፱/9 ሚያዝያ ዕረፍቲ ኣቡነ እስትንፋስ ክርስቶስ

፱/9 ሚያዝያ ዕረፍቲ ኣቡነ እስትንፋስ ክርስቶስ

በስመ አብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ አሐዱ  ኣምላክ ኣሜን!

፱/9 ሚያዝያ ዕረፍቲ ኣቡነ እስትንፋስ ክርስቶስ

ሓጺር ገድሊ ኣቡነ እስትንፋሰ ክርስቶስ

ኣቡነ እስትንፋሰ ክርስቶስ ዝተወልደሉ ቦታ “ዳውንት ጸወን ኣባይ” ይብሃል።

ኣብታ ዓዲ፡ እግዚኣብሔር ዝፈርህ ስሙ መልኣከ ምክሩ ዝብሃል ቅኑዕ ሰብ ነበረ፡ ንስኡናትን፡ ንድኻታትን፡ ተስፋ ንዝቖረጹን ምጽዋት ይህብ፡ ንዝሓዘኑ ኸኣ የጸናንዕ ነበረ።

መልኣከ ምክሩ ወለተ ማርያም ትብሃል ሰበይቲ ነበረቶ፡ ክልቲኦም ለጋሳት ፡ ብሕጊ እግዚኣብሔር ጸኒዖም ዝነብሩ፡ ሠናይ ስራሕ  ብምስራሕ’ውን ከም ካህን  ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ትጉሃን ነበሩ። ንኣኣቶም ክልተ ውሉድ ነበርዎም፡ “ብጾምን ጸሎትን፡ንእግዚኣብሔር ዘገልግል፡ ብጸሎቱ ሰብ ዝጠቅም፡ ብኩሎም ጻድቃን ኅሩይ ዝኾነ ውላድ ንኺውሃቦም ኩሉ ጊዜ ናብ እግዚኣብሔር ይልምኑ ነበሩ።

ከምቲ ነቢይ ዳዊት፡ “እዝኑ ናብ ልመናኦም ኣዘንበለ ዝበሎ” እግዚኣብሔር ብዓይኒ ምሕረት ጠሚቱ ልመናኦም ሰሚዑ ኣቡነ እስትንፋሰ ክርስቶስ ብሸሞንተ ሚያዝያ ተፀንሰ።

ድኅሪ ትሽዓተ ወርኂ ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ምጽናሕ  ወርሒ ታኅሣሥ ተወልደ። ኣብ  ዝተወለደሉ ዕለት ከኣ ተንሢኡ ብእግሩ ደው በለ፡ ሠለስተ ጊዜ ኸኣ “ምስጋና ንኣብ፡ ምስጋና ንወልድ: ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስ” ኢሉ በቲ ጥዑም ልሳኑ ኣመስገነ።

ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ብዙኃን ሰባት፡ ካብ ልሳን እቲ ሕፃን ምስጋና ሥላሴ ምስ ሰምዑ ኣዝዮም ተገረሙ። ከምኡ’ውን፡ “ነዚ ሕፃን ጸጋ እግዚኣብሔር ኃዲርዎ እዩ” ኢሎም እና ኣዕለሉን እንተዛረቡን ናብ ዓዶም ከዱ። ኣቦኡን ኣደኡን፡ መጀመርታ ስለ ምውላዶም ባህ በሎም፡ ካልኣይ ከኣ ምስጋና  “ንኣብን ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን” ብምቅራቡ ኣመስገኑ። ብኸምዚ ኸኣ “ነዚ ሕፃን ዝሃበና እግዚኣብሔር ምስጋና ይኹኖ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቅድሚ ሥእሊ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፡ ሥእሊ ቅድስት ድንግል  ማርያም ወላዲተ ኣምላኽን፡ ደው ኢልና ስለ ዝለመንና፡ እታ ኽብርንትን ርኅርኅትን ልመናና ሰሚዓ ነዚ ኅሩይ ቈልዓ ኣውሂባትና እያ እሞ ክብርን ምስጋን ይብጽሓያ” ተበሃሃሉ።

