በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
፲፩/11 ጥሪ በዓለ ጥምቀት
ጥምቀት፡ ኣጥመቐ ኣጠመቐ (ጠለቐ) ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝተወስደ ኮይኑ ጥምቀት ማለት ምጥላቕ ማለት እዩ።
ጥምቀት 8 ዓይነት እዮም። እቶም 5 ምሳሌታት ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም 3 ግና ኣማናውያን እዮም።
ምሳሌታት ጥምቀት፥ “ኣጥመቃ ለምድር በማየ ኣይኅ፡ ኣጥመቆሙ ሙሴ በደመና ወበባሕር/ ኩላቶም ድማ ሰዓብቲ ሙሴ ኪኾኑ ብደመናን ብባሕርን ተጠመቁ” (1 ቆሮ 10፡2)። “ወተጠምቃ እገሪሆሙ ለካህናት/ እቶም ታቦት ኪዳን ዝጸሩ ካህናት ኣእጋሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ጠምዓ “(ኢያ 3፡15) ዝበሎም ማየ ኣይሂ፡ ማየ ኤርትራ፡ ማየ ኢያሪኮ፡ ጥምቀት ኣይሁድን፡ ጥምቀት ዮሓንስን እዮም።
ኣማናውያን ጥምቀት፥ ጥምቀተ ወልድ፡ ደመ ሰማዕትን ኣንበዐ ንስሓን እዮም።
ኣብዚ ጽሑፍ እዚ እንርእዮ ጥምቀተ ወልድ እዩ። ጎይታ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሕቱም ድንግልና ተጠኒሱ ብሕቱም ድንግልና ተወሊዱ። ምስ ተወልደ ኣብ 40 መዓልቱ “ዕጉለ ርግብ ዘውገ ማዕነቅ” ሒዙ ናብ ቤት እግዚኣብሔር ብምእታው፡ ኣብ ዓመት 3 ግዜ ንበዓል ናብ ኢየሩሳሌም ብምውጻእ ሕገ መጽሓፋውን ሕገ ጠባዕያዊን ክፍጽም ከሎ “በበህቅ ልህቀ እንዘ ይትኤዘዝ ለኣዝማዲሁ እንተ ይእቲ እሙ” ከም ዝብል ንኣዲኡ እናተኣዘዘ ዓበየ። ዕድሚኡ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኮነ ድማ ናብ ርባ ዮርዳኖስ ከደ። ዕለቱ ሰሉስ ፍርቂ ለይቲ ነበረ። ናብ ዮሓንስ ከይዱ ድማ ኣጥምቐኒ በሎ። ዮሓንስ ድማ “ጎይታይ ኣነ ድኣ ብኣኻ ክጥመቕ ይግብኣኒ እምበር ንስኻዶ ብኣይ ትጥመቕ፧”በሎ። ጎይታ ከኣ “ወይደልወነ ከመ ንፈጽም ኩሉ ሕገ/ ንኹሉ ሕጊ ክንፍጽም ይግባኣና እዩ” በሎ። “እንክያስ ሰበ ኣጠምቕ ካልዐ ኣጠምቅ በስምከ ወሶበ ኣጠምቅ ኪያከ በስመ መኑ ኣጠምቀከ” ንካልኦት ብስምካ የጠምቖም ንዓኻ ግና ብስም መን ከጠምቐካ እየ በሎ።”ወልዱ ለቡሩክ ከሳቴ ብርሃን ተሳሃለነ” እና በልካ ኣጠምቐኒ በሎ። ናብ ማይ ክኣቱ ከሎ ዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰት። “ባሕርኑ ርእየት ወጎየት ወዮርዳኖስኒ ገብኣ ድህሬሁ” ከም ዝብል (መዝ 114፡3-6) ማያት ተናወጹ ኣኽራን ከምዳዓውል ኮሮቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ። ድሓር