በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን!!!
፱/ጥቅምቲ ዕረፍቱ ለኣባ ኣትናስዮስ ሊቀ ጳጳሳት ዘኣንጾክያ!
ቅድስቲ ቤተክርስትያን፡ ንቃል ወንጌል ብዝግባእ ተርጊሞም፡ ኣብ ሂወቶም ዝነብርሉ ቅዱሳን ኣቦታት እትውንን እያ።ከምቲ ቃል ወንጌል ዝብሎ፡ እቲ ትሕት፡ ትሕት ዝብል፡ ልዕል ክብል እዩ። እቲ ልዕል፡ ልዕል ዝብል, ከኣ ክዋረድ እዩ’ ከም ዝብለና። ብትሕትንኦም መምህራን ዝኾኑ ቅዱሳን ኣበው ኣለውና።
እምብኣር ካብዚ ቀጺልና ክንዛረበሉ ደሊና ዘለና ኩሉ ገዲፉ ፍጹም ትሕትና ዝመረጸ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ኣትናስዮስ ዘኣንጾክያ እዩ።
ኣባ ኣትናስዮስ ዝተባህለ ቅዱስ ኣቦ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላኹ ትሑትን ብምግባረ ሰናይ ፍጹም ነበረ። ኣባ ሚካኤል ዝተባህለ ሊቀ ጳጳሳት ምስ ኣዕረፈ፡ ብዙሓት ኤጲስቆጶሳት ተኣኪቦም፡ ኣብ ክንድኡ ከኣ ካልእ ሊቀ ጳጳሳት ክሸሙ፡ናብ ኣባ እልመፍርያን ዝተባህለ ጳጳስ ናይ ሃገረ ስልቅ፡ ከምዚ ክብሉ ለኣኹ፥ ኣቡነ ሚካኤል ሊቀ ጳጳሳት ስለዝዓረፉና ፣ከም ናይ ቀደምና መተካእትኡ ክትቀብኣልና ኣብዚ ዕለት እዚ ቀልጢፍካ ምጻእ በልዎ። ምኽንያቱ ከምቲ ስርዓተ ኣቦታትና ክትሽመልና ፡ ብምባ መልእኽቲ ለኣኹሉ። ኣንተኾነ ኣባ እልመፍርያን ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ንሓሙሳ መዓልታት ተጸበይዎ፥ ምስ ደንጎዮም ግና ንቅዱ ኣትናስዮስ ሸይሞም ነናብ ቦትኦምን ናብ መናብሮምን ተመልሱ። ኣባ እልመፍርያን ከኣ ድሕሪ እዚ መዓልታት ደንግዩ መጽአ። ናብ( ዓምድ) እትብሃል ቦታ ከይዱ፡ ኣብኡ ምስ ጳጳስ ናይ ኣንጾኪያ ተራኸበ።ብዛዕባ ኩነታት ናይታ ጳጳሰ ዝሞታ ዓዲ እንተሓተቶ፥ እቲ ጳጳስ ናይ ኣንጾኪያ ከኣ ምምጻእ ስለ ዝደንጎኻዮም በዚ ምኽንያት ሊቀ ጳጳሳት ዝሸሙ በሎ። ጳጳስ ኣባ እልመፍርያን ነዚ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ተቖጥዐ። እምበኣር እዚ ብምግባርኩም፡ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ይኹን ኣብ ግዜ ዕጣን፡ ስም ኣባ ኣትናስዮስ ዝጸውዐ ውጉዝ ይኹን ኢሉ ናብ ሃገሩ ተመልሰ።ኣባ ኣትናስዮስ፡ ነዚ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ሓዘነ። ንረድኡ “ዝወደይ ነብሰይ ትባርኸካ ተኣዘዝ፡ ኣነ ዝበልኩኻ ኩሉ ውን ግበር፡ ኣነ ንሓደ ዓመት ዝኸውን ክገይሽ፡