መዓልታት ምንጻሕ ምስ ተፈጸመ፡ ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ኣቦኡን ኣደኡን ንጉሥ ይኩኖ ኣምላኽ ብጽሩይ ወርቅን ብብሩርን ናብ ዘስርሖ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ እግዚኣብሔር አብ ወሲዶም ጥምቀተ ክርስትና ኣጠመቅዎ። ካህናት’ውን መንፈስ ቅዱስ ከም ዝገለጸሎም፡ ስምካ “እስትንፋሰ ክርስቶስ” ይኹን ኢሎም ሰመይዎ። ብድኅር’ዚ ሥጋኡን ደሙን ምስ ተቐበለ ናብ ቤቱ ወሰድዎ ።

ብድኅር’ዚ፡ እዚ ሕፃን እስትንፋሰ ክርስቶስ ዓበየ   ትርጓሜ ስሙ እስትንፋሰ ክርስቶስ ማለት፡ እስትፋስ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፡

ከምኡ’ውን ትንፋስ ክርስቶስ ማለት እዩ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እስትንፋስ ሕይወት ኣብ ገጽ ዓሠርተው ክልተ ሰብዓን ክልተን ኣርድእትን ኡፍ ዝበለ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገጽ ኣቡነ  እስትንፋሰ ክርስቶስ “ኡፍ” ኢልሉ እዩ። ልቢ ብዙኃን ስለ ዘብርሀ ከምቲ “ጐይታ ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም” ዝበሎ “ብርሃን ክርስቶስ” ተባሂሉ’ውን ተሰይሙ እዩ።

እዚ ሕፃን እዚ መልኣኽ እግዚኣብሔር ቅዱስ ሚካኤል እናሓለዎ ዓበየ፡ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ኣቦኡ መልኣከ ምክሩ ንወዱ እስትንፋሰ ክርስቶስ ናብ መምህር ደብረ ድባ፡ ስሙ ኪራኮስ ናብ ዝባሃል ጻድቅ፡ ኣብታ ኻብ እምኒ ዝተሓንፀት በዓቲ ንስሳ (60)  ዓመት ሓንቲ ኽዳን ለቢሱ ናብ ዝነበረ፡ ኣቦ ወሰዶ።

ንሱ ቕዱሳት መጻሕፍቲ ብምትርጓም፡ ሠናይ ግብሪ ብምስራሕን፡ ብግብሪ ምንኵስናን ፍጹም ነበረ። መልኣከ ምክሩ ንኣባ ኪራኮስ፡ ነቲ መምህር ደብሪ፡ ጻድቅ ኣቡነ ሙሴ፡ ደብሪ ኣቡነ ጊዮርጊስ፡ ደብሪ ቅድስት ማርያም ንዝኾነ ኣባ ኪራኮስ፡ “ንወደይ እስትንፋሰ ክርስቶስ መሃረለይ” ኢሉ ለመኖ።

መልአከ ምክሩ “እዚ ሕፃን ወደይ ዓቢይ ኪኸውን እዩ፡ ዜናኡ ኻብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ዓለም በጺሑ ኪስማዕ እዩ” ብምባል ነቲ ጻድቕ ዝኾነ መምህር ኪራኮስ ተነበየሉ።

ከምኡ’ውን ንልዑል እግዚኣብሔር “ተስፋ ልበይ፡ መድኃኒት ነፍሰይን” ሃበኒ ኢለዮ፡ ናብ እግዚኣብሔርን እግዝእትነ ድንግል ማርያምን መብፅዓ ተመባፃዕኩ፡ እንሆ ብጸሎትካ ኸኣ ድራረይን፡ ምሳሐይን፡ መዕረፊ ዓይነይን ዝኾነ ውላድ ሂቡኒ” በሎ።

