፰/8 ሓምሌ ዕረፍቲ ኣቡነ ኪሮስ

፰/8 ሓምሌ ዕረፍቲ ኣቡነ ኪሮስ

ስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን!!!

፰/8 ሓምሌ ዕረፍቲ ኣቡነ ኪሮስ

ኣቡነ ኪሮስ ስም ኣቦኡ ንጉሥ ኣብያ (ዮናን) ኣዲኡ ሜናሴር (ኣንሰራ ይበሃሉ። መኻናት ኮይኖም ን30 ዓመት ነበሩ። ድሕሪ ብጸሎት ነዚ ቡሩኽ ወዲ ሃቦም። ሃገሩ ግብጻዊ ኾይኑ ዕለት 8 ታኅሣሥ ተወልደ፡ ዓቢይ ሓዉ ቴዎዶስዮስ ይበሃል። ንኣቡነ ኪሮስ (ዲላሶር) ቀዳማይ ስሙ ዲላሶር እዩ ዝብሃል ነይሩ። ደኃር ግና ኪሮስ ተባሂሉ፡ ክልቲኦም ማንታ እዮም። ኣቦኡ ምስ ሞተ ግዲኡ ካብ ቴዎዶስዮስ ኃዉ ተማቒሉ ንድኻታት መጽዋቲ ዓለም መኒኑ ናብ ገዳም ከደ። ኣቡነ ኪሮስ ኣባ በብኑዳ ናብ ዝተባህለ ባሕታዊ ዘለዎ ቦታ ምስ ከደ፡ ቴዎዶስዮስ ግና ሥርዓተ መነኮሳት ኂዙ ነጊሡ ይነብር ነበረ።

ኣቡነ ኪሮስ ከኣ ሥርዓተ ገዳማት ተማሂሩ። ኣብ መበል ፲፯ (17) ዓመቱ ብኣባ በብኑዳ መንኵሰ። ደኃር ኣብ ሓንቲ ናይ ምድረ ግብጺ ጎቦ ከይዱ ተቐመጠ። ብጾም፡ ጸሎት፡ ስግደት፡ ብብሕትውና ይነብር ነበረ። ድኅሪኡ ምስ ኣቡነ በብኑዳ ብሓደ ኃቢሮም ኪቕመጡ ኸለዉ፡ ኻብ ሰማይ ብቅዱስ ሚካኤል ዝወረደ መንፈሳዊ መግቢ መና ይበልዑ ነበሩ።

ሓደ ጊዜ ብኣምሳለ ኣረጊት መነኮስ ተመሲሉ ሰይጣን ኪኃድር ናብ ኣባ በብኑዳ መጽአ። ንሱ ከኣ ተቐቢሉ ካብቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ መንፈሳዊ መግቢ ሃቦ። ንሱ ነቲ ሰማያዊ ምግቢ ኂዙ ናብቶም እኩባት ዘለዉ መነኮሳት፡ “ንእኒ በዓል ኣባ በብኑዳ፡ ኣባ ኪሮስ፡ ነዚ እናበልዑ ኢኹም ባሕተውቲ እትብልዎም” ብምባል ነቶም ሕዝቢ ኸርእዮም ኢሉ ኽፍት ከብላ ከሎ ዮናኤል ዝተባህለ መልኣከ እግዚኣብሔር መንጢሉ ንሰማይ ወሰዳ። “ኢተሀቡ ቅድሳተ ለከለባት (ማቴ.፯፡፮, 7፡6)።

ኣቡነ በብኑዳ ብምኽንያት እዚ ጌጋ’ዚ ብኣንበሳ ተሰቢሩ ኸምዚመውት ኮነ። ኣቡነ ኪሮስ ወፂኡ ጸኒሑ እንተመጽአ ንኣቦኡ ኣቡነ በብኑዳ ኣንበሳ ሰቢርዎስ ኣብ ጐኑ ተቐሚጡ ጸንሖ። ኣቡነ ኪሮስ ነቲ ኣንበሳ ኸይፈርሀ ብጒያ ኸይዱ ደወል ደዊሉ መነኮሳት ኣኪቡ ንኣቡነ በብኑዳ ቐቢሩ፡ ናብ ኬልቄዶን መገዲ ኺኸይድ ከሎ ሓደ ንጉሥ ኬልቄዶን ሞይቱ እናተበልዐ፡ እናተሰትየ፡ እቲ ቐብሪ ብኽብሪ ደሚቑ ረኣየ።

