በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን።
፮/6 ነሓሴ ዕረፍታ ናይ ቅድስት ማርያም መግደላዊት
ሓጺር ገድሊ ቅድስት ማርያም መግደላዊት
ማርያም መግደላዊት ኣዝያ መልክዓኛን ተፈታዊትን ነበረት። ስም ዓዳ ኸኣ መግደሎን ይብሃል ስለዝነበረ፡ ብስም ዓዳ ማርያም መግደላዊት እናተባህለት ክትጽዋዕ ክኢላ።
ማርያም መግደላዊት ቅድሚ ንኢየሱስ ክርስቶስ ምስዓባን ምግልጋላን ብሸውዓተ ናይ ዝተፈላለዩ ርኹሳት መናፍስቲ (ኣጋንንቲ)ትሳቐ ነበርት። ማለት እቶም 7 ኣጋንንቲ ኸኣ፥-
1) መንፈስ ቅንኣት 2) መንፈስ ትዕቢ 3 ) መንፈስ ጸርፊ 4) መንፈስ ቅትለት 5) መንፈስ ዝሙት 6) መንፈስ ሕሜታ 7 ) መንፈስ ሓሶት እዮም።
እንተኾነ ግና እቲ መን ከማይ እናበለት እትምክሓሉ ዝነበረት መልክዓ፡ ዘይምሱል መሲሉ፡እቶም ምስኣ ዝቐርቡ ዝነበሩ ድማ ክርሕቕዋ ምስ ጀመሩ እያ፡ ናይዛ ዓለም ነገር ኩሉ ሓልፊ ምዃኑ ተገንዚባ፡ ንዝነበረቶ ክፉእ ጉዕዞ ገዲፋ ናብ ክርስቶስ አምላኽና ምስ ስዓበት፡ ነቶም ኣብኣ ኃዲሮም ዝነበሩ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ኣውፅኣላ። ንሳ ድማ ንዝነበራ ክፍእ ሕማማ ጾር ስለ ዘርሓቐላ ብኡንብኡ ሰዓበቶ (ሉቃ.8፡2-3)። በዚ ኸኣ ካብ ኩሉ ግብሪ ኃጢኣት ርሒቓ ምስ 36 ቅዱሳት ኣንስቲ ተጸንበረት (ማር 16፡9)።
ቅዱሳት ኣንስቲ እናተባህላ ዝጽውዓ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዘለናዮ ዓለም እናተዛወረ ወንጌል እናመሃረ፡ ንሕሙማት እናኣሕወየ፡ ንሕዙናት እናኣጸናንዐ ከሎ ካብቶም ዝተፈላልየ ጥቕሚ ንምርካብ ኢሎም፡ ማእለያ ዘይብሎም ዝስዕብዎ ዝነበሩ፡ ብፍሉይ ምስቶም 12 ሓዋርያትን 72 ኣርድእትን ካብ እግሪ ጐይታ ከይተፈለያ ዝስዕብኦን ብግብሪ ዘስመርኦን እዘን 36 ቅዱሳት ኣንስቲ እየን። እምበር ቅድስት ማርያም መግደላዊት በዓልቲ መግደላ ሓንቲ ካብኣተን ኮነት። መፍቀሬ ንስሓ ዝኾነ ለዋህ አምላኽና፡ ንሓዘና ቀንጢጡ ንንብዓታ ደሪዙ ብቅድስና ክትነብር ኣኽኣላ።
ቅድስት ማርያም መግደላዊት፡ ጸዋዒት ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ፈለጠት፡ ካብኡ ከይተፈልየት፡ ጽዋትወመከራ ተቐቢሉ ክሳዕ ዝስቀል ዝሰዓበትን ኣብ ዙርያ መቓብሩ ዝተረኽበትን ናይ ትንሣኤኡ ቀዳመይቲ ኣብሳሪት፡ ብዕለተ ትንሣኤ ናይ ጐይታናን መድኃኔናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ቅድሚ ኩሎም ቅዱሳን ሓዋርያት ኣቦታትና ኮነ ኣርድእቲ፡ ኣቐዲማ ትንሣኤ ክርስቶስ ብቅዱሳን መላእክት ዝተበሰረት፡ አምላኽና ትንሢኡ ኪዱ ረኣዩ ኢላ ናይ ትንሣኤ ብስራት ዝኣወጀት ቅድስት ኣደ ኢያ።ማቴ.27፡55-56)