ግና “ወልዱ ለብሩክ ከሳቴ ብርሃን ተሰሃለነ” እናበለ ኣጠሚቕዎ እዩ። ካብ ማይ ምስ ወጸ ኣቦ ኣብ ደመና ኮይኑ “ዝንቱ ውእቱ ወልድየ ዘኣፈቅር ሎቱ ስምዕዎ/ እቲ ዝፈትዎ ወደይ ንሱዩ’ሞ ንዑኡ ስምዕዎ” ኢሉ ናይ ባህሪ ወዱ ምዃኑ መስኪሩሉ እዩ። መንፈስ ቅዱስ’ውን ብኣምሳለ ርግቢ ጻዕዳ ወሪዱ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ወረደ (ማቴ 3፡16-17)። ጎይታ ኣብ 30 ዓመቱ እዩ ተጠሚቑ።
ጎይታ ኣብ 30 ዓመቱ ዝተጠመቐሉ ምኽንያት፥
ጎይታ ኣልፋን ኦሜጋን ፡ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ንዓለም ኣሕሊፉ ዝነበርን እኳ እንተኾነ ስጋ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስለዝወሰደ ወዲ 30 ዓመት ተጠሚቑ ንብል። ዕድሚኡ ዘይቁጸር ስጋና ስለዝተዋህደ ዕድመ ተቖጽረሉ።
– ኣብ ብሉይ ኪዳን ናይ ካህናት ስርዓት ንቤት እግዚኣብሔር ተልእኾ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክጅምሩ እንተኾይኖም 30 ዓመት ክመልኡ ኣለዎም። ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ዘገልግሉ ብዕድመ፡ ብፍልጠትን ብጠባይን ዝተፈተኑ ንተልእኾኦም ብብቕዓት ዝፍጽሙ ብህዝቢ ዝተመስከረሎም ክኾኑ ኣለዎም (ዘሁ4፡3, 1ዜና 23፡24, 1 ጢሞ3፡6-10)። ስለዚ ጎይታ ኣብ 30 ዓመቱ ዝተጠምቀ ነዚ ሕጊ እዚ ንምፍጻም እዩ።
– ልዕል ኢሉ ኣብ 31 ትሕት ኢሉ ኣብ 29 ዓመቱ ዘይተጠመቐ ኣብ 30 ዓመቱ ሓልዩ ዝተጠምቐሉ ምኽንያት ነቲ ኣዳም ወዲ 30 ዓመት ጎበዝ ኮይኑ ተፈጢሩ ብ40 መዓልቱ ዝረኸባ ውሉድነት ድሓር ግን ብምኽሪ ሰይጣን ተታሊሉ ንውልድነቱ ስለዘጥፍኣ ጎይታ ንዓኣ ንምምላስ ኣብ 30 ዓመቱ ተጠምቀ።
ጎይታ ኣምላኽ እንከሎ ንምንታይ ብኢድ ሰብ (ብዮሓንስ) ተጠምቀ፧
ትሕትናኡ ንምግላጽ እዩ። ናብቲ ዘለዎ ጸዊዑ ኣጥምቐኒ ክብሎ ዝኽእል ከሎ ናብኡ መጺኡ ምጥማቑ ስርዓት ክምህር ስለ ዝደለየ እዩ። ናብቲ ስም እግዚኣብሔር ዝጽወዓሉ፡ መስዋእቲ ዝቐርበሉ ቤተ ክርስቲያን ኬድኩም ተጠመቑ ክብል ስለ ዝደለየ እዩ። ጸዊዑ ኣብቲ ዝነበሮ ከሎ ተጠሚቑ እንተዝኸውን ሎሚ መኳንንትን መሳፍንትን ኣብ ቤቶም ኮይኖም ኣብዚ መጺእኩም ኣጥምቑና ምበሉ ነይሮም።
ጎይታ ንምንታይ ብማይ ተጠምቀ፧
“እስመ ዚኣየ ውእቱ ኩሉ ዓለም በምልዑ/ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ኩሉን ናተይ እዩ” ከም ዝብል (መዝ 50፡12) ብመዓር፡ ብጸባ፡ ብኻልእ ክቡር ነገራትን
