በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
፲፪/ 12 ሕዳር በዓለ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል
ሚካኤል ማለት ብቋንቋ ዕብራይስጥ መኑ ከማከ (መን ከም ኣምላኽ) ማለት እዩ። ‘ሚ’ ማለት መን እዩ፤ ‘ካ’ ማለት ኸኣ ከም ዝብል ትርጉም ዝህብ ኮይኑ ‘ኤል’ ማለት ኣምላኽ ማለት እዩ። ስለዚ ሚካኤል ማለት ‘መን ከም ኣምላኽ’ ዝብል ትርጉም ዝህብ ስም እዩ።
ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ቅዱስ ሚካኤል ካብ ቅዱሳን መላእኽቲ ዝለዓለ ክብሪ ዘለዎ መልኣኽ እዩ። ብኣማላድነቱን ተራዳኢነቱን ዝእመነሉ መልኣኽ ስለዝኾነ ድማ ወርሒ መጸ ኣብ መበል ፲፪ተ መዓልቲ ብዓቢይ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ይኽበር።
በዚ ዕለት እዚ በዓለ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ዝኽበረሉ ምኽንያት ንደቂ እስራኤል ካብ ምድረ ግብጺ እንዳ መርሐ ስለ ዘውጽኦም እዩ። እዚ ድማ፡ ኣብርሃም ንይስሓቅ፡ ይስሓቅ ንያቆብ፡ ያቆብ ንይሁዳን የሕዋቱን ወለደ። ካብቶም ደቂ ያዕቆብ ሓደ ዮሴፍ እዩ። የሕዋቱ ብጽልእን ብተንኮልን ንእስማዒላውያን ብ20 ቅርሺ ሽጥዎ። ንሶም ድማ ናብ ግብጺ ብምውሳድ ኣብ ቤት ፎርኦን ሓለቓ ንዝነበረ ንጶጢፋራ ብ30 ቅርሺ ሽጥሉ። ሕልሚ ናይ ምትርጓም ጸጋ ድማ ነበሮ።
ፎርኦን ሕልሚ ሓሊሙ ዝትርጉመሉ ስኢኑ ኸሎ ዝንኡ ካብ ሓለቓ ሞእቲ ምስ ሰምዐ ካብ ተኣሲርሉ ዝነበረ ኣውጺኡ ተርጉመለይ በሎ። ነቲ ዝሓለሞ ምስ ተርጎመሉ፡ ኣፈ ንጉስ ገይሩ ሸሞ። ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ጽኑዕ ደርቂ ኮነ። የሕዋቱ እኽሊ ንኽሽምቱ ናብ ግብጺ መጹ። ኣብ መጀመርታ ኣይነገሮምን ኣብ ካልኣይ እግሮም ግን “ኣነ ውእቱ ዮሴፍ ዘሴጥኩምኒ” ኣነ ሓውኹም ዮሴፍ እየ ኬድኩም ኣቦይ ኣምጽኡለይ በሎም። ንያዕቆብ ኣራዊት በሊዕዎ ኢሎም ስለ ዝነገርዎ ብወዱ ይሓዝን ነበረ። ወድኻኣብ ባዕዲ ሃገር ከቢሩ ይነብር ኣሎ ምስ በልዎ፡ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ቆጺሩ ንኹሉ ቤተ ሰብ ጠርኒፉ 70 ርእሱ ኮይኑ ናብ ግብጺ ወሪዱ ኣብ ጊሶሞም ተቐመጠ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ታሪኽ ዮሴፍ ዘይፈልጥ ፎርኦን ነገሰ። እስራኤላውያን ካባና ንላዕሊ በዚሖም፡ ጸላኢ እንተ ተላዒሉና ምስኡ ተደሪቦም ከጥፍኡና እዮም ኢሉ ኣተሓሕዛ ኣበርትዓሎም። እስራኤላውያን ኣብ መከራ ይነብሩ ነበሩ። ኣብ ግብጺ ድማ 430 ዓመት ገበሩ። ራሄል እትበሃል ሰበይቲ ሰብኣያ ድማ ሮቤል ዝተባህለ ምስ ሞታ እንተላይ ናቱ ጌርኪ ጭቃ ኣቖምጥዒ ምስ ተባህለት፡ ሕማም ሕርሲ ሓዛ። ቁሩብ ከዕርፍ ምስ በለት፡ እቲ ግብጻዊ ግን ርገጺ እንዳበለ ኣገደዳ። ክልተ ህጻናት ድማ ጭቃ እንዳረገጸት ከላ ኣብ እግራ ወደቑ። “ናይ ህጻን ደም ንመንደቕ የትርር” እዩ ኢሉ ምስቲ ጭቃ ከም ዝርገጹ (ከም ዝቑምጥዑ) ገበረ። ንርእሳ ሒዛ ክትበኪ ጀመረት። “ኢርኢሎኑ በዝ ሰማይ ኣምላከ እስራኤል ኣዶናይ/ ኣምላኽ እስራኤል የለኻን ዲኻ” ኢላ ንብዓታ ኣፍሰሰት። ንብዓት ራሄል ድማ ንኹሉ ንብዓት እስራኤላውያን ሒዛ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር በጽሐት። “ቃል ተሰምዐ በራማ ወስቆቃው ወገዓር ራሄል እንዘ ትበኪ በእንተ ውሉዳ መጽሓፍ መዝገበ ታሪኽ 1ይ ክፋል ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተክርስቲያን መድሃኔኣለም እስራኤል 62 ወዓበየት ተናዝዞ ወነጊፈ ላህ/ ኣብ ራማ ድምጺ ዋይዋይታ ድምጺ መሪር ብኽያት ተሰምዐ። ደቃ ስለ ዝተወድኡ ራሄል ትበኪ ኣላ ምድባስ’ውን ኣበየት (ኤር 31፡15, ማቴ 2፡17)። ጎይታ ንሙሴ ብኣምሳለ ሓመልማል ምስ ነበልባል ተገሊጹ፡ “ርእየ ርኢኩ ሕማሙ ለሕዝቢየ ወሰማዕኩ ገዓሮሙ ወወረድኩ ከመ ኣድህኖሙ” ናይ ህዝበይ ስቓይ ርእየ፡ ንብኽያቶም ሰሚዐዮ እየ እሞ ንኸድሕኖም ወሪደ፡ ሕጂ ግን ናብ ግብጺ ኽልእኸካ እየ (ግብ.ሓዋ 7፡34)። ንፎርኦን ድማ ንህዝበይ እስራኤል ፈንዎም በሎ ኢሉ ልኣኾ። ሙሴ ድማ ጎይታይ ኣነስ ኮልታፍ እየ ጽቡቕ ገይሩ ዝዛረበልካ ልኣኽ በሎ። ንኣሮን ሓውኻ ንገሮ ክዛረበልካ እዩ ኢሉ ነገሮ። ንኣሮንሲ ነገርክዎ መን ልኢኹካ እንተበለኒኸ መን ክብሎም። ምልክት’ከ እንታይ ከርእዮም ኢሉ ሓተቶ። ኣኸያ፡ ሸራኽያ፡ ኤልሻዳይ ልኢኹኒ በሎ። ምልክት ክኾነካ ንበትርኻ ናብ መሬት ደርብያ በሎ፡ ምስ ደርበያ ተመን ኮነት ፈሪሁ ክሃድም ምስ ደለየ ብጭርኣ ኣልዕላ በሎ፡ ምስ ኣልዓላ ድማ ከም ቀደማ ኮነት። እንደገና ድማ ኢድካ ኣብ ቱሽትሽካ የእትዋ በሎ ምስ ኣእተዋ ለምጺ ወጾ፡ መሊሱ ንኢዱ ናብ ቱሽትሹ ምስ ኣእተዋ ለምጹ ነጽሀ። ከምዚ ጌርካ ኣርእዮ ድማ በሎ። ካብ ምድያም ተላዒሉ እናኸደ ከሎ ኣሮን ድማ ካብ ሰኬም ክመጽእ ኣብ መንገዲ ተራኸቡ። ተተሓሒዞም ድማ ኣተዉ። ኣኽያ ሸራኽያ ኤልሻዳይ እግዚኣብሄር ህዝበይ እስራኤል ምእንቲ ከገልግሉኒ ፈንዎም ኢሉካ ኢሉ ሙሴ ተዛረቦ። ፎርኦን ድማ መልእኽትኻ እንታይ እዩ በሎ፡ ንበትሩ ደርበዮ ተመን ኮነት ብጭርኣ ምስ ኣልዓላ በትሪ ኮነት። ኢዱ ኣብ ቱሽትሹ ምስ ኣእተዋ ለምጺ ወጾ፡ ተመሊሱ ኢዱ ኣብ ቱሽትሹ ምስ ገበራ ድማ ካብ ለምጹ ደሓነ። ነዚ ትገብሮ ዘለኻ ናተይ ጠቢባን’ውን ይገብርዎ እዮም ኢሉ ንእያኔስን ኢያንብሬስን ጸውዖም፡ ንበትሮም ምስ ደርበይዎ ተመን ኮና ምስ ኣልዓልወን ድማ ድሓን ኮና። የእዳዎም ናብ ቱሽትሶም ምስ ኣእተዉ ለምጺ ወጾም፣ ካልኣይ ግዜ የእዳዎም ናብ ቱሽትሾም ምስ ኣእተዉ ለምጾም ምጥፋእ ኣበዮም። ሙሴ ንበትሩ ደርበዮ ተመን ምስ ኮነት ነተን ኣብታሮም ክትውሕጠንን ክትነኽሰንን ምስ ጀመረት ፈርሁ፡ ፎርኦን ድማ ንግዚኡ
ክፍንዎም እየ በለ። ድሓር ግን ንእግዚኣብሔር ኣይፈልጥ ንእስራኤል ኣይለቅቕ በለ። ብድሕሪ እዚ ብትሽዓተ መቕዘፍቲ ዓስራይ ሞት ቦኽሪ ግብጻውያንን ኣውረደሎም። ኣማኸርቱ ንኹሉ ስራሕ እግዚኣብሔር ርእዮም፡ ንስኻ ቦኽሪ፡ ሰበይትኻ ቦኽሪ፡ ወድኻ ቦኽሪ፡ ንስኹም እንተ ሞይትኩም መንግስትኻ ንመን ክኸውን እዩ ይኺዱ በልዎ። ንብዓል ሙሴ ጸዊዑ ንደቅኹምን መጽሓፍ መዝገበ
ንብረትኩምን ገዲፍኩም ኪዱ በሎም። ደቅና እንተተሪፎም ስርዓት ካብ መን ክመሃሩ ከብትና እንተ ገዲፍና’ኸ፡ መስዋእቲ ካበይ ከነቕርበሉ፡ ድሓር ድማ ሰብ ዝብለና ኣይንፈልጥን፡ ካልእ ድማ ጽሩይ ልብሲ ልበሱ እዩ ዝበለና እሞ እንታይ ክንገብር በልዎ። ካብ ጎይቶትኩም ተዋሒስኩም ውሰዱ ኢሉ ኣዋጅ ኣወጀ። “ወኣውጽኦሙ በወርቅ ወበብሩር” ወርቅን ብሩርን ሒዞም ከም ዝወጹ ገበረ (መዝ 105፡37)። ሰብኣይ ካብ ጎይትኡ፡ ሰበይቲ ካብ እመቤታ ወርቅን ብሩርን ተለቂሖም ደቆምን፡ ጥሪቶምን ሒዞም ወጹ። ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ፎርዖን ኣብ ላዕላይ ደርቢ ኮይኑ ንኸተምኡ ምስ ተዓዘበ ጸምይዋ ጭር ኢላ ነበረት፡ ሰለስተ መዓልቲ ገርና ክንምለስ ኢና ኢሎም ኣላገጹለይ ዋይ ገንዘበይ፡ ዋይ ወርቀይ ብኹሉ ኣላገጹለይ ኢሉ ብቑጥዓ ኣብ ፈረስ ተወጢሑ ሰረገላታቱ ኣስዒቡ ብሰለስተ መዓልቲ ዝኸድዎ ብሓደ መዓልቲ ኣርከቦም። ባሕሪ ንእስራኤላውያን ተኸፊቱሎም ክሳገሩ ከለዉ፡ ፎርኦን ድማ ከርክቦም ኢሉ ኣተወ። እስራኤላውያን
ኣርኪቡና ጠፊእና ኢሎም ክጭነቑ ከለዉ፡ ሙሴ ናብ ጎይታ ኣመልከተ “ዝበጣ ለባሕር በበትርከ ከመ ቀዳሚ” ብበትርኻ ንባሕሪ ህረሞ በሎ፡ ምስ ሃረሞ፡ እቲ ከም መንደቕ ተነዲቑ ዝነበረ ፈሪሱ ንፈርዖን ምስ ሰራዊቱ ኣጥፍኦ። ሙሴን ኣሮንን እናዘመሩ ማርያም ሓብቶም ድማ ከበሮ እናሃረመት “ንሰብሆ ለእግዚኣብሔር ሰቡሓ ዘተሰብሓ” እናበሉ ኣመስገኑ። ብድሕሪ እዚ ቅዱስ ሚካኤል እናመርሖምን እናረድኦምን መና ካብ ሰማይ ማይ ካብ ከውሒ እናኣውጽኣሎም 40 ዓመት ተጓዒዞም ምድሪ ርስቲ ኣተዉ። “መርሖሙ መዓልተ በደመና ወኩሎ ለሊት በብርሃነ እሳት” መዓልቲ ብደመና ለይቲ ድማ ብብርሃን እሳት እናመርሐ ኣእተዎም። ብሸውዓተ ደመና ተጋሪዶም፡ ሓደ ዋዕየ ጸሓይ ከይስምዖም ብላዕሊ፡ ካልኣይ ቁሪ ምድሪ ብታሕቲ ከይቆሮም፡ እቶም ኣርባዕተ ድማ ጸላእቲ ከይጻብእዎም ብየማን ብጸጋም ብቕድሚት ብድሕሪት እቲ ሓደ ድማ ቀቅድመኦም ናይ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ እናሓለፈ መንገዲ ይጸርገሎም፡ ውዒሉ ምስ መሰየ ድማ ከም ዓምደብርሃን ኮይኑ ኣብ ደብተራ ኦሪት ከብርሃሎም እናሓደረ ብከምዚ ኣተዉ (ዘሁ 9፡15) እዚ ዝተፈጸመሉ ኣብ ከባቢ 1528 ዓ.ዓ እዩ።
ስለዚ 12 ሕዳር ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ መሪሑ ዘውጽኣሉ፡ ሊቀ መላእክት ኮይኑ ዝተሸመሉ ከምኡ ውን ድራታኦስን ቴዎቦስታን ዝረድኣሉ ዕለት እዩ።
በረኸትንን ረድኤትን ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኣይፈለየና ኣሜን።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን ኣሜን ኣሜን!!
Leave a comment