ብድኅር’ዚ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና” ንዝብል ጾሎት ብሓደ ኮይኖም ጸለይሉ። ኣብ ዕለት ሰኑይ ኣብታ ግዜ እቲኣ ኣባ ኪራኮስ ንእስትንፋሰ ክርስቶስ፡ ፊደል መጀመርታ ኹሉ መጻሕፍትን፡ መልእኽቲ ሓዋርያ ዮሓንስን ኪምህሮ ጀመረ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ሓደ ሰዓት ኣጽንዖም፡፡

ብኸምዚ ግብረ ሓዋርያት፡ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ መዝሙር ዳዊት ቀልጢፉ መሃሮ፡ መንፈስ ቅዱስ ልቡናኡ ብሩህ ስለዝገበሮ፡

መብራህቲ ጥበብ ስለ ዘብርሃሉ፡ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ማዕጾ ልቡናኡ ስለ ዝተኸፍተሉ ዅሉ  ንባባት መጻሓፍቲ ኣቦታት ብኡ ንብኡ ተማሂሩ ወድአ ትርጓሜኦምን፡ ጽሕፈቶምን፡ ሥርዓት ጸሎትን፡ ጥበብ ሥጋን ነፍስን ተማሂሩ ፈጸመ።

ነዚ ብምስትውዓል እናተዓዘበ ቃል ወንጌል “ኣቦኡን፡ ኣደኡን፡ ኣዝማዱን ዝገደፈ፡ ቓለይ’ውን ዝሕሉ፡ መንግሥተ ሰማያት ክወርስ እዩ፡ እዚ ዘይገበረ ኸገልግለኒ ኣይክእልን እዩ”   ማቴ.19:20 ዝብል ረኸበ፡ እዚ ቓል ኣብ ልቡ ኂዙ ሥርዓት ምምናን ይሕሉ ነበረ፡ ምስ መምህር ኪራኮስ ትምህርቲ መጻሕፍቲ ምስ ትርጓሜኦም ኣብ ሾብዓተ ዓመት  ወድአ፡፡

ልቡ ብፍቕሪ ክርስቶስ ተወግአ፡ ብፍቕሪ እግዝእትነ ማርያም ከም ሓዊ ነደደ፡ እታ ብኽልተ ወገን ድንግል ዝኾነት ጽብቕቲ ርግቢት፡ ንሕያው “እግዚኣብሔር ኣብ”፡ ናይ ባህርይ ወዱ፡ “ወልድ” ብጸባ ኣጥባታ ዘዕበየት፡ ነቲ “ጽጌ” ዝባሃል ወዳ ኸም ዝሰዓመቶ ኸምኡ’ውን ንእስትንፋሰ ክርስቶስ ትስዕሞ ነበረት።

እግዝእትነ ማርያም፡ “ጣዕሚ ጸሎት እስትንፋሰ ክርስቶስ ወደይ፡ ክንደይ ይጥዕም፧ ክንደይ’ከ ይምቅር፧ ከም ሽኮር’ዶ ወላስ ከም መዓር ወለላ፧ ከም ፍረ ወይኒ’ዶ ወላስ ከም ጣዕሚ ትርንጎ፧ መኣዛ እስትንፋሰ ክርስቶስ ወደይ ክንደይ ዝኣክል እሽትት፧ ኮል ከም ዝብሃል ድዩ ወይስ ኣልባስጥሮስ ከም ዝብሃል ሽቱ፧ ወይስ ከም ስሂን ናርዶስ፡ ሰሊሆት፡ ቀንኣት ዝብሃል ሽቱ እዩ፧ ገጽ እስትንፋሰ ክርስቶስ ካብ ፀሓይ ብርሃን ይበርህ፡ ከም ዕምባባ ድማ ቀይሕ” ኢላ ተድንቆ ነበረት።

