በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ ኣሜን!!!
፲፪/12 ጥቅምቲ ዕረፍቱ ለቅዱስ ድሜጥሮስ ሊቀ ጳጳሳት ዘእስክንድርያ (ወተካሌ ወይን)
ቅዱስ ድሜጥሮስ ተኻሊ ወይኒ ብምባል ዝፍለጥ ብ፩፻፲፱ ዓ.ም 119 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ግብጺ ተወልደ። ወለዱ ብመገዲ እግዚኣብሔር ዚመላለሱ ሕያዎትን ቅኑዓትን ክርስቲያን ነበሩ። እንተኾነ ግና ውላድ ብዘይምውላዶም ብጾምን ጸሎትን ናብ እግዚኣብሔር ቀረቡ እሞ እግዚኣብሔር ከኣ ዝለመንዎ ዘይከልእ፡ ወዲ ሃቦም። ድሜጥሮስ ኢሎም ከኣ ስም ኣውፅኡሉ።
ድሜጥሮስ ማለት መስትያት ማለት እዩ። መስትያት ኣብ ስኒ ዘሎ ርስሓት፡ ኣብ ርእሲ ዘሎ ገፈል ከምዘርኢ፡ ንሱ ድማ ዝተሠወሩ በዓላትን ኣጽዋማትን የርኢ። ከምኡውን መነጽር ማለት እዩ። መነጽር ንዝረኃቐ ኣቕሪቡ ንዝረቐቐ ኣፍርዩ ፡ ንዝተበተነ ኣኪቡ: ከም ዜርኢ ንሱ ድማ ዝተበተኑ በዓላትን ኣጽዋማትን ኣኪቡ ዝረኀቑ ኣዝናማት ኣቕሪቡ የርኢ።
ቅዱስ ድሜጥሮስ ሓረስታይ ብምዃኑ ዕርፊ ጠዊቑ ሓፂር (ቁምጣ) ዓጢቑ ወይኒ ተኺሉ ኣጽዲቑ ይነብር ነበረ። ተክለ ወይን ዝተባህለት ጓል ኃው ኣቦኡ ብንእሽቶኣ ከላ ኣቦኣን ኣዲኣን ሞይቶምዋ ኣብ ቤት ኣቦኡ ምስ ኣቦኡን ኣዲኡን ምስኡን ዝዓበየት ኣብ መበል ፲፭ (15) ዕድሚኡ ኣመርዓውዎ።
ከምዚ ኺኸውን ዝኸኣለ እቲ ዘመን እቲ ዓላውያን ዝበዝኁሉ ክርስቲያን ዝወኃዱሉ ዘመን ነበረ እሞ ኽልቲኦም ዓቕሚ ኣዳምን ሔዋንን ምስ በጽሑ፡ ኻብ ሕንፃ ሃይማኖት ዝፈርስ፡ ሕንፃ ሥጋ ይፍረስ ኢሎም ኣተኣታተውዎም። ሥርዓት መርዓውን መርዓትን ይፈጽሙ ኢሎም መጋረጃ ዘርጊሖምሎም ወፅኡ።
ሽዑ ተክለ ወይኒ ኣንታ ኃወይ ነዚ ኽትፍጽም ዝኸኣልካስ ነኣይ ንዒቕካ ዲኻ ወይስ ነቲ ኅውነትና በለቶ። ድሜጥሮስ ድማ ኣነስ ንኣኺ ኾነ ንኅውነትናን ዝምድናናን ንዒቐ ኣይኮንኩን፡ እንታይ ደኣ ፍቓድ ወለድና ምፍራስ ከይኮነና ኢለ እየ እምበር ፍቓድኪ እንተኾይኑስ ብድንግልናን ንጽሕናን ዘይንነብር፡ በላ። ንሳ ድማ ባህ ስለ ዝበላ ሕራይ ዝኃወይ በለቶ።
እምበኣርከስ ንኣይ ንኻልእ፣ ንኣኺ ድማ ንኻልእ ምእንቲ ኸየመርዕዉና ብሓደ ንንበር በላ። ሓሳብ እዚ ግና ብወለዶም ዝፍለጥ ኣይነበረን። ድኅሪ እዚ ፵፰ /48 ዓመት ዝኣክል ሓደ ኸዳን ተኸዲኖም፡ ሓደ ምንጻፍ ተነጺፎም ደቂሶም ይኃድሩ ነበሩ። ቅዱስ ሚካኤል ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ኮይኑ ብየማናይ ክንፉ ንእኡ፡ ብጸጋማይ ክንፉ ንእኣ ኸዲንዎም ኃዲሩ ንግሆ ብኣምሳል ንስሪ ብመስኮት ኪወፅእ ከሎ ይረአ ነበረ።
