በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!
፯/7 ሓምለ ቅዱስ ኣግናጥዮስ ሊቀ ጳጳሳት ዘኣንጾኪያ
እዚ ጻድቕ’ዚ ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ኸም ዘሎ ኣቦታትና ሓዋርያት «ብኽብሪ ኻባታትና እቲ ዝዓበየ መን እዩ፧” ኣብ ዝበሉሉ ጊዜ ጐይታ ኻብ ማእከሎም ሓደ ሕፃን ኣቚሙ ኸምዚ ሕፃን’ዚ እንተዘይኴንኩም መንግሥተ ሰማያት ክትኣትዉ ኣይትኸእሉን ኢኹም። ማቴ 8፡1-5 ብምባል ትሕትና ኣብ ዝመሃረሉ ኸም ኣብነት ዝጠቕሶ ሕፃን ቅዱስ
ኣግናጥዮስ ነበረ።
ቅዱስ ኣግናጥዮስ ምስ ዓበየ ናይ ዮሓንስ ወንጌላዊ
ደቀ መዝሙር ብምዃን ትምህርቲ ነገረ መለኮት ብዝግባእ ተማህረ። በዚ ኸኣ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣሰር ሰዓበ። በዚ እያ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ድኅሪ ኢዮዲስ 3ይ ጌራ ኣብ መንበር ጴጥሮስ ሊቀ ሓዋርያት ሊቀ ጳጳስ ዝሸመቶ። ንሱ ተሸይሙ ኽሳዕ ብስምዕትና ዚዓርፈሉ ዕለት፡ ከም ኣቦታት ሓዋርያት ስለ ናይ ፈጣሪ ባሕርይ ሓድነትን ሠለስትነትን ብቓል ይኹን ብጽሑፍ ኣበርቲዑ ዝመሃረ ኣቦ እዩ።
ካብ ዝመሃሮ ትምህርቲ
ኵሉ ፍጥረት ዝፈጠረ ናይ ፍጥረታት ሽመትን መዓርግን ኪህብ ዚኽእል እግዚኣብሔር ብመልክዕ፡ ብገጽ፡ ፍጹም ዝኾነ ብሠለስተ ኣካላት ኣብ ናይ ጐይትነት ዙፋኑ ተቐሚጡ ዅሉ ዚገዝእ እዩ ኢሉ። በዚ ኸኣ ናይ ምሥጢረ ሥላሴ ትምህርቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ቤተ ኣብርሃም፡ ዘፍ. 18፡1-15 ካብ ሓዲሽ ኪዳን ከኣ ናይ ፈለገ ዮርዳኖስን ደብረ ታቦርን የመልክት፡ ማቴ. 3፡16-17 ማቴ.17፡5-6።
ቅዱስ ኣግናጥዮስ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ሓዋርያዊ ሊቅ ከም ምዃኑ ብመለኮታዊ ትምህርቱ ኣብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ መለኮት፡ ኣብ ሓደ መለኮት ሠለስተ ኣካላት ምህላዎም ብዘይ ምትሕውዋስ ብትኸክል (ዕሪና) ኣቐሚጡ ይርከብ። ኣካላት ዝተባህሉ “ኣብ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ’ ምዃኖም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። ሥላሴ ዝተባህሉ እዚኣቶም እዮም።
ማቴ. 289።
