ሓፈሻዊ ክብረ በዓላት ፭/5 ነሓሰ ዕረፍቱ ለኣቡነ ፍሊጶስ ኣንዳዴ ባሕር(ፋድል) Church EditorAugust 11, 2021 at 1:26 pm1582 Views054321 0 (0 votes) ፭/5 ነሓሰ ዕረፍቱ ለኣቡነ ፍሊጶስ ኣንዳዴ ባሕር(ፋድል) በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ ኣምላክ ኣሜን። ናይ ገዳማዊ ዝኾነ ኣቡነ ፍሊጶስ ትውልዱ ካብ ዓበይቲ ዝኾኑ መኳንንቲ ኣንከረ ኢዩ።ስም ኣቡኡ ይርድኣነ እግዚእ ስም ኣዲኡ ኸኣ መግደላዊት ክኸውን ከሎ ኣቡኣ ኸኣ ናይ ጽርእ ተወላዲ ኢዩ። ኣብ ኣክሱም ተወሊዶም ኣብዚ ኣውራጃ እንድርታ ኣብ ዝርከብ ደብረ ጸራቢ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ገዳም ብኢድ ኣቡነ በኪሞስ ድኅሪ ምምንኳሶም ንኤርትራ ተሳጊሩ ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን(ናይ ሕጂ ዞባ ማእከል) ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባ ዓንሰባ እና ዘሩ ኣስተምሂሮም ኢዮም ።ግና ድሕሪ ቅሩብ ዓመታት ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ካብ ዓንሰባ ፲፮ መነኮሳት ኣኸቲሎም መገዶም ቀጸሉእሞ ኣብዚ ኣብ ልዕሊ ነፋሲት ዘሎ ዓቢ እምባ ኣተዉ፡ነቲ ዓቢ እምባ ድማ ደብረቢዘን ተባሂሉ ንኽጽዋዕ ስም ኣውጺኦም ኣብኡ ድማ ናይ ሓድነት ማኅበር ኣቒሞም ተቐመጡ።በዚ ከኣ ክሳዕ ዕለተ ሞቶም ንቡዙሓት ቅዱሳን ኣፍርዮም ብሰላም ዓረፉ’። ኣቡእን ኣዲኡን ሕያዎትን መጽወትን ፡ከም ዓርኪ እግዚኣብሔር ከም ኣብርሃምን ከም ኢዮብን ኣጋያሽ ተቐበልቲ ንዝመጹ ስደተኛታት ስጉራትን ንኹሉ ቤቶም ክፉት ነበረ ።ከም ኣቦ ጦብያ ምጽዋት ይፈትዉ ነበሩ ናታ ምጽዋት ምስ ግብሪ ምስ ሰርሕዋን ብግብሪ ምስ ተርጎምዋን መገዶም ብሩኽን ቅኑዕን ኮነ። መግደላዊት ካብ ዓይና ንብዓት እና ኣፍሰሰት ብጾምን ብስግደትን ተወሲና ንቤተ ክርስቲያን ካብ ምኻድን ካብ ምቑራብን ኣይተቛርጽን ነበረት።ስድራቤታ ብሉይን ሓዲሳትን ምሂሮማ ስለ ዝነበረት ካኣ ካብ መጻሕፍቲ እና ኣልዓለት ብእግዚኣብሔር ኣሚኑ ዝሓፈረ መን ኢዩ! መን ጸዊዕዎ ኸ ሸለል ዝበሎ ኣሎ! ትብል ነበረት።