፮/6 ሓምለ ዘቦአ ብሔረ ሕያዋን ካህን ወነቢይ ዕዝራ ሱቱኤል

፮/6 ሓምለ ዘቦአ ብሔረ ሕያዋን ካህን ወነቢይ ዕዝራ ሱቱኤል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

፮/6 ሓምለ ዘቦአ ብሔረ ሕያዋን ካህን ወነቢይ ዕዝራ ሱቱኤል

ነቢይ ዕዝራ ሱቱኤል ኪውለድ ከሎ ብብሥራት ቅዱስ ኡራኤል መልኣኽ ሊቀ መላእኸቲ ተወልደ። ቀዳማይ ስሙ ሱቱኤል ኮይኑ ዕዝራ ዚብል ስም ግና ደኃር ብመልኣኽ ዝተዋህቦ እዩ። ሃገረ ኢየሩሳሌም ብናይ ጽርእን ባቢሎንን ኵናት ምድረበዳ ኾይና ኣብ ዝዓነወትሉ ጊዜ፡ ነቢያታን፡ ካህናታን ሊቃውንታን ሌዋውያንን ምስተቐትሉ፡ ደናግል መንእሰያት ምስተማረኹ ዕዝራ ሱቱኤል ነበረ።

ኵላቶም መጻሕፍቲ ኦሪትን ነቢያትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ምስተቓጸሉን ምስተማረኹን ዓበይትን ነኣሽቱን፡ ብዘለዉ እንስሳታት ኣብ ኵሉ ቦታታት ዚነበሩ ብሴፍ ኣረማውያን ፈጺሞም ብዝጠፍኡሉ ጊዜ፡ ሱቱኤል ዝተባህለ ዕዝራ ንቕድስት ጽዮን ከም ሓንቲ ሰብኣያ ዝሞታ አደ ተመሲላ ክትበክን ክተልቅስን ክትኃዝንን ብፍቓድ እግዚአብሔር ንኣያ። ኃዚናን ጕህያን ምስ ረኣያ። ንኣናስ ብምኽንያት ምምራኽ ጽዮን በጺሑና ዘሎ ኃዘን ኣይትርእዪን ዲኺ፧

መቕደስና ከም ዝፈረሰን ማለት ካብ ኣገልግሎት እግዚኣብሔር ከም እንርኅቕ ዝተኣዘዝናዮ ትእዛዝ ከም ዝተሣዕረ፡ መመክሒና ከምዝወደቐን ምስጋናና ከምእተዓፅወ ዶ ኣይትርእዪን ኢኺ፧

☞ ብርሃን ዓይንና ከምዝጠፍአ ናይ ሕጊ እግዚኣብሔር መኅደሪት ዝኾነት ጽዮን ከምዝተማረኸት ዶ ኣይረኣኸን ኢኺ፧

ካህናት ብሓዊ ከምዝነደዱ፡ ሌዋውያንና ከምዝተማረኹ’ዶ

ኣይትርእዪን ኢኺ፧ ደናግል ከምዝተማረኹን ከምዝተቐትሉን፡ ዓበይቲ ሰባት ከምዝተንከራተቱ፡ ኣጉባዝና ከምዝበኸዩን ከምዘልቀሱንዶ ኣይትርእዪን ኢኺ፧ ኢሉ ተናገራ።

እቲ ናይ ቅድስና መሣርሒና ዝነበረ ንዋየ ቅድሳት ሕጂ ግና ናይ ግብሪ ኃጢኣት መሣርሒ ኾይኑ፡ ምስክርነትና ረኺሱ፡ መራሕትና ተሸገሩ፡ ነቢይ ዕዝራ ርእዩ ተናገረ። ካብ’ዚ ዅሉ ንላዕሊ ድማ ጽዮን ተዓፅያ ተረፈት፡ንሕናውን ኣብ ኢድ ጸላእትና ወደቕና ኢሉ ነቢይ ዕዝራ ተናገረ። ዚነበራ ኽብሪ ተገፈፈ፡

እዚ ዅሉ ኺናገር ከሎ ንኽቐርባ ፈርሀ፡ ብሃንደበት ገጻ ኻብ ወሓይ ንላዕሊ ኣብርሀት። ነቢይ ዕዝራ እታ ብኣምሳል ሰበይቲ እትበኪ ትመስል ኮይና ዝተራእየቶ ታቦት ጽዮን ምዃና ፈለጠ። ነቢያት ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሑ፡ ብዓይኒ ትንቢት ዝረኣዩኺ ንስኺ ዲኺ፡ በላ።