ተገሪሙ “ኣየ! ጐይታ “ነቶም ንኣኻ ፈትዮም ብጥሜትን ጽምእን ዕርቃንን ቍርን ዚቕበሉ ዓለም ዚመነኑ ናብራኦምን ኣመዋውታኦምን ብሕማቕ፡ እቶም ንኣኻ ዝጸልኡ ኣብ ዓለም ዚነብሩ ግና ሞቶም ይጽብቕ እዚ እዩ ፍርድኻ፧” ኢሉ ከይዱ ኣብቲ ናይ ኣቡነ በብኑዳ መቓብር ተደፊኡ። እዚ ታሪኽ’ዚ ኣምላኽ ምእንቲ ኪገልጸሉ (40) ፵ መዓልቲ ወደቐ፡ ፴፫ (33) መዓልቲ ካብ ክሣዱ ንላዕሊ እናተንቐሳቀሰ እዩ። እተን ሾብዓተ መዓልትታት ግና ብዘይምንቅስቓስ እዩ። ሽዑ ኣብ ሕቖኡ ሣዕሪ ሮማዲ በቘሎ። መላእኽቲ መጺኦም “ተንሥእ እንተበልዎ፡ “ኣቦይ ኣዳም ናይ ፍጡር ቃል ሰሚዑ ወዲቑ፡ ሕጂ ከኣ ጐይታይ ድምፅኻ ኣስምዓኒ” በለ። ዴኃር ግና ኪሩቤል ኣልዒሎም ወሲዶም ገነት ኣርእዮም መለስዎ። ማለት ኣባ በብኑዳ ኣብ ጽቡቕ ምህላዉ አርእዮምዎ እዮም። በዚ ከኣ ኣዝዩ ተሓጐሱ ንኣምላኽ ኣመስገነ።

እዚ ኣቦ’ዚ ነቲ ርቱዓ ሃይማኖት ቀዳማይ ቴዎዶስዮስ ኃዉ እዩ። ወዲ ንጉሥ ክንሱ ኺርአ ኣይበለን። ብዙኅ ሰብ ኪፈልጦን ኬኽብሮን ምዃኑ ብምርዳእ ጸላኤ ሠናያት ይቐንእ ስለ ዝነበረ ከምዝጠመየን ዚብላዕ ከምዝደለየን መኅደሪ ከምዝሰኣነን ኮይኑ እኳ እንተፈተኖ ንሱ ግና ይፈልጦ ነበረ። “ከምታ ምስ ኣቦይ በብኑዳ ብሓደ ኸሎና ዝተፃወተለይ ኣነ ኸኣ ኸይተጻወትኩሉ ኣይነብርን እየ” ኢሉ እናተጸበዮ ከሎ ከም ልማዱ ንኺፍትኖ ቤቱ ኳሕኳሕ ኣቢሉ “መስዩኒ ኣኅድሩኒ” በሎ። ንሱ ሰይጣን ምዃኑ ፈሊጡ “ናብ ውሽጢ እቶ፡ ኮፍ በል” ኢሉ “በል መጻእኩ ኣብዚ ጽንሓኒ” ኢሉ ንደገ ወፂኡ ነታ በዓቲ ብስም ጐይታ ባረኻ እሞ ተኃትመት። ነቲ ሰይጣን ከኣ ኡይ እናበለ ገደፎ። እዚ ሰይጣን እዚ ክሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተዓፅዩ ከም ዘሎ መጽሓፈ ገድሉ ገጽ 23 ይሕብር። እቲ ኩሉ ኣብ ዕለት ዕረፍቲ ኣቡነ ኪሮስ ማለት ዕለት ፰ (ሾሞንተ) “ኣባ ኪሮስ ኣውፅኣኒ፡ ኣባ ኪሮስ ኣውፅኣኒ” ዚብል ድምፂ ይስማዕ።

ካብ ብራናታት ገዳም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ገዳም ባራሞስ ዝተረኽበ ታሪኸ ኣባ ኪሮስ (ገጽ 57 ገድለ ኪሮስ)።

ቅዱስ ባምዋ ከም ዚጸሓፎ “ኦ ኣኅዋተይ! ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ እንታይ ከም ዘጋጠመኒ ኸነግረኩም!” ኣብ ዝነበርኩሉ ቤተ ክርስቲያን ንበይነይ ተቐሚጠ ከሎኹ ካብ ሰማይ ሓደ ቓል ሰማዕኩ። እቲ ቃል ከኣ ዘፍርህን ዘርዕድን ነበረ። እቲ ቃል ሠለስተ ሳዕ “ባምዋ! ባምዋ! ባምዋ! ኢሉ ተዳህየኒ። ኣነ ድማ ኣቓልቦይ ብምእካብ ጽን ኢለ ሰማዕኩ። እቲ ድምጺ ቅድሚ ሕጂ ሰሚዐዮ ዘይፈልጥ፡ ፍሉይ ሰማያዊ ቃል ነበረ። ዝኾነ ሰብ ድማ ብኸምዚ ኣገባብ ንስመይ ሠለስተ ሳዕ ጸዊዑኒ ኣይፈልጥን ነበረ ስለዚ ኣዕይንተይ ናብ ሰማይ ተኺለ “ኦ ጐይታ፡ ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ ተዛረብ” በልኩ።