ልቢ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት ካብ ዝተዛረቦ ጠቒሳ ኦ ጎይታይ ጸሎተይ ስምዓኒ ደሃየይ እውና ናባኻ ይብጻሕ ብመከራይ ብመዓልቲ መከራይ ገጽካ ካባይ ኣይተርሕቕ እዝንኻ ናባይ ኣብል ክጽውዕካ ከለኹ ቀልጢፍካ ስምዓኒ በለት ፡ደጊማ’ውን ሓና ስለ ወዳ ሳሙኤል ብዝጸለየትሉ እዋን ጸሎታ ብዝሰማዕካያ ጸሎተይ ስምዓኒ ከምኡ’ውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ትእዛዝካ ሓልዩ ብሕግኻ ዝኸይድ ንጽሁን ድንግል ዝኾነ ወዲ ንኤልሳቤጥ ከም ዝሃብካ ንዓይ’ውን ውላድ ክትህበኒ ጸሎተይ ስማዕ ።ኦ ! ጎይታይ ጸሎተይ ስማዕ ነቶም ዝተጨነቑ እተቃልለሎም ዘይሓሰብዎ ትህብ ንሽጉት ትረድእ ሽግርን’ውን ተርሕቕ።ከምዚ ክትብል ከላ ካኣንብዓታ ከም ማይ ይፈስስ ነበረ።ንሰማይ ኣንቃዕሪራ ጸሎት ተዘውትር ነበረት ኣእዳዋ’ውን ንጸሎት ምስተዘርግሓ ኢየን።ጸሓይ ወጺኣ ክሳዕ እትዓርብ እግራ ክሳዕ ዝሓብጥ ትጽልን ትቐውምን ነበረት።ካብቲ ዝቖመትሉ ቦታ’ውን ብጭንቂ ኣእጋራ ተንቀሳቕሶም ምስጓም ትስእን ነበረት። እዛ እዚኣ ከምተን ካልኦት ኣንስቲ ኣይነበረትን ከም ሣራ ሰበይቲ ኣብርሃም ከም ሓና ኣደ ሳሙኤል ትመስል ነበረት እምበር ከም ካልኦት ኣይነበረት።ካልኣይ’ውን ቤት እስርኤል ከም ዘገልግላ ከም ልያን ከም ራሄል ከም ኤልሳቤጥ እያ ትመስል ዝነበረት። ንመግደላዊት ቅዱስ መልኣኽ ከም ዝተራኣያ መግደላዊት ከምዚ ኢላ ከላ ብእዋን ጸሎት ክትጽሊ ከላ ሓዊ ዝመስል መስቀል ብየማናይ ኢዱ ኂዙ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ተራእያ።እቲ መስቀል’ውን ኣርባዕተ መኣዝን ኣለዎ ከም ብልጭልጭታ ዘንጸባርቕን ባልባል ዝብልን ኢዩ።እቲ መልኣክ ካኣ ንመግደላዊት ከምዚ በላ። ኣቲ ሰበይቲ ኣብዚ እንታይ እዩ ጠጠው ዘብለኪ ዘሎ፧” ሓዘንኪ እንታይ እዩ፧ኣብ ልዕሌኺ ዝወረደ ጓሂኸ እንታይ ኢዩ፧ንስኺ ፈራሂት እግዚኣብሔርን ሕያወይቲ ሰበይቲ ምዃንኪ ዩርእየኪ ኣለኹ ስለዚ ሓዘኪ እንታይ ኢዩ፧” መግደላዊት ካኣ ጎይታይ እንታይ ትብለኒ ኣለኻ ሕደገኒ ግዳስ ምእንቲ ሓጥያተይን ምእንቲ በደለይን ክበኪ በለቶ።