ስርሑ ድንቂ ዝኾነ እግዚአብሔር መፍቀሬ ንስሓ ምዃኑ ከረድእ፡ ነታ ዘመና ምሉእ ብርኽሰት ሓጢኣት ዝነበረት ማርያም መግደላዊት፡ ናይ ትንሣኤኡን ናይ ናጽነት ኣዋጅ በቶም ቅዱሳን መላእክት ጥራይ ኣይኮነን ነጊርዋ። ባዕሉ ውን ብልሳኑ “ማርያም” ክብል በቲ አምላኻዊ ቃሉ ጸውዓ። ንኩላትና ኣብ ትመጽእ መንግስቱ ብስምና ጸዊዑ ዞም ደቀይ ይበለና ኣሜን!!!። እምበኣር ቅድስት ማርያም መግደላዊት ካብ ርኽሰት ናብ ቅድስና፡ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዘምጽኣ ፍቕሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ወሰን ዘይብሉ ብምንባሩ፡ ኣብቲ ኣፍ መቓብር ኮይና ትበኪ ነበረት፡ እንተኾነ እቲ ኣቐዲሙ ብሥልጣኑ ከም ዝትንሥእ ዝኣወጀ አምላኽ፡ ንሱ ብኃይሊ ስልጣኑ ከም ቃሉ ከም ዝተንሥኤ ምስ ነገራ፡ ንሳ ኸኣ ብሓጐስ ልባ መሊኡላ ንቅዱሳን ሓዋርያት ንኽተበስር በቕዐት።
ቅድስት ማርያም መግደላዊት ብዕለት እሑድ
ሰንበት ጌና ጸልማት ከሎ ናብ መቓብር ጐይታ ክትከይድ ከላ፡ ርግጽ’ዩ ብጸልማት ምውጻእ ብፍላይ ንጓል ኣንስተይቲ ዘፍርሕ’ኳ እንተዀነ፡ ነዛ ቅድስት ኣደ ግን ካብ ሞት ክርስቶስ ንላዕሊ ካልእ ጸልማት ገዚፉ ክርኣያ ኣይከኣለን። ናይ ሕይወት ብርሃን ኣብ ውሽጢ መቓብር ኃዲሩ እዩ’ሞ፡ ነጊሁ መገዲ ዘርእያ ካልእ ብርሃን ኣይተጸበየትን። ንኹሉ ሰብ ዘብርህ ብርሃን ክርስቶስ፡ ኣብ ውሽጢ መቓብር ካብ ዘንብርዎ ሠለስተ መዓልቲ እምበር፡ ናይ መዓልትን ለይትን ፍልልይ ኣይተረድኣን። ብርግጽ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ካብ ሕይወታ ዘርሓቐላ፡ ኣየናይ ጸልማት ኣየናይ ጋኒን ከፍርሓ ይኽእል፧ “ፍቕሪ ንፍጹም ፍርሓት ኣውጺኣ ትድርብዮ” ስለዝኾነት፡ እዛ ሰበይቲ ጸልማት ከይፈርሐት፡ ክሳዕ ዝወግሕ ክጸንሕ ከይበለት ናብ መቓብር ጐይታ ገስገሰት።
ከም ዝተጸበየቶ ግን ”ንጐይታ ኣብ መቓብር ኣይረኸበቶን። ኣብቲ መቓብር ዘይምርካቡ፡ ንዓኣ ኮነ ንደቂ መዛሙርቱ ተስፋ ዘቑርጽ ናብ ሓዘን ዘእቱ ኮነ እምበር “ክትንሥእ እየ”፡ ዝብል ከም ዝዝክሩ ምኽንያት ኣይኮኖምን። ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን እኳ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ቀሪቦም “እዚ መስሓቲ ገና ብሕይወቱ ኸሎ፡ ድሕሪ ሠለስተ መዓልቲ ክትንሥእ እየ ከም ዝበለ ዘከርና” ኢሎም ነበሩ (ማቴ.27፡63)። ቅዱሳን ሓዋርያትን ማርያም መግደላዊትን መቓብር ጥርሑ ኮይኑ እዃ እንተርኣዩ፡ “ክትንሥእ’የ” ከምዝበሎም ትዝ ኣይበሎምን። ንደቂ መዛሙርቱ ስለ ጉድለት እምነቶም “ንስኻትኩም ዘይተስተውዕሉ ልብኹም ንምእማን ዝደንጎየ” ኢሉ፡ ንዓኣ ድማ “ኣይትተንክይኒ” ኣይትተንክይኒ በላ። (ሉቃ 24፡25 ከምኡ ውን ዮሓ.20፡17)
