፯/7 ነሓሰ ጽንሰታ ለእግዝእትነ ማርያም

፯/7 ነሓሰ ጽንሰታ ለእግዝእትነ ማርያም

 በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

፯/7 ነሓሰ ጽንሰታ ለእግዝእትነ ማርያም

    ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ኣብ ሕልና ኣምላኽ ዝነበረት ከም ምዃና ገና ከይተወለደት ትንቢት ተነጊሩላ ሱባኤ ተቆጺሩላ ዝነበረን፡ ምስ ተወልደት ውን ኣደ ኣምላኽ እና ተባህለት ከም እትነብር ቅዱሳን መጻሕፍቲ ዝመስከሩላ ኢዮም።ብዛዕባ ልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ነቢይ ኢሰይያስ ካብ እግዚኣብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ትንቢት “ትወጽእ በትር እም ሰርወ እሰይ ወየዓርግ ጽጌ እምጉንዱ” ካብ ጉንዲ እሴይ በትሪ ክትወጽእ ካብቲ ጉንዲ በትሪ ድማ ዕምበባ ጠጥዔ ክወጽእ ኢዩ ተባሂሉ ተነጊሩ ኔይሩ። (ኢሳ ፲፩፡፩/111ኣብዚ ቃል እዚ በትሪ ዝተባህለት ወይ ብበትሪ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም ክትከውን ከላ ዕምባባ ወይ ጠጥዔ ዝተባህለ ድማ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም መጺኡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ

ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ካብኣ ምውላዱ ዘመልክት ትንቢት ኢዩ።ቅዱሳን ነቢያት እግዚኣብሔር ብዝገለጸሎም ረቂቕ ናይ ትንቢት ምስጢር ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ልደት በብግሎም ዝተነበዩ ነቢያት ብዙሓት’ዮም።ንኣብነት ቅድሚ ኢሳይያስ ዝነበረ ቅዱስ ዳዊት ንልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣመልኪቱ “እግዚኣብሔር ንጽዮን ሓርይዋ (መሪጽዋ) እዩ’ሞ መሕደሪኡ’ውን ክትከውን በሃጋ እዚኣ ንሃዋሩ መዕረፊተይ ኢያ ብሂገያ ኣለኹ’ሞ ኣብዚኣ ክነብር ኢየ” ይብል።(መዝ ፻፴፩፡፲፫፲፬/13113-14) ጽዮን ኢሉ ጸዊዕዋ ዘሎ ንቅድስት ድንግል ማርያም ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

          ከም ብሓድሽ ነቢይ ኢሳይያስ ከም እትውለድን ምስተወልደት ከኣ ብንጽህናን ብድንግልናን ኣምላኽ ከም እትወልድ ከገንዝብ “እግዚኣብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ክህበኩም’ዩ እነሆ ድንግል ክትጸንስ’ያ ወዲ’ውን ክትወልድ’ያ ስሙ’ውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ ኢያ” ኢሉ’ዩ(ኢሳ 7፡14/ ፯፡፲፬)። እዚ ትንቢት እዚ ቅድስት ድንግል ማርያም እትወልደሉ ዘመልክት ጥራይ ዘይኮነስ ኣካላዊ ቃል እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ካብኣ ከም ዝውለድ ዝገልጽ’ዩ። ስሙ’ውን ኣማኑኤል ክትብሎ’ያ ኣማኑኤል ማለት ድማ እግዚኣብሔር ምሳና ማለት ምዃኑ ንባቡን ትርጓሜኡን ጽሒፍዎ ኣሎ።

እዛ ንኣምላኽ ዝወለደት ቅድስት ኣደ ትውልዳ ከመይ ከም ዝኾነ ምፍላጥ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ናይ ትውልዳ ነገር ከምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ኢዩ።

  በጥሪቃን ቴክታን ዝባሃሉ ሰባት ኣብ ኢየሩሳሌም ብሓድነት ይነብሩ ነበሩ፡ንሳቶም’ውን ንእግዚኣብሔር ዝኣምኑ ዝተፈተዉ ብሩኻት ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚኣብሔርን ብቑዓትን ብዙሕ ሃብቲ ዝነበሮምን ሰባት ነበሩ።ቴክታ ንሰበይቲ እዚ ኩሉ ዘኣከብናዮ ሃብትና እንታይ ክንገብሮ ኢና ዝወርስ ውላድ የብልናን ንስኺ መኻን ኣነ ከኣ ካልእ ሰበይቲ ኣይፈልጥን በላ።ንሳ’ውን ኣምላኽ እስራኤል ዝገብሮ ነገር ዝፈልጥ የለን፡ትማሊ ምሽት ብሕልመይ ጻዕዳ ምራክ(ብተይ)ካብ ማህጸነይ ክወጽእ፡እታ ጻዕዳ ምራኽ’ውን ጻዕዳ ምራኽ ክትወልድ ከምኡ እና በለ ክሳብ ሸውዓተ ትውልዲ