እቲ መልኣኽ ካኣ መሊሱ ኣነ ምእንቲ ሽግርኪ ተላኢኸ መጺኤ ኣለኹሞ እስከ ኃዘንኪ ንገርኒ በላ።መግደላዊት ካኣ ኣነ ምሳኻ ምዝራብ ኣይክእልን እየ ተፍርህን መልክዕካ’ውን ግሩም ስለ ዝኾነ ክሳዕ ሎሚ እኳ ከማኻ ዝመስል ፈጺሜ ርእየ ኣይፈልጥን እየ በለቶ።እቲ መልኣኽ’ውን መለሰላ ከምዚ እውን በላ፡መልክዐይሲ ከምዚ ኣይኮነን ግዳስ ገጸይን ክዳነይን ሓዊ ብኢደይ ዝኃዝክዎ’ውን ሓዊ ክኸውን ከሎ ኣካይዳይ’ውን ብልጭልጭል ከምዝብል መብረቕ ኢዩ ፡እግዚኣብሔር ግዳ ከይትፈርሕን ከይትድንግጽን ሉ ከምድኻምኪ መጠን ናባኺ ፈነወኒ እምበር ኢሉ መለሰላ።ኣነስ ፈላሲ መሲለ መስቀል ሒዘ ዝመጻእኩ ንዓኺ ምእንቲ ከጸናንዓኪ እየ።መልክዐይ እንተ ትርኢሞ ምድሪ ኣይምተሰከመትን መሬት’ውን ኣይምኸኣለትን። መግደላዊት ካኣ ቃልካ ጽቡቕ እዩ ጎይታይ መገድኻ እውን ቅኑዕ እዩ ኣሰርካ’ውን ብርሃን ኢዩ ኣነ ንዓኻ ብምርኣየይ ተሓጊሰ ኣለኹ ብዝከኣለካ ግን ኣጸናንዓኒ ። እቲ መልኣኽ ካኣ ኣምላኸይ ናባኺ ዝለኣኸኒ ንዓኺ ንምጽንናዕ ኢዩ።ኃዘንኪ ንገርኒ እምበር ንዓይ ብምርኣይ ዝተሓጎስኪ ካብ ሓዘንኪ ምስተጸናንዕኪ ድኣ ክንደይ ትሕጎሲ ትኾኒ በላ።መግደላዊት ካኣ ነቲ መልኣኽ ከምዚ በለቶ ኣነ ዘኅዝነኒ ኣነመኻን ስለ ዝኾንኩን ውላድ ስለ ዘይብለይን ብኣንስቲ ኦእደይን ጎረባቢተይን ኅፍረትን መሳለቕን ኮይነ ኣለኹ፡ብኣዝማደይ’ውን ተዋሪደ ኣለኹ ስለዚ ከይወለድኩ ምማተይ የሕዝነኒ።እቲ መልኣኽ እግዚኣብሔር ጸሎትኪ ሰሚዑኪ መብጽዓኺ’ውን ተቐቢልዎ ስለዚ ብትምህርቱ ብዙሕ ህዝቢ ዘድሕን ንብዙሓት’ውን ኣቦ ዝኸውን ዝኸበረ ክብ ዝበለ ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ውላድ ክህበኪ ኢዩ በላ።ደቁ ብዙሕ ኣህጉር ዝወርሱን ብወገን ምሥራቕ ከም ከዋኽብቲ ዘብርሁ ክኾኑ ኢዮም።ነዚ ዝሰምዔት መግደላዊት ኣዝያ ተሓጎሰት ‘ናይባርይኡ ውርደት ተመልኪቱ ይቕሬትኡ ዝገበረለይ’ውን ዓስቢ ጸሎተይ ዘይከኣልኒ እግዚኣብሔር ይመስገን” ኢላ’ውን ንኣምላኽ ኣመስገነት።መሊሳ ካኣ ነቲ መልኣኽ መን ኢዩ ስምካ ጎይታይ ፧ ክትብል ሓተተቶ።