ኣብቲ እዋን እቲ ቕዱስ ዮልያኖስ ዝተባህለ ኻብ ቅዱስ ማርቆስ መበል ዓሠርተው ሓደ (11) ሊቀ ጳጳሳት ዘእስክንድርያ ዝነበረ ሕዝቢ ኣኪቡ፡ ኣነ ኣሪገ እየ ብድኅረይ ዝሸየም ኅረዩ በሎም። ኣቶም ሕዝቢ ድማ ንስኻ ሱባዔ ኣቲኻ፡ ጸሊኻ እቲ ኺኸውን ዘለዎ ንገረና እምበር በልዎ።
ንሱ ኸኣ ‘ንስኻትኩም ጸልዩ፡ ኣነውን ክጽሊ’ ኢሉ ሱባዔ ኣተወ እሞ መልኣኸ እግዚኣብሔር ‘ብዘይ ጊዜኡ ዝፈረየ ሠለስተ ዘለላ ወይኒ፡ ሓደ ሰብ ኬምጽኣልካ እዩ እሞ ብድኅሬኻ ዚሸየም ከኣ ንሱ እዩ በሎ።
እዚ ኸኣ ድሜጥሮስ ወይኑ ኼቃንዕ ኣብ ኣታኽልቱ እንተኣተወ ኣብ ዘይእዋኑ ዝፈረየ ሠለስተ ዘለላ ወይኒ ረኺቡ ወሲዱ ንበዓልቲ ቤቱ ሃባ። ንሳ ድማ እዝስ ንሕና ኸንበልዖ ኣይግብኣናን እዩ፡ ወሲድካ ንሊቀ ጳጳሳት ሂብካ አቡነ ዘበሰማያት ተቐቢልካ ምጻእ’ በለቶ። ንሱ ነተን ሠለስተ ዘለላ ወይኒ ኂዙ ናብ ኣቡነ ዮልዮስ ከደ። ኣቡነ ዮልዮስ ንድሜጥሮስ ዘምጽኦ ምኽንያት ብምፍላጡ ብዓቢይ ፍቕርን ኣኽብሮትን ተቐበሎ። እቶም ኣብ ከባቢ ኣቡነ ዮልዮስ ዝነበሩ ሰባት ግና ንሓደ ተራ ሓረስታይ ክንድዚ ዝኣክል ኣኸብሮት ጌሩ ኺቕበሎ ኸሎ ባህ ኣይብሎምን ነበረ። ከመይሲ ቕድሚ እዚ ኣብ ዘሎ እዋን እቲ ወይኒ ኂዙልካ ዚመፅእ ሰብ ብድኅሬኻ ንኣኻ ዚትክእ ፓትርያርክ ኪኸውን እዩ ዝብል ራእይ ርእዩ ስለ ዝነበረ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ንድሜጥሮስ ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ዝተቐበሎ።
ሽዑ ዘለላ ወይኒ ንሊቀ ጳጳሳት ዮልዮስ ሂቡ ኺምለስ ከሎ እቲ ሊቀ ጳጳሳት ዮልዮስ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ድኅረይ ዝሽየም እዚ እዩ ግና ሕራይ ኣይብለኩምን እዩ እሞ ኣገዲድኩም ሺምዎ በሎም።
እቲ ሊቀ ጳጳሳት ብዙኅ ኣይጸንሐን ቀልጢፉ ዓረፈ እሞ ንእኡ ቐቢሮም ምስ ተመልሱ ንድሜጥሮስ መንበረ ማርቆስ ንበይኑ ኣይነብርን እዩ እሞ ተሸመልና በልዎ።
ድሜጥሮስ እምበኣርከስ ሕጉን ሥርዓቱን ንገሩኒ በሎም። ንሳቶም ከኣ ኣይተመሃርኩን ደኣ ኢልካና እምበር ኣቦናስ ዓንቀጸ ብፁዓንን
ዓንቀጸ ኣባግዕን ኣንቢቡን ተርጕሙን ይምህረና ነይሩ በልዎ።