ማርያም መግደላዊት ንጐይታና ኣብ መቓብር እዃ እንተሰኣነቶ “ኣብዚ እንተዘየሎስ ንገዛይ ክኸይድ እሞ ከዕርፍ” ካብ ምባል ሓሊፋ፡ ኣብኡ ኮይና ከተልቅስ ጀመረት። ብድሕር’ዚ በቶም ብንብዓታ ዝተገረሙ፡ ክልተ ፃዕዳ ክዳውንቲ ዝተኸደኑ መላእኽት፡ ኣብቲ መቓብሩ ብትርኣስን ብትርጋጽን ኮይኖም ረኣየት። ትበኪ ስለዝነበረት ኸኣ “ኣቲ ሰበይቲ እንታይ የብኪየኪ ኣሎ በልዋ”፧
ንሳ ድማ ኣይተስተውዕሉን እምበር “ንጐይታይ ወሲዶሞ” በለቶም እሞ፡ ንድሕሪ ጥውይ ክትብል ንጐይታና ደው ኢሉ ረኣየቶ። እንተኾነ ግን ኣይፈለጠቶን። “ኢየሱስ’ውን ኣንቲ ሰበይቲ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ ንመን’ከ ትደልዪ ኣለኺ፧ በላ። ንሳ ከኣ ሓላዊ ኣታኽልቲ መሲልዋ “ጐይታይ”! ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተኼንካስ ኣነ ክወስዶ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ እንዶ ንገረኒ” በለቶ። ዮሓ.20፡15። ስለዚ እዩ ኸኣ ጐይታ፡ ነዚ ተኸቲሉ ንዘይምእማና ገሲጹ መንነቱ ገለጸላ። ናይ እስራኤል ነጻ ምውጻእ ማርያም ሓብቲ ነቢይ ሙሴ ብኸበሮ እናመስገነት ከምዘበሰረት፡ ቅድስት ማርያም መግደላዊት’ውን ብዕለት ሰንበት ዓቢይ ሓጐስ ዝኾነ ኣብሰሪት ዜና ትንሣኤኡ ንምዃን በቒዓ እያ። በዚ ኸኣ ወንጌለይ ኣብ ዝተሰበኾ ንዘለዓለም ክትዝከሪ ኢኺ ተባህለት።
ቅድስት ማርያም መግደላዊት፡ ክርስቶስ ሓላዊ ኣታኽልቲ መሲልዋ ነበረ’ሞ፡ ጐይታይ! ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተኼንካስ ኣነ ክወስዶ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ እንዶ ንገረኒ በለቶ። “ዘገርም’ዩ! ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝተመላለሰሉ ጊዜ ንደቂ ሰባት “ዘይመሰሎም” እንታይ ኣሎ፧ ምስ ተወልደ ንኣይሁድ ወዲ ዮሴፍ መሲልዎም ነበረ። ንኒቆዲሞስ ነቢይ መሲልዎ ነበረ፡ ንሳምራዊት ሰበይቲ መጀመርታ ማይ ዝልምን ተራ ሰብ መሰላ፡ ብድሕሪኡ ድማ ነቢይ መሲሉ ተራኢዋ ነበረ፡፡ ክርስቶስ ንብዙኃት ዘይመሰሎም እንታይ ኣሎ፧ ንገለ ኤልያስ፡ ንሓደ ሓደ ሙሴ፡ ንኻልኦት ኢያሱ መሰሎም፡፡ ንተጓዓዝቲ ኤማሁስ ” ተጓዓዚ (መንገደኛ)”፡ ንወተሃደራት ሮም “ወንጀለኛ”፡ ንመኳንንቲ ሄሮድስ “ኣስማተኛ (ጠንቋሊ)” መሲልዎም ነበረ፡፡