እቲ ቅዱስ መልኣኽ ስመይሲ ሕቡእ ሥዉር ተደናቒ ኢዩ ድሕሪ ምባል ንሱ ሓደ ካብቶም ሸውዓተ ሊቃነ መላእክት ከም ዝኾነ ገለጸላ። መሊሱ ካኣ” እዚ ዝነገርኩኺ ክሳብቲ ግዜኡ ኅብእዮ ናይ መንግስቲ ምስጢር እንተ ተኃብኤ ግቡእ ኢዩ ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ ግን ብኽብሪ ይገልጽዎ ኢሉ መጽሓፍ ከም እተናገረ ድኂሩ ንኹሉ ኢዩ ዝገልጽ” ኢልዋ ካብኣ ተሰወረ።መግደላዊት እውን “ግዜኡ ክሳዕ ዝግለጽ ነገርካ ኅባእ ብብልኅትካ’ውን ብዙኃት ክዛረቡ ኢዮም” ኢሉ መጽሓፍ ከም ዝገለጸ ነገራ ሰዊራ ተቐመጠት። መግደላዊት ነዚ ነገር እዚ ንምርካብ ደገ ክትጸንዕ ከላ ብኻልእ ወገን ካኣ ክቡር ካብ ኩሉ ዝበልጽ ካብ ፩ደ ፈላሲ ቅድም ኢላ ዝሰምዓቶ ነገር ሰምዐት።ዝኸውን ነገር ከይኮነ ዝፈልጥ ከም ነቢያት ነቢይ፡ከም ሃዋርያት’ውን ሃዋርያ ዝኾነ ካብ ሓደ ፈላሲ ነገሩ ሰምዐት።እቲ ፈላሲ ነታ መገደላዊት ዘላታ ዓዳ ምስ ረኣየ ብሓጎስ ክምስ ክምስ ክብል ጀመረ።ሥራሕ እግዚኣብሔር ዘገርም ኢዩ እና በለ እውን ኣፉ ብኢዱ ከደነ።እቶም ፈለስቲ ብጾቱ እውን ኣንታ ኣቦና ንምንታይ ኢኻ ትድነቕ ዘለኻ ወይሲ እዘን ኣዒንትኻ እንታይ ርእየን እየን በልዎ።ንዓይ ዘደንቒ ዘሎ ብዙሓት ጉብኤ ሰባት ንዝተኣከቡ ኣቦ ዝኸውን መራሒ ኣብዛ ዓዲ እዚኣ ስለ ዝውለድ እየ ዘደንቐኒ ዘሎ በሎም።ዝንኡ ዓቢይ ክኸውን ክሳብ ንጉስ ኢይትዮጵያውያን ክበጽሕ እዩ ምእንቲ ሕግን ትእዛዝን ምእንቲ ቀዳመይቲ ሰንበት ሰማዕትነት ዝቕበል ኢዩ ክብል ተዛረቦም። ብድሕሪ እዚ ከምቲ እግዚኣብሔር ብመልኣኹ ዝነገራ መግደላዊት ጠነሰት ንምውላድ እውን ቀረበት እንተኾነ ጠኒሳ ከላ ሰብኣያ ይርድኣነ እግዚእ ሞተ። መግደላዊት ወዲ ከም ዝወለደት መግደላዊት መዓልቲ ጥንሳ ምስ ኣብቅዔ ከም ኣዒኢንቲ ወዲ እሰይ ዘሐጉስ ገጹ ከም መልኣኽ እግዚኣብሔር ዝመስል ሕጻን ወለደት።ቂሑ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኢያሪኮ ብወርሒ ልዮን ኣዝዩ ከም ዝዕምብብ ስጌረዳ ገጹ’ውን ብወርኂ ሚያዝያ ዘብለጭልጭን ከም ዘንጸባርቕን ከም ክበብ ጸሓይ ነይሩ ክበብ ገጹ ከም ወጋሕታ ወርሒ ኣብሩልዮስ የብርህ ኣረኣእያ ዓይኑ ካኣ ዘፍርህን ዘደንግጽን ኢዩ።ኣብ ሰብነቱ ከባቢ ድማ ብወርኂ ኤጴስ ከም ዝዘውር ደመና ከምኡ’ውን ናይቲ ጣዕሚ ሽታኡ ብወርሒ ጥቅምቲ ከም ዝዕምብብን ከም ዘፍርን ከም ሽታ ገነት እዩ።