፮/6 ጥቅምቲ ዕረፍታ ለሓና ኣደ ነቢይ ሳሙኤል፡

፮/6 ጥቅምቲ ዕረፍታ ለሓና ኣደ ነቢይ ሳሙኤል፡

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

፮/6 ጥቅምቲ ዕረፍታ ለሓና ኣደ ነቢይ ሳሙኤል፡

ቅድስቲ ሓና ኣደ ካህንን መስፍንን ሳሙኤል ዓሌት ትውልዳ ኻብ ነገደ ሌዊ ኾይኑ ንህልቃና ወዲ ታህርም ተመርዕያ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ክንሳ ውላድ ብዘይምርካባ ትኃዝንን ትጕህን ነበረት። ንህልቃና ሰብኣያ ኻልኣይቲውን ፍናና እትብሃል ሰበይቲ ነበረቶ። እንተኾነ ግና ፍናና ኽትወልድ ከላ ሓና ውሉድ ኣይነበራን፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ፍናና ኣብ ልዕሊ ሓና ብዙኅ ናይ ብድዐ ቓላት ትዛረብ ነበረት። ሓና ኸኣ ዅሉጊዜ ኽትጽረፍ ከላ ትበኪ ነበረት። እኽሊ ኣይትበልዕን ማይውን ኣይትሰትን ነበረት፡ ህልቃና ሰብኣያ ይናዝዛ እኳ እንተነበረ ሓና ግና ናቱ ምጽንናዕ ኣይጠቐማን ክትቅበሎውን ኣይከኣለትን። ሓና ናብ ቤት እግዚኣብሔር ደይባ እናበኸየት ኣብ ጸሎታ “ውሉድ እንተሂብካኒ ንኣኻ መብጽዓ ኸህበካ እየ” ኢላ ኣምሪራ ትጽሊ ነበረት፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኤሊ ሊቀ ካህናትን ኣማሓዳርን ስለዝነበረ፡ ሓና ኽትጽሊ ኸላ ይሰምዓ ነበረ እሞ ዝሰኸረት ወይ ዝተጸለለት መሲልዎ፡ “ከምዚ ኢልኪ ሰኺርኪ ኽሳዕ መኣዝ ኢኺ፧ ደጊምሲ እባ ስኽራን ይኣኽለኪ” በላ። ንሳ ግና “ጐይታይ ኣይፋለይን ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኣ ሰበይቲ ደኣ እየ እምበር፡ ነቢትን ካልእ ዜስክር መስተንሲ ኣይሰቴኹን። ብጸሎት ደኣ ጭንቀይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር አፍስስ ኣሎኹ። እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘዛረበንስ ብዝኂ ጓህን ሓዘንን እዩ እሞ፡ ንኣይ ንባርያኻ ኸም ዝርግቲ ሰበይቲ ኣይትርኣየኒ” ኢላ መለሰትሉ፡ ሽዑ ካህን ኤሊ “ብሰላም ኪዲ ኣምላኽ እስራኤል እቲ ዅሉ ዝለመንክዮ ይሃብኪ” በላ፡ ንሳ ኸኣ “ኣነ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ክረክብ ተስፋ ኣሎኒ” በለቶ፡ ኸይዳ ኸኣ በልዐት፡፡ ድኅር’ዚ ጓሂ ዚብልዎ ኣብ ገጻ ኣይተራእየን፡ ንጽባሒቱ ኣንጊሆም ተንሢኦም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሰገዱ፡ ተመሊሶም ከኣ ናብ ቤቶም ራማ ኣተዉ፡ ህልቃና ድማ ንሰበይቱ ፈለጣ(ተራኸባ) እሞ እግዚኣብሔር’ውን ጸሎታ ሰምዐ፡ መዓልትታት ምስ ኃለፈ ሓና ጠነሰት ወዲ ድማ ወለደት፡ “ካብ እግዚኣብሔር ብጸሎት ረኺበዮ እየ” ብምባል ከኣ ስሙ “ሳሙኤል” ኣውፅኣትሉ፡ ሓና ንወዳ ጡብ ኸሳዕ እተኅድጎ ምስኣ ኣጽኒሓ፡ ጡብ ምስ ገደፈ ሠለስተ ዓመት ዝገበረ ዝራብዕን ዓሠርተ ኺሎ ግራም ሓርጭን ሓደ ሓርቢ ነቢትን ተማሊኣ ናብ ቤት እግዚኣብሔር ኣእተወቶ። እቲ ቘልዓ ድማ ጌና ንእሽቶይ ነበረ። ነቲ ዝራብዕ ምስ ሓረድዎ ነቲ ቘልዓ ናብ ኤሊ ኣምጽእዎ፡ ሓና ኸኣ “ጐይታይ ስምዓኒ ነፍስኻ ሕያው ትኹን፡ ጐይታይ እታ ኣብ ጥቓኻ ደው ኢላ ንእግዚኣብሔር እትልምን ዝነበረት ሰበይቲ ኣነ እየ፡ ነዚ ቘልዓ እዚ ኺህበኒ እየ ዝልምን ዝነበርኩ፡ እግዚኣብሔር ከኣ እቲ ዅሉ ዝለመንክዎ ሃበኒ፡ ስለ’ዚ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሔር እህቦ ኣሎኹ፡ ምሉእ ዕድሚኡ ንእግዚኣብሔር ተዋሂቡ እዩ” በለት፡ ኣብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሔር ሰገዱ፡ ሓና ድማ ኸምዚ ኢላ ጸለየት፡፡