ዓለም ከም ቅፍሚ ምምናኑ  ብኣበምኔት ንሠለስተ ዓመታት ከም ዝተፈተነ።

ኣብ መጽሓፍ መነኮሳት ከም  ዝተጻሕፈ፡ ሠለስተ ዓመት ፈተኖ እስትንፋሰ ክርስቶስ’ውን ኣብ ገዳም ሓይቅ ንመነኮሳት ዕንፀይቲ እናኣረየ፡ ማይ  እናቐድሐ፡ ንቅዱሳንን ፍጹማንን መነኮሳት ኣቦታት ምግቢ ኺኾኖም ካብ ውሽጢ ባሕሪ ዓሣ እናገፈፈ ከገልግሎም ጀመረ።

ኣብዚ እዋን እቲ ቝጽሪ መነኮሳት ኣቦታት ምስ ኣርድእቲ ብድምር ሸሞንተ ሚእቲ ነበረ፡ ንሠለስተ ዓመት ኣብቲ ገዳም ንዚነበሩ መነኮሳት ከገልግል ምስ ጸንሐ ምሕረቱን፡ ጽቡቕ ተግባሩን፡ ትሕትንኡን፡ ዕንቊ ባሕሪ ኸም ዝብሃል ጽሩይ ንጽሕናኡን፡ ትዕግሥቱን፡ ትሩፋቱን፡ ጽድቁን ምስ ረኣዩ ኣዝዮም ተሓጐሱ፡፡

ከምኡ ከኣ ሃብተ ክህነቱ “ጸሎትን ንባብን ከም ዘዘውትር፡ ኃጢኣት ከም ዘይብሉ፡ ትዕቢት ወይ ጃህራ፡ ክፍኣት ወይ ስስዕቲ፡ ቅንኢ ወይ ጥበራ፡ ሕሜት ወይ ቊጥዓ” ከም ዘይብሉ ርእዮም ተረድኡ፡ ብፍቕርን ብየዋህነትን ኩሉ ጊዜ ጸሎት ንምጽላይ ይጭነቕ እምበር ኣይህከን ኣይሰንፍን እዩ፡ ስራሕ ኢድ ኣብ ዝሰርሕ ጊዜ ብኣፉ እናጸለየ ብኢዱ ይሰርሕ ነበረ፡ ድኅሪ ሠለስተ ዓመት ማኅበር ናብ ኣበ ምኔት ኣትዮም “ኦ ኣቦና እዚ ቖልዓ ብጽቡቕ ስራሕ ፍጹም እዩ፡ ክፍኣት ዘይብሉ፡ ኩሉ ሠናይ ዝኾነ ስራሕ ፈጺሙ እዩ” ኢሎም ንኣበምኔት ነገርዎ።

   

ብዛዕባ ልብሲ ምንኵስና ከም ዚለበሰ።

ድኅሪ ሠለስተ ዓመት ገድሊ ምግዳሉ፡ ንትምህርቲ ቕዱሳን ኣቦታት ገዳማውያን ብምኽታል ሥርዓቶም’ውን ብምሕላው ፡ ንዅሉ ኣርኣያ ኾነ። እቲ ኣበ ምኔት ከኣ “በረኸት ኵሎም ቅዱሳን ኣብ ልዕሌኻ ይኅደር፡ ንዘለዓለም ዓለም ይኹን” በሎ።

ብድኅር’ዚ፡ ባረኾን ልብሲ ምንኵስና ኣልበሶን፡ “ኣስኬማ ድማ ኻብ  ሊቀ ጳጳሳት   አባ ሙሴ ኣብ  ደብረ ድባ ሕንጻ  ተቐበለ።

ከም ዓንዲ ብርሃን የብርህ ከም ዝነበረ

ኣቡነ እስትንፋሰ ክርስቶስ ጸሎት ናብ እግዚኣብሔር ክጽሊ ኸሎ፡ ደው ኢሉ ዘይኮነ ረሃጹ ከም ነጠብጣብ ማይን ደምን ክሳብ ዝፈስስ ይሰግድ ነበረ። ስግደቱ ብልክዕ ተቘጺሩ ኣይፍለጥን፡ ጽቡቕ ምግባሩ ከኣ ኣዝዩ ብዙኅን ዕዙዝን እዩ። ምእንቲ ስግደቱንን፡ ጸሎቱን፡ ትሩፋቱን ካብ ምድሪ ኽሳብ ሰማይ ዝበጽሕ መሳልል ወርቂ ዓንዲ ብርሃን ይትከል ነበረ።

