በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!
ቅዱስ ዲናስዮስ ኣብ ዘመነ ሐዋርያት ካብ ዝነበሩ አበዉ ሊቃውንት ዘደንቅ ታሪኽ ዘለዎ ቅዱስ ኣቦ እዩ። ቅዱስ ዲዮናስዮስ ትውልደ ሃገሩ መናኅርያ ፍልስፍና ዝኾነት ሃገረ ግሪኽ እዩ ተወሊዱ። ፍልስፍናኡ ካብ በዓል ኣሪስቶትል ዝተተሓሓዘ ኮይኑ፡ብፍልስፍናዊ ትምህርቲ ኣዝዩ ሓያል ነበረ። ካብዚ ተበጊሦም ድማ “ሓለቃ ፍላስፈኛታት” ዝብል ቅጽል ስም ሃብዎ። ከምኡ ውን ኣብ ከተማ ኣቴንስ “ኣርዮስፋጎስ”ናይ ዝብል ትምህርቲ ቀዳማይ ተጸዋዒ ነበረ። እዚ ኩሉ አብ ግዜ ንእስነቱ ከጽንዖ ከሎ ፡ ከም ፍላስፋ ኣዝዩ ተማራማራይ ከም ዝነበረ ታሪኽ ህይወቱ ይገልጽ። አብቲ ግዜ’ቲ ግሪኻውያን አምላኽ እናበሉ ዘምልኽዎም ልዕሊ 250 ናይ ፍልስፍና ጣዖታት ነበሩ። እንተኾነ ግን በዚኦም ፍጹም ስለ ዘይዓገበ፡እቲ ሓቀኛ አምላኽ መን ይኸውን! እናበለ ይሓስብ ነበረ። ኣብ ከምዚ ሓሳብ እንከሎ፡ ሰብ ኣቴና ተኣኪቦም ብምምጻእ ዓልም ካብ ዝፍጠር ብ 5534 ፳፯ (27) መጋቢት ዓርቢ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት ፮(12) ምድሪ ተናዊጻ፡ፀሓይ ጸልሚታ፡ከዋኽብቲ ረጊፎም፡ወርሒ ደም ኮይና ከም ዝነበረ ይዝከር። እንተኾነ ግን ብፍልስፍና
ኣንጻር ከመይ እዩ ስለምንታይ ከምዚ ኣጋጢሙ እስከ ኣረድኣና ክብሉ ሓተትዎ። ከምዚ ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ብዘለዎ ፍልስፍናዊ ጥበብ ፡ባሕርን የብስን።ጸሓይ፡ወርሒ፡ከዋኽብቲ መርመሮም። “ወረከቦሙ ኅዱዓነ”ከም ዝብል ከም ዘለውዎ ከም ዝተፈጥርዎ ረኸቦም። ለውጢ ክረክብ አይከኣለን። ዘዕግብ መልሲ ስለ ዘይረኸበሎም ድማ ኣብ ዓይኑ ድቃስ፡ኣብ ቅርኒቡ ድማ ትኻስ ዝብሃል ምምጻእ ኣበዮ። ብድሕር’ዚ ናብ ቤተ መጻሕፍቲ ኣትዩ ብዙሕ መጻሕፍቲ ድሕሪ ምግልባጥ፡ “አርስጣላባ” ዝብል ዓቢይ መጽሓፍ ረኸበ። አብቲ መጽሓፍ ድማ “እልመክኑን” ማለት ዘይርአ ኣምላኽ እዩ። እንተኾነ ግን ዘይርአ ኣምላኽ ዝርአ ሥጋ ደቂ ሰባት ለቢሱ ምስ መጸ፡ብግፍዕን ብጽልእን ቀተልዎ። ምድሪ ተናወጸት ጸሓይ ጸልመተት፡ወርሒ ደም ኮነት፡ ከዋክብቲ ረገፉ ዝብል ጽሑፍ ምስ ረኸበ።
ክዳኑ እናቀደደ ናብቶም ስብ ኣቴና ወጸ።ንሳቶም ድማ ሰንቢዶም መምህር እንታይ ረኸበካ ድኣ በልዎ። ዘንበቦ ጽሑፍ ነገሮም። ብድሕር’ዚ (ኡሲፎስና ኡርያኖስ) ዝብሃሉ ተማሃርኡ ጸዊዑ፡ (እልምክኑን)ዝብል ጽሑፍ ወሲድኩም ኣብቲ ኣፍደገ ቤት ጣዖት ለጥፍዎ በሎም ከምኡ ድማ ገብሩ። ከምዚ ብምግባሮም ድሕሪ 14 ዓመት ብርሃነ ዓለም ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ወንገል ክሰብኽ ናብ ኣቴንስ መጸ። እዚ ብ 48 ዓመት ምኅረት ክኸውን ከሎ፡ ብርኅነ ዓለም ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብቲ ቤተ ጣዖት “እልምክኑ” ዝብል ጽሑፍ ምስ ረአየ ወንገል፡ክምህሮም ጀመረ፡ብትምህርቱ ዝተደነቁ ሰብ ኣቴና ድማ ናብ ቅዱስ ዲዮናስዮስ ወሰድዎ። ቅዱስ ዲዮናስዮስ፡ በደሉ እንታይ እዩ ክብል ሓተቶም፧ ንሳቶም ድማ ሓዱሽ ኣምላክ ኣሎ እናበለ ክሰብኽ ረኺብናዮ በልዎ። ብርኃነ ዓለም ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ፡ ኣነ ሓዱሽ ኣምላኽ ኣይሰበኽኩን፡ ብዘይ ፍላጥ “እልምክኑ”ኢልኩም ኣብ ቤት ጣዖትኩም ዝሰቀልክሞ ኣምላኽ እዩ፡ንሱ ከኣ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ በሎም። ቅዱስ ዲዮናስዮስ ድማ ነዚ እንታይ ምልክት ኣሎካ ክብል ሓተቶ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ እዚ ፍጻሜ ቅድሚ 14 ዓመት 27 መጋቢት ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ፡ ምድሪ ተናዊጻ፡ ጸሓይ ጸልሚታ፡ ወርሒ ደም፡ኮይና፡ ከዋኽብቲ ረጊፎም ኔሮም በሎ። ቅዱስ ዲዮናስዮስ ብጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኑ ምስ ተማሃርኡ ተጠምቀ። ብርሃነ ዓለም ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ሚሂሩ ኣስተምሂሩ ናይ መጀመርያ ጳጳስ ኣብ (ኣቴንስ ግሪኽ) ሾሞ። ምእመናን ኣብ ምጉሳይ መንፈሳዊ ህይወቶምን ትምህርቶምን ኣብ ምዕባይ ብዙሕ ጻዕርን ድኻምን ከፈለ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ካብ ዝነበሩ ቀዳማት ጸሓፍቲ ደረስትን ርቱዕ ሃይማኖት ድማ ተሠርዐ። ናይ ሽዑ ድረስታቱ ሎሚ ኣብ ሃይማኖተ አበው ዝብል መጽሓፍ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን “ሃይማኖተ አበው ዘቅዱስ ዲዮናስዮስ ብዝብል ስም፡ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ቅዱስ ዲዮናስዮስ ንብዙሕ ዓመታት ብመንፈሳዊ ኣገልግሎት እናሃለወ ሎሚ በዚ ዕለት በቲ ናይ ከባቢ ንጉሥ ተሠይፉ ስምዕትነት ተቀበለ። ዝገርም ነገር ግን እቲ ከሓዲ ንጉሥ ሰብኣ ኣቴንስ ኣዝዮም ይፈትውዎ ከም ዝነበሩ ስለ ዝፈልጥ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ኣብ ጽምዋ ቦታ ወሲዱ ሰየፎ። ሰውነቱ ተንሲኡ ንዝተሰየፈት ርእሱ ሓቊፍ ደቂ መዛምርቱ ኣብ ዘለውዎ በጽሐ። አብኦም፡ምስ በጽሐ ዓረፈ። ብዝማሬን ጸሎትን ድማ ቀበርዎ።
ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ንዘልዓለም ጸኒዑ ይንበር አሜን!
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን.