ክጥመቕ ዝኽእል ከሎ ብማይ ዝተጠመቐሉ ምኽንያት ትንቢት ንምፍጻም እዩ። “ወእነዝሀክሙ በማይ ቅዱስ ወትነጽሑ እምርኩስክሙ” ተባሂሉ ተነጊሩ ኣሎ። ኣንድም፥ መዓር ንክልሕስዎ፣ ጸባ ንኽሰትይዎ እምበር ንኽሕጸብሉ ኣይተፈጥሩን። ካልኣይውን ብመዓርን፣ ብጸባን ተጠሚቑ እንተዝኸውን ነይሩ ድኻታት ስለዘይረኽብዎም ከይተጠምቑ ምተረፉ ነይሮም ስለዚ ጥምቀት ዝተሰርዐ ንኹሉ ስለዝኾነ ኩሉ ብዝረኽቦ ብማይ ተጠሚቑ።
ጎይታ ንምንታይ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ተጠምቀ፧
– ትንቢቱን ምሳሌኡን ንምፍጸም እዩ።
ትንቢት፥ “ባሕሪ ርእያቶ ሃደመት ዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰት፡ ኣኽራን ከምዳዓውል ኮረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ። ኣቲ ባሕሪ እንታይ ኮይንኪ ኢኺ ዝሃደምኪ ዮርዳኖስከ እንታይ ኮይንካ እኻ ንድሕሪት ዝተመለስካ፧ ኣቱም ኣኽራን እንታይ ኮይንኩም ኢኹም ከም ዳዕውል ዝተሰራሰርኩም፧ ኮረቢትከ እንታይ ኮይንኩም ኢኹም ከም ዕያውቲ ዝዘለልኩም፧
ብዙሓት ሩባታት ከለዉ ንሩባ ዮርዳኖስ ምምራጹ ድማ መጽሓፍ ዕዳና ንኸጥፍእ እዩ። ድያብሎስ ንኣዳምን ሄዋንን ናይ ጸልማት መጋረጃ ጋሪዱ ስመ ግብርናት ጽሒፍኩም እንተሃብኩምኒ ንመከራኹም ከቕልለልኩም እየ ስለዝበሎም ንሳቶም ድማ “ኣዳም ገብሩ ለድያብሎስ”፡ “ሄዋን ኣመቱ ለድያብሎስ” ኢሎም ጽሒፎም ሃብዎ። ነዚ ድማ ብክልተ ዕብነ ረዃም ቀሪጹ ነቲ ሓደ ኣብ ዮርዳኖስ ነቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ሲኦል ሓቢእዎ ነበረ። ነቲ ኣብ ዮርዳኖስ ዝሓብኦ፥ ጎይታ ብኣካለ ስጋ ክጥመቕ ከሎ ብሰብነቱ ረጊጹ ብኣምላኽነቱ ኣምኪኹ ወይ ድማ ሓኺኩ ኣጥፍኦ (ቆላ 2፡14)። ነቲ ኣብ ሲኦል ዝሓብኦ ድማ ብዕለተ ዓርቢ ብኣካለ ነፍሲ ወሪዱ ኣጥፊኡሎም ንሳቶም ድማ ወጹ። ስለዚ ድማ እዩ ናብ ዮርዳኖስ ዝተጠምቀ።
ምሳሌ፥
– ዮርዳኖስ ካብ ሓደ ምንጪ ከም ዝብገስ ናይ ሰብ ኩሉ ምንጪ ከኣ ካብ ሓደ ኣዳም እዩ። ትሕት ኢሉ ከኣ ዮርዳኖስ ኣብ ክልተ ማለት ማለት ” ዮርን” ዳኖስን” ከም ዝኽፈል ከምኡ ከኣ እስራኤላውያን ካብ ኣህዣብ ብግዝረት ተፈልዩ። ትሕት ኢሉ ከኣ እቲ ዝተፈላለየ ከም ዝራኸብ፡ እቶም ተፈላልዮም ዝነበሩ ህዝብን ኣህዛብን ብጥምቀት ክርስቶስ ምርኻቦምን ሓደ ናይ ምዃኖምን ምሳሌ እዩ።
– ኢዮብን ንእማንን ካብ ለምጾም ዝደሓኑ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ተሓጺቦም እዮም። ምእመናን ከኣ ኣሚኖም እንተተጠሚቖም መንግስተ ሰማያት ይኣትዉ።
