፯ 7መስከረም ቅዱስ ዴስቆሮስ ሊቀ ጳጳሳት ዘእስክንድርያ

፯ 7መስከረም ቅዱስ ዴስቆሮስ ሊቀ ጳጳሳት ዘእስክንድርያ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን!!!

ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ኣብ ደሴተ ጋግራ ኣብ ግብጺ ብ ፯(7) መስከረም ተወሊዱ፡ ቍጽሩ ካብቶም ፳፭ (25)ሊቃውንቲ እዩ። ዲዮስቆሮስ ማለት ለባሴ መስቀል፡ ተቐባሊ መከራ ማለት እዩ። ኣብ ዘመኑ እቲ ጉባኤ ኬልቄዶን ብጳጳስ ልዮን ብ ፬፻፶፩ (451) ዓ.ም ተገብረ። ካብ ጉባኤ ኒቅያ ኸሳዕ ጉባኤ ቍስጥንጥንያ ፵፮(56)ዓመት ይኸውን። ካብ ጉባኤ ኤፌሶን ክሳዕ ጉባኤ ኬልቄዶን ከኣ ፳ (20)ዓመት ይኸውን። ኣብዚ ጊዜ’ዚ ንሱን ዮሓንስ ኣፈወርቅን ተራኺቦም ምንባሮም ይንግር። ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ብ፬፻፴፫ (433)ዓ.ም ግእዝ ሊቀ ጳጳሳት ተሸይሙ ን፲፬ (14)ዓመት ዝኣክል ጸኒሑ፡ ኣብዚ እዋን እዚ መርቅያን ብናይ ልዮን ምኽንያት ተጠቒሙ ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን ይኹን ኢሉ ኣዋጅ ነገረ። ካብ ናይ ጉባኤ ኒቅያ ዝነበሩ ሊቃውንቲ ዕጽፊ (፮፻፴፮)/636 ኤጲስቆጶሳት ኣከበ፡ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ፯(7)ርእሱ ኾይኑ ተዋሕዶ በለ፡ ማለት እዚ ደኣ እቲ ናይ ንስጥሮስ ነገር እንድ’ዩ ብሕልፍኝ ኣትዩ፡ ብኣዳራሽ ምውፃእ” በለ። ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ኣብ መንበረ ማርቆስ ምስተሸመ ናይ ንእሽቶ ኤስያ ግሪኻውያን ብፍላይ ድማ እቶም ንቕዱስ ቄርሎስ ዝቃወሙ ዝነበሩ እዚ ቴዎዶሪጦስ ብውዳሴ ኸንቱ ንቕዱስ ቄርሎስ እናኣነኣኣሱ፡ ንቕዱስ ዲዮስቆሮስ እናሞገሱ፡ “ሽመት የዳብር” ዚብል መልእኽቲ ለኣኸሉ፡ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ግና ኻብ እምነቱ ዘይነቓነቕ ብውዳሴ ኸንቱ ዘይታለል እሙን መንፈሳዊ ኣቦ ስለዝኾነ ንሓሳባቶም ኣይተቐበሎን፡ ንሳቶም ከኣ ብቅዱስ ዲዮስቆሮስ ተሰማዕነት ስለዘይረኸቡ ስም ቅዱስ ዲዮስቆሮስን መንበረ ማርቆስን ዘጸልሙሉ ምኽንያት ከናድዩ ጀመሩ፡ ልዮን ናብቲ ኣኼባ ኣይመጽአን ነይሩ። ብሕማም ድዩ ብእርጋን ምኽንያት ዘይመምጽኢኡ ኣይተፈልጠን። ደብዳቤ ልኢኹ ተነቢብሉ ኣብቲ ንባቡ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ትኅዝቶ ነበሮ። ክልተ ባህርይ ትስብእት ይገብር ግብረ መለኮት ይገብር መለኮት፡ ግብረ ትስብእት ዝብል ነበረ።

ንቕዱስ ዲዮስቆሮስ ኃለቓኻን መምህርካን ልዮን ከምዚ እናበለ ስለምንታይ ንበይንኻ ትፍለ፧ በልዎ። ቅዱስ ዲዮስቆሮስ “ሃይማኖት እንተዘይቅይር ነይሩ መምህረይ ሓለቓይ ምኾነ ነይሩ፡ ሃይማኖት እንተለዊጡ ግና ኸመይ ኢሉ መምህረይን ኃለቓይን ይኸውን፡ በለ፡ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ኣወገዝዎን ኣውረድዎን። ንሱ’ውን ብወገኑ ወገዞም፡ ማለት ክልቲኦም ተወጋጊዞም። ሰይቲ ንጉሥ መርቅያን ንግሥቲ ብርክልያ ጓል

