በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ አምላክ ኣሜን!!!
፬/4 ጳጉሜን በዓለ ዕረፍቱ ለኣባ ባይሞን
ቅዱስ ኣባ ባይሞን ሃገሩ ኣብ ግብጺ(ምስር) ኮይኑ ሽዱሽተ ኣሕዋት ድማ ነበርዎ።ኣስማቶ ከኣ ዮሐንስ፡ኢዮብ፡ ዮሴፍ፡ላስልዮስ፡ያዕቆብ፡ኣብርሃም ይብሃሉ። ኮሎም ድማ መኮሱ። ዮሐንስ ካብ ኩሎም ዝዓበይ ነበረ። ኣባ ባይሞን ግን ብፍልጠትን ብጥበብን ካብ ኩሎም ዝዓበይ ነበር። ኩሎም ተሰማሚዖም ካብ ሰብ ርሒቖም ነዛ ዓለም ገዲፎም ናብ ገዳም ከዱ።ኣርዑት ወንጌል ጸይሮ ካብ ዘመድ ርሒቖም በታ ጸባብ መገዲ ክጎዓዙ መረጹ። ድኅሪ ጊዜ ኣዲኦም ክትርእዮም ናብቲ ዝነበርዎ በዓቲ መጸት። ኣብ ኣፍ ደገ በዓቲ ቆይማ መጺኦም ንኽርእይዋ ለኣኸትሎም። ንሳቶም ድማ ኣብዚ ዓለም እዚ ኸሎና ክትርእይና እተደሊኺ፡ ኣብታ ትመጽእ ዓለም ኣክትርእይናን ኢኺ ኢሎም መልሲ ለኣኹላ። ንሳ ድማ ነዚ ሓሳብ ተረዲኣ ናብ ቦትኣ ተመልሰት።
እዚ ቅዱስ ኣቦ ኣባ ባይሞን ኣብ ገዳም ኣስቄጥስ ንኣረጋውያንን ንወራዙን መዕረፊ ወደብ ኮነ። ካብ ጸላኢ ሠናይ ፈተና ዝገጠሞ፡ ናይ ሃይማኖት ጥርጥር ዘለዎ፡ ሕማም ዝጸንዖ ናብ ኣባ ባይሞን መጺኡ ይፍወስን ይጸናንዓን ነበረ።
ኣባ ባይሞን ብዛዕባ ብሕጊ ምንኩስና ምግጋዳልን፡ ብዛዕባ ኣምልኮት ብዙኅ ደርሳናትን ተግሥጻትን ዝጸሓፈ ኣቦ እዩ።
ክምህር ከሎ ድማ ዝተሰናኸለ ሓውኻ እንተሪኢኻ ብእኡ ተስፋ ኣይትቖረጽ እንታይ ደኣ ካብ ውድቀቱ ልቡ ንኽነቅሕን ካብ ዝወደቖ ንኽትንሥእን ኣበርትዓዮን ሰከሙ ኣቃልሉን፡ ኣፍካ ዝተዛረቦ ንኽሠርሕ ልብኻ መሃሮ፡ ይብል ነበረ።
ሓደ ኃው ናብ ኣባ ባይሞን መጺኡ ከምዚ በሎ፦ ጽቡቕ ሥራሕ ዝሠርሕ ኃው እንተርእየ ደስ ይብለኒ ናብ ቤተይ ወሲደ ከሕጉሶ ድማ ይፈቱ። ሕማቕ ዝሠርሕ ዝሠርሕ ኃው እንተርእየ ኣይፈትዎን ናብ ቤተይውን ኣይእትዎን። አባ ባይሞን ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ ከምቲ ነቲ ጽቡቕ ሥራሕ ዝሠርሕ ኃው ዝገበርካሉ ነዚ ሕማቕ ሥራሕ ዝሠርሕ ኃው ዕጽፊ ገይርካ ሠናይ ክትገብረሉ ይግባእ።
ድኅርዚ ነቲ ምስኡ ዝዛረብ ዝነበረ ኃው ከምዚ ክብል ነገሮ፡ ኣብ ገዳም ዝነብር ሓደ ካብ መነኮሳት ጢሞቴዎስ ዝብሃል ነበረ፡ ብኃጢኣት ወዲቑ ኦ ጐይታይ ይቕረ በለለይ እናበለ ከልቅስ ጀመረ፡
ካብ ሰማይ ድማ ከምዚ ዝብል ቃል መጽኦ ንኃውኻ ኣብ ጊዜ መከርኡ ሽለል እንተዘይትብል ነይርካ ኣነውን ኣይምገደፍኩኻን ነይረ ዝብል ድምጺ መጾ።
እዚ አቦ ደጊሙ ከምዚ ይብል፡ ንሓና በደል ኃውና እንተሠዊርና እግዚአብሔር ድማ ንዓና በደልና ክሥውረልና እዩ።
ቅዱስ ኣባ ባይሞን ዕድሚኡ ብተጋድሎን ትሩፋትን ምስ ፈጸመ ሠናይ እርግና ኣሪጉ ንእግዚአብሔር ኣገልጊሉ ብሰላም ዓረፈ።
ሰላም ዕብል በሳንየ መዋቲ። ፯ተ አኃው ኅዱራነ አሐተ። ሶበ ፈቀደት እሞሙ ትርእዮሙ ይበልዋ ላቲ። ኢትክሊ ትርትርአዪነ በዓለመ ሰማይ እንተታክቲ። ለእመ በዝየ ርኢክነ አንቲ።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን።
Leave a comment