– ኤልያስ ንዮርዳኖስ ተሳጊሩ ናብ ብሔረ ህያዋን ከም ዝዓረገ፡ ምእመናን ከኣ ኣሚኖም ተጠሚቖም መንግስተ ሰማያት ከም ዝኣትዉ ምሳሌ እዩ።
– ናይ እምነት ኣቦ ኣብርሃም ነገስታት ኮሎዶጎሞርን ስዒሩ ክምለስ ናይ ጎይታ ልደት ክርኢ ፈተወ። ጎይታ ከኣ ምሳሌ ከርእዮ ዮርዳኖስ ተሳጊሩ ክኸይድ ኣዘዞ። ዮርዳኖስ ተሰጊሩ ክኸይድ ከሎ መልከ ጸዴቅ ሕብስቲ ስርናይን ወይንን ሒዙ ተቐበሎ። ኣብርሃም ናይ ምእመናን ምሳሌ ክኸውን ከሎ ዮርዳኖስ ናይ ጥምቀት፡ መልከ ጼዴቅ ከኣ ናይ ካህናት፡ ሕብስትን ወይንን ከኣ ናይ ስጋን ደሙን ምሳሌ እዩ (ዘፍ 14፡10-20)።
ጎይታ ንምንታይ ብለይቲ ተጠምቀ፧
ፍርቂ ለይቲ ናይ ምጥማቑ ምስጢር መንግስቱ ኣጉሊሑ ንምርዳእ እዩ። ብቐትሪ ተጠሚቑ ነይሩ እንተ ዝኸውን መናፍቓን ነቲ ብኣምሳለ ርግቢት ዝወረደ መንፈስ ቅዱስ “ካልእ ማንም ርግቢ እምበር መንፈስ ቅዱስ ኣይኮነን” ምበሉ ነይሮም። ስለዚ መናፍቓን ምኽንያት ምእንቲ ከይረኽቡ ንጥምቀቱ ብለይቲ ገበሮ።
ጎይታ ብስም መን ተጠምቕ፧
ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት “ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቂ መዛሙርተይ ግበርዎም” (ማቴ 28፡19-20) ልኢኹዎም እዩ። መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ድማ ነዚ ስለ ዝፈልጥ ንዓኻ ድኣሞ እንታይ እናበልኩ ከጥምቐካ እየ በሎ። ጎይታ ከኣ “ወልዱ ለብሩኽ ከሣቴ ርሃን ተሣህለኒ እግዚኦ፡ ኣንተ ካህኑ ለዓለም በከመ ሲመቱ ለመልከ ጼዴቅ/ብሩኽ ወዲ ኣብ ብሩኽ ወልድ፡ ገላጺ ብርሃን ይቕረ በለልና፡ ከም መልከ ጼዴቅ ክህነትካ ንዘለኣለም እዩ እናበልካ ኣተምቐኒ” በሎ ንሱ ድማ ከምቲ ጎይታ ዝኣዘዞ እናበለ ኣጥመቖ። መደምደምታ እዚ ዘሎናዮ እዋን ቅነ በዓላት እዩ። በዓላት ብስም ጥራይ ዝይኮነ ምስጢሮምን ዘመሓላልፍዎ ትርጉምን ተረዲእና ከምቲ እግዚኣብሔር ዝፈትዎ ገይርና ከነኽብሮምን ህይወትና ክንልውጠሎምን ይግባእ። ቅዱሳን ኣቦታትና ንቅዱሳን በዓላት በቲ ዝግባእ እናኣብዓሉ ክሳብ እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ኣጽኒሖምልና ኣለዉ። ስለዚ ንሕና’ውን ንትርጉምን ምስጢርን በዓላትና ብግቡእ ተረዲእና ብምብዓል ናብቲ ዝቕጽል ወለዶ ከነሰጋግሮ ይግባእ። እዚ ክንገብር ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብጸጋኡ ይደግፈና ኣሜን!!! ዝተባረኸን ዝተቐደሰን በዓለ ጥምቀት ይግበረልና። ኣሜን!!!
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!
Leave a comment