ንርሑቕ ሃገር ከኣ ክኸይድ እየ። እዚ ሕዝቢ ብዛዕባይ እንተ ሓተተካ ናብ ገዳም፡ንጾምን ንጸሎትን ከይዱ ኣሎ በሎም። ኩሉ ዝግባእ ግበር፡ እሰርን ፍታሕን ድማ በሎ።” እቲ ረድኢ ከኣ ዝተባህሎ ዘበለ ኩሉ ተቐበሎ። ኣባ ኣትናስዮስ ልብሲ ነዳያን ለቢሱ ብእግሩ ናብ ስልቁ በጽሐ። ኣብቲ ቀጽሪ መንበሪ ናይ ጳጳስ ኣባ እልመፍርያን ምስ በጽሐ ከኣ ማዕጾ ኳሕዂሐ። ሓላዊ እቲ ቀጽሪ ድማ ምኽንያት መምጽኢኡ ሓተቶ፡ ንሱ ከኣ በረኸቶም ክቕበል ደልየ ብምባል መለሰሉ። ሒዝዎ ከኣ ናብቲ ጳጳስ ኣተወ፡ ኣባ እልመፍርያን ካበይ መጺእካ፧ ኢሉ ሓተቶ። ኣባ ኣትናስዮስ ድማ ኣነ ካብ ሀገረ ሶርያ ዝመጻእኩ እየ፡ ብጥሜት ካብ ዝመውት ኣብ ትሕቲ ጽላልካ ክመውት ይሕሸኒ ብምባል እየ መጺአ ኢሉ መለሰሉ። ኣባ እልመፍርያን፥ ካህን ወይ ዲያቆን ዲኻ፧ ኢሉ ሓተቶ። ኣባ ኣትናስዮስ ግና ዝኾነ መዓርገ ክህነት ከምዘይብሉ ነገሮ።
ብድሕርዚ ነቲ መጋቢ ጸዊዑ፡ ምስቶም መነኮሳት ክቕመጥ ኣዘዞ። ኣባ ኣትናስዮስ ኩሉ ናይ ገዛ ሥራሕ እናሠርሐ፡ ማይ እንዳወረደ፡ ቤት ኣፍራስን ኣባቕልን እንዳኾስተረ፡ ኣእዋም ብምቑራጽ ቤተ መነኮሳት እንዳሰርሐ ነቶም መነኮሳት ክሳዕ ሰማያዊ መልኣኽ ዝመስሎም ብትግሃትን ግብሪ ቅድስናን ይሰርሕ ነበረ።
ኩሉ ስርሑ ርእዮም ነቲ ጳጳስ ዲያቆን ክሸመሎም ለመንዎ። ብዕለተ ሰንበት ቤተክርስቲያን ኣትዩ፡ ዲቁና ክሸሞ ንኣባ ኣትናስዮስ ጸውዖ። ኣባ ኣትናስዮስ ግና ኣነ ኣይግብኣንን እዩ። ነዚ ሽመት፡ውን ኣይበቅዕን እየ ብምባል ኣበየ። ግዲ ምስ በልዎም ግን፡ “ኦ ኣቦይ ሓጢኣተይ ስረየለይ፡ ኣነ ሓጢኣተይ ብምብዝሑ እየ ተልእኾይ ገዲፈ እምበር ዲያቆን እየ በሎ።” እቲ ጳጳስ ነዚ ሰሚዑ ብትዕግስቱ ተገረመ። ብድሕር’ዚ ኣባ ኣትናስዮስ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ብዲቁና ኣገልገለ።
ኣባ እልመፍርያን ኣጎልግሎቱ ምስ ረኣየ ሕጂ ውን ብዕለተ ሰንበት ጸዊዑ ክህነት ክሸሞ ንኣባ ኣትናስዮስ ንቤተክርስቲያን ጸውዖ። መንፈስ ቅዱስ ጸዊዑካ እዩ እሞ፡ ሎሚ ቅስና ክትስየም ኢኻ ድማ በሎ። ኣባ ኣትናስዮስ ነዚ ሰሚዑ ኣብ ትሕቲ እግሩ ወዲቑ እንዳነብዐ፡ ካብ ምሃብ ሽመት ክሓድጎ ለመኖ። ከም ዘይገድፎ ምስ ፈለጠ ግና’ኦ ኣቦይ ሓጥያተይ ድኣ ስረየለይ እምበር፡ ናይ ቀደም ክህነት ነይሩኒ እዩ፡ ምስ በሎም ነዚ ሰሚዖም ኣባ እልመፍርያን ኲሎም መነኮሳትን ኣዝዮም ተሓጎሱ። ጣዕሚ ቃሉን ምዑዝ ኣገልግሎቱን ምስ ረኣየ ሕጂ ውን ጳጳስ ክሸሞ እሞ ኣብታ ጳጳስ ዝሞታ ሃገረ ስብከት ጳጳስ ጌሩ ከቐምጦ ፈተወ። ንኹሎም ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን መነኮሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ጸዊዑ፡ ንኣባ ኣትናስዮስ ከኣ ጵጵስና ክሸሞ ብዕለተ ሰንበት ጸውዖ። እምበኣር ሎሚ እግዚአብሔር ጸዊዑካ ኣሎ፡ ኣብቲ ናይቲ ዝዓረፈ ጳጳስ ቦታ ጳጳስ ጌርና ክንሸመካ ኢና በልዎ። ኣባ ኣትናስዮስ ካብዚ ሽመት ክገድፍዎ ኣዕዚዙ ለመኖም፡ ከምዘይገድፍዎ ምስ ረኣየ ግን መሪር ብኽያት በኸየ። ሽዑ ኣባ ኣትናስዮስ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኣንጾኪያ ምዃኑን ምስጢር መምጽኢኡን ኲሉ ዘርዚሩ ነገሮም።”
