በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ አምላክ አሜን!!!
፬/4 ጥሪ ሐዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ወልደነጎድጋድ ናብ ብሔረ ሕያዋን ዝተወሰደ ዕለት
“ወንጌላዊ ቅዱስ የሓንስ ወልደ ነጎድጋድ ብጐይታ ዝተፈትወ ሓዋርያ”።
ሰላም ኣምላኽ ምስኹልና ይኹን እናበልና ሎሚ ፬/4 ጥሪ ዓመታዊ በዓል ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ወልደነጎድጓድ እዩ።
በረኸቱን ጸሎቱም ኣምላድነቱን ኣይፈለየና።
ቅዱስ ዮሓንስ ብዙኅ ኣስማት መጸውዒ ዘለዎ ሐዋርያ እዩ።
-
ፍቁረ እግዚእ (ጐይታ ዝፈትዎ)፦ ብሕይወቱን ናብራኡን ንጐይታ ኪመስል ይጽዕር ስለዝነበረ ጐይታ ይፈትዎ ነበረ። ብትውፊት ቤተ ክርስቲያን ከም ዝንገር፡ ጐይታ ንመዕጠቒኡ ፈቲሑ ምስ ኣቐመጦ፡ ኣልዒሉ ብምዕጣቑ ፍትወት ሥጋዊ ወደማዊ ጠፊኡሉ፡ ናብራኡ ከም መላእኽቲ ኮይኑሉ እዩ።
-
ወልደ ዘብዴዎስ፦ ንዓቢይ ያዕቆብ ምንኣስ ኃዉ እዩ። ኣቦኦም ድማ ዘብዴዎስ ስለዝበሃል “ዮሐንስ ወልደ ዘብዴዎስ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።
-
ወልደ ነጐድጓድ፦ ኣብ ጐይታና ብዘለዎ ኃያል ፍቕራዊ ቅንእን፡ ምስ ኃዉ ኾይኑ ብዘርኣዮ ናይ ኃይሊ ሥራሕን፡ ጐይታና ‘ወልደ ነጐድጓድ (ቦአኔርጌስ)’ ኢልዎ እዩ። (ማር 3፡17) (ሉቃ 9፡49-54) ብተወሳኪ’ውን ብዕምቈት ትምህርቱ ንናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይልን ኣምላኽነትን ብምግላጽ ወልደ ነጐድጓድ ተባህለ።
-
ነባቤ መለኮት (ታኦጎሎስ)፦ ንነገረ መለኮት ካብ ካልኦት ሐዋርያት ብዝበለጸን ኣብዚኁን ኣስፊሑን ኣዕሚቑን ኣርቂቑን ብምምሃሩ ‘ነባቤ መለኮት’ ተባህለ።
-
ኣቡቀለምሲስ፦ ናይ ግሪኽ ቃል ኮይኑ በዓል ራእይ ማለት እዩ። ንዝኃለፈን ንዝመጽእን ብራእይ ስለዝተገልጸሉ “ዮሓንስ ኣቡቀለምሲስ” ተባህለ።
-
ቁጹረ ገጽ፦ በቲ ብዕለተ ዓርብ ዝረኣዮ መከራ መስቀል ጐይታና ገጹ ብኃዘን ተጨማዲዱ ይነብር ስለዝነበረ እዚ ስም’ዚ ተዋህቦ።
ዘንስር ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ እዩ። ንስሪ ብእግሩ ይኸይድ ብኽንፉ’ውን ይበርር እዩ። ንሱ’ውን ከም ኣሕዋቱ ሓዋርያት ንዓለም ዘይሩ ወንጌል ክርስቶስ ምሂሩ እዩ። “ቀዳሚሁ ቃል” ኢሉ ድማ ቅድመ ዓለም ህላዌ እግዚኣብሔር ጽሒፉ እዩ። ትውልዱ ካብ ቤት መንግሥትን ካብ ቤት ካህናትን እዩ። ኣቡኡ ዘብዴዎስ ሓዉ’ውን ያዕቆብ ይበሃሉ። ጐይታ ካብ ምግፋፍ ዓሳ ዝጸውዖ ቅዱስ ኣቦ እዩ (ማቴ 4፡21) ። ናይ ሮም ንጉሥ ጢባርዮስ ቄሳር ናይ ጐይታ ነገር ኣይሁድ ብግፍዒ ከም ሰሚዑ እና ሓዘነ ይነብር ነበረ። ሓደ መዓልቲ ኣነ ለጓሚ ፈረስ ሰበይተይ ድማ ገረዳ፡ ኣገልጋሊት ኮይና ከነገልግላ ኢና ስለዚ ነዲኡ ደሊኹም ኣምጽኡልና ኢሉ 200 ጭፍራ ናብ ኢየሩሳሌም ለኣኸ። ጐይታ ናይ ኣዲኡ ተድላ ስጋ ስለ ዘይደሊ ብደመና ኣልዒሉ ናብ ገነት ኣእትዩ መድኃኒትኩም እዚኣ እያ ኢሉ ሃቦም። ካብ ኣቤል ጀሚሮም ክሳብ ሽዑ ዝዓረፉ ነፍሳት ብኣማን እግዚእትነ ብኣማን መድሓኒትነ ኢሎም ኣመስገንዋ። በዚ ግዜ ንዮሓንስ ኬድካ ምሃር በሎ። ዮሓንስ ከይዱ ክምህር ከሎ ብዕለተ ዓርቢ ኣይሁድ ከም ዝሰቐልዎ ጌርካ ኣርእየኒ በሎ፡ እና ሰኣለ ምስ ኣርኣዮ ድማ ዕራቑ ምስ ሰኣሎ “በከመ ሰቐሉኒ ኣይሁድ ዕራቅየ በኢየሩሳሌም ዳግምኑ ትሰቅለኒ በሮም; ከምቲ ኣይሁድ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝሰቐሉኒ’ዶ ዳግማይ ኣብ ሮማ ትሰቕለኒ ኣሎኻ በሎ። ከለሜዳ ኣዕጢቑ ድማ ሰኣሎ። ከላሚዳ ኣዕጢቕካ ምስኣል ዝተጀመረ በዚ ጊዜ እዩ። ስኢሉ ምስ ወድአ ምስ ሰዓሞ ክልተ ከናፍሩ ምስቲ ስእሊ ተላጊቡ ክልተ ሰዓት ጸንሐ።
* ሃገሩ (ዓዱ)፦ ንቕዱስ ዮሐንስ ዓዱ ኣብ ዞባ ገሊላ እዩ። ምስ ኃዉ ቅዱስ ያዕቆብን፡ ኣቦኡ ዘብዴዎስን ዓሣ ብምግፋፍ ይናበር ነበረ። ኣዲኡ ካብተን 36 ቅዱሳን ኣንስቲ ሓንቲ እያ።
ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ጊዜ መከራ ጐይታና ከይሃደመ፡ ክሳዕ እግሪ መስቀል ዝሰዓቦ ሐዋርያ እዩ። ብዕለተ ዓርብ ንዝርአዮ መከራ ጐይታ እናዘከረ ዝተረፈ ዕድሜኡ ብንብዓት ፈጺሙ እዩ። ንሐዋርያውነት ኪጽዋዕ ከሎ ኣብ ዕድመ መንእሰይ እዩ ነይሩ። ን99 ዓመታት ዝኣክል ድማ ኣብዚ ምድሪ እዚ ነይሩ።
***ቅዱስ ዮሓንስን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን***
ሐዋርያ ቅዱስ ዮሐንስ ክሳዕ እግረ መስቀል ብምስዓቡ ንሕዝበ ክርስቲያን ወኪሉ ንኣደነት ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ጐይታና ተቐቢሉ እዩ። (ዮሐ 19፡25-27) ንእኣ ክሕልዋ ሓደራ ስለዝተዋህበ ኣርኂቑ ንስብከት ከይከደ ምስኣ ነበረ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ቅዱስ ዮሐንስ ንልዕሊ 15 ዓመት ዝኣክል ምስ ተቐመጠት ኣብ 49 ዓ.ም. ዓሪፋ።
* ሀገረ ስብከት
ወንጌላዊ ዮሐንስ ድኅሪ ዕረፍቲ እመ ብርሃን ናብ ንእሽቶ ኤስያ ኸይዱ መሃረ። ቀንዲ መንበሩ ኣብ ኤፌሶን ብምግባር፡ ብፍላይ በቲ ዘመን እቲ ካብ ኤውሮጳ ናብ ማእከላይ ምሥራቕ ብዝወስድ መንገዲ ብዝተደኮኑ ሓደስቲ ኸተማታት እናተዛወረ ኣብያተ ክርስቲያን ብምሕናፅን ጳጳሳት ብምሻምን ብርሃን ወንጌል ኣብርሀ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ዘመን’ቲ ብጭካነኡ ዝፍለጥ ንጉሥ ድምጥያኖስ (81-96 ዓ.ም.) ወንጌል ብምምሃሩ ብመምለኽቲ ጣዖት ተኸሲሱ፡ ንፍርዲ ድኅሪ ምቕራቡ ብዝፈልሐ ውዑይ ማይ ተሳቕዩ፡ ኣብ ደሴት ፍጥሞ ክሕየር ተፈርደ። ነቲ ራእዩ ዝረኣዮን ዝጸሓፎን’ውን ኣብዚ ቦታ እዚ ኮይኑ እዩ። ኣብ 96 ዓ.ም ድምጥያኖስ ምስ ተቐትለ፡ ቅዱስ ዮሐንስ ካብ ደሴት ፍጥሞ ተመሊሱ ወንጌሉን ንሠለስተ መልእኽታቱን ከም ዝጸሓፎ ይንገር።
* ቅዱስ ዮሓንስን መጻሕፍቱን
ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ኃሙሽተ መጻሕፍቲ ኣለውዎ። ንሳቶም ድማ፦
ዓይነት መጽሓፍ ብዝኂ
-
ወንጌል 1
-
መልእኽታት 3
-
ራእይ 1

