ቅዱሳን መላእክት ፰/8ሕዳር ዓመታዊ ክብረ በዓል አርባዕቱ እንስሳ ( ፬ቱ እንስሳ ) Church EditorNovember 17, 2024 at 4:49 pm1819 Views054321 4 (1 vote) በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! ፰/8ሕዳር ዓመታዊ ክብረ በዓል አርባዕቱ እንስሳ ( ፬ቱ እንስሳ ) መልኣኽ ማለት ናይ እግዚአብሔር ልኡኽ፡ ሰማያዊ ረቂቕ ናይ ሰንበት ፍጥረት እዩ። መላእኽቲ ቁጽሮም ብዘይካ እግዚአብሔር ዝፈልጦም የለን(ዳ.7፣10)እግዚኣብሄር ንቅዱሳን መላእኽቲ ክፈጥሮም ከሎ ብነገድ 100 ገይሩ ፈጠሮም ብክፍሊ ነገድ ኣብ ዓሰርተ (10) ከፈሎም። ኣብ 3 ሰማያትን ኣብ10 ከተማታትን ድማ ኣቐመጦም። ብቕደም ተኸትል ኣገማምጥኦም ብኸምዚ ዝስዕብ ክንርእዮ ንኽእል፦ 1. ኣጋእዝት / መራሒኦም ሳጥናኤል (ሰማልያል) እቲ ናይ ሕጂ ድያብሎስ እዩ። 2. ኪሩቤል / መራሒኦም ኪሩቤል እዩ። ኣርባዕተ ርእሲ ኣርባዕተ ገጽ ኣለዎም። ገጾም ገጽ ሰብ ገጽ ኣንበሳ ይመስል። ኩሉ ኣካላቶም ብዓይንን ዝተሽለመ ኮይኑ ከም ቆርበት ነብሪ እዩ / ህዝቅኤል 1፡6-7። 18-19/። ኣገልግሎቶም ብኣምሳል ካህናት ናይ ሥላሴ ዙፋን ምስካም እዩ። 3. ሱራፊኤል / ሓላቓኦም ሱራፊ እዩ። / ብኣምሳል ዲያቆናት ንጸሎት ዝተግሁን ዘትግሁን ናይ ምስጋና መላእኽቲ እዮም።ገጾም ገጸ ንስሪ ገጽ እንስሳ ይመስል። ሽዱሽተ ሽዱሽተ ኣኽናፍ ኣለዎም ኢሳ 6፡2-3/, ። 4.ኃይላት / ሓለቓኦም ቅዱስ ሚካኤል እዩ/ ሄኖክ 10:2-12 5. አርባብ / ሓላቓኦም ቅዱስ ገብርኤል እዩ። ኣብ ቅድሚ ሥላሴ ብመልክዕ ኣአንገድቲ ደው ይብሉ፤ ሄኖክ 10፡7-8፡ ሉቃ 1፡19/, 6.መናብርት / ኃለቓኦም ቅዱስ ሩፋኤል እዩ/። 7. ሥልጣናት/ ሓላቓኦም ቅዱስ ሱርያል እዩ።/ 8.መኮንንት (ሓለቓኦም ሰዳካኤል ይበሃል። 9.ሊቃናት /ሓለቓኦም ሰላትኤል ይበሃል። 10. መላእኽቲ / ሓለቓኦም ኣናኔል ይበሃል። እዞም ቅዱሳን መላእኽቲ ዝነብሩለን ሥለስተ ሰማይት እየን ኢዮርን ራማን ኤረርን ድማ ይበሃላ። ኣብዚአን ድማ በቢመስርዖም ይነብሩ እቶም ቀዳሞት 40 ነገዳት ኣብ ኢዮር፡ እቶም 30 ነገፍ ኣብ ራማ፤ እተቶም ዝተረፉ 30 ነገድ ድማ ኣብ ኤረር ይቕመጡ። ዲያብሎስ ብትዕቢቱ ካብ ሥልጣኑ ምስ ተዋረደ ቁጽሪ ነገደ መላእኽቲ ካብ 100 ናብ 99 ነገደ መላእኽቲ እቶም ሓለቓታት ድማ ካብ 10 ናብ 9 ተቐኒሱም እዮም። መላእክት ተፈጥርኦም እምኀበ አልቦ ኀበ ቦ እዩ። ኣይጠምዩን ኣይጸምኡን ኣይወልዱን ኣይሞቱን። ባህርያቶም ረቂቕ እዩ። ተግባሮ ዘወትር “ቅዱስ: ቅዱስ: ቅዱስ” ብምባል ንፈጣሪኦም ምምስጋን እዩ። እዚ መግቦም እዩ። ዕረፍቲ ዝበሃል ነገር ኣይፈልጡን። “አኮቴቶሙ ዕረፍቶሙ: ወዕረፍቶሙ አኮቴቶሙ” ከምዝብል። ከምኡ ውን መልኣኽ ማለት ልእኹ (ኣገልጋሊ) ማለት ስለዝኾነ ካብ ፈጣሪ ናብ ደቂ ሰባት ንምሕረትን ንመዓትን ይለኣኹ። ምሕረት ካብ እግዚአብሔር ናብ ደቂ ሰባት የውርዱ። ልመና፡ ጸሎት ድማ ናብ ሰማይ የዕርጉ። ቅጽዑ ምስ ተባህሉ ይቐጽዑ። ንሥነ ፍጥረት (ንኣርባዕተ ወቕቲ) ከይዛባዕ ይሕልዉ። *ኩሉ ጊዜ ስለ ደቂ ሰብ ይልምኑ (ዘካ 1፡12)። *ምስጢር ይገልጹ (ዳን 9፡21) *ይሕግዙ (ኢያ 5፡13) *ከይንዕንቀፍ ይሕልው (መዝ 90፡11) *ካብ ድንገት የድሕኑና (መዝ 33፡7) *ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ንኃጥኣን ካብ ጻድቃን ይፈልዩ (ማቴ 25፡31)። * ብሓፈሻ ንሕይወትን ድሕነትን ደቂ ሰባት ክብሉ ካብ ፈጣሪኦም ዝተዋህቦም ትእዛዝ ብምሕላውን ፍቓዱ ብምፍጻምን እዮም ዝነብሩ። እምበኣርከስ ካብዞም ቅዱሳን መላእኽቲ፡ እዚ ሎሚ እነብዕሎ(እንዝርክሮም) ዘለና ነገድ ኪሩቤል (4ት እንስሳ) ዝዓበየ ቦታ ዝሕዙ እዮም። መንበረ ጸባኦትን ዝስከሙ ስለዝኾኑ ክብሮም ልዑል እዩ።: ካብ ወገን መላእክቲ ናብ ሥላሴ ዝቐረቡ ኪሩቤል እዮም። +ዘወትር ድማ ምእንቲ ፍጥረታት (ስለ ሰባት: እንስሳታት: አራዊትን አዕዋፍን) ምሕረትን ይልምኑ:: በዚ ምኽንያት ኸኣ እዮም ብመልክዕ 4 እንስሳት (ብመልክዕ ሰብ: ንስሪ: ብላምን ብአንበሳ) ዝሰኣሉ:: መጽሐፍ ቅዱስ ብዛዕብኦም ብዙሕ ይዛረብ እዩ:: (ሕዝ. 1:5, ራዕ. 4:6, ኢሳ. 6:1) አርባዕቱ እንስሳ ወይ ኪሩቤል ናይ ሥላሴ መንበር ዝፀወሩ መላእኽቲ እዮም። ስሞም ኪሩቤል ይብሃሉ። ኪሩብ ስም ሓደ መልኣኽ ኪኸውን ከሎ ፡ ኪሩቤል ከኣ ስም ብዙኃት መላእኽቲ እዩ። ኪሩቤል ዝብል ቃል ንመጀመርታ ተጻሒፉ እንረኽቡ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕ. 3፡24 እዩ። ኪሩቤል (አባዕቱ እንስሳ ) ገጽ ሰብ ፡ገጽ እንስሳ ፡ገጽ ንስር፡ ገጽ ኣንባሳ ተባሂሎም ዚስመዩ ቅዱሳን መላእኽቲ እዮም። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ገጽ ሰብን ገጽ እንስሳን ካብ ነገደ ሱራፌል፡ ገጽ ንስርን ገጽ ኣንበሳን ካብ ነገደ ኪሩቤል ወሲዱ ፀወርቲ መንበሩ ገበሮም። ኣብ መዝሙር ዳዊት “ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ ኣብ ቅድሚ ነገዳት ኤፍሬምን ብንያምን ምናሴን በሪህካ ተገለጽ መዝ. 79፡1 (80፡1) ኣብ ዝፋኑ ኣብ ኪሩቤል ይቕመጥ፡ መዝ. 98፡1 (99፡1) ኣብኡ ኣብ ባቢሎን ኣብ ወሰን ሩባ ኮባር ከሎኹ እግዚኣብሔር ኪዛረበኒ ኸሎ ሰማዕኩ፡ ኃይሊ እግዚኣብሔር ከኣ ኣብ ልዕለይ ነበረ። እንሆ ካብ ሰሜን ህቦብላ ንፋስ ኪመጽእ ኸሎ ረኣኹ፡ እወ ኣብ ዙርያኡ ፀዳል ብርሃን ዘለዎ ብርቱዕ ደመና ምስ ናይ ማሕማሕታ መብረቕ ኪመጽእ ኸሎ ረኣኹ ፊሕ ፊሕ ከምዚብል ኣስራዚ ድማ ካብ ማእከሉ ካብ ማእከል እቲ መብረቕ ወፅአ። ኣብ ማእከሉ ከኣ ሰብ ዜምሰልስሉ ኣርባዕተ እንስሳ ዚመስሉ ረኣኹ። ግናኸ ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽን ኣርባዕተ ክንፍን ነበሮም። ኣእጋሮም ትኽ ዝበለ ነበረ፡ ከብዲ እግሮም ከኣ ከም ሸኾና ምራኽ ነበረ፡ ከም ርሱን ኣስራዚ ክኣ ፊሕ ፊሕ ይብል ነበረ። ብዘይካ እቲ ኣርባዕተ ገጽን፡ ኣርባዕተ ኸንፍን ንነፍሲ ወከፎም ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ክንፊ ኣርባዕተ ኣእዳው ሰብ ነበሮም። ኣኽናፎም ንሓድሕደን ግጡማት ነበራ። ኪኸዱ ኸለዉ ከይተመልሱ ነፍሲ ወከፎም ንቕድሚት ይኸዱ ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ እንስሳ ኣርባዕተ በበይኑ ዝኾነ ገጽ ነበሮ። ብቕድሚኡ ገጽ ሰብ፡ ብየማኑ ገጽ ኣንበሳ፡ ብጸጋማዩ ገጽ ብዕራይ፡ ብድኅሪኡ ገጽ ንስሪ ነበሮ። ናይ ነፍሲ ወከፍ እንስሳ ኽልተ ኣኽናፍ ምስ ኣኸናፍ እቲ ጥቓኡ ዘሎ እንስሳ ጫፍ ንጫፍ ምእንቲ ኪራኸባ ተዘርጊሔን ነበራ። እንተን ክልተ ድማ ንሰብነቶም ምእንቲ ኪኸድና ተዓዅሊለን ነበራ። ነፍሲ ወከፍ እንስሳ ኣርባዕተ ገጽ ስለዚነበሮ፡ ንቕድሚት ይጥምት ነበረ። ከይተመልሱ ከኣ እቲ መንፈስ ናብ ዚመርሖም፡ ትኽ ኢሎም ይኸዱ ነበሩ። ትርኢት እቶም እንስሳ ኸም ጕብር ሓውን ከም ዚነድድ ሽግን ነበረ፡ እቲ ሓዊ ከኣ ኣብ ማእከል እቶም እንስሳ ይንቀሳቐስን፡ የንጸባርቕን ነበረ ካብ’ቲ ሓዊ’ውን መብረቕ ይወፅእ ነበረ። እቲ ዘንጸባርቕን ነበረ እንስሳ ከኣ ከም በርቂ ንየው ነጀው እናበሉ ይውንጨፉ ነበሩ። እቶም ኣርባዕተ ገጽ ዘለዎም ኣርባዕተ እንስሳ ኸጥምት ከሎኹ ከኣ ኣርባዕተ መንኰርኰር ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ምድሪ ረኣኹ። እቲ መንኰርኰር ኣርባዕቲኡ ይመሳሰል ነበረ፡ ከም ዜንጸባርቕ ክቡር እምኒ ይመስል ነበረ። ትርኢቱን ኣሠራርሓኡን ድማ እቲ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰርኰር ከም ዚኣተወ ይመስል ነበረ። ስለዚ ድማ ኪኸዱ ኸለ’ ናብ ኣርባዕተ መኣዝን ናብ ዝደለይዎ ኪኸዱ ይኽእሉ ነበሩ፡ ንኺኸዱ ገጾም ምምላስ ኣየድልዮምን ነበረ። ከቢ ናይቲ መንኰርኰር ነዊኅን መፍርህን ነበረ። ኣዕይንቲ ድማ መሊእዎ ነበረ፡ እቶም እንስሳ ኪኸዱ ኸለ፡ እቲ መንኰርኰር በብጥቓኦም ይኸይድ ነበረ፡ እቶም እንስሳ ካብ ምድሪ ሓፍ ኪብሉ ኸለ’፡ እቲ መንኰርኰር ከኣ ሓፍ ይብል ነበረ፡ እቲ መንፈስ ናብ ዝኸዶ ዘለ እቶም እንስሳ ይኸዱ ነበሩ፡ መንፈስ እቶም ኣንስሳ ኣብቲ መንኰርኰር