ክዋለዱ እታ ሻበዓይቲ ንወርሒ ክትወልድ እታ ወርሒ ድማ ንጸሓይ ክትወልድ ረኣኹ በለቶ።ንሱ’ውን እቲ ራእይ ጽቡቕ ኢዩ ኢሉ ናብ ሕልሚ ዝፈትሕ ከይዱ ኩሉ እቲ ዝበለቶ ነገሮ።እቲ ሕልሚ ዝፈትሕ ሰብ ድማ “እግዚኣብሔር ብዓይኒ ምሕረቱ ርእይኩም ኢዩ፡ ሸውዓተ ኣንስቲ ምራኻት ምውላድኩም ሽውዓተ ኣዋልድ ክትወልዱ ኢኹም ካባኻትኩም እታ ሻብዓይቲ ንወርሒ ምውላዳ ካብ ሰብ ዝበለጸት ካብ መላእኽቲ ዝኸበረት ብርኽቲ ፍጥረት ክትወልዱ ኢኹም ናይ ጸሓይ ነገር ግና ኣይፈለጥክዋን በሎም።

   ኣብ ፱/9 ወርሓ ጓል ወለደት ኣብ ሻሙናይ መዓልታ ድማ ንሽማ ሄኤሜን  ኢሎም ኣውጽኡላ።ሄኤሜን ማለት ዘእምስእለትነ ዝብሂል ረከብነ (ዝተመባጻዕናዮ ረኸብና)ማለት ኢዩ።ሄኤሜን’ውን ኣካለ መጠን ምስ በጸሐት ኣመርዓውዋ’ሞ ጓል ወለደት ኣብ ሻሙናይ መዓልታ ድማ ዴርዴ  ኢሎም ስም ኣውጽኡላ። ዴርዴ ማለት ካብ ኣቦታትና ወገን ዝተወልደት ማለት ኢዩ። ዴርዴ ዓበየት ኣመርዓውዋ’ውን ጓል ድማ ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ድማ ቶና  ኢሎም ስም ኣውጽኡላ።ቶና ማለት ራእይ ሪኢና ነገር ረኺብና ዝወለድናያ ማለት ኢዩ።ቶና’ውን ብስርዓት ዓበየት ኣመሮኣውዋ’ሞ ጓል’ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልታ ድማ ስማ ሲካር  ኢሎም ኣውጽኡላ።ሲካር ማለት ካብ ኣዝማድና ወገን ዝተወልደት ማለት ኢዩ።ሲካር’ውን ዓበየት ኣመሮዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ድማ ሴትና  ኢሎም ስም ኣውጽኡላ።ሴትና ማለት ስርሓ ዝጸበቐ ምግባራ ዝሰመረ ጽብቕቲ ማለት ኢዩ። ሴትና’ውን ብስርዓት ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ኣብ ሻሙናይ መዓልታ ድማ ሔርሜላ ኢሎም ስም ኣውጽኡላ።ሔርሜላ ማለት ካብ ሃብታማት ካብ ክቡራት ወገን ዝተወልደት ማለት ኢዩ።ሔርሜላ ድማ ዓበየት ንኣካለ መጠን ምስ በጸሐት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ኣብሻሙናይ  መዓልታ ድማ ሓና  ኢሎም ስም ኣውጽኡላ።ሓና ማለት ብሃይማኖት ብምግባር ዝጸነዐት፡ብንጽህና ብቕድስና ዝተሸለመት ቡርክት ክብርት ወልዕልት ክብርቲ ፍትረት ማሌት ኢዩ።ናይ ኣዴና እግዚእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ትውልዲ ንምቑጻር ትንቢት ዝተነግረለን ሱባኤ ዝተቖጽረለን እዚኣተን ሸውዓተ ኣንስቲ ኢየን።

     ሓና’ውን ብሥርዓት ዓብያ ንኣካለ መጠን ምስ በጸሐት ካብ ቤተ መንግስት ንዝተወልደ ክቡር ጻድቕ ኢያቄም ንዝባሃል ሰብ ኣመርዓውዋ። ሓናን ኢያቄምን ብሓደ ክነብሩ ውላድ ሰኣኑ። በዚ ምኽንያት ከኣ ውላድ ንኽህቦም ኩሉሳዕ ናብ እግዚኣብሔር ይልምኑ ነበሩ። “ወዲ እንተወሊድና ሓሪሱ ኩዒቱ የብለዓና ኣይንብልን ንቤተ እግዚኣብሔር የገልግል፡ ጓል’ውን እተኾነት ማይ ቀዲሓ ሞሶብ ወርቂ ሰፍያ ተገልግለና ኣይንብልን ንእግዚኣብሔር ተገልግል” ኢሎም ተማባጽዑ። ዝነገርዎ ዘይርስዕ ዝለመንዎ ዘይከልእ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንልመነኦም ሰሚዑ ብነሓሰ ፯/7 ብዕለት እሑድ ካብ ሰብ ዝበለጸት ካብ መላእኽቲ  ዝኸበረት ፍጥረት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተፀንሰት።

  በረኸታን ኣማላድነታን  ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን!!!

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

 

Leave a comment

Send a Comment