ከምዚ’ውን በለኒ ካብ ብዙኃን ቅዱሳን ዝበለጸ፡ ፍቓደይውን ዝፈጸመ ኣባ ኪሮስ ዝተባህለ ባሕታዊ ኣሎ እሞ በረኸቱ ኽትቅበል ምእንቲ ተንሣእ ብዘይ ሸለልትነት ናብ ምድረበዳ ኸድ፡ ሰላመይ ምሳኻ እዩ” በለኒ። ኣምላኽ ነዚ ክብሪ እዚ ስለ ዝኃረየኒ ባህ በለኒ። ተንሢኣ’ውን ነቲ ርኁቕ ጉዕዞ ዘለዎ መገዲ በረኻ ብሓጐስን ባህታን መዛሙር እናዘመርኩ መዓልቦይን መኣዝነይን እኳ ኣቐዲመ እንተዘይፈለጥኩ፡ እቲ ዚኣዘዘኒ ኣምላኸይ ናብ ዕላማኡ አም ዚመርኃኒ ብምትእምማን እግረይ ናብ ዝመርኃኒ ጒዕዞይ ፈለምክዎ። ንሠለስተ መዓልቲ ምሉእ ብእግረይ ምስ ከድኩ ኣብታ ራብዓይቲ መዓልቲ ናብ ሓንቲ ብዓቢይ እምኒ ዝተዓጽወ ኣፍደገ ዘለዋ በዓቲ በጻሕኩ። ኣብቲ ማዕጾ ድማ ኳሕኳሕኩ፡ ከም ልማድ መነኮሳት ድማ ድምጸይ ዓው ኢለ “ኦ ቕዱስ ኣቦይ ባርኸኒ በልኩ።

ንቕጽበት ድማ “ኣብዚ ቦታ እዚ ሎሚ መዓልቲ ምምጻእካ ከንደይ ሠናይ እዩ። ኦ ባምዋ፡ ካህን ቤተ ክርስቲያን ኣገልጋሊ ሕይወት! ኦ መፍቀር እግዚኣብሔር ዚኾንካ ባምዋ! ንቅዱስ ሥጋ ቅድስቲ ኢላርያ ጓል’ቲ ዓቢይ ንጉሥ ዘይኑን ክትገንዝ ብቑዕ ኴንካ ዝተረኸብካ፡ እንቋዕ ብደኃን መጻእካ ንዓ እቶ፡ ሰላም ንኣኻ ይኹን” በለኒ። ሽዑ እዚ ቅዱስ ኣቦ መጺኡ ማዕጾ ኣርኃወለይ። ኣነ ድማ ናብ ውሽጢ በዓቲ ኣተኹ። ብልማድ ኣበው ነንሓድሕድና ኢድ ነሢእና ሰላምታ ተወሃሃብና፡ ድኅሪኡ ኾፍ ኢልና ብዛዕባ ክብርን ዕቤትን እግዚኣብሔር ኣምላኽ ተዘራረብና። ከምዚ ኢለ ከኣ ሓተትክዎ “ኦ ኣባ! ከምዚ ኸማኻ ዚበለ ቅዱስ’ሲ ኣብዚ ጎቦ ይህሉ’ዶ፧ በልክዎ። ግልጽ ኢሉ ገጸይ ድኅሪ ምርኣይ፡ ብዕምቈት (ናይ ጣዕሳ እስትንፋስ) ድኅሪ ምስትንፋስ “ኦ ፍቁር ኣቦይ! ኣብቲ ውሽጢ ምድረበዳ ሓደ ብፁዕን ቅዱስን ኣቦ ኣሎ፡ ካብ ቅድስናኡ ዚተላዕለ ብሓቂ ዓለም ብምልእታ ንክረግጻ ብቅዕቲ ኣይኮነትን” በለኒ። ኣነ ድማ እዚ ቅዱስ መን እዩ ስሙ፧” ኢለ ሓተትኩዎ። ንሱ ድማ “አባ ኪሮስ እዩ ዝብሃል በለኒ።”

“ኦ ቅዱስ ኣቦይ ! ስምካ መን ትብሃል፧ ኣብዚ ቦታን ብዓትን’ከ ክንደይ ዓመት ነበርካ! ከመይ ኢልካ’ኸ ኣብዚ ምንም ዘይብሉ ቦታ ክትነብር ከአልካ፧ በልክዎ።

ንሱ ድማ “ስመይ ስምዖን በዓል ካላ እዩ። ኣብዚ ምድረበዳ እዚ ድማ ንስሳ (60) ዓመት ነበርኩ። ብዘይካ ሎሚ ነዚ ኩሉ ዓመታት ገጽ ወድ ሰብ ርእየ ኣይፈልጥን። ኣብ ኣፍ በዓተይ ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ቀዳም ቀዳም ተደርብያ ብእትጸንሓኒ ቚራስ ኅብስቲ ድማ እነባበር። ክሳዕ እታ ሓንቲ ቀዳም ከኣ ዚኣ እናበላዕኩ እነብር፡ ንኣይውን እኽልቲ እያ” በለኒ። ድኅሪኡ ድማ ኣባ ስምዖን በዓል ካላ ባረኸኒ፡ መገሻይ ክቕጽል ድማ መሪቑ ኣፋነወኒ።