ስለዝነበረ ከኣ መንኰርኰር እቶም እንስሳ ናብ ዝኸድዎ ይኸይድ ነበራ መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰርኰር ስለዝነበረ፡ ንሳቶም ኪኸዱ ኸለ’ ይኸይድ፡ ንሳቶም ደው ኪብሉ ከለ’ ደው ይብል፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ሓፍ ኪብሉ ኸለ’፡ እቲ መንኰርኰር ከኣ ምስኦም ሓፍ ይብል ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣራእስ እቶም እንስሳ ከኣ ከም መስትያት ዜንጸባርቕ ጠፈር ሰማይ ዚመስል ተዘርጊሑ ነበረ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ጠፈር ድማ ነፍሲ ወከፍ እንስሳ ኸልተ ኣኽናፉ ናብቲ ጥቓኡ ዘሎ እንስሳ ኣቢሉ ዘርጊሑ ደው ኢሉ ነበረ፡ ነፍስ ወከፎም ድማ ሰብነቶም ዚኸድኑ ኸክልተ ክንፊ ነበሮም። ኪኸዱ ኸለ’ ከኣ፡ ደሃይ ኣኽናፎም ሰማዕኩ፡ እቲ ደሃይ እቲ፡ ከም ህማም ብዙኅ ማያት ከም ደሃይ ብዙኅ ሰራዊት ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሔር ነበረ። ደው ኪብሉ ኸለዚ ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ። ካብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ድማ ድምፂ ይስማዕ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ጠፈር ከኣ እምኒ ሰፊሮስ ዚመስል ምስሊ ዝፋን ነበረ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፋን ዚመስል ድማ ኣርኣያ ሰብ ዚመስል ነበረ፡ ካብ ሕቚኡ ንላዕሊ፡ ርሱን ኣስራዚ ዝሕብሩ፡ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ውሽጥን ዙርያኡን ረኣኹ፡ ካብ ሕቝኡ ንታሕቲ ከኣ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ረኣኹ፡ ኣብ ዙርያኡውን ባና ብርሃን ከቢብዎ ነበረ። ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም ኣብ ደመና ዚኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፡ ከምኡ ትርኢት ባና እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ፡ እዚ ትርኢት እዚ ኽብሪ እግዚኣብሔር ነበረ (ሕዝ.1፡1-28) ሽዑ ኣብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ዘለዉዎ ዘሎ ጕልላት ጠመትኩ፡ እንሆ ከኣ ብሰፊሮስ ዝተገብረ ትርኢት ዝፋን ዚመስል ኣብ ልዕሊኦም ረኣኹ። እግዚኣብሔር ከኣ ነቲ ብሃሪ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸደነ ሰብኣይ ኣብ መንጎ እቲ መንኰርኰር ኣብ ትሕቲ ኪሩቤል እቶ፡ ካብቲ ኣብ ማእከል ኪሩቤል ዘሎ ገሃጽሃጽ ዚብል ጓህሪ ብኣእዳውካ ሓፊንካ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ንዝሓዮ” ኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን እናረኣኽዎ ኸደ፡ እዚ ሰብኣይ ኪኣቱ ኸሎ እቶም ኪሩቤል ብወገን ደቡብ እታ ቤት መቕደስ ደው ኢሎም ነበሩ። ደመና ከኣ ነቲ ውሽጣዊ ዓፀድ መልኦ፡ እቲ ህላዌ እግዚኣብሔር ዜመልክት ድሙቕ ብርሃን ካብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ተላዒሉ ኣብ ልዳት እታ ቤት መቕደስ ከደ፡ ሽዑ እታ ቤት መቕደስ ብደመና መልአት፡ እቲ ዓፀድውን በቲ ድሙቕ ብርሃን እግዚኣብሔር መሊኡ ነበረ፡ ድምፂ ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ክሳብ እቲ ግዳማዊ ዓፀድ ይስማዕ ነበረ። ከም ድምፂ እቲ ኩሉ ዚኽእል፡ እግዚኣብሔር ዝበለ ድምፂ ከኣ ነበረ። እግዚኣብሔር ነቲ ብሃሪ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸድነ ሰብኣይ ካብ መንጎ እቲ መንኰርኰር፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ እቶም ኪሩቤል ዘሎ ሓዊ ውሰድ ኢሉ ምስ ኣዘዞ ንሱ ኸይዱ ኣብ ጥቓ እቲ መንኰርኰር ደው በለ፡ ሓደ ኪሩብ ድማ ካብቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሓዊ ብኢዱ ኃፊኑ፡ ኣብ ኣእዳው እቲ ካብ ሃሪ ዝተገብረ ዓለባ ዝተኸድነ ሰብኣይ ኣንበሮ፡ ንሱ’ውን ተቐቢልዎ ወፅአ። ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ክልቲኤን ኣኸናፉ ኢድ ሰብ ዚመስል ከምዘለዎ ረኣኹ፡ ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ኣርባዕተ መንኰርኰር ረኣኹ፡ ትርኢት እቲ መንኰርኰር ድማ ከም ዜንጸባርቕ ክቡር እምኒ ነበረ። እተን መንኰርኰር ኣርባዕቲአን ይመሳሰላ ነበራ፡ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰርኰር ከም ዝኣተወ ከኣ ይመስል ነበረ። ክኸዱ ከለው ድማ ገጾም ከይመለሱ ናብ ኣርባዕተ መኣዝን ኣቢሎም ኪኸዱ ይኽእሉ ነበሩ፡ እቶም ኪሩቤል ኪኸዱ ኸለ‛ እቶም መንኰራኵር ኣይዞሩን ነበሩ። እቶም ኪሩቤል ገጾም ከይመለሱ ናብቲ ኪኸድዎ ዝደለዩ ወገን ይኸዱ ነበሩ። ኩሉ ሰብነቶም ዝባኖም፡ ኣእዳዎም፡ ኣኽናፎም ከይተረፈ፡ ምስ መንኰራዅሮም ኣዕይንቲ መሊእዎም ነበረ። ሓደ ድምፂ ከኣ እናኣንኰርኰረ ዚኸይድ መንኰርኰር” ኢሉ ኪጽውዑ ከሎ ሰማዕኩ። ነፍሲ ወከፍ ኪሩቤል