ምእንቲ ጽድቅን ክብርን ኣቡነ እስትንፋሰ ክርስቶስ፡ ቅዱሳን ክሳብ ዝግረሙ ብዙኅ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ። እቶም መሳልል ወርቂን ኣዕኑድ ብርሃንን ዝተባህሉ ብጾም፡ ብጸሎት፡ ብሃይማኖት፡ ብፍቕሪ፡ ብትሕትና ዘሓነፆም ናይ እስትንፋሰ ክርስቶስ ንጽሐ ሥጋን ንጽሐ ነፍስን እዮም፡፡

ኣቡነ እስትንፋሰ ክርስቶስ ኣብ ዘለዎ፡ ነቲ ጽሩይን ሠናይን ምግባሩ ርእዮም ከም ምንጪ ማይ ዝፍልፍል ጸሎቱ ንኸዕርጉ  ብብዝኂ ናብ ምድሪ ይወርዱ፡ መላእኽቲ ምእንቲ ብዝኂ ትሩፋቱ ንኺበጽሕዎ ይፈትዉ፡ በዚ መሳልል እዚ ከኣ ፍረ ጽድቁን ትሩፋቱን ኂዞም ይድይቡ፡ መዓዛኡን መልክዑን ልቢ ሰብ ይምስጥ፡ ኣብዚ ዓለም እዚ ንእኡ ስለ ዝረኸቡ መላእኽቲ ኣዝዮም ይሕጐሱ።

ኣብቲ ዘመን እቲ ካብ ኩሉ ሰብ ከምኡ ስራሕ ጽድቂ ዝሰርሕ ኣይረኸቡን፡ መዓዛ ሽታኡን ጸሎቱን ጽርሓ ኣርያም ይመልኦ ነበረ፡ ፍረ ጸሎቱ ሠላሳ፡ ስሳ፡ ሚእቲ ካዕበት ዝፈሪ ኣሎ፡፡

ኣቡነ እስትንፋሰ ክርስቶስ’ውን ምሥጢር ሰማይን ምድርን ይርኢ፡ ኣብ ገነት መሳልል ወርቅን ዓንዲ ብርሃንን ይትከል፡ ብክንፉ ኣብ ኣየር ይበርር፡ ብሓቂ ኣቡነ እስትንፋሰ ክርስቶስ ንጐይታ ኹሉ ጊዜ ብግልጺ ይርእዮ፡ ጐይታ ኸኣ ኻብኡ ኣይርሕቕን ፡ ዝደለዮ ዅሉ ጊዜ ቐልጢፉ ይረክብ፡ ልቢ ኣምላኽ ዳዊት “ንእግዚኣብሔር ኩሉ ጊዜ እርእዮ፡ ምስጋናኡ ኸኣ ኹሉ ጊዜ ኣብ ልሳነይ እዩ፡ ነፍሰይ ኵሉ ጊዜ ብእግዚኣብሔር ልዕል ትብል” ይብል ነበረ።

                 ጊዜ ዕረፍቱ ከም ዝበጽሐ

ቅዱስ ኣቦና ኣዝዩ ቡዙኅ ገድል ተጋደሉ ኣብ ቡዝሓት ቅዱሳን ገዳማት በጽሑ፡ ኣብ ኩሉ ተባርኾም ክኣ ናብ ገዳሞም ተመልሱ ድሕሪ ብዙኅ ድኻም ካብዛ ሓላፊት ዓለም ዝዕርፍሉ ጊዜ በጽሐ ንልብሰ ክርስቶስ ወዶም ጸዊዖም ከምዚ በልዎ፡   “ንስኻትኩም ብተስፋ ንበሩ ናብ ሰማያዊ ኣምላኸይ ኣማኅፂነኩም እየ፡ ንኣምላኸይ ክርስቶስ ኃደራ ኢለዮ እየ:: ኣነ’ውን ናብኡ ኽኸይድ እየ፡ ወደይ ልብሰ ክርስቶስ ኣብ መንበረይ ይንበር፡ ኣብ ክንዳይ ጓሳ ይኹንኩም” በሎም፡ ልብሰ ክርስቶስ ነዚ ሰሚዑ ኣብ እግሪ ኣቡኡ ወዲቑ

