በስመ አብ ወወድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!
፭/5 ሓምለ ዕረፍቱ ንሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ”
ጳውሎስ ማለት፥ ሕሩይ፡ ምሩጽ ማለት ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልኣይ ድማ ብርሃን ማለት እዩ። ቀዳማይ ስሙ ሳውል ይብሃል።
እዚ ከኣ፡ ጸጋ እግዚአብሔር ማለት እዩ። ትውልዱ ካብ ነገደ ብንያም ኮይኑ፡ ኣቦኡ ዮስኤል ይበሃል። ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ ኣብ ሓሙሻይ ዓመቱ ኣብ ጤርሴስ ተወልደ። ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮነ ከኣ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ ዓባይ ሓፍቱ ብምቕማጥ ኣብ ትሕቲ ገማልያ ሕጊ ኦሪትን፡ መጻሕፍቲ ነቢያትን፡ እናተማህረ ዓበየ ። ብሕገ ኦሪት ኣዝዩ ፡ ቀናእ ስለ ዝነበረ፡ “ክርስቶስ ፍጡር እዩ፡ ወንጌል ድማ ድቓላ እያ” እናበለ ንሐዋርያት ይቃወም፡ ንምእመናን ድማ የሳድድ ነበረ። ብወንጌል ዝኣመነ ድሕሪ ዕርገት ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ኣብ 8ይ ዓመቱ እዩ። ክርስትያን ንምስዳድ ከኣ፡ ካብ ሊቀ ካህናት ወረቀት ተቐቢሉ ናብ ደማስቆ እናኸደ ከሎ፡ መብረቕ ወደቖ፡ ሰንቢዱ ድማ ወደቐ፡ (“ሳውል ሳውል፡ሳውል) ስለምንታይ ተሳድደኒ ኣለኻ፧” ዝብል ድምጺ ድማ ሰምዐ። ንሱ ኸኣ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሉ ሓተተ። “ንምእመናን ኣብ ዝወዓልዎ ኣየውዕልን፡ ኣብ ዝሓደርዎ ኣየሕድርን፡ ኢልካ ተሳድደኒ ዘለኻ፡ኣነ ክርስቶስ እየ። በሊሕ ሴፍ እንተረገጽካ ንርእስኻ እዩ ዝኸፍኣካ፡ ሕጂ ድማ ንምእመናን እንተ በደልካ ዝጉዳእ ንስኻ ደኣ እምበር ኣነ ከይመስለካ” ብምባል ተዛረቦ። ጳውሎስ ድማ “ሕጂ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ተሲእካ ናብ ከተማ እቶ እትገብሮ ክነግሩኻ እዮም ብምባል ደጊሙ ተዛረቦ። ምስኡ ዝነበሩ ድምጺ እናሰምዑ መልክዑ ግን ክርእዩ ኣይከኣሉን ነበሩ። ካብ ዝወደቖ ምስ ተንስአ፡ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኣብጽሕዎ። እኽለ ማይ ከይቀመሰ ከኣ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ።
ካብ 72 ኣርድእቲ ሓደ ሃናንያ ኣብ ደማስቆ ይነብር ነበረ። ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ብራእይ “ንጳውሎስ ኣእሚንካ ኣጠምቆ”ስለ ዝበሎ፡ ንሱ ከኣ “እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን እዚ ሰብ እዚ
ንምእመናን ዘሳድድ እንድዩ፧”በለ። ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ከኣ፡ “ምሩጽ ኣቕሓ ገይረዮ ኣለኹ ኪድ ተቐበሎ ድማ” በሎ። ንሱ ከኣ ከይዱ “ሳውል ሓወይ እቲ ኣብ መገዲ ዝረኣኻዮ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ክሓድረካ ናባኻ ልኢኹኒ ኣሎ” ኢሉ ዓይኑ ዳህሰሶ እሞ እቲ ዓይኑ ሸፊንዎ ዝነበረ ነገር ተቐራሪፉ ካብእ ዓይኑ ረገፈሉ።