እንሆ ኣብ ደብረ ጽዮን ብርሃን ዚገልጽ ቃል እግዚኣብሔር ኪመጽእ

ድኅሪኡ ነቢይ ዕዝራ ብምኽንያት ሓሳር ጽዮንን ምርኮን፡ ስደትን ምጥፋእ መጻሕፍትን እናበኸየ ናብ ፍርሃት ገጹ ተመልሰ። ነቢይ ዕዝራ ኣብ ምድሪ ራፊድ መሪር ዝኾነ ንብዓቱ እናኣፍሰሰን እናበኸየን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ።

ንነቢይ ዕዝራ ጾሙ ምስ ፈጸመ ሊቀ መላእኽቲ ዝኾነ ቅዱስ ዑራኤል ዝተባህለ መልኣኽ ጽዋዓ ልቡና ኂዙ ኻብ ሰማይ ንኺሰትዮ ሃቦ። ነቢይ ዕዝራ ነዚ ሓዊ ዝኾነ ጽዋዕ ኣብ ኣፈይ ከእትዎ ኸቶ ኣይክእልን እየ በሎ።

ሽዑ ቕዱስ ዑራኤል “ንትእዛዝ እግዚኣብሔር ከተቃልል ትኽእል ዲኻ፧ ኢሉ ገሠዖ (ገንሖ)። ኣብዚ እዋን እዚ ነቢይ ዕዝራ ብፍርህን ብምንቅጥቃጥን እሳታዊ ጽዋዑ ሰተየ። ነቢይ ዕዝራ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልአ እሞ ቓል እግዚኣብሔር ካብ ልቡ እናገንፈለ ኺወፅእ ጀመረ። ኣብዚ ጊዜ እዚ እግዚኣብሔር፡ ዝተሠወሮን ዝተገልጾን ምስጢር ገለጸሉ እሞ ኻብ ኣፉ ዚወፅእ ቃል ዚጽሕፉ ብዙኃት ጸሓፍቲ ከምጽኡሉ

ብኢዱ ሓበረ።

_ ሽዑ ኣርባዓን ኣርባዕተን ዚኾኑ ጸሓፍቲ መጺኦም፡ ዕዝራ ሱቱኤል ከኣ ኣብ ማእከሎም ኮይኑ፡ ዕሥራን ኣርባዕተን (24) መጻሕፍቲ ኦሪት ዚጽሕፉ ጸሓፍቲ ብሸነኽ የማኑ፡ ነቶም ዕሥራ (20) መጻሕፍቲ ነቢያትን ወለዶ እስራኤልን ዚጽሕፉ ድማ ብጸጋሙ ኣቐሚጡ ነናቶም ኪነግሮም ጀመረ።

ነቢይ ዕዝራ ሱቱኤል ናይ ኦሪትን ነቢያትን መጻሕፍቲ በቢቛንቋኡ ኣብ ሾብዓተ መዓልቲ ኣዳለወ። ነቢይ ዕዝራ ሱቱኤል ቃል እግዚኣብሔር ዚናገሩ መጻሕፍቲ ኸዳሉ ኸሎ ማይን ጸባን ኣብ ሓደ ጽዋዕ ተሓዋዊሶም ሓደ ከምዚኾኑ ነንበይኖም ኣብ ሕሊና ሓሳባቱ ተሓወሱ እምበር ተፈላልዮም ኣይተረፉን። በዚ ኹነታት እዚ ነቢይ ዕዝራ ሱቱኤል ሓሳብ ሕሊናኡ ፈጺሙ ኻብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝተዋህቦ ምስጢር ብትግሃቱ ኣርብዓን ሽዱሽተን (46) መጻሕፍቲ ብሉያት ኣዳለወ። ንሠለስትነቱን ሓድነቱን ክብርን ምስጋናን ናቱ ዝኾነ ንሱ ንነቢይ ዕዝራ ሱቱኤል ምስጢሩ ከምዝገለጸሉ ንኣናውን ምስጢረ መለኮቱ ሎሚ ጀሚሩ ክሳዕ ዘለዓለም ይግለጸልና ኣሜን።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን። ምስክርን መጽሐፈ ዕዝራ ሱቱኤል ትርጓሜ መጽሓፈ ሕዝቅ

ድርሳነ ኡራኤል ስንክሳር ዕለት 21 ሓምሌ

ሰላም፡ለከ ተረፈ፡ ነቢያት፡ ሱቱኤል።

ድኅረ፡ማእረር፡ ወቀስም፡ ከመ፡ ፩ አስካል።

ሶበ፡አናኅከ፡ ማኅሠሠ፡ቃል።

ምክረ፡ስብሐቲሁለእግዚአብሔር ልዑል።

እሳተ፡ድሉ፡ይቤለከ፡እመ፡አንተ፡ትክል።

Leave a comment

Send a Comment