እቲ ወዝ ገጹ’ውን ከም ዘይቲ ኣውሊዕ እዩ ኩሉንትንኡ ካኣ ዕምባባ ወይንን ኣውሕን ዝተመርጸን ዝተሓርየን እዩ። መዓልቲ ዕረፍቲ ኣቡነ ፊሊጶስ ሕጂ ድማ ብድሕረይ ኣቦ ዝኾነኩም ኅረዩ በሎም ።እቶም ኣርድእቲ ድማ እዚ ምስ ሰምዑ ንዓና ሓዲግካና ናበይ ኢኻ ኣቦና ኣቦና እና በሉ ብኽያት ጀመሩ።ንመን ከ ሓዲግካልና ኢኻ ከማኻ ዝበለ መምህር ዝምዕደና ኣበይ ክንረክብ ሂወት ዝፍልፍል ማይ ሂወት ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝምህረና መን ሰማዕት ፍሊጶስ ድማ ከምኡ እኮ ኣይኮነን እዚ ይትረፍ እሞ ኣቦ ዝኾነኩም ምረጹ በሎም።ብድሕሪዚ ደቁ እንታይ ኢኻ ትብል ዘለኻ እግዚኣብሔር ዝኣዘዘካ ግበር ቅድሚኡ እውን ደቁ ብሂወት ስጋ ከሎ ብድሕሬኻ ዝሕልወና መን ኢዩ፧ ሓቲቶምዎ ነይሮም ኢዮም።ፍሊጶስ ሰማዕት ካኣ ክሳዕ ሕጂ ኣይመጸን በሎም።መልክዑ ጽቡቕ ዝኾነ ሓደ ቆልዓ ምስ መጸ ገጸ ከይረኣዮ ከሎ ሰማዕት ፍሊጶስ ብድሕረይ ኣቦ ዝኾነኩም ንሱ ኢዩ በሎም።ብድሕርዚ ብርቱዕ ሕማም ሓመመ እቶም መላእኽቲ ድማ ከመስግንዎን ብክንፎም ክጋድዎን ብኣዒንቱ ረኣየ።ካብኣቶም መፍትሕ ብርሃን ከልዕሉ እኒ ኪሩቤል እኒ ሱራፌል ኣብቅድሚኡ ክመላለሱ ረኣየ ሠራዊተ እግዚኣብሔር ድማ ብየማኑን ብጸጋሙን ክእከቡ ማሕበር ሰማእታትን ማሕበር ጻድቃንን ክኸብዎ ረኣዮም።ዓይኑ ንሰማይ ቋሕ ኣቢሉ ምስ ራአየ ድማ ክብ ኣብ ዝበለን ኣብ ዝተቐደስን መንበር ንእግዚኣብሔር ረኣዮ።ክብሪ ንዕኡ ይኹን ካብኡ መጺኡ ሰማዕት ፍሊጶስ ሰላም ንዓኻ ይኹን ናብ ዘልኣለማዊ ሕይወት ንኽትከይድ ካብዚ ዓለም እዚ እትፍለየሉ ኣኺሉ እዩ በሎ።ፍሊጶስ ድማ ንኣምላኹ ኣምላኸይ ቤተይ ከመሓድር ደቀይ ከነባብር ድብረይ’ውን ንምውሳን ግዜ ሃበኒ በሎ።ኣምላኹ ድማ ዝኃለፈ ግዜ ይኣኽለካ ቅድሜኻ ካብ ዝነበሩ ጻቃን ንስኻ ገድልን ድኻምን ስለ ዘብዛሕኻ ኢኻ ፡ብዛዕባ ስርዓት ደቅኻ ግና ኣይሸግርካ ማዕርጎም ክብ ኢሉ ኢዩ እሞ ሰማያዊ ኣቦይ ተሓጊስሉም መንፈስ ቅዱስ’ውን ብተጋድልኦም ደስ ኢልዎ ኣሎ።ንስኻ ኣገልጋልየይ ፍሊጶስ ካብ ሕማም ናብ ጥዕና ካብ ድኻም ናብ ዕረፍቲ ካብ ሓዘን ናብ ሓጎስ ካብ ሞት ናብ ሂይወት ኣብ ሰማያት ድኣ ኣዳራሽ ኣሎ እምበር ኣብ ምድሪ ብሞት ኣድልዎ ስለ ዘየልቦ ንዓ።