“ኣነ ናብ ከምዚ ዝበለ ዓቢይ ስራሕ ክኣቱ ኣይክእልን እየ” ኢሉ በኸየ፡ ኣቦና ድማ “ትም በል ወደይ” በሎ።

“ከምዚ ድኅሪ ምባል በታ ኣድኃኒት ዝኾነት መስቀሉ ገጹ ባረኾ፡ ንዅላቶም ደቁ ድማ ባረኾም፡ ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ፍትሓት ዘወልድ ጸልዩ ምስ ባረኾም፡ ብፍትሓት ቃል ቀዳሞት ኣቦታትና’ውን ፈትሖም፡፡

ሽዑ ሰዓቱ ቐዳም ምሸት ድሮ ሰንበት ኮይኑ መስዩ፡ ምሸት ሠርክ ሰዓት ሠለስተ በጺሑ ነበረ።

ኣብታ ጊዜ እቲኣ ኸም ቃል ነጋሪትን ከም ነጐዳን ዝበለ ድምጺ ካብ ሰማይ ተሰምዐ፡ ከም ፀሓይን፡ ወርኅን ከዋኽብትን ዝበርሁ ዝተፈላለዩ ብርሃናት ተራእዩ።

እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣብ ልዕሊ ኣቦና ኻብ ሰማይ ዝወረደ ዓቢይ ግርማ ምስ ረኣዩ ኣዝዮም ፈርሁ፡ ንሥጋኡ ኺትንክፍዎ ብፍጹም ኣይከኣሉን፡ መሬት ድማ ሠለስተ ጊዜ ተንቀጥቀጠት።

ብድኅር’ዚ፡ እንሆ ብዓቢይ ዘፍርህ ግርማ “አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ” ብሓድነት እናተመስገኑ መጽኡ፡ ዝፋኑ ዚጸሩ ኣርባዕቲኦም ኪሩቤል መጽኡ፡

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ ምስ ማዕጠንቶም መጽኡ፡ ተስዓን ትሽዓተን ነገደ መላእኽት ምስ እልፈ ኣእላፋት መጽኡ፡ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት መጽኡ፡ ዓሠርተው ኃሙሽተ ነቢያት መጽኡ። ካብ እስጢፋኖስ ክሳብ ተፍጻሜ ሰማዕት ሊቀ ጳጳስ ጴጥሮስ ዘለዉ መጽኡ፡ ኩሎም ሰማዕታት መጽኡ።

ቅዱሳን መነኮሳት ካብ ኣቦና እንጦንስ ጀሚሮም ክሳብ እታ ዕለት እቲኣ ዝነበሩ ሓደ ኸይተረፈ በብወገኖም መጽኡ፡ ሓደ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ሕፃናት ርጉም  ሄሮድስ ኣብ        ቤተ ልሔም ዝሰየፎም መጽኡ፡ ካብ ኣዳም ክሳብ እታ ዕለት እቲኣ ዘለዉ ቕዱሳን ኣቦታት ኣቡነ እስትንፋሰ ክርስቶስ ኣብ ዘለዎ ተኣከቡ።

ብድኅር’ዚ ኣደ ሰማዕታት፡ ኃብቲ መላእኽቲ፡ ኣኽሊል ክብሪ ሓዋርያት፡  ትንቢት ነቢያት፡ ተስፋ ኹሉ ኃጥኣን፡ ኣማላዲት ኩሉ ፍጥረት፡ ብኽልተ ወገን ድንግል ዝኾነት እግዝእትነ ማርያም፡ ደናግል ኣኸቲላ መጽአት እሞ ባረኸቶ።