ድኅሪኡ ናብቲ ውሽጢ ምድረ-በዳ መገዲ ሠለስተ መዓልቲ ተጓዓዝኩ። ኣብዚ መገደይ እናዘመርኩን እናኣመስገንኩን እጐዓዝ ነበርኩ። ኣብ ሓደ በዓቲውን በጻሕኩ። ኣብቲ ማዕጾ ድማ ኳሕኳሕኩ፡ “ኦ ቅዱስ ኣቦይ፡ ብበረኸትካ ባርኸኒ” ኢለ ኣድሄኹ። ባህ ዘብል ድምጺ ዘለዎ ሰብኣይ ድማ ካብ ውሽጢ “ኦ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ዝኾንካ ባምዋ! ናባና ምምጻእካሲ ክንደይ ሠናይ እዩ! ኣንታ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ! ንዓ እቶ፡ ሰላም ንኣኻ ይኹን” በለኒ። ኣነ ድማ ናብኡ ቐረብኩ፡ ከም ልማድ ኣበው ነንሓድሕድና ኢድ ነሢእና ሰላምታ ተወሃሃብና፡ ኣነ ድማ በረኸቱን ምረቓኡን ተቐበልኩ። ድኅሪኡ ኾፍ ኢልና ብዛዕባ እግዚኣብሔር ኣምላኸ ዚፈጸመልና ሠናይ ነገር ተዘራረብና። ከምዚ ኢለ ከኣ ሓተትክዎ። “ኦ ኣባ! ከምዚ ኸማኻ ዚበለ ቅዱስ’ሲ ኣብዚ ጎቦ ይህሉዶ፧” በልክዎ።

ንሱ ድማ “እዋይ ኣባ፡ ይዋእ ኣነ፡ ኣነ ደኣ መን ኮይነ እዚ ኣቦ ካብ ቅድስናኡ ዚተላዕለ ኣእጋሩ እኳ ንኩላ ዓለም ኪረግጻ ኣይትበቅዕን እያ፡ ብጸሎት እዚ ቅዱስ ኣቦ፡ ዓለም ካብ ቍጥዐ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ተሓልያ ትነብር’ በለኒ። ሽዑ ኣነ ነዚ ኣባ “ኦ ኣቦይ! ንስኻ ኣባ ኪሮስ ዲኻ፧” በልክዎ። ንሱ ድማ “ኣነ ደኣ፡ ሥጋዊ ኃጥእ እንድየ፡ ኣባ ኪሮስ ደኣ ዓርኪ ቅዱሳን መላእኽቲ ኣምላኽ እኮ እዩ” በለኒ። ሽዑ ኣነ መን ከም ዝበሃልን ኣብ ረበዳ ክንደይ ዓመት ከም ዝነበረን፡ ኣብዚ ምድረበዳ ድማ ብከመይ ኣገባብ ከም ዚነብርን ሓተትክዎ። ንሱ ድማ “ስመይ ኣሞን (ኣባ ኣሙን በዓል ካላ) እዩ። ስሳን ትሽዓተን ዓመት ድማ ኣብዚ ቦታ እዚ ነበርኩ፡ ካብ ሓንቲ ገረብ ተምሪ ከኣ መግበይ እረክብ’ ኢሉ መለሰለይ። ሽዑ ኣባ ኣሞን ባረኸኒ ኣነ ድማ ኣብ ጸሎቱ ኺዝክረኒ ሓደራ በልክዎ። ንሱ ከኣ “እግዚኣብሔር ኣምላኸ (ክብሪ ንእኡ ይኹን) ንጉዕዞኻ የሳልጠልካ፡ መልኣኹ ልኢኹ ኣብ ኵሉ መገድኻ ይምራሕካ’ ኢሉ መረቐኒ።

ነዛ በዓቲ እዚኣ ገዲፈ ጐዕዞይ ክቕጽል ከሎኹ፡ ንኣባ ኪሮስ ንኽረክብ ሓጐስን ሰላምን ንልበይ መሊእዎ ነበረ። ንገለ ቝሩብ መገዲ ምስ ተጓዓዝኩ፡ መገደይ ክርኢ ክሳዕ ዘይክእል ስለዝኾንኩ ካብ ምኻድ ኣቋረጽኩ፡ ሓደ ብርቱዕ ድምጺ’ውን ሰማዕኩ፡ ብብርታዐ እቲ ድምጺ ዚኣክል ድማ ሃለዋተይ ኣጥፋእኩ። ጸኒሐ ሃለዋተይ ምስ ፈለጥኩ ኣዕይንተይ ቋሕ ኣቢለ እንተረኣኹ ኣብ ጥቓ ሓንቲ በዓቲ ከም ዘሎኹ ፈለጥኩ፡ ናብቲ ማዕጾ ቐሪበ ድማ ዃሕኳሕኩ። “ኦ ቅዱስ ኣቦይ! ባርኸኒ” ኢለ ድማ ጸዋዕኩ። ንቅጽበት ከኣ “ኦ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዚኾንካ ባምዋ! ንቅዱስ ሥጋ ቅድስቲ ኢላርያ ጓል’ቲ ጻድቕ ንጉሥ ዘይኑን ክትገንዝ ብቑዕ ኴንካ ዝተረኸብካ፡ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ! ንዓ እቶ፡ ሰላም ንኣኻ ይኹን” ዝብል መልሲ ሰማዕኩ።

