፲፪/12 ጥቅምቲ ቅዱስ ሚካኤል ናብ ነቢይ ሳሙኤል ከም ዝተላእከሉ ዕለት

፲፪/12 ጥቅምቲ ቅዱስ ሚካኤል ናብ ነቢይ ሳሙኤል ከም ዝተላእከሉ ዕለት

፲፪/12 ጥቅምቲ ቅዱስ ሚካኤል

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

     ቅዱስ ሚካኤል ናብ ነቢይ ሳሙኤል ከም ዝተላእከሉ ዕለት

        እግዚኣብሔር ንኣማሌቃውያን ህረሞም ዘለዎም ኩሉ ድማ ኩሉ ደምስስ ኢሉ ንሳኦል ኣዘዞ። ከምዚ መበሊኡ ድማ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ክወጹ ኸለዉ፡ እናተሓብኡ ይወግእዎምን ብዙሕ መከራ የብጽሕሎምን ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ደምስሶም በሎ። ንሳኦል’ውን ንኣጋግ ንኹሉ ኣጥፊኡ፡ ንኣጋግ ዝተባህለ ሰብኣይን፡ ካብ ከብቲ ድማ ዝሰብሓን ዝጸበቃን ማሪኹ ተመልሰ። እግዚኣብሔር ድማ ንነቢይ ሳሙኤል “ነሳሕኩ ዘኣንገስኩዎ ለሳኦል” ንሳኦል ብምንጋሰይ ተጣዒሰ በለ። ነቢይ ሳሙኤል ናብ ሳኦል ከደ፡ ማሪኹ ዘምጽአን ጥሪት (ኣባጊዕን፡ ከብትን) ኣብ ደምቢኡ ረኣየ። ካብ መስዋዕትስ ምእዛዝ’ዶ ኣይበልጽን ኢሉ ገሰጾ። ሳኦል ድማ ተጋግየ እየ ጸልየለይ በሎ። ኣይጽልየልካን እየ ኢሉ ካብኡ ስጉም ምስ ኣበለ፡ ብኽዳኑ ሓዞ እሞ ተቀደደ። ንመንግስትኻ ልክዕ ከምዚኣ ካብ ኢድካ ክቀዳ እዩ ድማ በሎ። ብዙሕ ስለ ዝለመኖ ግን፡ ነቲ ማሪኹ ዘምጽኦ ኣማሌቃዊ ኣሕሊፉ ክህቦ ሓተቶ፡ በዚ ድማ ተሰማምዑ።

ብድሕሪዚ ሳኦል ግብጃ ገይሩ ከሎ ኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃዊ ኣብ ላጉ ነይሩ ክምገብ ከሎ ሳሙኤል ርኣዮ። ንኣጋግ ጸውዑለይ ብምባል፡ ሞት መራር እያ፡ ሰይፍኻ ንኽንደይ ኣዴታት ውላድ ከምዘይብለን ከም ዝገበረተን፡ ኣዴኻ ድማ ከምአን ትኹን ኢሉ ብሰይፊ ቆራረጾ። ንሳኦል ቀቢኡ ዘንገሶ ነቢይ ሳሙኤል እዩ።

ክብድል ከሎ ድማ ብዙሕ ይሓዝነሉ ነበረ፡ “እስከ ማእዜኑ ሳሙኤል ትላህዎ ለሳኦል” ንሳኦልሲ ክሳብ መዓስ ኢኻ ክትሓዝነሉን ክትበኽየሉን ትነብር ክሳብ ምባል በጺሑ እዩ። ደሓር ግን “መልዕ ቀርነ ቅብዕ ወሑር ውስተ ቤተ ዕሤይ” ኣርባዕተ ጨናን ሓሙሻይ ዘይትን ኣቃሚምካ ናብ ቤተ ልሔም ኪድ ካብ ደቂ እሰይ ነቲ ኣነ ዝመረጽክዎ ቅብኣዮ በሎ። ክልተ ላም ሒዙ መስዋእት ክስውእ እየ ኢሉ ከደ። ኣታ ብሩኽ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ብድሓን ዲኻ መጺእካ ድማ በልዎ። መስዋእቲ ክስውእ እየ መጺኤ ብምባል ንእሰይ ሒዙ ናብቲ እሰይ ዝስውኣሉ ከደ። ካብ ደቅኻ ዝቀብኦ ኣለኒ እሞ ደቅኻ ኣቅርበለይ በሎ። በኹሩ ኤልያብ ስለ ዝኾነ ንዕኡ ኣምጽኣሉ። ዝጎድሎ ዘይብሉ ምልኩዕ ስለ ዝነበረ እዚ እቲ ሕሩይ ኢሉ ክቀብኦ ተንስአ። ቅዱስ ሚካኤል ብምግላጽ “ሰብእሰ ገጸ ይሬኢ ወእግዚኣብሔር ልበ ይሬኢ”ሰብ ንመልክዕ እዩ ዝርኢ እግዚኣብሔር ግን ንልቢ እዩ ዝርኢ። ነዚ ንስኻ ዝመረጽካዮ እግዚኣ

ብሔር ኣይመረጾን ኢሉ መለሶ። ንኣሚናዳብ ድማ ኣምጽኣሉ። ንዕኡ ድማ እግዚኣብሔር ስለ ዘይመረጾ መለሶ። ብድሕሪኡውን ንሓሙሽተ የሕዋቱ መለሶም፡ ኣብ መወዳእታ ዳዊት ካብ መጓሰ ካብ ምሕላው ኣባጊዑ ተጸዊዑ መጸ። እቲ ቅብኣ መንግስቲ ድማ ፈልሐ “እዚ እዩ ቅቡእ ምሩጽ ናይ እግዚኣብሔር ኢሉ ኣብ ማእከል የሕዋቱ ቀብኦ (1 ሳሙ 16፡1-13)።

ብድሕሪ እዚ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ዳዊት ብምውራድ ሸውዓተ ሃብቲ ሃቦ፡ ንሳቶም ድማ፥

  1. ሃብተ ሓይሊ፥ ኣንበሳን ድብን ብኢዱ ምቕታል(1 ሳሙ 17፡34)

  2. ሃብተ

  3. መዊዕ፥ ብኲናቱን ብዋልትኡን ዝምካሕ ዝነበረ ጎልያድ ብጸጸር ምስናፉ (1 ሳሙ 18)።

  4. ሃብተ በገና፥ በገና ምህራም (1 ሳሙ 16)

  5. ሃብተ ፈውሲ፥ ሳኦል መንፈስ ሰይጣን ሓዲርዎ ስለ ዝነበረ ክብርትዖ ከሎ

በገና እናሃረመ ይፍውሶ ነበረ (1 ሳሙ 16፡23)

  1. ሃብተ መንግስት፦ ንእስራኤል ብሓንቲ መንግስቲ ምግዝኡ

  2. ሃብተ ክህነት፦ ብስብሃት ክህነት ንእግዚኣብሔር ምምስጋን

  3. ሃብተ ትንቢት፦ ናሁ ሰማዕናሁ በኤፍራታ (መዝ 132፡6) ኢሉ ብዛዕባ ልደቱ፡ ዮርዳኖስ እንታይ ኴንካ ኢኻ ንድሕሪት ዝተመለስካ (መዝ 114፡5) ብዛዕባ ጥምቀቱ፡ እግረይን ኢደይን ሸንኮሩኒ (መዝ 21፡16) ኢሉ ብዛዕባ ስቅለቱ፡እግዚኣብሔር ከምቲ ካብ ድቃሱ ዝትንስእ ሰብ ተንሰአ (መዝ 78፡ 65) ብዛዕባ ትንሳኤኡ ተዛረበ።

እዞም ሃብትታት እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ዳዊት ሓደሩ፡ ብድሕሪኡ ንዝተንስኡን፡ ሕጂ ንዘለዉን ንጹሃን ካህናት ዝትዋህቡ እዮም።

      ካልእ 12 ጥቅምቲ ቅዱስ ሚካኤለ ናብ ቅዱስ ዳዊት ዝተላእከሉ ዕለት እዩ።

ፍልስጥኤማዉያን ኣብ ልዕሊ ሳኦል ተላዒሎም ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፡ እሰይ ንዳዊት ወዱ ናብ ኣሕዋቱ ልኣኾ እሞ ናብቲ ፍልስጥኤማውያን ዝተቐመጥሉ ቦታ ከደ። ኣብኡ ምስ በጽሐ ፍልስጥኤማዊ ሓያልን ጅግናን ጎልያድ ኣብ ማእከል ሜዳ ኮይኑ ክፍክር ከሎ እስራኤላውያን ፈሪሆም ክርበሹ ረኣየ። ሽዑ ድማ ነዚ ዝቐተለ ንጉስ ሃብቲ ከብዝሓሉ እዩ፡ ጓሉ ከመርዕዎ እዩ ዝብል ኣዋጅ ተኣወጀ። ዳዊት ድማ ንፈጣሪኡ ኣሚኑ “ኣነ ክቐትሎ አየ” ኢሉ ቐረበ።

ሳኦል ድማ ቆልዓ ኢሉ ንዓቆ እዚ ብኣኻ ዝኸውን ኣይኮነን በሎ። ስም እግዚኣብሔር ጸዊዐ ኣንበሳን ድብን ቀቲለ እየ በሎ። በል ኪድ ኣምላኽ እስራኤል ምሳኻ ይኹን በሎ።

ክዳን ውግእ ተኸዲኑ ምጥዓም ምስ ኣበዮ። ንዕኡ ኣውጺኡ ክዳኑ ተኸዲኑ በትሩ ሒዙ ከደ። ጎልያድ ድማ ከልቢ ከም ትቐትልሲ በትርን ወንጭፍን ሒዝካ ትመጻኒ በሎ። “አንተሰ ትኣኪ እምከልብ ከልብሰ የኣምር እግዚኡ” ከልቢ ዋንኡ ይፈልጥ እዩ፡ ንስኻ ግን ካብ ከልቢ ትኸፍእ ፈጣሪኻ ዘይትፈልጥ። ንስኻ ብሰይፍን ብዋልታን ትምካሕ ኣለኻ፡ ኣነ ግን በቲ ሕያው ዝኾነ እግዚኣብሔር ስም ይመጻካ ኣለኹ በሎ። ጎልያድ ድማ ሰይፉ መዚዙ ቀረቦ። “ውእቱ ፈነወ መልኣኮ ወኣድሃነኒ” ቅዱስ ሚካኤል ሓይለን ጽንዓትን ኮይንዎ ሰለስተ ጸጸር ኣልዒሉ ብወንጭፍ ምስ ወንጨፈሉ ኣብ ግምባሩ ሃረምቶ። ዳዊት ሰይፊ ስለ ዘይነበሮ ብሰይፉ ገይሩ ቆረጾ። “ወኣንሰ ነሳእኩ

ሰለስተ ኣዕባነ እምውስተ ፈለግ ወወጸፍክዎ ውስተ ፍጽሙ፡ ኣሜሃ ወድቀ በኃይለ እግዚኣብሔር ወኣንሶ ነሳእኩ ዘእምላዕሌሁ ሰይፈ ወመተርኩ ርእሶ ለጎልያድ ወኣሠሠልኩ ጽዕለተ እምደቂቀ እስራኤል” እናበለ ተመልሰ።

ዳዊት ንጎልያድ ቀቲሉ ክምለስ ከሎ ደቂ እስራኤል “ሳኦል ሽሑ ዳዊት ግና እልፉ ቀተለ” ኢለን እናደረፋ ተቐበልኦ (1 ሳሙ 18ን 19ን፡ ሲራክ 47፡4-6)።

  ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን አሜን አሜን!!!

Leave a comment

Send a Comment