንቲ እግሩ እዩ ደው ኢሉ፡ እታ ሓንቲ እግሩ ስለ ዝቖሰለት።
አባ ስምዖን ዘዓምድ ድሕሪ ብዝኅ ተጋድሎ ብ3 ነሐሴ ዓረፈ። ናይ ዕረፍቱ ዜና ድማ ካብ ቤተ ክህነት ክሳብ ቤተ መንግስቲ አደንገጸ። አባ ስምዖን ንምእመናን ንምሕላው/ምጉሳይ ዕረፍቲ ዘይብሉ አቦ እዩ ነይሩ። አብ መወዳእታ ድማ ሊቃነ ጳጳሳት ገኒዞም መኳንንቲ ድማ ተሰኪሞም ንበድነ ሥጋኡ ናብ በቃብር ወሲዶም ብምስጋና ቀበርዎ። ብዙኅ ተአምራት ድማ ገበረ።
በረኸቱን ረዲኤቱን ናይ አባ ስምዖን ዘዓምድ ምስ ኲላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኩን።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን።
Leave a comment