ንሱ ከኣ “ኣንታ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ኣባ ባምዋ! ሎሚ ናባይ ምምጻእካ ክንደይ ጽቡቕ እዩ!” በለኒ። ምኽንያቱ ዕረፍቱ ከምዝበጽሐ ስለ ዚፈልጥ፡ “ብሰላም እቶ” ኢሉ ማዕጾ ኸፈተለይ። ኢድ ነሢአ በረኸት ተቐቢለ ኣቶኹ። ናብቲ በዓቲ ምስ ኣቶኹ ነቲ ኣብኡ ዚጸንሓኒ በዓል ዓቢይ ግርማን ክብርን ዝኾነ ባሕታዊ ንነዊኅ እዋን ትም ኢለ እርእዮ ነበርኩ። እዚ ባሕታዊ እዚ ከርእዮ ኸሎኹ ገጹ ከም ፀሐይ ይበርህ ነበረ፡ ጸጋ እግዚኣብሔር መሊእዎ ረኣኹ። ማእከላይ ቍመት ዘለዎ ብርሃን ዜንጸባርቕ ቍመና ዘለዎ ኣቦ ምዃኑ ኣስተውዓልኩ። ኃኃሊፉ ጸሊም ጸጕሪ ዘለዎ ነዊኅ ፃዕዳ ጭሕሚ ዘለዎ ተራ ጀለብያ መነኮሳት ተኸዲኑ ከም ዘሎ ረኣኹ። ዓቢይ ኣረጋዊ መልክዐኛ ሰብኣይ እዩ። እዚ ኣባ እዚ ኣዝዩ ቐጢን ኣካላትን፡ ልስሉስ ድምጽን ዘለዎ ኣብ ኢዱ ድማ ምርኩስ ዚኃዘ፡ ጸጒሪ ርእሱ ከም በረድ ፃዕዳ ነበረ። ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዚፈጸመልና ሠናይ ነገራት ኣልዒልና ኸነውግዕ ድኅሪ ምጽናሕ፡ ኣባ ኪሮስ ኣብ መንጎ ኣዕይንቱ ናብ ሰማይ ሰቒሉ ኣዕሚቑ ድኅሪ ምስትንፋስ “ሎሚ ሓደ ዓቢይ ኮኾብ ወደቐ፡ እቲ ዓቢይ ኮኾብ ናብቲ ንየዋይ ዓለም ከደ። ስሙ ድማ ኣባ ሲኖዳ እዩ ኣቦ ባሕታውያን ላዕላይ ግብጺ ድማ እዩ ኔሩ’ በለኒ። ኣባ ኪሮስ እዚ ኽብለኒ ከሎ ነቲ ወርኁን መዓልቱን (ዕለት 7 ወርኂ ሓምሌ ኣቢብ) እዩ ዝነበረ። ኣባ ኪሮስ ዝነገረኒ ዕረፍቲ ኣባ ሲኖዳ ድማ ወርኁ ዕለቱን ሰዓቱን ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ’ ኣዝየ ድማ ተመሰጥኩን ገረመንን።

ሽዑ ነዚ ኣቦ እዚ ስሙ ሓተትክዎ፡ ንሱ ድማ “ኣነ እቲ ድኹምን ሕሱርን ኪሮስ እየ” በለኒ። ሽዑ ኣነ “ኦ ኣባ ኣብዚ ቦታ እዚ ክንደይ ዓመት ተቐመጥካ፧” በልክዎ። ኣባ ኪሮስ ድማ “እንሆ ኣብዚ ገዳም’ዚ ካብ ዚቕመጥ ኃምሳን ሾብዓተን ዓመት ጌረ ኣሎኹ፡ ነዚ ኩሉ ዓመታት ድማ ነዛ ዝተባረኸትን ዝተቐደሰትን ሰዓት ንኣኻ ዝለኣኸለይ መዓልቲ ዕረፍተይ ብዓቢይ ሃንቀውታ እጽበ ነበርኩ” በለኒ። ምስ ኣባ ኪሮስ ድማ ሓደ መዓልቲ ጸናሕኩ።