ጳጳስ ኣባ እልመፍርያን ነዚ ምስ ሰምዐ ኣኽሊሉ ካብ ርእሱ ኣውጺኡ፡ ኣብ መሬት ጻሕ ኢሉ ወደቐ። ንነዊሕ ሰዓታት ድማ ከም ምዉት ኮነ፡ ተንሲኡ ከኣ ነቶም ጳጳሳትን ነቶም ሕዝብን ከምዚ በሎም “ኦ ኣሕዋተይ እንታይ ከምዝገብር እስኪ ኣማኽሩኒ፡ ካብ ሰማይ እሳት ወሪዱ ኣብ ልዕለይ ከይዘንም፡ ምድሪውን ኣፋ ከፊታ ከይትውሕጠኒ እፈርሕ ኣለኹ!፡ ኣባ ኣትናስዮስ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኣንጾክያ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ብትሕትና ማይ እንዳ ወረደ፡ ሰፈር ኣፍራስን ፡ኣባቕልን እንዳ ኾስተረ ከም ሰራሕተኛና ተገዚኡና ብምባል መሪር ጓሂ ተሰምዖ። እቶም ጳጳሳትን ሕዝብን ከኣ ኲሎም ኣብ ትሕቲ እግሩ ሰገዱ ኣኣዳዉን ኣእጋሩን ሰዓሙ። ኣባ እልመፍርያን ከኣ ልብሰ ተክህኖ ኣልቢሶም ኣብ መንበሩ ከቐምጥዎ ኣዘዘ።
እቶም ጳጳሳት ምስ መንበሩ ኣብ መንኩቦም ጾይሮም ኣብ ቤተክርስቲያን ኣክዮስ፡ ኣክዮስ፡ ኣክዮስ ፡ ማልት ይግብኦ፡ ይግብኦ፡ ይግብኦ እንዳበሉ፡ ሰለስተ ግዜ ኣዖድዎ (ኣዘርዎ)። ቅዳሴ ቀዲሱ ከኣ ኣቚረቦም፡ ሃገሮም ውን ባረኸ ኩሎም ከኣ ተሓጎሱ። ንጽባሒቱ ጳጳስ ኣባ እልመፍርያን ንሊቀ ጳጳሳት ኣባ ኣትናስዮስ ኣብ ፈረስ ሰቒሉ ምስ ኩሎም ኤጲስ ቆጶሳትን፡ቀሳውስትን፡ ዲያቆናትን፡ ንሳቶም ብእግሪ ንሱ ድማ ብበቕሊ ዓጂቦም ናብ መንበረ ጵጵስንኡ ሃገረ ኣንጾኪያ ተበገሰ። ኣባ ኣትናስዮስ ከኣ ንኣባ እልመፍርያን ኣነን ንስኻን ደኣ ንስቐል፡ እምበር ብእግርኻ ኣይትኸይድን በሎ። ኣባ እልመፍርያን ግና ከምቲ ንስኻ ብእግርኻ ዝመጻእኻዮ፣ ኣነ ውን ብእግረይ ክመልሰካ እየ በሎ። ናይ ኣንጾኪያ ጳጳሳት ከኣ ኣባ ኣትናስዮስ ሊቀ ጳጳሳት ምምጽኡ ምስ ሰምዑ፡ ብኽብሪ ተቐበልዎ። ንኣባ እልመፍርያን ንኹሎም ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ነናብ ቦትኦም ኣፋነውዎም። ብኸምዚ ከኣ ኣባ ኣትናስዮስ መጓሲኡ ብጽድቂን ብትሕትናን ሓልዩ ብሰላም ኣዕረፈ ።
ጸለቱን በረኸቱን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኹን ኣሜን!!!
ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!
Leave a comment
