፯/7 ሕዳር ብዓለ ቅዱስ ጊዮርጊስ፥

  ፯/7 ሕዳር ብዓለ ቅዱስ ጊዮርጊስ፥

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ

 

፯/7 ሕዳር ብዓለ ቅዱስ ጊዮርጊስ፥

በዚ ዕለት እዚ ብዓል ቅዱስ ጊዮርጊስ ምኽባሩ ብክልተ ነገር እዩ። መጀመርያ ብህይወት ስጋ ከሎ ንጉስ ዱርያኖስ ብጥሜት ይሙት ኢሉ ኣብ

ዝለሓስን ዝቕመስን ዘይብላ ድኻ መበለት ኣእትዩ፡ ኣብ ዓንዲ ምስ ኣሰሮ እታ ዓንዲ ለምሊማ ፈረየት። እታ ዝተኣሰረላ ቤት እታ መበለት ድማ ብበረኸት መልአት። ዕዉርን መጻጉዕን ዝነበረ ውላዳ ድማ ተፈወሰላ። ካልኣይ ድማ ቅዳሴ ቤቱ ዝተኸብረሉ ዕለት እዩ። ዝተሰርሓሉ ኣብ ቦታ ኣቡኡን ኣዲኡን እዩ። ንስጋኡ ኣገልገልቱ ናብኡ ብምምጻእ ሕሙማን የሕዊ ምዉታን የተንስእ ነበረ። ድዮቅልጥያኖስ ሰይጣናዊ ቅንኢ ሓዲርዎ፡ንኣውህዮስ ኣጥፍኣዮ ኢሉ ልኣኾ።

ኣብኡ ምስ በጽሐ መእመናን ኣብ ስእሉመብራህቲ ኣብሪሆም ክሳለሙ ጸንሕዎ። ነቲ መብራህቲ ብሰይፊ ቆራረጾ።

ካብቲ ቁራጽ ከይተረድኦ ኣብ ርእሱ ዓሊቡ ኣቃጸሎ። ኣካሉ ድማ ከም ዝቐነየ ሬሳ ሸተተ። እቶም ሰራዊት ኣብ መርከብ ጽዒኖም ክምለሱ ከለዉ

ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ በጽሑ ሞተ። ኣብቲ ባሕሪ ድማ ደርብዮሞ ከዱ። ንድቅልጥያኖስ ድማ እቲ ዘጋጠሞምን ዝረኣይዎን ኩሉ ነገርዎ። ንሰራዊቱ ሒዙ ድማ ከደ። ሕፍር ከይበለ ኣብ ዓውደ ምህረት መንበር ገይሩ ብትዕቢት ኮፍ ኢሉ ከሎ፡ ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ጊዮርጊስን መጺኦም ምስ መንበሩ ገልበጥዎ። ኣብ መንበር ዝነበሩ ክልተ ዘንግታት ዓይኑ ብምውጻእ ዓወረ፡ ሰራዊቱ ድማ ገዲፎሞ ከዱ። ኣብቲ ኣንቀጸ ቤተ ክርስቲያን ምስ

ነዳያን እናለመነ ብሓሳር ሞተ። እዚ ዝተፈጸመ ብ4ይ ክፍለ ዘመን ድ.ል.ክ እዩ።

Leave a comment

Send a Comment