በስም አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ
፱ 9 መስከረም ቅዱስ ሚካኤል ተአምር ገበረ!!!
በዚ ዕለት
እዚ ሊቀ መልአክት ቅዱስ ሚካኤል ድንቂ ተአምር ገበረ።እዚ ድንቂ ተአምር እዚ ኣብ ከተማ ሮማ ቅድሚ ሽሕ ዓመት ከም ዝተፈጸመ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትምህር። ኣብቲ ናይ ቀደም ግዝኣት ሮማ፡’ሩፍሚያ’ እትበሃል ከተማ ነበረት። እዛ ከተማ እዚኣ ክርስትያንን ዘይኣመንትን ዝነብሩላ ከተማ ረብረት።ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ክርስትያናት ቁጽሮም ውሑድ እኳ እንተነበረ፡ ብእምነት ግና ኣዝዮም ሓያላት ነይሩ። ብፍላይ ድማ እቲ መጋቢ ቤተ ክርስቲያን (ካህን) ፍጹም እምነት ነበሮ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል፡ ብምህለላ ብዙሕ ተኣምራት ተፈጺሞም እዮም። እቶም ልዕልና ዝስምዖም ኣህዛብ (ዮንርናውያን) ግን፡ ነዛ ቤተ ክርስቲያን ከጥፍኡ ተሰማሚዖም፡
ብቐጥታ ከይዶም እንተ ኣፍሪሶም ወይ እንተ ኣቃጺሎም ብሕጊ ከም ዝኽሰሱ ስለ ዝፈልጡ፡ እንታይ ንግበር ኢሎም ተማኸሮምን ተሰማምዑን። እቲ ዝተሰማምዕሉ ክኣ፣ በቲ ከተማ ኣቢሉ ዝሓልፍ ዓቢ ሩባ (ፈለግ) ነበረ’ሞ’ ንኹሉ ዝረኸቦ ገፋፊጡ ይወስዶ ነበረ።
ሽዑ እቶም እኩያት ለይቲ ለይቲ ተንሲኦም ነቲ ዝኸዶ ዝነበረ መገዲ ዓጽዮም ኣንፈቱ ናብቲ ቤተ ክርስቲያን ንኽኸይድ መገዲ ከፈተሉ።
ብድሕሪ’ዚ በዛ መዓልቲ እዚኣ ብርቱዕ ዝናብ ወረደ። እቲ ሩባ አዝዩ ዓቢ ስለ ዝኾነ ኩሉ ዝረኸቦ እናገላበጠ ኣብ ጥቃ ቤተ ክርስቲያን በጽሐ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ቅዱስ ሚካኤል ብዘይካ እቲ ካህን ሰብ ስለ ዘይነበረ ኣዝዩ ቡሩቱዕ ድምጺ ሰሚዑ ንደገ እንተ ወጸ፣ እቲ ሩባ ናብ ቤተ ክርስቲያን ይመጽእ ከም ዘሎ ተምልከተ ። ብሓሳቡ ድማ፡ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ እታ ቤተ ክርስቲያን ክትጠፍእ እያ ኢሉ ተጨነቐ። ሓደ ተስፋ ዝነበሮ ግን ናብ ውሽጢ ቤት መቅደስ ኣትዩ ንቅዱስ ሚካኤል ክልምኖ፣ ካብኡ ከይወጽእን እዩ። ቁሩብ ጸኒሑ ድማ እቲ ሓያልን ዉሕጅ ናብቲ ቤተ ክርስቲያን በጽሐ። ኣብዚ ግዜ እዚ ቅዱስ ሚካኤል ብኽብሪ ካብ ሰማይ ወሪዱ ኣብ ቅድሚ እቲ ዉሕጅ ደው በለ።
ነቲ ካህን ” ጽናዕ ኣይትፍራሕ” ብምባል ድማ በቲ ሒዙዎ ዝነበረ ብርሃናዊ መስቀል ነቲመሬት ወቕዖ። ኣብታ ህሞት እቲኣ ዓቢ ጉድጓድ ተኸፍጠ። እቲ ዉሕጅ ድማ በቲ ዝተኸፈተ ጉድጓድ ሓለፈ።
እቲ ዝገርም እቲ ዝተኸፈተ ጉድጓድ ኣብ ትሕቲ እታ ቤተ ክርስቲያን እዩ ተኸፊቱ። ቅዱስ ሚካኤል ግን ነቲ ካህን ባሪኹ ብኽብሪ ዓረገ። ንጽባሒቱ እቶም ኣመንቲ ክርስትያን ነዚ ርእዮም ተሓጐሱ። ንቅዱስ ሚካኤል ድማ ኣኽበርዎ። እቶም ኣህዛብ ግን ሓፊሮም ተረፉ።
ነዚ ዝገበረ እግዚአብሔር ክብርን ምስጋናን ኣምልልኾን ውዳሴን ይኹኖ ።
ወበረከት ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኩን!
ስብሃት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክብር
አሜን!!!
Leave a comment
