፬/4 ጥቅምቲ ተዝካረ ዕርፍቶም ንቅዱሳን ነገሥታት ኣብርሃን ኣጽባሕን

፬/4 ጥቅምቲ ተዝካረ ዕርፍቶም ንቅዱሳን ነገሥታት ኣብርሃን ኣጽባሕን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!
፬/4 ጥቅምቲ ተዝካረ ዕርፍቶም ንቅዱሳን ነገሥታት ኣብርሃን ኣጽባሕን
***ቅዱሳን ነገሥታት ኣብርሃን ኣጽባሕን ***


እዞም 2 ቅዱሳን ነገሥታት ማንታ ኮይኖም፡ ወለዶም ድማ ንጉሥ ታዘር / ዓይዛና / ሰይፈ ዓረድን ኣዲኦም ንግሥቲ አሕየዋ (ሶፍያን ) ይብሃሉ። እቲ ንጉሥን ሰበይቱን ውላድ ስለ ዘይብሎም ናብ ኣምላኽ ጸለዩ። ፈጣሪ ብናይ ቅዱስ ሚካኤል መልኣኽ ኣማላድነት ኣቢሉ 2 ውሉድ ሃቦም ።
ንግስቲ አሕየዋ (ሶፍያ) ብ29 መጋቢት 311 ዓ.ም. ፅኒሳ ብ29 ታሕሳስ 312 ዓ.ም. ንዞም ክልተ ቅድዱሳን ወለደቶም እዞም ክልተ ቆልዑ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ካብቲ ናይቲ እዋን ሊቀ ካህናት እንባረም ዝብሃል ኦሪት ዝተማህሩ እዮም።
+ብእግዚኣብሔር ዝተዋህቡ ስለ ዝኾኑ ኣብ መበል 12 ዓመት ዕድሚኦም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተዉ።ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ግን ኣቦኦም ታዘር ምስ ዓረፈ እቶም ህዝቢ ነቶም ክልተ ቅዱሳን “ንገሡልና” ኦሎም ሓተትዎም። ንሳቶም ድማ ብሕና “ኣገልገልቲ ፈጣሪ ስለ ዝኾንና ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና” ስለ ዝበሉ ንዝተወሰነ ጊዜ ኣዲኦም ኣምሓደረቶም።
ድኃር ግና ቅዱስ ሚካኤል ነቲ ሊቀ ካህናት “ፍቓድ ፈጣሪ እዩ እሞ ኣይትሓዝን። ክልቴኹም ኣብ ሓደ ዝፋን ክትነግሡ ኢኹም። ነዛ ሃገር ዓቢ ጸጋ ክኸውን እዩ።” በሎም በሎ።
እቲ ሊቀ ካህናት ከምቲ ዝተኣዘዞ ገበረ። ኣብ 19 ዓመት ዕድሚኦም ንኽልቲኦም ኣብ ሓደ ዝፋን ኣቐሚጡ “ነገሥታት” ክኾኑ ቀቢእዎም። “ኢዛና”ን “ሳይዛና”ን ኢሉ ድማ ሰመዮም። እዞም ነገስታት ቀዳማይ ዕዮኦም ንሓቀኛ ሃይማኖት ምስዓብ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን እቲ ፍረመናጦስ ( ደሓር ኣቡነ ሰላማ ናይ ዝተባሉ) ኣብ ቤተ መንግሥቲ ናይ ቀረባ ኣማኻሪ ስለዝነበረ ጸዊዕም ኣዘራረብዎ። “ኦ ሓውና! እቲ ክርስቶስ ክወርድ እዩ ክውለድ እዩ ተባሂሉ ዝተቖጽረ ሱባኤ እኮ ሓሊፉ። እንታይ እዩ ተሪፉ ማለለት ድዩ፧ ምሥጢሩ ንገረና በልዎ ።”
ንሱ ድማ ኣስፊሑ ኣመሥጢሩ ቅድሚ 300 ዓመታት እግዚኣብሔር ሰብ ምዃኑን ንዓለም ከም ዘድሓነን ምሃሮም። “ኣትምቐና” ኢሎም እኳ እንተ ሓተትዎ ንሱ ግና “ኣይኽእልን እየ” በሎም። ብዙሕ ህያባት ኣትሒዞም ድማ ናብ ግብጺ ሰደድዎ።
ቅዱስ ኣትናቴዎስ በቲ ጊዜ’ቲ ናይ እስክንድርያ ሊቅውጳጳስ ዝነበረ ንፍረመናጦስ “አቡ ሰላማ” ኢሉ ጳጳስ ክኸውን ሸሞ። ምስ ብዙሕ መጻሕፍን ካልእ ነዋየ ቅዱሳንን ድማ ናብ ሃገረና ሰደዶ። ኣብ ምድረ ኣግኣዚት ድማ ንፈለማ ጊዜ ኢዛናን ሳይዛን ተጠመቑ። ኣስማቶም ከኣ “ኣብርሃን ኣጽባሕን” ተባህሉ። ድሕሪኦም ኩሎም ሠራዊትን ሕዝብን ተጠመቑ።
ሃገርና በዞም ቅዱሳን ኣቢላ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን መጸት። ደሴት ክርስትና ድማ ኰነት። ሃገር እግዚአብሔር ምዃናውን ኣመስከረት ። ድኅሪዚ እዞም ቅዱሳን ብጸጋ ክርስትና ንምስፋሕ ኣበርቲዖም ሰርሑ። ልዕሊ 154 ኣብያተ ክርስቲያናት ሃኒጾም፡ መብዛሕትአን ድማ ካብ ኣኻውሕ ዝተፈልፈላ እየን ነይረን።
ቅዱስ ንጉሥ ኣብርሃ ኣብ መበል 52 ዓመቱ ብ364 ዓ.ም ብ4 ጥቅምቲ ምስ ዓረፈ ። ኃወ ኣጽብሃ ድማ ን15 ዓመት በይኑ ኣመሓዲሩ እዩ። ብ379 ዓ.ም ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ብ4 ጥቅምቲ ኣብ መበል 67 ዓመቱ ብኽብሪ ዓረፈ።
ኣብ ናይ ክልቲኦም መቓብራት ን30 መዓልቲ ዓንዲ ብርሃን ተተኺሉ ተራእየ። ጐይታና በቲ ዘይሕሶ ቃሉ “ነቲ ስምካ ጸዊዑ ዘኪረካ ክባርኾ እየ” ዝብል ቃል ኪዳን ኣተወሎም።
ጸሎቶምን በርኸቶምን ምስኩልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን አሜን!

Leave a comment

Send a Comment