ሰማእት ፍሊጶስ ድማ ንኣምላኹ ከምዚ በሎ ቀዳም ኪዳን ከም ዝሃብካኒ ሕጂ እውን ሃበኒ።ኣምላኺ ድማ ኣነ ዘይሃብኩኻ እንታይ ኣሎ ብዙሕ ኪዳን ሂበካ ኣለኹ በሎ።ፍሊጶስ ንኣምላኹ ዝተረፈኒ ቅሩብ ስለ ዘሎ እሞ በል እቲ እትደልዮ ሕተተኒ በሎ። ዝተኣተወሉ ኪዳን ብድሕሪዚ ፍሊጶስ ንኣምላኹ ኦ ኣምላኸይ ስምዓኒ ናይ ገዳመይ ሕግን ሓድነትን ክሳዕ ዕለተ ምጻኣት ኣይተፍርሰለይ ።ኣምላኹ ድማ ከምቲ ዝበካዮ ይኹነልካ በሎ። ከምኡ ድማ ፍሎጶስ ገዳመይ ብሓዊ ከይትነድድ ሓልዋ። ኣብ ገዳመይ ሕማም ተላጋብ ከይ መጽእ ክብል ሓተተ።እግዚኣብሔር ከኣ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነልካ በሎ።ቀጺሉ ፍሊጶስ “ብዛዕባ ትምህርተይ ንዝኣምኑ እንታይ ትብል፧”በሎ። ኣምላኹ ድማ ምሕረት ኣቦይ ትርከቦም በሎ። “ቆቡዔይ ንዝለበሱ ኸ እንታይ ኢኻ ትህቦም ፧ ገዳመይ ንዝሓለዉኸ እንታይ ኢኻ ትህቦም፧” በሎ ። ኣምላኹ “ድማ ዝባላዕ ሓዊ ኣይቀርቦምን ኢዩ መንበሪኦም ግና ከም ግብሮም ኢዩ” በሎ። ካልኣይ’ውን እንገራ ብምሃብ ክዳን ብምኽድን ብሓጎስ ኮይኖም ንድኻታት ዘብልዑን ዘስትዩን ተስካረይ ዝገበረኸ እንታይ ትህቦ፧ኣምላኹ ካኣ ንሱስ ኣብ ሃገርካ ምሳኻ ይወርስ በሎ። ብድሕሪዚ መድኃኔኣለም ቃል ኪዳን ምስ ሃቦ ሎሚ እዞም ማኅበረ በኲር ዝበሃሉ ሕጎም ንኽቅበሉኻ ቀልጢፍካ ቤትካ ኣዳሉ ኢድካ እውን ኣብ ልዕሊ ርእሲ ወድኻ ዮሓንስ ኣንቢርካ ባርኮ በሎ።ሙሴ ንኢያሱ ከም ዝባረኾን ኤልያስ ድማ ንኤልሳዕ ዕጽፍን ድርብን ካብ በረኸቱ ከም ዘሕደረሉን ባረኾ።ሽዑ ሰማዕት ፍሊጶስ ተሓጎ ደሰ በሎ ደቁ ድማ ከምዚ በሎም ‘’ሎሚ ማኅበር እግዚኣብሔር ነፍሲ ኣቦኹም ካባኹም ፈልዮም ንኽወስድዋ እና ተጸበይዋ እዮም ኣቐዲመ’ውን ነጊረኩም ነይረ።ሕጂ ድማ ኣምላኸይ ከም ዝኣዘዘኒ ንኣቦኹም ንዮሓንስ ተኣዘዝዎ ንዮሓንስ ዝትኣዘዞ ንመንፈስ ቅዱስ ከም ዝተኣዘዞ ኢዩ።ንዮሓንስ ዘይተኣዘዞ ንመንፈስ ቅዱስ ከም ዘይተኣዘዞ ኢዩ’’ በሎም።ከምዚ እና በሎም ካኣ ኣዒንቱ ንሰማይ ክጥምታ ከለዋ ነሓሰ ዕለት ፭ ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ተፈልይ ወጸት። መድሃኔኣለም ድማ ቢዱ ተቐበላ ብመኣዙ መለኮቱ ኣምኢዙ ድም ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ይሕልዎ ንዝነበረ ንገብርኤል ሃቦ።