ጐይታ ውን ምስ እልፊ ቅዱሳን መላእኽቲ ናብኡ መጺኡ“ኦ ፍቁረይ እስትንፋሰ ክርስቶስ ቃል ኪዳን ክህበካ ናባኻ መጺአ ኣሎኹ፡ መጽሓፍ ገድልኻ ዝጸሓፈ፡ ዘጽሓፈ ብጓህዲ ምሳኻ ናብ መንግሥተ ሰማያት ኪኃልፍ እዩ። መኅደሪኡ ኣብ ኣባይቲ ብርሃን ኪኸውን፡ ስሙ ድማ ኣብ መጽሓፍ ሕይወት ኪጸሓፍ እዩ። ተዝካርካ ዝገበረ ባሕሪ ሓዊ ተሳጊሩ ብዘይ ፍርሃት ምሳኻ ደው ክብል እዩ።

“ንዝጠመየ ዘብልዐ ኻብዚ ዓለም እዚ ብሞት ምስ ተፈልየ ኣነ ኅብስቲ ሕይወት ከብልዖ፡ ንዝጸምአ ማይ ብስምካ ዘስተየ ኣነ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ጽዋዕ ሕይወት ከስትዮ እየ። ኣብ ዕለት ዝክርካ ስርናይ፡ ዕጣን፡ ወይኒ ዝሃበ፡  ሥጋይን ደመይን ዝተቐበለ ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ከም ዝተቐበለ ኽሓስበሉ እየ፡ ከምኡ’ውን ዘይቲ፡ ሽምዓ፡ ጥዋፍ፡ ወይኒ ዝሃበ ኽፍሉ ምስቶም ሠለስተ ኣቦታት ኣብርሃም፡ ይስሓቅ፡ ያዕቆብ ኪኸውን እዩ” በሎ።

ብድኅር’ዚ ኣቡነ እስትንፋሰ ክርስቶስ፡ “ኦ ጐይታይ እልምነካ ኣሎኹ ሕራይ በለኒ፡ ብዙኅ ኃጢኣት ዝሰርሐ ኾይኑ ግና ብኣይ ዝኣመነ ሰብ ምሓረለይ” በሎ፡ ጐይታ ድማ “ይትረፍዶ ንክርስቲያን ኣረሜን እንተኾነ’ውን ዝክርካ ዝገበረ ምሒረልካ ኣሎኹ” በሎ።

ብትሽዓተ(9) ሚያዝያ፡ በብወርኁ ኣብ ዓሠርተው ክልቱኡ ወዋርኅ ዝክርካ ዝገበረ፡ ዘብዓለ፡ ክብሩ ከም ክብሪ ፍቁረይ ቅዱስ ሚካኤል ኪኸውን እዩ። እዚን ካልእን ቃል ኪዳን ኣቲሉ ጐይታና መድኃኒናን  ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓቢ ክብር ናይ ሰማይ ዓረገ።

አቡነ እስትንፋሰ ክርስቶስ ቃል ኪዳን ድሕሪ ምቅባሎም ንደቂ መኺሩ ምስ ወደአ (ኣብ መብል 89 ዕዲሙኡ ) ኣዕይንቱ ተሸፈነ ብትሽዓተ ሚያዝያ  ነፍሱ ኻብ ሥጋኡ ተፈልየ፡ ጐይታ ንነፍሱ ቅዱስ አቡነ እስትንፋሰ ክርስቶስ ከም ገጸ በረኸት ወሲዱ ሰዓማ ብሰማያዊ ልብሲ ድማ ኣጐናጸፋ ብየማን ወገን ኣንቢሩ ምስኡ ኣዕረጋ፡ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ድማ ሸማ።

በረኸት ረዲኤት አቡነ እስትንፋሰ ክርስቶስ ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኩን ኣሜን!!!

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወወላዲቱ ማርያም ድንግል

ወለመስቀሉ ክብር ወኃያል

ኣሜን።

Leave a comment

Send a Comment