፬/4 ታሕሳስ ዕረፍቱ ለሓዋርያ እንድርያስ

፬/4 ታሕሳስ ዕረፍቱ ለሓዋርያ እንድርያስ

                           በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

              ፬/4 ታሕሳስ ዕረፍቱ ለሓዋርያ እንድርያስ

          እንድርያስ ማለት ጽኑዕ፡ ቦኽሪ ማለት ኮይኑ፡ ንሓዋርያ ጴጥሮስ ሓዉ እዩ። ቅዱስ እንድርያስ ሃገረ ስብከቱ ልዳ እዩ። ካብ 72 ኣርድእት ንፊልሞና

ሒዙ ምስ ከደ ኣብ ቤት ጣዖት ኣተወ። ፊልሞና ንድምጹ ዓው ብምባል“ኣማልክቲሆሙ ለኣሕዛብ ዘወርቅ ወዘብሩር ግብረ ኢደ እጓለ እመሕያው”

ናይ ኣህዛብ ኣማልኽቲ ብወርቅብን ብብሩርን ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ እዮም እናበለ ክዝምር ከሎ ኣህዛብ ተኣከቡ። ምሂሩ ድማ ኣእመኖም። ሊድያ ዝተባህለት ሰበይቲ ድማ ድሕሪ ሞታ ኣተንስኣ። ብድሕሪ እዚ መእምናን ካብ ግብሪ ጽድቂ ናብ ግብሪ ሓጢኣት ንኸይምለሱ ዝምህርዎም መምህራንን ካህናትን ሸመሎም። መካነ ጸሎት ሂብዎም። ወንጌል ንዘይበጽሖም ከብጽሓሎም ናብ በላዕቲ ሰብ ብምኻድ መሃረ። ጽኑዕ መበሊኡ ድማ በዚ እዩ።

ሰማዕትነት ዝተቐበለሉ ኣብ መስቀል ብምስቃል እዩ። ኣብ ጋዝሪኖስ ዝተባህለ ቦታ ኣትዩ ክምህር ከሎ እቶም ህዝቢ ንትምህርቲ ሰሚዖም ንተኣምራቱ ርእዮም ኣመኑን ተጠምቁን። ካህናት ጣዖትን ነቢያት ሓሶትን ጥቕሚ ምስ ጎደሎም ሓያላት ዝበሃሉ ብምእካብ፡ ዓስብኹም ክንህበኩም ኢና ነዚ ኣጥፍኡልና በልዎም። እቶም ልኡኻት ምስ ከዱ እንድርያስ ክምህር ጸንሖም፡ ብትምህርቱ ኣሚኖም ኣቡኡ ተረፉ። እቶም ለኣኽቲ ድማ ወይ ካብ ህዝብና ወይ ካብ ገንዘብና ከይኮና ተሪፍና ብምባል ኲናትን ዋልታን ሒዞም መጽእዎ። ናብ ጎይታ ምስ ጸለየ ድማ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ

በልዖም። እቶም ዝተረፉ ድማ ሒዞም ኣብ ገዛ ዓጸውዎም። ካልኣይ ግዜ ሓዊ ካብ ሰማይ ወሪዱ ከጥፍኦም ምስ ጸለየ፡ ጎይታ ተገሊጽሉ ንሶም ብኸፋእ ተግባሮም ክጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግን ናብ ቦታ ዕረፍቲ ክትኣቱ ስለ ዝኾንካ ተዓገስ በሎ። ንጽባሒቱ ድማ ኣብ ንቑጽ ዕንጨይቲ ሰቒሎም ቐተልዎ።

በረኸትን ጸጋን ናይ ሓዋርያ እንድርያስ ኣይፈለየና

ኣሜን ኣሜን ኣሜን

 

Leave a comment

Send a Comment