፲፪/12 ዕረፍቱ ለቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሊቀ ጳጳስ ቊስጥንጥንያ

፲፪/12 ዕረፍቱ ለቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሊቀ ጳጳስ ቊስጥንጥንያ

 

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!

፲፪/12 ዕረፍቱ ለቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሊቀ ጳጳስ ቊስጥንጥንያ

ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንምእመናን ብሃይማኖት ዘጽንዑ መናፍቓን ጊጉይ ትምህርቲ ኂዞም ኣብ ዝትንሥእሉ እዋንውን መጻሕፍቲ ጠቒሶም ፡ መጻሕፍቲ  ኣዕሚቖም ተኸራኺሮም ዝረትዑ፡ ሃይማኖት ከይጠፍእ፡ ትምህርቲ (ምስጢር) ከይፋለስ፡ ለይትን ቀትርን ብምምሃር ብዙኃን ደቀመዛሙርቲ ዘፍረዩ፡ ድርሳናትን መጻሕፍትን ዝጸሓፉ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳን ሊቃውንቲ ይበሃሉ።

ቅዱሳን ሊቃውንቲ ብቀኖና ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳን ንኺበሃሉ ዝበቕዑ ኣቦታት ቤተክርስቲያን እዮም። ካብዚኣቶም እምበኣር መንቅብን ኣበርን ዘይርከቦ ጽቡቕ ኣሰር ገዲፉ ዝኃለፈ፡ ብሰባኽያንን መተርጒማንን ወትሩ ዚጥቀስ፡ ኣብ ልቢ ዅሉ ክርስቲያን ብፍቕሪ ዚዝከር፡ ትምህርቱ ንምእመናን ከም መዓር ዝጠዓመ፡ ግዘቱ ንኸሓድያንን መናፍቓንን ከም ኲናት ዝተሳሕለ ብሓቂ “አፈወርቅ“ “ልሳነ ወርቅ ተባሂሉ ዝተመስከረሉ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘፍረየቶም ዓበይቲ ሰባኽያንን መተርጒማንን ሓደ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ እዩ።

ዮሓንስ ማለት ፍሥሓ ወኃሴት፡ ርኅራኄ ወሣህል ማለት እዩ፡ ሃገሩ ኣንጾኪያ እዩ፡፡

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብ347 ዓ.ም. ኣብታ ማእከል መዲና ናይቶም ካብ ኣሕዛብ ናብ ክርስትና ዝኣተዉ ክርስቲያን ዝነበረትን ክርስቲያንውን ንመጀመርታ ጊዜ “ክርስቲያን” ተባሂሎም ዝተጸውዑላን ዋና ኸተማ ሶርያ፡ ኣንጾኪያ ተወልደ።

ኣንጾኪያ ንቍስጥንጥንያ ስዒባ ኻልኣይቲ ኸተማ ምብራቓዊ ግዝኣት ሮማ ነበረት። ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝተፈላለዩ መናፍቓን (ግኖስቲካውያን፡ ኣርዮሳውያን፡ ኣቡሊናርዮሳውያን) ከምኡውን ከሓድትን መምለኽያነ ጣዖትን ዝኾኑ ዅሉ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ሃይማኖትም ንምስፍሕፋሕ ዝጓየዩሉ ዝነበሩ ዘመን እዩ ነይሩ።

ኦርቶዶክሳውያን ክርስቲያን ንርእሶም ኣብ መንጎ ጳጳስ መላጥዮስን ጳውሊኖስን ብዝነበረ ፍልልያትን ምክፍፋልን ኣብ ክልተ ተገሚዖም ነበሩ። በዚ ኸኣ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ዘመነ ንእስነቱ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓደገኛ ኹነት ኣብ ዝነበረትሉ ጊዜ ነበረ እዩ።