ኣብዚ ጊዜ እዚ ዘይተማህረ ኽንሱ መንፈስ ቅዱስ ገሊጹሉ ዓንቀጸ ብፁዓንን ዓንቀጸ ኣባግዕን ኣንቢቡን ተርጕሙን ነገሮም፡ ቀዲሱ ኣቍረቦም። ብድኅር እዚ ብሉይን ሓዲስን ተገልጸሉ። እቶም ምእመናን ኪቘርቡ ኺመጽኡ ኸለዉ ኃጢኣቶም ተገሊጹ ስለ ዝተራእዮ፡ ንስኻ ቚረብ፡ ንስኻ ጽናሕ ምባል ጀመረ። ነዚ ምኸንያት ብምግባር እቶም ሕዝቢ ኣዕዘምዘሙ፡ ኸምዚ ኸኣ በሉ፡ ንሱ ንርእሱ ሰበይቲ ኂዙስ ነኣና ኻብ ቍርባን ይኽልክለና፧ ካብ ቤተ ክርስቲያን የውፅኣና፡ ካብ ምእመናን ይፈልየና፡ ቅድሚ ሎሚ ኣብ መንበረ ማርቆስ ንጹሕን ድንግልን’ዩ ዚሽየም ዝነበረ እምበር፡ በዓል ኃዳር ክሳዕ ሎሚ ተሸይሙ ኣይፈልጥን ነበረ፡ እናበሉ እቶም ሕዝቢ ባዕሎም ዝሸምዎ ዝጕድኡ ኾኑ።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ጕድኣት ሕዝቢ ስለ ዘይፈቱ መልኣኹ ልኢኹ ኢትፍቅድ አድኅኖ ርእስከ አላ ክሥት ዘሀሎ ምስሌከ ወምስለ ብእሲትከ ድኅነት ነፍስኻ ጥራይ ኣይትድለ፡ እቲ ኣባኻን ኣብ ሰበይትኻን ዘሎ ኅቡእ ምሥጢር ግለጾ በሎ። ንሱ ኸኣ ፍቓድ ጐይታ ካብ ኾነ ሕራይ ይኹን ኢሉ ንሊቀ ዲያቆናት ጽባሕ መዓልቲ ኽቅድስ እየ እሞ ነዚ ሕዝቢ ዓቢይ ንእሽቶ ኸይበልካ ንዅሉ ኣክቦ ነፍስ ወከፍ ድማ ሓደ ሓደ ዕንፀይቲ ኂዞም ከም ዝመጽኡ ግበር በሎ እሞ ኂዞም ተኣከቡ። ከም ዳመራ መስቀል ንእኡ ኣኪቡ ቕዳሴ ኣተወ።
ካብኡ ወፂኡ ኣንዲዱ ናብ ውሽጢ እናተመላለሰ ኺዓጥን ጀመረ፣ ንተክለ ወይኒ ሰበይቱ ድማ ኻብ ምቛም ኣንስቲ ኣጸዊዑ ኸዳንኪ ዘርግሒ ኢሉ ኻብቲ ጓህሪ ሓፊሱ ሓፊሱ ኣብ ክዳና ገበረላ። ንሳ ጓህሪ ሓቝፋ ነቲ ሕዝቢ ዘይራቶ ምስተመልሰት ክዳና ምንዳድሲ ይትረፍ ከይጸለመ ብፃዕዳኡ ደኣ ተራእየ፡ እቲ ሕዝቢ ድማ ተገረመ። ሽዑ እቶም ሕዝቢ ኣቦና ነዚ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝሠራሕካዮ ንገረና እንተበልዎ፡ ንሱ ኣነ ነዚ ስራሕ እዚ ዝሠራሕክዎ ኸኸብረሉን ክሽየመሉን ኢለ ኣይኮንኩን ንስኻትኩም ብሓሜት እትጕድኡ ብምዃንኩም መልኣኽ እግዚኣብሔር እዞም ሕዝቢ ኸይጕድኡስ ምሥጢሩ ግለጸሎም ኢሉኒ በሎም።
እዚ ከኣ ንሳ ሰበይቲ ከምዝኾነት ኣነ ኸኣ ሰብኣይ ከም ዝኾንኩ ብተግባር ኣይንፋለጥን ኢና ኢሉ ነገሮም። ንሳቶም ድማ ኦ ኣቦና ይቕረ በለልና ኢሎም ኣብ እግሩ ወደቑ።
ንሱ ከኣ ይፍታሕ ወይሥረይ ይኅድግ ወያንጽሕ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢሉ ኣስተሠረየሎም። ኑዛዜ ሥርየት ኣብዚ ጊዜ እዚ ተጀመረ።
ሊቀ ጳጳሳት ድሜጥሮስ ጾመ ነነዌ ኻብ ሰኑይ ፡ ዓቢይ ጾምውን ካብ
ሰኑይ፡ ጾመ ሓዋርያት ካብ ሰኑይ። ሆሣዕና ፡ በዓለ ጰራቅሊጦስ ካብ ሰንበት፡ ስቅለት ካብ ዓርቢ፡ ርክበ ካህናት ካብ ረቡዕ፡ በዓለ ዕርገት ካብ ኃሙስ እንተዘይወፅእ እናበለ ይምነ ነበረ እሞ መልