፫/3 ጥቅምት ዕረፍቱ ንሰማእት ቅዱስ ጊዮርጊስ ሐዲስ

፫/3 ጥቅምት ዕረፍቱ ንሰማእት ቅዱስ ጊዮርጊስ ሐዲስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ አሜን!

፫/3 ጥቅምት ዕረፍቱ ንሰማእት ቅዱስ ጊዮርጊስ ሐዲስ!!!

ሰማእት ቅዱስ ጊዮርጊስ ሐዲስ  ኣብ ምድረ ግብፂ አሕዛብ(ተንበላት) ኣብ ዝሰልጠኑሉ ናይ መጀመሪያ ዘመን ተወለደ።ብፍላይ ተንበላት ግብፂን ሶርያን ምስሓዙ ብዘይተሓሰበ ፍጥነት ብሓይልን ብሰብን ተወዲቦም ኣዝዮን ሓያላት ኮኑ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተወለደሉ ጊዜ ተንበላን ነጊሰሙሉ ዝነበረ ዘመን እዩ ዝነበር።

ኣዲኡ ዝተመስከረላ ክርስቲያን ክትኸውን ከላ፣ ኣቡኡ ግን ተንባላታዊ(አሕዛባዊ) ነበረ። ስሙ ድማ መዛሕዝም በልዎ። እቲ ህፃን ምስተወለደ ዘውፅኡሉ ስም ኣሕዛባዊ ካብ ምዃኑ ኣብ መዓልቱ ክጥመቕ አይከኣለን። ናይቲ ጊዜ እቲ ሕጊ ካብ ወለዱ ሓደ አሕዛባዊ እንተኾይኑ ከጠምቕ እየ እንተይሉ ብሰይፊ ክሳዱ ይስይፈ ነበረ። በዚ ምኽንያት ከይተጠምቀ ወዲ 7 ዓመት ኮነ።

ኣዲኡ ግን ዋላኳ ቖልዓ እንተኾነ ፍቅሪ ክርስትና ተምህሮ ነበረት። አይተጠመቕ እምበር ጸበል፡እምነት ትቐብኦ ነበረት። ሓቢኣ ቅዳሴ ተስምዖ ነበረት። ሓደ መዓልቲ ግን ቖልዑ ክቖርቡ ሪኡ እንተዘይቆረብኩ ኢሉ በኸየ። እንታይ ትግበሮ፧ ናብ ደገ ኣውፂኣ ካብ አውሎግያ(ናይ ሰንበት በረከት) ኣብለዐቶ።”ጎይታየይ!ንወደይ ርድኣዮ” በለት።

እቲ ዝበልዖ መዓዛ መንፈስ ቅዱስ ሓደሮ እሞ ኣዝዩ ተሓጎሰ። ዕብይ ምስበለ ድማ ንምንታይ ከምዘይጥመቕን ከምዘይቖርብን ንኣዲኡ ሓተታ። “ወደይ! ክቐትሉኻ እዮም!” በለቶ። ካብዛ መዓልቲ ጀሚሩ ዝጥመቐሉ ሜላ ክደሊ ጀመረ።

ኣቐዲሙ ትምህርተ ክርስትና ተምሃረ። ንኣካለ መጠን ምስ በጽሐ ክርስቲያን ዝኾነት ጓል ተመርዐወ። ንእሽተይ ፀኒሑ ድማ ንሰበይቱ ብዛዕባ ምጥማቕ ኣማኸራ።”ናብ ካሊእ ሃገር ከይድኻ ተጠመቕ” በለቶ። ካብ ግብፂ ተላዒሉ ሶርያ ኣተወ። ኣብ ሶርያ ውን ተጠመቐ። ቀፂሉ መገዱ ንልዳ ገበረ።

“ስም ድማ “መንፈስ ቅዱስ ኣዛሪብዎም “ጊዮርጊስ” በልዎ። ንሱ ድማ ደስ እንዳ በሎ፡ ብሓፂር ተዓጢቑ ነቲ ናይ ልዳ ቅዱስ ጊዮርጊስ ከገልግል ጀመረ። ንእሽተይ ፀኒሑ መንፈሳዊ ሓይሊ ተሰምዖ። ማለት ምእንቲ ሃይማኖቱ ደሙ ከፍስስ ደልዩ ናብ ግብፂ ተመለሰ።

ኣብኡ ዘለዉ አሕዛብ ብክርስትና ስም፡ ክዳንን ሞገስን እንተርኣዎ ተቖጥዑ። ሽዑንሽዑ ድማ ኣሰርዎ። ለይቲ ድማ ኣዲኡን፣ ሰበይቱን በልኦ፦”ሓደራ!ፍቕሪ ዓለም ክይታልለካ። ሰማእት እንተኾይንካ ንዓኻ ክብሪ፡ንዓና እውን ሞገስ እዩ። ኢለን ኣፅናዕንዕዎ።

ከምዚ ዝበላ ኣደን በዓልቲ ቤትን ምርካብ ዓብዪ ዕድል እዩ።

ሐዲስ ጊዮርጊስ ድማ ፀንዐ። ካብታ መዓልቲ ጀሚሮም ደብደብዎ፡ ኣካሉ ቖራረፅዎ፡ደሙ ‘ውን ኣብ መሬት ኣንጠብጠበ። ብመገዲ እናጎተቱ ኣላገጹሉ። ንሱ ግን

ንስለ ክርስቶስ ደሙ ከፍስስ ፈትዩ እዩ’ሞ ኩሉ ተዓገሰ። ለይቲ ድማ ጎይታና ተገሊፁ “ምስ ሰማእታት ተቖፂርካ ኣለኻ” በሎ።

ንፅባሒቱ ድማ ኣብ ኣደባባይ ክሳዱ ብሰይፊ ቖረፅዎ። ክፍኣቶም ዝፀንዐ እዩ’ሞ ሥጋኡ ብሓዊ ኣቃፀልዎ። ናብ ባሕሪ ድማ ደርበዩዎ። ኣዲኡ ካብ ባሕሪ ምስ ኣውጽኣቶ ዋላሓንቲ ከይኮነ ጸነሓ።

በዚኣ ዕለት እዚ ድማ ኣዲኡን ሰበይቱን ብኽብሪ ቐበርዎ።

ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ሰማእት ቅዱስ ጊዮርጊስ ሐዲስ

ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን!

Leave a comment

Send a Comment