ኣቦኡ ንዮሓንስ አፈወር ሴኩንዱስ ውሩይ መራሒ ሰራዊት ውግእ እኳ እንተነበረ ገና ሕፃን ከሎ እዩ ዝሞተ። ኣዲኡ ኣንቱዛ ብሃይማኖታን ብሥነ ምግባራን ዝተመስከረላ ክርስቲያን ኢያ ነይራ። ሽሕ’ኳ ገና ጓል ዕሥራ ዓመት ከላ በዓል ቤታ ብሞት እንተተፈልያ ንዅሉ ሕቶታት ካልኣይ መርዓ ብምንጻግ ኣቦኦም ኃዲግዎም ንዝኸደ ኽልተ ደቃ፡- ቅዱስ ዮሓንስን ዓባይ ኃውቱን ኣብ ምምሃር እያ ኣተኲራ።

ኣንቱዛ ክርስትና ማዕረ ኽንደይ ኣብ ሕይወት ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘብርህን ዘኅድሮ ሠናይ ጽልዋን ብተግባር ብምርኣይ ምስተን ኣብቲ ዘመን እቲ ዝነበራ ፍጹማት ሃይማኖተኛታት ኣዴታት ኣብ ዘመድብ ሕይወት በጺሓ ነበረት። ቅዱስና

ሕይወት ኣዲኡ ኣንቱዛ ኣብ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኣሕዛብን ኣብቶም ዓበይቲ ምሁራን ናይቲ ዘመን ከይተረፈ ዝተናእደ እዩ ነይሩ። ሊባንዮስ ዝተባህለ ዕሉል ጠበቓ ተቐባሊ እምነት ኣሕዛብ ዝነበረ ናታ ጽንዓትን ሕይወትን ምስ ሰምዐ “ኣየ! ኸመይ ዓይነት ኣደናቒ ቕድስና ዘለወን ክርስቲያናውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ!” ብምባል ተገሪሙ እዩ።

ኣዲኡ ኣንቱዛ ወዳ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ካብቶም ኣብቲ ዘመን እቲ ዝነበሩ ዓበይቲ መምህራን ናይ ፍልስፍናን ክእለት ዘረባን ከም ዝመሃር ገበረት። ከምኡ ኸኣ ኣብ ኣእምሮ ወዳ ኻብ ጊዜ ሕፃንነቱ ጀሚራ ዘርኢ እምነት ክርስትና ግርም ገይራ ዘርአት። እዚ ዘርኢ እምነት እዚ ድኂሩ ንእኡን ንቤተ ክርስቲያንን ጠቓሚ ዝኾነ ብዙኅ ፍረ ኣፍርዩ እዩ።

ብተግሣፅ ኣዲኡን ብኣስተምህሮ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብቲ ዘመን እቲ ኣንጸላልዩ ኻብ ዝነበረ ኣሕዛባዊ ነገር ዘርቅን ከንቱ ኣተሓሳስባን ተሓለወ።

ኮይኑ ግና ኸሳዕ ዚዓቢ ኣይተጠምቀን ነበረ። ቤተ ክርስቲያን ደቃ ኻብ ኣሕዛብነት ናብ ክርስትና ይሰጋገሩሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን በቲ ዘመን እቲ ብዝኂ ተጠመቕቲ ንኡስ ክርስቲያን ካብ ተጠመቕቲ ሕፃናት ኣዝዩ ይዛይድ ነበረ። ካብ’ዚ ዝተላዕለ ብዙኃን ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን (በዓል ቄርሎስ ጳጳስ ዘኢየሩሳሌም፡ ባዕሉ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅን ካልኦትን) ንኡሰ ክርስቲያናውያን ቅድሚ ምጥማቖምን ቅዱስ ቍርባን ምቕባሎምን ዝመሃርዎ መሠረታዊ ትምህርቲ ኣዳልዮም እዮም።

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈ ወርቅ ነቲ ኣብቲ ዘመኑ ዝነበረ ትምህርቲ ኽእለት ዘረባ (ኣበሃህላ (ክሂሎተ ነቢብ) ኣብቲ ጊዜ እቲ ቐዳማይ ሊቅ ካብ ዝነበረ ሊባንዮስ ዝተባህለ መምህር ተማህረ። ፍልስፍና ኸኣ ኣብ ኣቴንስ ካብ ዝነበሩ ውሩያት መምህራን ተማህረ። ብፍልጠቱ ብትምህርቱን ብልሑን ምስኡ ኃቢሮም ካብ ዝመሃሩ ዝነበሩ ኣዕሪኸቱ ጸብለል ይብል ነበረ። እዚ ትምህርቱ እዚ ኸኣ ድኂሩ ንዝተዋፈረሉ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ኣዝዩ ጠቒምዎ እዩ።

ቅዱስ ዮሓንስ ምሩጽን ተፈታውን ተማሃራይ ሊባንዮስ ነበረ። ሊባንዮስ ኪመውት ምስ ቀረበ “መን ክትከኣካ ትደሊ፧” ኢሎም ኣብ ዝሓተትሉ “ክርስቲያን ካባና እንተ ዘይወስድዎ ነይሮምሲ ዮሓንስ እዩ ነይሩ“ ብምባል መሊሱሎም እዩ።

ትምህርቱ ምስ ወድአ ንቝሩብ እዋን ጠበቓ ኾነ።

ብሥነ ምግባሩን ብዅሉ ዅነታቱን ባህ ዝበሎን ዕቤት መጻኢ ሕይወቱ ዝተረድአን ጳጳስ ኣንጾኪያ መላትዮስ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ከሳትፎ ስለ ዝደለየ ኣናጉንስጢስ (ኣንባቢ መጻሕፍቲ) ገይሩ ሸሞ። ንሱ ግና ድሌቱን ምርጫኡን ገዳማዊ ሕይወት ምምራሕ

ነበረ። ኮይኑ ግና ጽኑዕ ልመናን ምሕፅንታን ኣዲኡ ነዚ ድሌቱ እዚ ዋላውን ንጊዜኡ እንተኾነ ኣደናጒይዎ እዩ። ኣዲኡ ብሕይወት ክሳዕ ዘላ ኻብኣ ተፈልዩ ኸይኸይድ ካብዚ ዓለም እዚ ምስ ተፈልየት ግና ንገዳም ካብ ምኻድ ዝኽልክሎ ዋላ ሓደ ኸም ዘየልቦ ኣጽኒዓ ስለ ዝተማሕፀነቶ ምስ ኣዲኡ ጸንሐ።

ግና ንቤቱ ናብ ገዳምነት ለወጦ። ንርእሱ ኻብ ደጋዊ ዓለም ፈለየ፡ ኣብኡ ኸኣ ጽኑዕ ዝኾነ ብሕትውና ኺለማመድ ጀመረ። ኃኃሊፉ ኣዝዩ ቚሩብን ንሱ’ውን ተራ ዝኾነ ነገር ንቑመተ ሥጋ ጥራይ ጥዒሙ ኣብ መሬት ይድቅስ፡ ቀልጢፉ ኸኣ ንጸሎት ይትንሥእ ነበረ። ጥቕሚ ናብ ዘይብሉ ዝርርብ ከይኣቱ አርምሞን ጸጥታን ኃዘ። በዚ ኸኣ ኣቐዲሞም ዝፈልጥዎን ዝቐርብዎን ዝነበሩ ኣዕሩኽቱ ጸልእዎ። ካብ ሊባንዮስ ምስኡ ኃቢሮም ዝተማህሩ ኽልተ ኣዕሩኽቱ መክሲሞስ (፡ድኂሩ ጳዓስ ናይ ሴሌውቅያ ዝኾነ)ን ቴዎድሮስ (ጳጳስ ሞፕሶስቲያነ)ን ግና ኸምኡ  ገዳማዊ ሕይወት ብምምራጽ ገዳም ኣተዉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዲያድርስ (ድኂሩ ጳጳስ ናይ ተርሴስ ዝኾነ) ተማህሩ፡፡

ኣዲኡ ምስ ዓረፈት ብወገን ደቡብ ኣንጾኪያ ኣብ ዘሎ ገዳም ብምኻድ ምስቶም ኣብኡ ዘለዉ መነኮሳት ኃቢሩ ተቐመጠ። ኣብኡ ኸኣ 4 ዓመት ብዓቢይ ተጋድሎ ብጾም ብጸሎትን ርእሱ ሲሲኮስ ምስ ዝበሃል ኣረጋዊ መነኮስ ብምዃን መንፈሳዊ ተጋድሎን ተለማመደ። ሓደ ለይቲ እዚ ብራእይ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ፡ ወንጌል ሓዋርያ መፍትሕ ንቕዱስ ዮሓንስ ኪህብዎ ኸለዉ ረኣየ። በዚ መንፈሳዊ ዕቤቱ ተረድአ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ንርእሱ ኻብዚ ዓለም እዚ ዝያዳ ንምፍላይ ኣብ በዓቲ ብምእታው ንኽልተ ዓመት ተቐመጠ። ኣብኡ ኸኣ ብትግሃት ለይቲ (ንርእሱ ድቃስ ብምኽልካል) ብቀዊም፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብቓል ብምጽናዕ፡ ብጸሎት፡ ብተዘክሮ ብሓፈሻ ኸቢድ ብዝኾነ ትሕርምትን ተጋድሎን ጸንዐ። ትሕርምቱን ተጋድሎኡን ሰብነትን ተፈጥሮን ወዲ ሰብ ክስከሞ ኻብ ዝኽእል ንላዕሊ ብምዃኑ ኽፋላት ውሽጣዊ ኣካላቱ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ክሳዕ ዝኾኑ በጽሑ። ሕይወቱውን ኣብ ተኣፋፊ ደረጃ ብምብጽሑ ምኽንያት ሓንቲ’ኳ ኺገብር ስለ ዘይከኣለ ናብ ኣንጾኪያ ተመልሰ። “እዚ ኸኣ ስራሕ እግዚኣብሔር እዩ“ ይብል ጰላድዮስ፡ “ንቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኺጠቕማ ብምኽንያት ሕማሙ በዓቲ ገዲፉ ናብ ኣንጾኪያ ኸም ዝመጽእ ገበሮ። እዚ ብሕትውናዊ ሕይወት እዚ ኸኣ ኣብ ዝተረፈ ዘመኑ ንጹር ዝኾነ ኣሰር ገዲፉ እዩ፡ ኣብ ውሽጡ’ውን ሠሪፁ እዩ።

ብድኅር’ዚ ብኡ ብኡ ጳጳስ መላጥዮስ ኣብ መጀመርታ 381 ዓ.ም. ዲቁና ሸሞ። በዚውን ኵነታት ጥዕናኡ ብዝፈቐደሉ መጠን ኣብ ገዳም ብዝገብሮ ዝነበረ ትሕርምትን ተጋድሎን ተቐመጠ። እዋን ዲቁናኡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝጻወቶ ሚና ኣርእዩዎ እዩ። እግዚኣብሔር ንዘዳለወሉ ስራሕን ተግባርን ድሉው ነበረ። ፍቕርን ቅንኣትን ቤተ ክርስቲያን ካብ ውሽጡ ይወፅእ ነበረ፡ ኵለንትናኡ ንእግዚኣብሔር ብምቕናእ ዝተመልአ ነበረ።

ብ386 ዓ.ም. ጳጳስ ፍላብያን ቅስና ሸሞ። ኣብ ጒዕዞ ሕይወትን ታሪኽን ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይ ወሳኒ ምዕራፍ ዝጀመረ ኻብ’ዚ ጊዜ እዚ ጀሚሩ እዩ። ኣብ ዝቐጸሉ ዓሠርተው ክልተ ዓመታት ዋና ስራሑ ስብከት ነበረ። ካብ’ዚ ጊዜ እዚ ጀሚሩ ሕይወቱን ኵሉ ዘመን ሕይወቱን ንዝወፈየሉ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ናብ ስራሕ ምምሃር ኣተወ። መስበኺ ዋልድቢት መድረኸ እቲ ተፈታዊ ዙፋኑ ነበረ። ብጥዑም ትምህርቱ ቤተ ክርስቲያን ኣንጾኪያ ኸተብርህ ጀመረት። ዓሚቝን ባህ ዘብልን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስተምህሮኡን ኣብ ክርስቲያናዊ ሥነ ምግባራት ኣተኵሩ ዝምህሮ ዝነበረ ትምህርትን ፍጹም ዘይጽገብ ነበረ። ኣብ ኵሉ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣንጾኪያ፡ ኣብ ገጠራት ከይተረፈ እናዞረ፡ በዓለ ሰማዕታት ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ ዓፅሞም ኣብ ዝዓረፈሉን ብስሞም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተሓንፀሉን ቦታ፡ ሰማዕትነት ኣብ ዚተቐበሉሉ ዕለት ይምህር ነበረ። መብዝኅትኡ ጊዜ ዝምህረሉ ቦታ ግና ብቈስጠንጢኖስ ከም ዝተሓንፀ፡ ኣመሠራርታኡ ድማ ኣብ ዘመነ ሓዋርያት ምዃኑ ኣብ ዝንገረሉ ኣብቲ ዓቢይ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ሶፍያ እዩ። ወትሩ ዝምህረሉ ዕለት ሰንበት እዩ። ኣብ ጾመ ኢየሱስ ግና መዓልታዊ ይሰብኽ ነበረ።

ብ397 ዓ.ም. ፓትርያርክ ናይ ቍስጥንጥንያ ዝነበረ ኔክታርዮስ ስለ ብምውሳድ፡ ብዘይ ድሌቱ፡ ፍቓዱ እኳ ኸይተሓተ ሊቀ ጳጳስ ናይዝዓረፈ ብትእዛዝ ንጉሥ ኣርቃዴዎስ ብዘይ ፍላጡ ናብ ቍስጥንጥንያ ቍስጥንጥንያ ከም ዝኸውን ተገብረ። እዚ ለውጢ እዚ ግና ኣዝዩ ኸቢድ ነበረ። ኣብ ጐኒ ጣዕምን ምሾትን ናይ ዕለተ ዕለት ሕይወት ኣብ ዝኾኑሉ፡ ኃጢኣትን ግፍዕን ከም ቀሊል ነገር ኣብ ዝረኣዩሉ፡ ሕይወት ወዲ ሰብ ረጊጽካ ናብ ኮረሻ ሥልጣን ምድያብን ሥልጣን ምውሓስን መግለጺ ጅግንነትን ትብዓትን ኮይኖም ዝሕሰቡሉ ቤተ መንግሥቲ ክትሽየም ቀሊል ኣይነበረን።

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ነዚ ኸቢድ ናይ ጒስነት ኃላፍነትን ናይ ክርስቶስ ኃደራን ምስ ተሰከመ ብሥነ ምግባር ኣንቈልቍሉ ምስ ዝነበረ ኅብረተሰብን ብልሹው ሕይወት ምስ ዝነበሮም ናይ’ቲ ዘመን እቲ ሰብ ጸጋን ሰበ ሥልጣንን ጽድቅን ሓቅን ኣብ ልዕሊ ኃጢኣት ንምንጋሥን እቲ ዝግብኣ ዕዮ ንምዕያይን ብመንፈሳዊ ቆራጽነት ተንሥአ። ቤተ ክርስቲያን እሙንን ቆራጽን ኣቦ ኣብ ዘድልያ እዋን እግዚኣብሔርንሕዝቡ ዘዳለዎ ኣቦ ነበረ።

ኣድላይነት ለውጥን ምትዕርራያትን ኣዝዩ ግሌጽ ነበረ። ኣማናውን ርቱዕን ዝነበረ ትምህርቱን ገዳማዊ ሕይወቱን ኣብ ቍስጥንጥንያ መንበረ ጵጵስና’ውን ቀጸለ። ኣብ ውሽጢ መንበረ ጵጵስናኡ ንዝነበሩ ኸቡራትን ውቁባትን ናይ ውሽጢ ንዋያትን ቍሳቑስን ብምሻጥ ነቲገንዘብ ኣብ ሕክምናን ኣብ ድኻታት ምርዳእን ኣውዓሎ። ዘይውፅኢታውያን ወፃኢታትን ኣብ ቀጽሪ መንበረ ጵጵስና ይግበሩ ንዝነበሩ ድግሳትን ንግዶትን ከም ዝቋረጹ ገበረ። ዝበዝኅ ኣታዊታት ንኣገልግሎት ድኻታትን ሕክምናታትን ከም ዝውዕል ገበረ።

ምግባረ ብላሽን ሥርዓት ኣልቦ ካህናት ከም ዝዕረዩን ሥርዓት ከም ዝኀዙን ገበረ። ንሱ ፓትርያርክ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እቶም ገዛእትን ሕዝብን ጥራይ ዘይኮኑ ካህናት እታ ኸተማ’ውን ከይተረፉ ሕይወቶም ብጣዕምን ብቕብጥሮትን ተበላሽዩ ስለ ዝነበረ እዚ ነገር እዚ የጥቅዖም ነበረ። ካህናት ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ርኂቖም መጓሰ ክርስቶስ ብትግሃት ኪሕልዉን ሕይወቶም ብሥርዓት ብምምራሕ ነቲ መጓሰ ምእንቲ ሠናይኣርኣያ ኺኾንዎ ኻብ ኣተሓሳስባ ጀሚሩ ሕይወቶም ንምልዋጥ ብዙኅ ደኸመ። ቀጺሉ ብገበንን ብነውራም ተግባሮምን ቤተ ክርስቲያን ዘንቅፉ ንዝነበሩ ኻህናት ግቡእ መኣረምታ ኸም ዝወሃቡ ገበረ። ኵሎም ካህናትን ሕዝብን ኣብ’ቲ ለይቲ ዝግበር ምስጋና ኺሳተፉ ኣተሓሳሰበ። እዚ ኸኣ ድቃስ ንዝለመዱ ሰነፋት ካህናት ኣቘጥዐ።

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ግፍዕን ኃጢኣትን ንዝገብር ሰብ ኪግሥፅ ከሎ ዋላ’ውን ንጉሥ ይኹን ንግሥቲ ፍርሃት ዝበሃል ኣይፈልጥን እዩ። ንሱ ንሓደ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ ዝፈርህ። ንሰብ የኽብርን የፍቅርን እዩ፡ ግፍዐኛ እንተኾይኑ ግና “ድኻ እዩ”፡ “ንጉሥ እዩ” ኸይበለ እዩ ንዅሉ ዝግሥፅ። ብፍላይ ንግሥቲ ኣውዶክስያ፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ሥርዓት ኣልቦ ኣለባብሳን ካብ መጠን ዝኃለፈ ምጽብባቕን ምቍንጃውን ብዝገሠፀሉ ቍጽሪ ንኣይ እዩ እናበለት ግብራ ኻብ ምእራም ከም ጸላኢኣ ኸትቘጽሮ ጀመረት። ብዘይካ’ዚ ልዕል ኢለን ዝተገልጻ ወይዘራዝር ናብ ንግሥቲ ወረ የበጻጽሓ ነበራ።

ኣውዶክስያ “ገፋኢተ ነዳይ” ይብላ። ከም ዝፍለጥ ንሓንቲ ድኻ መበለት ርስታ ኣግደፈታ፡ እታ መበለት ከኣ እዛ መሬት እዚኣ ናይኣቦሓጎታተይ፡ ኣብ ዓመት ፫ (3) ጊዜ እተፍሪ፡ ኣብ ከተማ ብምህላዋ ኣነ ኣይህበክን እየ“ትብላ። ንግሥቲ ኣውዶክስያ ግና ብኃይሊ ኣኅደገታ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ንጉሥ እንተ በዲልዎም ሰባት ናብ ሊቀ ጳጳሳት እዮም ዝኸዱ ነይሮም። እዛ መበለት እዚኣ ኸኣ ናብ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ከይዳ እቲ ዘጋጠማ ኵነታት ኵሉ ነገረቶ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኵሉ ኣረጋጊጹ፡ ንንግሥቲ ግደፍላ ኢሉ እንተለመና እታ ንግሥቲ ስማዕ፡ መሬት እንተደልያ መሬት፡ ገንዘብ እንተደልያ ገንዘብ ክህበኪ ምረጺ ኢለያ እየ እቲ መንግሥቲ ኂዝናዮ ዘሎና እኮ ንሕና ኢና እምበር ንሳ ኣይኮነትን“ በለቶ።

ንሱ ኸኣ “በሊ ርስቲ ምድሪ ኣግዲፍኪ ርስቲ መንግሥተ ሰማያት ክትወርሲ ኣይትኽእልን ኢኺ” ኢሉ ኻብ ማኅበረ ምእመናን ፈለያ (ኣወገዛ)። ሽዑ ንሳ ናብ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ስምዕታ ለኣኸት።  ቅዱስ ዮሓንስ አፈ ወርቅ ብነውርነቶም ፈልይዎም ዝነበ ኤጴስ ቆጵሳት ነበሩ። ንንጉሥ፡ ንንግሥትን ኽጸርፍ ዘይዓርፍ እስከ ፍረዱ ትብሎም እሞ፡  “እዚ ዝኣመስለ ልእሰር ኣለዎ ኢሎም ፈረዱ።

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝመሃሮም ትምህርትታትን ጽሑፋትን ኣዝዮም ብዙኃት እዮም።

ሞቱ ንምርኣይ ዝናፍቑ ዝነበሩ ጸላእቱ ዕድመ ኣንዊሖም፡፡ ዋላ’ኳ እንተ ተሰደ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ሚናን ሠናይ ጽልዋን ብዘይ ምቍራጹ ኣቘጥፆም፡፡ ኣብ ዘመነ ስደቱ ዝበጽሖ መከራ ክትገልጸ ኣይከኣልን እዩ። ብትህርምትን ተጋድሎን ንዝተጐድአ ሰብነቱ ብዙን ይሳቐ ነበረ።፡፡ ኣብ ስደት ከሎ ኻብ ብዝኂ ስቓይ ዝተላዕለ ስለ ዝሓመመ

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ባስሊቆስ ኣጽንሕዎ፡፡ ብኡ ብኡ ከኣ እቶም ካህናት እቲ ቤተ ክርስቲያን ፃዕዳ ልብሲ ኣልበስዎ፡፡ ንሱ ኸኣ ፃዕዳ መጐናጸፍያኡ ለቢሱ ኻብ ቅዱስ ምስጢር ተኻፊሉ ነፍሱ ንእግዚኣብሔር ኣማዕቆበ፡፡ እዚ ዝኾነሉ ኣብ ኮማኒ (ኣብ ጆርጅያ ዝተባህለት ሃገር ዝርከብ ቦታ) ዕለት 14 መስከረም 407 ዓ.ም. ኣብ

መበል 60 ዓመቱ፡ ሊቀ ጳጳስ ካብ ዝኸውን ከኣ ኣብ መበል ዓሥራይ ዓመቱ እዩ፡፡ ካብ ልሳኑ ዝወፅአት ናይ መጠረሽታ ቓል ናይ ወትሩ ምስጋናኡ “ስለ ዅሉ ነገር ክብሪ ንእግዚኣብሔር ይኹን” ትብል እያ ነይራ፡፡ ብተግሣጹን ትምህርቱን ሕይወቱን ምሉእ ዘመኑ ንኸብሪ እግዚኣብሔር ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ብ438 ዓ.ም. ዓጽሙ ካብ ኮማኒ

ናብ ቍስጥንጥንያ ብዓቢይ ኽብሪ ብምምላስ ኣብ ሰማዕት ቅዱስ ኤሬን ቤተ ክርስቲያን ከም ዚዓርፍ ተገብረ። ድኅሪ ሞቱ ኻብ ዝገበሮ ተኣምራት ንምጥቃስ።

ንግሥቲ ኣውዶክስያ ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ምስ ሞተ ሕማቕ ሕማም ተታኂዛ ናብ ኵሎም ይፍውሱ እዮም ዝተባህሉ ሓካይም ከደት። ንግሥቲ ብምዃና ዘለዋ ገንዘብ እኳ እንተ ኣውፅአት ክትሓዊ ኣይከኣለትን። ደኃር ግና ሰባት ብዝሓበርዋ ናብ መቓብሩ ብምኻድ ተማኅፀነት እሞ ኻብቲ ዝነበራ ሕማም ብጸበል ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ተፈወሰት።

ጸሎቱን በረኸቱን ጣዕሙን ፍቕሩን ኣብ ልዕሊ ዂልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ንዘለዓለምውን ኣይፈለየና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ሎዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን!

Leave a comment

Send a Comment