ንጽባሒቱ አቡነ ኪሮስ ልዑል ረስኒ ረሲኑ ሓሚሙ ደቀሰ፡ ይነብዕን ናይ ጣዕሳ ኡፍታ የስተንፍስን ነበረ። ንኣይ ድማ “እቲ ምሉእ ዘመን ሕይወተይ ዚፈራህክዎ፡ እንሆ ናባይ መጽአ። ኦ ጐይታ! ከመይ ኢለ እየ ካብ ገጽካ ክሃድም፡ ከመይ ኢለስ ካብ ቅድሜኻ ኽኅባእ ይከኣለኒ፧ ብሓቂ እዛ ሰዓት እዚኣ ኣዝያ መፍርሂት ሰዓት እያ። ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኸይ፡ ከም ምሕረትካ እምበር ከም ኃጢኣተይሲ ኣይኹን” በለ።

ንጽባሒቱ ፀሓይ ምስ በረቐ፡ አቡነ ኪሮስ ኣዝዩ ተኻኢሉ ኣብ መደቀሲኡ ደቂሱ ነበረ። እንሆ ድማ ዓቢይ ብርሃን ካብ ብርሃን ፀሓይ ዚዛይድ ብርሃን በቲ ማዕጾ ኺቐርበና ከሎ ረኣኹ። እቲ ብርሃን ካብ ሓደ ኣካል ይወፅእ ከም ዝነበረን እቲ ብርሃን ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ከም ዝኾነን ረኣኹ። እዚ ሰብ እዚ ናብታ ዝነበርናያ በዓቲ ኣተወ። ኣነ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ እግሪ ኣባ ኪሮስ ኮፍ ኢለ ነበርኩ። እዚ ሰብ እዚ ከም ፀሓይ ዚምብርሆ ፀዓዱ ኣልባሳት ዝተኸድነን፡ ብርሃን መስቀል ብየማናይ ኢዱ ዝኃዘ ሰብ ናብ ውሽጢ ኣትዩ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣባ ኪሮስ ኣንበሮ። ኣባ ኪሮስ ኢድ ነሥአ፡ ምስ ኣባ ኪሮስ ድማ ብዙኅ ተዘራረቡ፡ እቲ ብርሃን ዝለበሰ ሰብ ድማ ንኣባ ኪሮስ ኣጸናኒዑ፡ ኣረጋጊኡ፡ ሰላሙ ሂብዎ ተሠወረ።

ኣነ ነዚ ርእየ ፈራህኩ፡ ንኣባ ኪሮስ እዚ በዓል ክብሪ ዝኾነ ሰብ መን እዩ፣ በልክዎ። ኣባ ኪሮስ ባህ እናበሎ “ወደይ እዚ ዝረኣኻዮ ዓቢይ ሰብ ወዲ እቲ ሕያው እግዚኣብሔር ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ’ በለኒ።

“በብመዓልቱ ኣብ ትሽዓተ ሰዓት እናመጽአ ይባርኸንን የዛርበን የረጋግኣንን ነበረ፡ ድኅሪኡ ይፋነወኒ በለኒ።

ኣነ ድማ ኦ ቅዱስ ኣቦይ ብኽብሩ ኺባረኽ እደሊ ኣሎኹ” ኢለ ሓተትኩዎ። ኣባ ኪሮስ ድማ ካብዚ ቦታ ናብ ቦታኻ ቕድሚ ምምላስ፡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኵሉ ክብሩ ክትርእዮ ኢኻ፧ ንሱ ድማ ኺባርኸካን ከዘራርበካን እዩ’ በለኒ። ኣብ ሻብዓይ ዕለት ወርኂ ሓምለ ምስ በጻሕና፡ ኣባ ኪሮስ ንብዓት እናኣፍሰሰ ኣዕይንቱ ናብ ሰማይ ሰቒሉ ረኣኽዎ። ኣባ ኪሮስ ብዓቢይ ድምፂ “ኣቦይ ኣቦይ” እናበለ ጨደረ። ኣዕሚቑ ድኅሪ ምስትንፋስ “ኣብ ላዕላይ ግብጺ ሓደ ዓቢይ ዓንዲ ወደቐ፡ ምድሪ ድማ ንሓደ ብፁዕ ኣቦ ሰኣነት። ዓለም ብመላኣ ኽንዲ ሓንቲ ርጋጽ እግሩ እኳ ኣይትኣክልን እያ፡ ንሴ ንገዳማውያን ዚሓትትን ዘገልግልን ዚርእን ዝነበረ ኣባ ሲኖዳ ባሕታዊ እዩ ዚበሃል። ትንፋሱ ብመዝሙር ምስጋና ዚዝምሩ መላእኽቲ ተዓጂባ ናብ ሰማይ ክትዓርግ ረኣኽዋ፡ ካብ ላዕላይ ግብጺ ድማ ድምጺ ብኽያትን ቍዘማን እሰምዕ ኣሎኹ። መነኮሳት ደቁ ድማ ኣብቲ ቅዱስ ኣካሉ ዘለዎ ኣካቢቦም ካብኡ በረኸት ይቕበሉ ኣለዉ። እንሆ ኣካሉ ድማ የንጸባርቕ ኣሎ” በለኒ። ኣነ ከኣ ነዛ ኣባ ሲኖዳ ዚዓረፈላ ዕለት እያ ተባሂላ ዝተነግረትኒ ዕለት፡ ወርኅን ዓመትን ኣብ ተዘክሮይ ኣስፈርክወን።