ገብርኤል ድማ ካብ ኣምላኹ ተቐቢሉ ምስቶም ማኅለታውያን እና ዘመሩ ናብ ሰማያት ኣዕረግዋ።ኣብኡ ድማ እኒ ወዲ እሰይ ዳዊት ሃሌ ሉያ ብዙሕ ዘመን ንምንባር ንዝዓለመ ዓለም’ውን ኣሕሊፉ ዝነብር ሂብካዮ እና በሉ ኣብኡ በጽሑ።መዘከርታ ጻድቕ ንዘላኣለም ይነብር ሃሌ ሉያ። ጻድቃን ብእግዚኣብሔር ይሕጎሱ ሃሌ ሉያ ንቅኑዓት ክብሪ ይግብኦም ሃሌ ሉያ ።ጻድቕ ግን ከም ጽሕዲ ከበሳ ይበዝሕ ሃሌ ሉያ።ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ዝተተኽሉ ኢዮም ሃሌ ሉያ ኣብቲ ናይ ኣምላኽና ቦታ ይፈርዩ ሃሌ ሉያ ኣብኡ ድማ ይዓፉ። እዚን ከምዝን ዝኣመሰለ ማኅበረ እግዚኣብሔር እና ዘመሩ ንነፍሲ ፍሊጶስ ሰማዕት ንሰማይ ኣዕረግዋ።ሓጎስ ኣብ ዘለዎ ገነትም ኣብቲ ናይ ዝለምለመ ቦታ ዕረፍትን ካብኡ ንደሓር ኣብ ዘይምወቶ ቦታ ኣእተውዎ። ጸሎትን በረኸትን ናይ ኣቡነ ፍሊጶስ ምስ ኩላትና ይኹን።ኣሜን። ስለ ኣቡነ ፊሊጶስ ካብ ዝተነግረ ብመን ክንምስሎ ምስ መንከ ክነመዓራርዮ ኢና መስዋዕቱ ብዝሠመረሉ ብኣቤል ወይሲ መመላለሲ ብርሃናት ብዝረኣተ ብሄኖክ ክንምስሎ ።እግዚኣብሔር ካብ ብዘውርዶ መዓት ብዝደሓነ ብኖኅ ዶ ክንምስሎ ወይስ ምእንቲ ክህነቱ ዕሽር ብዝተቐበለ ብመልክጼዴቅ ክንምስሎ።ካልኣይ ንልዑል ኣምላኽ ብምምላኽ ብዝቐደ ብኣብርሃም ዶ ወይስ መስዋእቲ ተባሂሉ ብዝተጸውዔ ብይስሃቅ ክንምስሎ። ወይሲ ዕድል ርስቲ እግዚኣብሔር ብዝኾነ ያዕቆብ ክንምስሎ ወይሲ ሕጊ ኦሪት ብዝሰርዐ ብሙሴ።ካልኣይ ድማ ብመጠምይኡ ባሕሪ ዮርዳኖስ ብዝኸፈለ ብኢያሱዶ ክንምስሎ ወይስ ብትዕግስቱ ንኢዮብ ንበሎ ወይሲ ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ብዝዓበየ ብሳሙኤል ክንምስሎ። ገርሂ ብዝኾነ ብዳዊት ዶ ክንምስሎ ወይሲ ትንቢት ብንምንጋሩ ብነብያት ክንምስሎ።ከም ናይ ሃይማኖት መሰረት ብዝኾነ ከም ጴጥሮስ ወይሲ ልሳነ ዕፍረት ብዝተባህለ ከም ጳውሎስ ንስመዮ።ወይሲ ከም ነባቤ መለኮት ዮሃንስ ድንግል ኢልና ንጸውዓዮ።እዚ ኩሉ ምስላን ምስጋናን ናይ ሊቅ ፍሊጶስ ስብሓታትን ቅዳሴን ኢዩ።