ኣርባዕተ ገጽ ነበሮ፡ እወ ብሓደ ወገን ገጽ ብዕራይ፡ ብሓደ ወገኑ ገጽ ሰብ፡ ብሓደ ወገኑ ገጽ እንስሳ፡ ብሓደ ወገን ከኣ ገጽ ንስሪ ነበሮ፡ ልክዕ ነቶም ኣብ ሩባ ኮባር ዝረኣኹዎም እንስሳ እዮም ዚመስሉ፡ እቶም ኪሩቤል ተላዒሎም ኪኸዱ ኸለው እቲ መንኰርኰር – ምስኦም ብሓደ ይኸይድ ነበረ፡ ኪነፍሩ ኣኽናፎም እንተዘርግሑ’ውን እቲ መንኰርኰር ካብኦም ኣይፍለን ነበረ። መንፈስ ሕይወት እቶም ኪሩቤል ኣብቲ መንኰርኰር ስለዘሎ፡ እቶም ኪሩቤል ኪለዓሉ ኸለ’ እቲ መንኰርኰር ከኣ ይለዓል ነበረ፡ እቶም ኪሩቤል ኪነፍሩ ኸለ ከኣ እቲ መንኰርኰር ምስኦም ይነፍር ነበረ። ሽዑ እቲ ህላዌ እግዚኣብሔር ዜመልክት ድሙቕ ብርሃን ካብ ልዳት እታ ቤት መቕደስ ተላዒሉ ኣብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ቆመ፡ እቶም ኪሩቤል ድማ እናረኣኹዎም ኣኽናፎም ዘርጊሖም ካብ ምድሪ ተላዕሉ፡ እቲ መንኰርኰር ድማ ምስኦም ተላዕለ። ኣብቲ ምብራቓዊ ኣፍደገ ቤት እግዚኣብሔር ድማ ቖመ። እቲ ህላዊ ኣምላኽ እስራኤል ዜመልክት ድሙቕ ብርሃን ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ። ኣነ ከኣ እቶም ኣብ ትሕቲ ዝፋን ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ሩባ ኮባር ዝረኣኽዎም ኪሩቤል ምዃኖም ኣለለኸምም፡ ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽን ኣርባዕተ ክንፍን ነበሮም፡ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ኣእዳው ሰብ ዚመስል ነበሮም፡ ትርኢቶም ከኣ ከምቶም ጥቓ ሩባ ኮባር ዝረኣኹዎም ይመስል ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ንቕድሚኡ ትኽ ኢሉ ይኸይድ ነበረ። ሕዝ 10፡1-22, ሕዝ.11፡22-23። * ቤተ ክርስቲያን ኣርባዕቱ እንስሳ ደቆጽንዓ ዞ/ደቡብ ን/ዞ/ድባርዋ * ቤተ ክርስቲያን አርባዕቱ እንስሳ ቀላይ በዓልቴት መንብሮ ኵዶ ጸላም ዞ/ደቡብ ን/ዞ/ማይ ዓይኒ * ቤተ ክርስቲያን ኣርባዕቱ እንስሳ ዓዲ ጽንዓይ ዞደቡብ ን/ዞባ ድባርዋ * ቤተ ክርስቲያን ኣርባዕቱ እንስሳ ደብረ ምሕረት በራቒት ዞ/ደቡብ ን/ዞባ ዓዲ ዃላ * ቤተ ክርስቲያን ኣርባዕቱ እንስሳ ቚስሞ ደንጐሎ ዞ/ደቡብ ን/ዞባ ዓዲ ዃላ ) * ቤተ ክርስቲያን ኣርባዕቱ እንስሳ ማይ ወሰን ዞ/ጋሽ ባርካ ቤተ ክርስቲያን ኣርባዕቱ እንስሳ ማይ ጨና /ዞ ደቡብ ንኡስ ዞባ/ ጸሮና እየን። ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል ወወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክብር ኣሜን!!! Leave a comment