በዛ ለይቲ እዚኣ ማለት ዕለት 8 ወርኂ ሓምለ፡ ኣባ ኪሮስ ካብ ብርትዐ ሕማሙን ቃንዛኡን ዝተላዕለ ሰምበደ። ኣብ ውሽጢ ገዳም ከኣ ዓቢይ ብርሃን ኮነ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብቅዱሳን መላእኽቱ ሚካኤልን ገብርኤልን ብዙኃት ሽዱሽተ ኽንፊ ዘለዎም ተዓጂቡ ብናይ ጸሎትን ምስጋናን ውዳሴን ድምጺ፡ ከምኡ ድማ ብዒግታ ጥዑም ዚመዓዛኡ ዕጣን ተሰንዩ ዳግማይ ኣብ ጥቓ ትርኣስ ኣባ ኪሮስ ተቐመጠ። ኣነ ድማ ኣብ ጥቓ ትርጋጽ ኣባ ኪሮስ ኮፍ ኢለ ነበርኩ። ኣባ ኪሮስ ከኣ የማናይ ኢድ መድኃኒና ኂዙ ነበረ። ኣብ ክንዳይ ኪልምን ከሎ ከኣ “ኦ ጐይታይን ኣምላኸይን፡ ነዚ ድማ ባርኮ፡ ምእንቲ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ኢሉ ካብ ርኁቕ ቦታን ከተማታትን በረኻታትን ጥሒሱ እዩ መጺኡ በሎ። ጐይታ ድማ ገጽ ገጸይ እናረኣየ “ኦ ፍትወይ ባምዋ! ኣጆኻ ጽናዕ፡ ኣይትፍራህ በረኸተይን ፍጹም ሰላመይን ከኣ ምሳካ ይኹን፡ ቅድሚ ሕጅን ድኅሪ ሕጅን ዝረኣኻዮ ናይ ቅዱስ ኣባ ኪሮስ ታሪኽ ጸሓፍ’ በለኒ። ንኣባ ኪሮስ ከኣ ከምዚ በሎ “ብሞት ኣባ ሲኖዳ ኣይትኅዘን፡ ንስኻ ውን ዕረፍትኻ ቀሪቡ እዩ ናትካ ሞት፡ ሞት ዘይኮነስ ሕይወት እዩ” በለ።