“ልበይ ብእግዚኣብሔር ይሕጐስ፡

ኃይለይ ከኣ ብእግዚኣብሔር ልዕል ይብል።

ስለዘድኃንካኒ ተሓጒሰ እየ እሞ፡

ኣብ ልዕሊ ጸላእተይ እሕበን ኣሎኹ።

ከም እግዚኣብሔር ዝበለ ቕዱስ የልቦን፡

ከም ኣምላኽና ዘበለ ጸግዒ ኸኣ የልቦን፡

ዘረባ ትዕቢት እምብዛ ኣይተብዝኁ

ቃል ድፍረት’ውን ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ፡

ከመይ እግዚኣብሔር ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኸ እዩ፡

ንግብሪ ሰብ’ውን ዚመዝን እዩ፣

ቐስቲ እቶም ኃያላን ተሰብረ፡

እቶም ሰንከልከል ዚብሉ ዝነበሩ ኸኣ ኃይሊ ተዓጥቁ፡

እቶም ዚጸግቡ ዝነበሩ ምእንቲ እንጌራ ተዓስኑ፣

እቶም ጥሙያት ድማ ደጊም ኣይጠምዩን፡

እወ እታ መኻን ሾብዓተ ወለደት።

እታ ወላድ ግና ውላድ ሰኣነት፡

እግዚኣብሔር ሞት የምጽእ፡ ሕይወት ከኣ ይህብ፡

ናብ ሲኦል የውርድ መሊሱ ኸኣ የተንሥእ፡

እግዚኣብሔር ድኽነትን ሃብትን ይህብ

ትሕት የብል፡ ክብ ድማ የብል፡

ነቲ ነዳይ ካብ ሓመድ የተንሥኦ፡

ነቲ ድኻውን ካብ ጐድፍ የልዕሎ፡ ምስ መኳንንቲ የቐምጦ፡

ዝፋን ክብሪ’ውን የውርሶም።

ከመይ መሠረት ምድሪ ናይ እግዚኣብሔር እዩ። ንዘለዓለም ከኣ ኣብኡ ኣንቢርዋ ኣሎ።

ንሕይወት ቅዱሳኑ ይሕሉ እቶም ኃጥኣን ግና ኣብ ጸልማት ኪጠፍኡ እዮም። ከመይ ሰብ ብኃይሉ ኣይስዕርን እዩ።

እቶም ንእግዚኣብሔር ዚጻረሩ ይጠፍኡ ኻብ ሰማይ ከኣ የንጐድጒዶም እግዚኣብሔር ንምድሪ ብምልእታ ይፈርዳ፡ ንንጉሥ የበርትዖ ንኃይሊ መሲሑ ኸኣ ልዕል የብሎ።”

ንሳሙኤል ወዳ ኸኣ ኸምታ መብጽዓ ዝሃበቶ ምሉእ ዕድሚኡ ኣብ ቅድሚ ኤሊ ካህብ ኮይኑ እግዚኣብሔር የገልግል ነበረ፡ ይብል። (፪ይሳሙ. ፪፡፩-፲፩፡/2፡1-11)

ሓና ሠለስተ ኣወዳትን ሠለስተ ኣዋልድን ምስ ሳሙኤል ሾብዓተ ወሊዳ ድኅሪኡ ነዊኅ ጸኒሓ ንኣምላኻ ኣሥሚራ ፮/6 ጥቅምቲ ብሰላም ዓረፈት፡ ጸሎታን በረኸታን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወለወለዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን!

Leave a comment

Send a Comment