፬/4 ነሓሴ ዕረፍት ንጉሥ ሕዝቅያስ  

፬/4 ነሓሴ ዕረፍት ንጉሥ ሕዝቅያስ  

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

፬/4 ነሓሴ ዕረፍት ንጉሥ ሕዝቅያስ

ሆሴዕ ወዲ ኤላ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሠ ኣብ መበል ሣልሰይቲ ዓመቱ ሕዝቅያስ ወዲ ኣሃዝ ኣብ ይሁዳ ነገሠ። ንሱ ኺነግሥ ከሎ ወዲ ዕሥራን ኃሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ከኣ ዕሥራን ትሽዓተን ዓመት ገዘአ። ኣዲኡ ኣቢያ እትብሃል ጓል ዘካርያስ ነበረት። ሕዝቅያስ ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ ዅሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቅኑዕ ገበረ። ነቲ ንጣዖት ዚሰግዱሉ በረኽቲ ኣልገሶ፡ ነቲ ኣዕኑድ ኣእማን ሰባበሮ ሓወልትታት ኣሸራ ኸኣ ኣዕነዎ። ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ተመን ኣስራዚ ድማ፡ ደቂ እስራኤል ክሳዕ እቲ ዘመን እቲ ይዓጥኑሉ ስለ ዝነበሩ ድርቅምቅም ኣበሎ። እቲ ተመን ነሑሽታን ይብሃል ነበረ።

ሕዝቅያስ ብእግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል ተኣመነ፡ ይሁዳ ኸኣ ቅድሚኡ ኾነ ድኅሪኡ ኸምኡ ዝበለ ንጉሥ ረኺባ ኣይትፈልጥን።

ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እሙን ነበረ። ነቲ እግዚኣብሔር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ትእዛዛት ደኣ ይሕሉ ነበረ እምበር ትእዛዛቱስ ኣፍሪሱ ኣይፈልጥን። ስለዚ እግዚኣብሔር ምስኡ ነበረ፡ ዚገብሮ ዅሉ ኸኣ ይሰልጦ ነበረ። ካብ ንጉሥ ኣሶር ዓለወ፡ ኣይግዛእን ኢሉ ድማ ኣበየ።

ወረራ ሰናክሬብ

ንጉሥ ፋርስ ሰናክሬብ ንኢየሩሳሌም ከበባ፡ እስራኤላውያን ሓጢኣት እናገበሩ ጣዖት እናኣምለኹ ንእግዚኣብሔር ኣሕዘንዎ እሞ ከጥፍኦም መጸ (2ይ ነገ.18፡13—,2ነገ.19፡1–)።  ንጉሥ ፋርስ ሪፋስቂስን፡ ሪፋስሮስ ዝተባህሉ ለኣኸ። ናብ ቀጽሪ መካበብያ ቀሪቦም “ኣገልጋሊ ሕዝቅያስ” እናበሉ ጸውዑ፡ ሕዝቅያስ ድማ ዝብሉኩም ጥራይ ስምዑ ኢሉ ንሳምናስን፡ ዮኣስን ኤልያቂምን ለኣኸ። እሳቶም ድማ ከምዚ ኢሎም መልእኽቶም ኣብጽሑ፡ “ንመ ኢኻ ተኣማሚንካ ዘለኻ ሻንብቆ እንተተመርኮስካ ይስበር እሞ፡ ጭላፍ ድማ ኣብ ኢድካ ኣትዩ ኣቑሲሉ ይቐትለካ። ንጉሥ ግብጺ ሳሳል ንዓኻ ኣይኾነን ንገዛእ ርእሱ’ውን ከድኅን ኣይክእልን እዩ። ንሰማርያ ከምዘጥፋእክዋ ንኢየሩሳሌም’ውን ከጥፍአ እየ። እቲ ፈጣሪ ኣለኒ ኢልካ እትምከሓሉ ዘድኅነካ እንተኾይኑ ዳስካን ቐጽርኻን ዓጺኻ ጽንሓኒ ኢሉካ” ንጉስ በልዎ፡ ኢሎም ነቶም ልኡኻት ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ገጾም ኣጸልሚቶም ብምእታው ዝተባህልዎ ነገርዎ፡ ሕዝቅያስ ድማ “ከምዚ ዝበለ ጸላኢ ብጸሎት እምበር ብሓይሊ ብረት ኣይከኣልን እዩ፡ ንነቢይ ኢሳይያስ ኬድኩም ንገርዎ በሎም፡ ንሶም ድማ ነገርዎ። ኢሳይያስ ድማ ጸልዩ እቲ ዝኸውን ተገልጸሉ፡ ኣዶኻ ኣብ ከተማ ከይበጽሐ በታ ዝመጻ ክምለስ ኢሉ ናብ ሕዝቅያስ ልኣኸ። ብድሕሪ’ዚ ሰናክሬብ ሓሊፍ በለኪሶን በጽሐ፡ ለይቲ ድማ ቅዱስ ሚካኤል ሰይፈ መዓቱ መዚዙ ምስ ተራእዮም 185 ሽሕ ዝበጽሑ ወተሃደራት ሞቱ፡ ንንጉሥ ድማ መለኸት ድምጺ ነጋሪትን ድምጺ ፈረስን እናኣስምዑ “ሕዝቅያስ መጺኒ” ኢሉ ዘውዱን ልብስ ንግሥነቱን ደርብዩ ናብ ሃገሩ ሃደመ። እቲ ዘውዱ ነቢያትን ካህናትን ረኺቦም ንሕዝቅያስ ሃብዎ (ክብሪ ኾኖ)። ሰናከሬም ገዝኡ በጺሑ ንጣዖት ክሰግድ ከሎ ደቁ ኣድራማ፡ ሌከና፡ ሶርሶር “ሰራዊት ኣበይ ገዲፍካዮም መጺኻ” በልዎ። ንሱ ከኣ “ናይ ሕዝቅያስ ኣምላኽ ሃሪምዎም ሞይቶም” በሎም። ነቶም ሓያላት ዝበሃሉ ኩሎም ኣራርዩ ወሲድዎም ስለዝነበረ፡ ነዞም ኩሎም ኣጥፊእካ መጺኻ ኣብ ልዕሊ መን ክትነግስ መጺኻ ኢሎም ኣብ ትሕቲ ጣዖት ከሎ ብሓጺን (መውቀጢ ቡን) ጌሮም ቐተልዎ።