ኣውዶክስያ፡ “ናይ ሎሚ ኣኼባ ኸመይ ውዒሉ፧” ኢላ እንተሓተተት “ዲዮስቆሮስ 7ይ ርእሱ ደኣ ተፈልዩ እምበር ካልኦት ሓደ ኾይኖም ኔሮም” በልዋ። “በሉ ንዲዮስቆሮስ ናባይ ስደድዎ” በለት። እቲ ንጉሥ “ንሰበይቲ እኮ ዕድል ናይ ምርዳእ ኣለዋ እዩ እስከ ስደዱላ” በለ። ንሳ “ስለምንታይ ኢኻ ንጉሥ ዝፈተዎን፡ ዘመን ዝወለዶን መሲልካ ዘይትነብር፧” በለቶ፡ ንሱ “ኣይከውንን’ በላ። ንሳ ኸኣ “እዞም መነኮሳት እዚኣቶም እንታይ እዩ ኸምዚ ዝገብሮም ዘሎ ኣቦኻ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ምስ ኣደይ ኣውዶክስያ ተጻሊኡ ኸምዚ ኢሉ መከራ ረኸበ፡ ንስኻ’ውን ክመውት እየ እምበር ኣይቕበለክን ትብል ኣሎኻ” በለቶ። ንሱ ኸኣ “ንስኺ ናይ ኣቦይ ዮሓንስ ኣፈወርቅ መከራ ምጽጋብ ትዛረቢ ኣሎኺ እምበር፡ ናይ ኣዴኺ ሓሳር’ሲ ኣይትዝክርንዶ፧ ብኸመይ ዝበለ ኽፉእ ኣማውታ እያ ዝሞተት በሊ፧” በላ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኃፈረት እሞ በቲ ዝኃዘቶ ወቕዓቶ ኣስናኑውን ሰበረቶ። እቶም ዓጀብታ’ውን መጺኦም ጭሕሙ ነጸይዎ ገጹ ጸፍዕዎ፡ ስኑ ሰበርዎ። ንሱ ነቲ ዝተሰብረ ስኑ ኣብ መንዲል ቋጺሩ ነቶም ኣብ እስክንድርያ ዘለዉ ኣመንቲ “ዝንቱ ውእቱ ፍሬ ሃይማኖት” ኢሉ ሰደደሎም። ከም ናይ ዕንቊ መብራህቲ እናኣብርሃሎም ናይ ለይቲ መንፈሳዊ ስራሕ ይሠርሑ ነበሩ። ድኅሪኡ ፍረዱዎ በለቶም፡ ይሙት ኢሎም ከኣ ፈረዱ። ገለ ሰባት ከኣ ንስጥሮስ ክሒዱ ተሰዲዱ እምበር መዓስ ተቐቲሉ፣ ተኣሲሩ ኺነብር (ማሕዩር) እዩ ዝመስለና ኢሎም ፈረዱ። ሽዑ ኣብ ደሴተ ጋግራ ማሕዩር ኣእተውዎ። ኣብኡ ኣብ ማሕቡስ ከሎ ብናይ መለካውያን ውዲት ዓረፈ።

መለካውያን ማለት ፈጻምያነ ትእዛዘ ንጉሥ ማለት እዩ።

ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ኅሙሽተ ዓይነት ድርሰታት ደሪሱ፡ እቲ ቐንዲ ብስሙ ዚጽዋዕ መጽሓፈ ቅዳሴ እዩ። ኣብ ደሴተ ጋግራ ተኣሲሩ ኸሎ ዝጸሓፎ እዩ።

ኣብ መበል ፷ (60) ዕድሚኡ ዕለት ፯ (7) ግንቦት ዓረፈ። ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።

መወከሲ፦ መቕድም ትርጓሜ ቅዳሴ ዲዮስቆሮስ።

ስብሐት ለእግዜአብሔር ሎዑል

ወወልውዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!

Leave a comment

Send a Comment