ንሕና ንዕኡ ክንመስል ንሱ ንነፍስ-ወከፍና መሲሉ ተጸርፈ፡ ተወቕሰ፡ ብግፍዒ ተሰቒሉ ሞተ። ሕጂ ድማ ንማርያም መግደላዊት በዓል ኣታኽልቲ መሰላ፡፡ ብሓቂ ሓላዊ ኣታኽልቲ እንተ ዘይከውንስ “ኣዳም ኣዳም ኣበይ ኣለኻ፧” እናበለ ኣብ ማእከል ገነት ኣብ ዙርያ ኣእዋም ገነት እንታይ ኣመላለሶ፧ ኣይተጋገኽን “ወይኒ ተኸልኩ ኣይፈረየን፡ ንወይነይ ዘይገበርክዎ እንታይ ኣሎ፧ ኣባይን ኣብ ሞንጎ ወይነይን ፍረዱ” ኢሉ ዝጸውዓናስ ንሱ ኣይኮነን፧ “ዘራኢ ዘርኢ ክዘርእ ወጸ፡ ዘራኢ ዘርኢ ኣነ እየ፡ ዓጸድቱ ከኣ መላእኽት እዮም” ኢሉ ብምሳሌ ዘስተምሃረና ንሱ ኣይኮነን፧ ካብዚ ንላዕሊ ሓላዊ ኣታኽልቲ ካበይ ክመጽእ፧ “ሥፍራ ወይኒ ነበረቶ ቀጽሪ ከኣ ገበረላ” ኣብ ዝተባህለት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኩልና ካብኣ ከይንቑረጽ ዝተኸለልና፡ ናይ ጎድኑ ማይ እንዳ ኣስተየ፡ ብመስቀሉ እንዳ ኾስኮሰ ዘዕቢ “ጳውሎስ ክተክል ኣጵሎስ ከስቲ ኸሎ፡ ጐይታ የዕቢ ነበረ። ዝተባህለሉ ሓላዊ ኣታኽልቲ ንሱ’ዶ ኣይኮነን፧ ሠለስተ ዓመት ተመላሊሱ ፍሬ ከይረኸበልና ኣሕዚንናዮ፡ እሾኽ ኣሚካላ እናብቆልና ኣሸጊርናዮ እምበር፡ ንሱስ ብርቱዕ ሓላዊ ኣታኽልቲ’ዩ።
ስለዚ ማርያም መግደላዊት ሓላዊ ኣታኽልቲ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ከምዚ ኢላ እምበኣር ብቕድስና ክሳዕ ዕርገቱ ንክርስቶስ እናኣገልገለት፡ድሕሪ ዕርገት’ውን ምስ ኩለን ቅዱሳት ኣንስቲ ብኹሉ መገድታት ንቅዱሳን ሓዋርያት እናረድኤት ብንጽህናን ብቕድስናን ተገልግል ነበረት። ኣብ በዓለ ኃምሳ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢላ፡ ንብዙኃት ኣንስቲ ምሂራ ናብ እምነተ ክርስቶስ ተምጽእ ስለ ዝነበረት በዚ ቅዱሳን ሓዋርያት ‘ዲያቆናዊት’ ሰመይዋ። ቅድስት ማርያም መግደላዊት ብምኽንያት ጽኑዕ እምነታን ኣገልግሎታን ካብ ኣይሁድ ብዙኅ መከራ በጺሕዋ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ሠናይ ገድሊ ተጋዲላ፡ ኣገልግሎታ ብሰላም ፈጺማ ጕዕዞ መስቀል ወዲኣ 6 ነሓሴ ብሰላም ኣዕረፈት።
እምበኣር ናይዛ ቅድስት ኣደ እዚኣ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብስማ እትጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ኣለዋ። ደብረ ማርያም መግደላዊት ዓዲ ደቂወራሲ ድማ ትብሃላ። ኣብ ከባቢ ዓረዛ ጥቃ ገዳም ደብረ ድማኅ አቡነ መርቆሬዎስ ትርከብ ኮይና፡ ዝተመስረተትሉ ዕድመ ዳርጋ ምስ ደብረ ድማኅ አቡነ መርቆሬዎስ ምዃኑ ይንገር።
ጸሎታን በረኸታን ናይ ማርያም መግደላዊት ኣዴና ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!!!
Leave a comment