ብዛዕባ እግዚኣብሔር ወልድ’ውን ብፍሉይ ኣካሉ ሰብ ናይ ምዃኑ ነገር ኪናገር ከሎ “ምስ ናይ ባህርይ ኣቦኡ ኣብ፡ ምስ ናይ ባሕርይ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስ፡ በመለኮትን ብባሕርይን ሓደ እንተኾነ ኻብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኪውለድ ከሎ ብፍሉይ ኣካሉ ደኣ ተወልደ እምበር ሠለስቲኦም ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዶም ኢልና ኣይንናገርን ኢና፡ ወይ ኣይንብልን ኢና። ኣብን መንፈስ ቅዱስን ምውላድ ኣይምልከቶምን እዩ። ማለት ንእግዚኣብሔር ወልድ ጥራይ እዩ ምውላድ ዝምልከቶ ኢሉ መሃረ።ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ በሃልቲ ኣይሁድን ሰዓብቶምን እኳ እንተዘይኣመኑ ንሕና ግና ኣብ በከዊነ ልብ፡ ኣብ ወልድን ኣብ መንፈስ ቅዱስን ህልው ምዃኑ፡ ወልድ’ውን በከዊነ ቃል ኣብ ኣብን ኣብ መንፈስ ቅዱስን ህልው ምዃኑ፡ መንፈስ ቅዱስ’ውን በከዊነ እስትንፋስ ኣብ ኣብን ኣብ ወልድን ህልው ምዃኑ ኣሚንና እንተ ተናገርና’ውን ኣብ፤ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ናብ ምዃን፤ ወልድ’ውን ኣብን መንፈስ ቅዱስን ናብ ምዃን፤ መንፈስ ቅድስ’ውን ኣብን ወልድን ናብ ምዃን ኣይልወጡን እዮም። ናይ ባህርይ ሓድነት ኣብ ሠለስተ ኸይተኸፍለ ናይ ኣካላት ሠለስትነት ብናይ ባህርይ ሓድነት ከይተጠቕለለ ንኣምን” ይብል።
ቅዱስ ኣግናጥዮስ ዚነበረሉ ዘመን ኵሉ ክርስቲያን እናተሳሕበ ምስ ኣንበሳታት ዚቃለሰሉ ከም ሓደ ጐሓፍ ናብ እሳት ዚድርበየሉ ከም ዝዓበደ ኸልቢ ኣብ ዝተረኽቦ እናተኸትከተ ዝኸደሉ ዝነበረ ጊዜ ብምንባሩ ኣዝዩጽንኩር ከም ዝነበረ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ተመዝጊቡ ኣሎ። ንቕዱስ ኣግናጥዮስ’ውን እዚ ፈተና’ዚ በጺሕዎ እዩ።
ቅዱስ ኣግናጥዮስ ዝተነበዮ ትንቢትን ፍጻሜን
እዚ ቕዱስ ኣቦ’ዚ ኣቐዲሙ ኸም ዝተገልጻ ካብቶም ፸፪ (72) ኣርድእቲ ሓደ ኾይኑ ኣብ ናይ ኣንጾኪያ ዞባታት ክርስቶስ ወረደ፡ ተወልደ፡ ተጠምቀ፡ መሃረ፡ ሓመመ፡ ሞተ፡ ተንሥአ፡ ዓረገ ኢሉ ኺምህር ከሎ ኣቦ ንጉሥ ዲዮቅልጥያኖስ ኑማርዮስ ይብሃል ነበረ።እዚ ኑማርዮስ ዝተባህለ ሰብኣይ ትምህርቲ ቅዱስ ኣግናጥዮስ ምእንቲ ኸይሰምዕ ኢሉ ብንዕቀት ቤቱ ዓጽዩ ደቀሰ።ቅዱስ ኣግናጥዮስ ብጸጋ ዝበሎን ዝሓሰቦን ፈለጠ “እዚ ኣፍ ደገ ዓጽዩ ዝደቀሰ ሰብኣይ ሰበይቱ ሎሚ ለይቲ ክትጠንስ እያ። እቲ እትወልዶ ውላድ ከኣ ኸም ይሁዳ ፈጣሪኡ ዚኽሕድ፡ ንምእመናን ብሓዊ ዜንድድ፡ ብሰይፊ ዚሓርድ፡ ንዝተረፈ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዜሳድድ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ተነበየ።
ስለዚ እቲ ትንቢት ምእንቲ ኪፍጸም ኣብታ ለይቲ እቲኣ ተጠንሰ። ኣብ ትሸዓተ ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ኣዲኡ ንእኡ ክትወልድ ብጻዕሪ ሞተት። እቶም ሕዝቢ ገሊኦም ንቕበራ ኺብሉ ኸለዉ ገሊኦም ከኣ እቲ ሕፃንከ በሉ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኸይቀበርዋ ኃደረት። ንግሆ መጺኦም እንተረኣዩ ኸብዲ ኣዲኡ ቀዲዱ፡ ብኸብዳ ወፂኡ ናይ መዋቲት ኣዲኡ ጡብ ኂዙ ጸባ ጡብ ኪጠቡ ጸንሖም። ቤተሰቡ “ወልደ ምውት” በልዎ። ትርጉሙ ካብ መዋቲት ኣደ ዝተረኸበ ማለት እዩ።
ምዕባዩ ኣይተረፈን ኣብ ዓዱ ምስ ኣቦኡ ኑማርዮስ ዓበየ፡ ደቂ እቲ ኸባቢ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣግናጥዮስ ትንቢት ዚሰምዑን ዚፈለጡን “ሕማቕ ትንቢት ተነጊሩሉ ነይሩ እዩ እሞ ንዑ ንቕተሎ” ኪብሉ ኸለዉ ኣቦኡ ኑማርዮስ ሰምዐ። ምእንቲ ኸይቐትሉሉ ኢሉ ኸኣ ናብ ታሕታይ ግብጺ ሰደዶ። ኣብ ግብጺ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ውላድ ዘይነበሮ (መኻን) ሰብ ተቐቢሉ ብመጀመርታ ሓላዊ እኽሊ ገበሮ። ደኃር እናዓበየ ምስ ከደ ኸኣ ተጽዕኖ ፈረስ፡ ውርወራ ዂናት፡ ነገረ መሰንቆ ማለት መሰንቆ ምስንቃው ኣምሃሮ። እዚ ዲዮቅልጥያኖስ ተባሂሉ ዘሎ ስመ መንግሥቱ ኪኸውን ከሎ እቲ ቐዳማይ ስሙ ኸኣ ኣግሪጳ ይብሃል ነበረ።
ኣብ ሃገረ ቍዝ ኑማርያኖስ ዝተባህለ ንጉሥ ብጀካ ኽልተ ኣዋልድ ወዲ ኸይወለደ ዝሞተ ነበረ። እቲ መንግሥቲ ብፍንጥርብያ ማለት በታ ዝዓበየት ጓሉ እናተመርሐ ይነብር ኣብ ዝነበረ እዋን ኣግሪጳ ወቓዒ መሰንቆ ብምዃኑ ስልቲ፡ ፈልዩ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ኣፍራስ መሰንቆ ወቕዓሎም።ከምኡ’ውን ናይ ቶቤል ሰይጣን ኃዲርዎ ስለ ዝነበረ እዚ ሰይጣን’ዚ ናብቶም ኣፍራስ ኣተወ። ነቶም ኣፍራስ ኸኣ ውቃዕ ኣግሪጳ (ወልደ ምውት) ሰሚዖም ብተመሥጦ ከም ዝስዕስዑ ገበረ።
