በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
፲፪/12የካቲት (ተኣምሪሁ ለቅዱስ ሚካኤል ዘወርሐ የካቲት)
ኣብ ወርሒ የካቲት ዝተገብረ ተኣምር ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት
እሳታዊ ባህርይ ዘለዎ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ዝገበሮ ተኣምር እዚ እዩ።
ጸሎቱን ኣማላድነቱን ምስኩልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ንዘለዓለም ኣሜን።
ሓደ ሰብኣይ ሕያዋይን ንእግዚኣብሔር ዝፈርሕን ተባሂሉ፡ ዝንገረሉ ነበረ።
ንድኻታትን ንሽጉራትን ይሕግዝ(ይረድእ) ነበረ።
ኩሉ ጊዜ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ንኩሉ ሰብ ጽቡቕ ነገር ይገብር ነበረ።
ናይ ደቂ ኣዳም ተጻራሪ ጽቡቕ ነገር ዝጸልእ ሰይጣን ድማ፡ ነዚ ነገር ምስ ረኣየ ቀኒኡ ጽኑዕ ሕማም(ደዌየ) ኣምጸኣሉ። ለሚሱ ጽኑዕ ሕማም ድማ ሓመመ።
እዚ ሰብ ሕማሙ ስለዝበርተዖ ኩሉ ጊዜ ይግዕር (የእዊ ፡ይቕንዞ) ነበረ።
ካብቲ ሕማም ብርታዐ ዝተላዕለ ካብ ዝደቀሶ ምትንሣእ ተሳኣነ።
ስለዚ
ከኣ ኣዝማዱን ጎረባብቱን ናብ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ቤተ ክርስቲያን ብስውር ተሰኪሞም ክወስድዎ ለመኖም፡ ንሳቶም’ውን ሰብ ከይረአዮ ብለይቲ ወሰድዎ።
ከምቲ ዝለመኖም ናይ ቅዱስ ሚከኤል ሊቀ መላእክት ስእሊ ኣብ ዘለዎ ወሲዶም ኣንበርዎ።
ድሕርዚ እቲ ሰብኣይ ብፍጹም ልቢ(ልቦና) ናብ ቅዱስ ሚካኤል ክልምንን፡ ክምህለልን ጀመረ። ከምዚ ድማ በለ።
“ኦ! ጎይታይ ናይ መላእክት ሓለቃ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብጸሎትካ ዘክረኒ፡ ሕጂ’ውን ንዓ ርድኣኒ”
“ካብዚ ዝረኸበኒ ጽኑዕ ሕማም(ደዌየ) ፈውሰኒ፡ ኣድሕነኒ። ኣነ ኣገልጋኻ ልማኖኻ ኣሚነ ዝክርካ ዝገብር ዝነበርኩን ፡ዘለኹን እየ።
ብብኽያትን ብጽኑዕ ንብዓትን ኣፍ ልቡ እናሃረመ ከምዚ እናበለ ከሎ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ኣብ ልዕሊኡ (ኣብ ርእሱ) ዓቢይ ብርሃን ወጸ።
ናይ መላእክት ሓለቃ ቅዱስ ሚካኤል ኣብቲ ብርሃን ኮይኑ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ።
“ካብዚ ሕማምካ እግዚኣብሔር ኣድሒኑካ እዩ’ሞ ካብዚ ሕማምካ ደሓን (ተፈወስ) ተንሥእ። እንሆ፡ እግዚኣብሔር ኣድሒኑካ፡ ድሕነት’ውን ሂቡካ እዩ። ካብ ሕጂ ዳግማይ ኣይትበድል፡ ሓጥያት ኣይትግበር ካብዚ ዝኸፍእ ከይረኽበካ።
እዚ ኢሉ ኢዱ ዘርጊሑ ንኩለንትንኡ(ንኩሉ ነፍሱ) ዳህሰሶ። “እግዚኣብሔር ፈጺሙ ኣድሂኑካ’ዩ’ሞ ተንሲእካ ኪድ” በሎ።
ካብ ድቃሱ ምስ ተበራበረ ቀኒዑ በእግሩ ደው ኢሉ ከደ።
ንናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ፈጣሪ እግዚኣብሔር እንዳመስገነ፡
ካብ ሕማሙ ስለ ዝተፈወሰ ኣዝዩ(ተሓጎሰ) ደስ ከኣ በሎ።
ብፍጹም ደስታ ቃል እናመስገነ ኣብ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ስእሊ ሰገደ።
ኩሉ ህዝቢ ነዚ ዓቢይ ተኣምር ምስ ረኣዩ ንናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ክብርን ልዕልናን ፈጺሞም ኣድነቑ።
ብዝገበሮ ተኣምርን ተግባርን ኣብዚሖም ኣመስገኑ።
ንናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ዝረኣይዎ ተኣምር ንኹሉ ሰብ ነገሩ።
እቲ ዝደሓነ ሰብኣይ’ውን ካብ ናይ ቀደሙ ንላዕሊ ጽቡቕ ስራሕን ሕያውነትን ኣብዘሐ።
ክሳዕ ዕለተ ሞቱ በብወርሑ ብዕለት 12 መዓልቲ ዝኽሪ ምግባር ኣየቋርጽን ነበረ።
ናይ ምሕረትን ይቅሬታን ልኡኽ ዝኾነ፡ ብቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላኣክት ኣማላድነት ናብ መንግሥተ ሰማያት ኣተወ።
ንዓና’ውን ናይ ክብሪ በዓል ቤት ጐይታ፡ ብናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ኣማላድነት ካብ ኃጢኣት ሞት የድኅነና፡ ካብ ክፉእ መዓልቲ፡ ካብ መካራ ዘመን ይሰውረና።
መንግሥተ ሰማያት የውርሰና።
በዚ ዓለምን ብዝመጽእን ዓለም ናይ ሕይወት ተስፋ የዓድለና ኣሜን።
ብስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!
ብዕለት 12 የካቲት መዓልቲ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት በዓል ዝኽሪ እዩ።
በዚ ዕለት እግዚኣብሔር ክብርን ምስጋናን ይኹኖ፡ ንቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ካብ ረዓይት ወገን ናይ ዝኾነ ናብ ሳምሶን ዝተላእኸሉ ዕለት እዩ።
ክቀትልዎ ንዝደልዩ ፍልስጥኤማውያን ክሳዕ ዝስዕሮም ረድኢዎ’ዩ።
ኣብ ልዕሊኦም እግዚኣብሔር ብዝሃቦ ሓይሊ ኣጥፊእዎም እዩ። ካብኣቶም’ውን ብሓንቲ መዓልቲ ብመንጋጋ ኣድጊ ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ።(መሳ.15፡15)
ማይ ጸሚኡ ክመውት ምስቀረበ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ተራእዮን ኣጸናነዖን። ካብ ዓጽሚ መንጋጋ ኣድጊ ድማ ማይ ኣውጸኣሉ፡ ካብ ጽምኢ ማይ ድማ ደኃነ። ፍልስጤማውያን ድማ ስለዝተሳዕሩ ምስ ሰበይቱ ተማኺሮም፡ ዓይኑ ኣንቁሮም (ኣጥፊኦም) ናብ ቤት ጣዖቶም ድማ ወሰድዎ። (መሳ. 15፡18)
ናይ እግዚኣብሔር ኣገልጋሊ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ተራአዮ፡ ተዘራረቦ’ውን ሓይሊ’ውን ሓቦ’ሞ ንኩሎም’ውን ኣጥፈኦም (መሳ. 16፡28) ። ብዛዕባ እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን መምህራን በብወርሑ ብዕለት 12 ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት በዓል ዝኽሪ ክንገብር ድማ ኣዚዞም።
ሰላም፡ እብል ሠናይተከ ተአዛዜ።
ለትፍሥሕተ ሰብእ ወለኑዛዜ።
ሚካኤል፡ ኢይበል አድኅኖትከ ማዕዜ።
ረሲ ደኃሪትየ እም ግብረ ኃጢአት አግዓዜ፡
እንተ ተቀነይኩ ሎቱ የአክል እምይእዜ፡
ልማኖኡ ምሳናን ምስ ሃገርና ኤርትራን ይንበር ንዘለ ዓለም ኣሜን።
ምንጪ፥ ካብ ቤ/ ት/ሰንበት ማኅበር ቅዱስ ሚካኤል ኣሽዱድ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ዝተውስድ።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!
Leave a comment