ቅዱስ ኣቡነ ኪሮስ ዝተቐበሎ ቃል ኪዳን

“ንስኻ ኦ ፍቁረይ ኪሮስ ግና ነፍሲ ወከፍ ታሪኽ ሕይወትካ ዚፈለጠ፡ ኣብ ምድሪ ኸሎውን ስምካ ዚጸውዐ፡ ሰላመይ ክህቦ እየ፡ ግደኡ ድማ ምስ ሰማዕታትን ቅዱሳንን ኪኸውን እዩ። ስለ ስምካ ወይኒ፡ ቍርባን፡ ዕጣን፡ ዘይቲ ወይ ጥዋፍ፡ ሽምዓ ንቤተ ክርስቲያን ዝሃበ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ዕጽፊ ኽህቦ እየ። እቲ ንጥሙያት ዚምግብ፡ ንዚጸምኡ ድማ ብስምካ ማይ ዝሑል ዜስቲ፡ ነቶም ዚዓረቑ ዚኸድንን ንጋሻ ብስምካ ዚቕበልን ድማ፡ ኣብ መንግሥተይ ዕጽፊ ኸህቦ እየ። ገድልኻ ዝጸሓፈ ዘጽሓፈ፡ ዘንበበ፡ ዝሰምዑ፡ ዝኽርኻ ዝገበረ ዕድሉ፡ ምሳኻ ክገብሮ ስሙ ድማ ኣብ መጽሓፈ ሕይወት ከስፍሮ እየ። ኣብታ ንስካ እትዝከረላ ዕለት ምሕረት ዚገበረ ድማ፡ ነቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ፡ እዝኒ ዘይሰምዓቶ፡ ልቢውን ዘይፈለጠቶ ኽህቦ እየ። እምበኣር ኦ ኪሮስ ፍቁረይ ቅድሚ ዕረፍትኻ ገለ ነገር እትደሊ እንተኾንካ ንገረኒ ክፍጽመልካ” በሎ። ኣባ ኪሮስ ድማ “ኦ ጐይታይ! መዓልትን ለይትን ከይተረፈ ንመዝሙር ዳዊት እዝምር ነበርኩ እሞ፡ ብኣካለ ሥጋ ኸሎኹ ንዳዊት ነቢይ ኸርእዮን ክሰምዖን ምደለኹ” ኢሉ ድላዩ ነገሮ። ኣብ ናይ ቋሕ ሰብ ቅጽበት ድማ ነቢይ ዳዊት መሰንቆኡ እናወቕዐ “እዛ ዕለት እዚኣ እግዚኣብሔር ዘዳለዋ እያ፡ ብእኣ ውን ፍጹም ንተሓጐስ” መዝ.118፡24 እትብል መዝሙር እናዘመረ መጽአ፡ ጐይታናን ኣምላኸናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንኣባ ኪሮስ “እንሆ ነቢይ ዳዊት ክዝምረልካ መጺኡ ኣሎ” በሎ። ዳዊት ውን “በየናይ ዓይነት ይኅሸካ፧ ብቀዳማይ’ዶ ብዓሥራይ፧” በሎ። ንሱ “ንዅላተን ክሰምዐን እደሊ እየ” በሎ። ከምዚ ኢሉ ከኣ ኺዝምር ጀመረ “ኣማውታ ናይ ጻድቕ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቡር እዩ” መዝ.116፡15። “ወርዘውኩሂ ወረሳዕኩ ወኢርኢኩ እንዘ ይትኀጐል ጻድቅ፡፡ ዳዊት በቲ ጥዑም ድምጹ መዝሙሩ ከዝምር ከሎ፡ ኣባ ኪሮስ ድማ ኣዝዩ ተሓጒሱ ከሎ፡ እንሆ ናይ ኣባ ኪሮስ ነፍስ ካብቲ ቅዱስ ሥጋኡ ተፈልየት፡ ኣብ ሕቝፊ ጐይታ ድማ ዓለበት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ “ኣኸቢርካ ኃዛ ኢሉ ንቅዱስ ሚካኤል ሃቦ።

ኣነ ኣባ ባውማ ብምቕጻል ንቅዱስ በድኒ ኣባ ኪሮስ ብምስዓም ኣስከሬን ቅዱስ ኣባ ኪሮስ ሓምሌ ዕለት ፰ [8] ቐቢረ ካብቲ ገዳም ምስ ከድና ጐቦታት ኣኽራናት ብመላእኽትን፡ ሰራዊት መላእኽትን ተመሊኡ ረኣኹ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ኣብ ልዕሊ መቓብሩ መስቀል ኣልዒሉ ባረኸ። ነቲ በዓቲ ድማ ብኢዱ ሓተሞ እሞ ከምዚ በዓቲ ዘይነበሮ መሰለ። ንኣይ’ውን “ሰላም ንኣኻ ይኹን” ኢሉ፡ ናብ ሰማይ ዓረገ ኣነ ኣባ ባምዋ ከኣ ድኅር’ዚ ናብ ገዳም ኣባ ኣሞን ናይ ሠለስተ መዓልቲ ተጓዒዘ በጻሕኩ። እቲ ዝተራእየንን ዝተፈጸመን ዝኮነ ንእኡ ነገርክዎ። ኣዝዩ ከኣ ሓዘን ተሰምዖ። ናብ በዓቲ ኣባ ስምዖን በዓል ካላ ብምኻድ ድማ ምስኡ ሣልስቲ ቐነኹ። እቲ ዝኾነ ነገር ድማ ሓበርክዎ። ናብታ ቤተ ክርስቲያነይ እትርከባ ኸረን ገዳም ኣስቄጥስ መገዲ ሠለስተ መዓልቲ ተመሊሰ ድማ ንኩሎም መነኮሳት ኩሉ ዘጋጠመኒ ዘበለ ነገርክዎም፡ ገድሊ ኣባ ኪሮስ ጽሒፈ ናብ ኩሉ ገዳማትን ኣድባራትን ልኣኸኩ። እቲ ብዛዕባ ኣባ ሲኖዳ ባሕታዊ ዝነገረኒ ድማ ንኩሎም ኣኅዋተይ መነኮሳት ሓበርክዎም። ብሓቂውን ድኅሪ ኃሙሽተ መዓልትታት ካብ ላዕላይ ግብጺ ብዛዕባ ዕረፍቲ ኣባ ሲኖዳ ዚመጽአ መልእኽቲ በጽሓና፡ ኣባ ሲኖዳ ዚዓረፈሉ ዕለት ድማ ከምቲ ኣባ ኪሮስ ዝነገረኒ ዕለት ሾብዓተ ወርኂ ሓምለ (ኣቢብ) ነበረ።

ጸሎትን በረኸትን ኣባ ኪሮስን ኣባ ባውማን ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።

ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ  ድንግል

ወለመስቀሉ ኩቡር

ኣሜን።

Leave a comment

Send a Comment