ኣብዚ ጊዜ’ዚ እታ ንእሽቶ ጓል ኑማርያኖስ ፍንጥርብያ ዝተባህለት ኣግሪጳ መሰንቆ ኪወቅዕ ኣፍራስ ከኣ ኪስዕስዑ ኸለዉ ነታ ዓባይ ሓውታ ህንጥርብያ ረኣዪ በለታ። ህንጥርብያ ብመስኮት ኮይና እንተኣማዕደወት እቲ ኣብቶም ኣፍራስ ኃዲሩ ዝነበረ ሰይጣን ናብኣ ኣተወ’ሞ ከምዚ ዚስዕብ ኸም እትብል ገበረ። ኣነ ነዚ ሰብ’ዚ ተመርዕየ ኣብ መንግሥተይ ከንግሦ እየ ንገርዎ
በለት። “ንሱ ሕራይ” በለ። ተመርዕያ ኸኣ ኣብ ኣግሪጳ ዚበሃል ዝነበረ ዲዮቅልጥያኖስ(ንጉሠ ነገሥት) ብዝብል ለወጠቶ። መበል ሠለስተ መዓልቲ ናይ ኣቦኣ ዘውዲ ደፊኣ ኣንገሠቶ። ስሙ “ዝሞትና ንሕና ዝነገሥና ንሕና” ኸኣ በለት።
ኃውቲ ቅዱስ ቴዎድሮስ እስፍንድያ ነዚ ነገር’ዚ ሰሚዓ “እንሆ ወዲ
ኑማርዮስ ኣብ ግብጺ ሓላዊ ኸብቲ (እንስሳ) ጓሳ ኣባቕል ዝበልካዮህንጥርብያ እታ ዓባይ ጓል ኑማርያኖስ ተመርዕያ ኣንገሠቶ” ኢላ ንቴዎድሮስ ኃዋ ለኣኸትሉ።
ንሱ ንገላውዴዎስ “ሰራዊትካ ኂዝካ ኺድ ሃገረ ቍልዝም፡ ጽንሓኒ በሎ። ገላውዴዎስ ገስጊሱ ኸይዱ ኣብቲ ዲዮቅልጥያኖስ ዘለዎ ቦታበጽሐ።
ሽዑ ዲዮቅልጥያኖስ ፈሪሁ ሰበይቱ ኂዙ ተኃብአ። ቴዎድሮስ “ዝነገሠ እንታዋይ እዩ ዘንገሠ ኸ መን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። ንዝረኸቦም ወተሃደራት ከኣ ኃሙሽተ ሚእቲ (500) ብሴፍ ቀተለ።ዲዮቅልጥያኖስ ስለ ዝፈርሀ ነታ ኣብ ርእሱ ዝነበረት ዘውዲ ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ተኃቢኡ ስለ ዝነበረ ብሻሽ ጠቕሊሉ ንታሕቲ ኣውረደሉ።ቴዎድሮስ ኪቐትሎ ምስ ደለየ መልኣኽ እግዚኣብሔር ወሪዱ “ኅደጎ ይንገሥ፡ ብናቱ ኢድ ዝኸስቡን ዝጥቀሙን ብዙኃን ኣመንቲ ኣለዉ። ከምኡ’ውን እቲ ናይ ቅዱስ ኣግናጥዮስ ትንቢት ምእንቲ ኺፍጸም እዩ” ኢሉ ነገሮ።
ንሱ «ፍቓድ እግዚኣብሔር ካብ ኮነስ ይንገሥ» ኢሉ ኸይቀተለ ኃደጎ።
ኣመዋውታ ቅዱስ ኣግናጥዮስ
ናይ ኣንጾኪያ መራሒ መምለኺ ጣዖትን መዝገበ ኃጢኣትን ዝኾነ ጠራብዮስ ንቕዱስ ኣግናጥዮስ ንፈጣሪኡ ኸሒዱ ጣዖት ኬምልኸ ኣብ ዝሓተቶ እምቢ ብምባሉ ናብ ሮማ ተላኢኹ ብናይ ትራጃን ፍቓድ ጠምዮም ንዝቐነዩ ኣናብስቲ ተዋሂቡ ብስምዕትና ዓረፈ። ምእንትኣ ኢሉ ዝሞተላ ቤተ ክርስቲያን “ምጥው ለአንበሳ” “ለባሴ _ እግዚኣብሔር” (ቴዎፎሮስ) እናበለት ብምዝካር ስሙ ትጽውዖ።
ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።
መወከሲ፦ ስንክሳር ፯ ሐምሌ። ሓምሌ ፳፬ (24)። ታኅሣሥ ስንክሳር ነገረ ቅዱሳን ገጽ ፲፬ (14) ፲፱፻፺፯ (1997) ዓ.ም።
Leave a comment