ኣገልጋሊ ንሥላሴ ኣብ ናሕሲ ኤልሴ ዝተተኽለ ዕንጸይቲ ኦም ኣንሴ ሕማም ዝልጋሴ ዘጥፍእ ናይ ዘዌ ጨንፈር ናይ ምራቓዊ ውሕጅ ሕማም ማያት ዝፍውስ እምኒ መድሃኒት እምኒ ባህርይን እምኒ ኣፍጽን እምኒ በረድ ኣብ ሰማይ ዝተሓንጸ እምኒ በረዶንክስን ሓምላይ ዕንቊ ሰርዶክስን ሉል ሶፎር መረግድ ዝተመስገነ ክርስትራክስ ናይ መዓዛ መዓዛ ናይ ከርቤ ናይ ቀንዓት ናይ ስኂን ናይ ሰሊሖት ኣምበር ናይ ዓውል መዓዛ ፍሊጶስ ኢዩ። ደቂ ሰባት በቲ መዓዛኡ ዝቕብኡ ጥዑም መዓዛ ኢዩ።ናይ ንጉስ ሰሎሞን ናይ ንግስናኡ ኢድ መንሥኢ ዝግበር መርከብ ፍሊጶስ ኢዩ ንተርሴስ ብዝኸይድ ኣብ ርኁቕ ባሕሪ ዝሕምብስ ብዝግታ ብሰላትያል ንፋስ ዝኽብክብ መራሒኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ከሎ እቶም ጀለብቲ ጴጥሮስን ጳውሎስን እዮም።ፍርኣ ወይንን ሮማንን ዝኾኑ ፍሊጶስ ገነት እዩ መዓዛታቱ ድማ ናርዶስን ኣስጳዳቶስን እዮም። ፍረ ወይንን ሮማንን ትርንጉን ጨና ጥዑም ምዑዝ ዕፍርታት ናይ ገነት ማይ ካብ ከበሳ ናይ ሕይወት ማይ ዔላ እዩ። (መስከረም ፭ ዝንበብ) ሕጽር ብዝበለ ድኣ ነዚ ጽሑፍ እዚ ኣቕሪብና እምበር ናይ ቅዱሳን ኣቦታትና ታሪክ ይጅመር እምበር ኣይውዳእን እዩ።ክብሪ ንእግዚኣብሔር ይኹን ናይ ሃይማኖት ቀናኣት ዝኾኑ ናይ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኤርትራ ሊቃውንቲ ገድሊ ኣቡነ ፍሊጶስን ኣቡነ ዮሓንስን ካልኦት ኣቦታትን ኣዳልዮምልና ስለ ዘለዉ ብዝዓሞቐን ብዝሰፍሐን ኣብኡ ንነብቦ። እምበር ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ፍሊጶስ ብቅድስንኦም ንባሕሪ ዘንደዱ ኣብ ቅድሚ ከሰቶም ተዓዊቶም ሃይማኖት ተዋህዶ ዘጽንዑ ብፍላይ ካኣ ስለ ቀዳመይቲ ሰንበት ዝተገብረ ክርክር ምስ ግብጻውያን ብትሪ ተቛዊሞም ንሕጊ ኣምላኽ ዘጽንዑ ቅዱስ ኣቦ ኢዮም።እዚ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ኢዩ። ጸሎቶም በረኸቶም ምስ ኩላትና ደቆም ይኹን ኣሜን። (ገድለ ኣበው ቅዱሳን ዘደብረቢዘን ብግዕዝን ትግርኛን) ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን Leave a comment