ሽዑ ሳውል፡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚነ ኣሚነ ኣለኹ በለ። ብድሕሪኡ ክምህር ምስ ጀመረ ኣይሁድ ተገረሙ። ተንኮል ካብ ምሕሳብ ስለዘየዕረፉ ኣሲሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። ኣብ ሶርያን ኪልቂያን ክምህር ከሎ ሲላስ፡ ምስኡ ስለዝነበረ፡ ንክልቲኦም ኣሲሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ዓው ብምባል ዘመሩ፡ እቲ ቤት ማእሰርቲ ድማ ካብ መሰረቱ ኣንቀጥቀጠ፡ እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ምንቅጥቃጥ እቲ ቤትን ምክፋት ማዕጾን ርእዩ እሱራት ዝሃደሙ መሰሎ እሞ፡ ካብ ቁጥዐ ሓለቓኡ ፈሪሁ ገዛእ ርእሱ ከጥፍእ ሴፍ ኣውጽአ። ሽዑ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ፡“ኩላትና ኣለና ሓደ እኳ ዝኸደ የልቦን ነፍስኻ ኣይተጥፍእ” በሎ። በዚ ከኣ ኣሚኑ ተጠምቀ። ቅዱስ ጳውሎስ ክምህር ከሎ ብጥበብ እዩ ዝምህር ዝነበረ። ኣብ ጣዖት ንዝአምኑ ከም መምለኺ ጣዖት መሲሉ፡ ይምህሮም ነበረ። (1ቆሮ 9፡21)። ናይዚ ምኽንያት ድማ ቅዱስ ጴጥሮስን፡ ዮሓንስ፡ ከካብ ሃገረ ስብከቶም ተመሊሶም ኣብ ኢየሩሳሌም ነበሩ። ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ኣብ ኣንጾኪያ ኬድኩም መሃሩ፡ ኢሉ ለአኾም። ንሳቶም ድማ ብደመና ተጻዒኖም ከዱ። እቶም ህዝቢ መምለኽቲ ጣዖት ስለዝበሩ፡ ኣብኡ ኣትዮም ክምህርዎም ምስ ጀመሩ ንቅዱስ ጴጥሮስ ሃሪሞም ኣብ እግሪ ጣዖት ደርበይዎ። ንቅዱ ዮሓንስ ድማ ብዘይ ማይ ላጽዮም ኣብ ደገ ደርበይዎ።ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ልብሲ ካህን ተከዲኑ፡ መምለኺ ጣዖት መሲሉ መጸ። ኣብ ደገ ድማ ንቅዱስ ዮሓንስ ረኸቦ። “ፍቁረ እግዚእ! እንታይ ኣውዲቕካ፧” በሎ። ቅዱስ ዮሓንስ ድማ “ኣነስ ድሓን እየ ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ሃሪሞም ኣውዲቖሞ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮ። ናብ ውሽጢ ኣትዩ ድማ ብኢዱ ጠቂዑ ንህዝቢ ኣከቦም፡ ካብ ቄሳር ተላኢከ እየ መጺአ፡ ነዞም ናይ ሓሶት ትምህርቲ ዝምህሩ ሒዝኩም ኣምጽኡለይ ” ብምባል ነቶም ህዝቢ ነገሮም። ንሶም ድማ “ሕጊ ንጉስ ስለ ዘይሰማዕና፡ ሃሪምና ኣብዚ ደርበናዮም”ኣለና ኢሎም መለስሉ። ንሱ ድማ ድጊሙ “ናብዚ ኣምጽኡለይ” በሎም ። ንሳቶም ከኣ ንቃሉ ሰሚዖም ኣምጽእሉ። ንሱ ከኣ “እንታይ እናበልኩም ኢኹም ትምህሩ፧”ዘለኹም ኢሉ ሓተቶም። ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ “ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማየ፡ ሰማይ ወሪዱ፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ፡ ሞተን፡ ተንስአን፡ከምኡ ውን ዓረገ፡ ዳግማይ ድማ ክመጽእ እዩ” ኢልና ንምህር ኣሎና በሎ።
ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ “ድንግል ከመይ ኢላ ትወልድ፧ ምውት’ከ ከመይ ኢሉ ይትንእ ሓሳዊ” ብምባል ንቅዱስ ጴጥሮስ ብጽፍዒት ሃረሞ። ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ ናብቲ ናይ ቅድም ግብሩ ዝተመልሰ መሲልዎ፡ “ብተግባራቱ ኣዝዩ ተገረመ። ብድሕሪ”ዚ’ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “እዚ ትብልዎ ዘለኹም ሓቂ እንተኾይኑ፡ ምውት ኣተንሲእኩም ኣርእዩኒ” ብምባል ናብ ሓደ ካብ ዝመውት ክልተ ወርሒ ገይሩ ዝነበረ ወዲ ንጉስ ናብቲ መቓብሩ ወሰዶም። ሽዑ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ዮሓንስን ከኣ ጸሎት ገበሩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብትሑት ድምጺ ምስኦም ይጽሊ ነበረ። እቲ ምዉት ድማ ብቅጽበት ተንስአ። ካብኡ“መን ኣተንሲኡካ ኢሎም” እንተ’ ሓተትዎ፡ ንሱ ከኣ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መልክዕ ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ ነጊሩ “ኣተንሲኡኒ” ኢሉ መለሰሎም። እቶም ህዝቢ ከኣ ነዚ ተኣምር ርእዮም ብጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶ ኣሚኖም ተጠምቑ።
ቅዱስ ጳውሎስ ንሕሙማት ውን ሕሙም ተመሲሉ ምሂሩዎም እዩ። (1ቆሮ 9፡22) ። እዚ ከመይ እዩ እንተተባህለ “ሓሚመ” ኢሉ ኣብ ቤት ሕሙማት ኣተወ። 40 መዓልቲ ድማ እኽለ ማይ ከይበለዐ ብኸቢድ ከም ዝሓመመ ይግዕር ነበረ። 40 መዓልቲ ምስ ገበረ “ኣቱም የሕዋተይ በቲ ኣብ ኢዮሩሳሌም ዝምህር ዝነበረ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተባህለ እንድሕር ኣሚንካ ትድሕን ኢኻ ክብሉ ሰሚዐ ነይረ” በሎም። ንሳቶም ድማ “ካባኻ ንላዕሊ ሕሙም የለን እሞ ንስኻ እመን፡ እንድሕር ንስኻ ካብ ሕማምካ እንተሓዊኻ ንሕና ከኣ ብእኡ ክንኣምን ኢና” በልዎ።ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ “ኣነ ብኢየሱስ ክርስቶስ አሚነ ኣለኹ” በለ እሞ ተንስአ። ነዚ ርእዮም ከኣ እቶም ሕሙማት “ንሕና’ውን ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚና ኣሎና” ኢሎም 200 ዝኣኽሉ ሕሙማትን ድውያትን ካብ ሕማሞም ሓውዮም ተንስኡ። ብወንጌል ኣሚኖም ከኣ ተጠመቑ። በዚ ከምዚ ከኣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር እናኸደ ብዙሕ መሃረ። ነቶም ዝመሃሮም ድማ ካብ ሃይማኖቶም ከይወድቁ 14 መልእኽትታት ጸሓፈሎም።
ብ69 ዓ.ም ከተማ ሮም ኣትዩ ክምህር እንከሎ ከኣ፡ ንጉስ ኔሮን ቄሳር ኣሲርዎ ነበረ። ንኣካይያ ስዒሩ ምስ ተመልሰ ካብ ማእሰርቱ ኣጸውዖ፡ መስቀሉ ሒዙ ድማ ቀረበ፡ በዚ ተቖጢዑ ብሴይፊ ክቐትልዎ ኣዘዘ፡ ከም በጊዕ እናጎተቱ ክወስድዎ ከለዉ ኣብ መገዲ ጓል ንጉስ ረኸበቶ። ኣሚና ስለ ዝነበረት መንዲልኪ ሃብኒ በላ፡ ንሳ ድማ ሃበቶ ብእኡ ሸፊኖም ድማ ሰየፍዎ፡ ደሙ ንላዕሊ ብምንጣር ብዓመጻ ትቀትሉኒ ኣለኹም ኢሉ ከኣ ከሰሶም።፡ “
” ሽዑ ቀቲሎሞ ክምለሱ ከለዉ ጓል ንጉስ ረኸበቶም እሞ ጳውሎስ’ከ ኢላ ሓተተቶም። ብመንዲልኪ ሸፊና ቀቲልናዮ በልዋ። ንመንዲለይ መሊሱለይ እዩ፡ ምስ ጴጥሮስ በዚ ክሓልፉ እንከለው ርኤዮም ከለኩ፡ ከመይ ጌርኩም ቀቲልናዮ ትብሉኒ ኢላ መንዲላ ኣርኣየቶም።
በዚ ድማ ኣመኑ። ተቖሪጹ ዝወደቐ ርእሲ ምስ ክሳድ ኣልገብዎ ከም ቀደሙ ድማ ኮነሎም እሞ ቀበርዎ። ድሕሪ’ዚ ብዙሕ ተጋድሎ 42 ዓመት ምሂሩን ሰቢኹን ካብዛ ሓላፊት ዓለም ፡ ኣብ 74 ዓመቱ ብሰማዕትነት ኣዕረፈ።
ጸለቱን በረኸቱን ናይ ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኹን ኣሜን!!!