ንጉሥ ሕስቅያስ ክትመውት ኢኻ ከም ዝተባህለ

ንጉስ ሕዝቅያስ ብጽኑዕ ሓሚሙ ደቂሱ። ነቢይ ኢሳያስ ከኣ ናብኡ መጺኡ። ኮይኑ ግና ከም ልማዱ እግዚአብሔር ይምሓርካ ኣይበሎን። ንእዝኒ ዝኸብድ ቃል ደርብይሉ ወጸ። “ክትመውት ኢኻ እምበር፡ ኣይክትሐውን ኢኻ እሞ፡ ሓዳርካ ተላቦ፡ በሎ”።  ነቢይ ከምዚ ኢሉ ድሕሪ ምውጽኡ ሕዝቅያስ ናብ መንደቕ መሊሱ ብመሪር ብኽያት በኸየ። ኣምላኹ ብናይ ዘረባ ብዝኂ ዝሰምዕ ኣምላኽ ኣይኮነን እሞ ገጹ ናብ ቤተ መቕደስ መሊሱ በኸየ።

ድሕሪ ኂደት ደቓይቕ ነቢይ ኢሳያስ ካልእ መልእኽቲ ሒዙ ተመለሰ። እግዚአብሔር ከምዚ ይብል ፦ “ጸሎትካ ሰሚዐ፡ ብኽያትካ ርእየ እንሆ ኣብ ዕድሜኻ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ተወሲኽልካ ኣሎ በሎ።

ንጉሥ ሕዝቅያስ ኣብ ዘመኑ ንእግዚኣብሔር የምልክ ነበረ። ኣብ ቅድሚኡ እግዚአብሔር ብቅንዕና ተጓዒዙ፡ ኣብ ወለዶ ኢየሱስ ክርስቶስ ውን ተቖጺሩ እዩ። (ማቴ.1፡10) ንዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ንሕዝቢ ኣመሓዲሩ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ድማ ኣዕረፈ። ምናሴ ወዱ ድማ ኣብ ዝፋኑ ተተክአ። እዚ ዝተፈጸመ ብ701 ዓመተ ዓለም እዩ።

ጸሎትን በረከትን ናይ ንጉሥ ሕዝቅያስ ምስ ኲላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኩን ኣሜን ።

ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

Leave a comment

Send a Comment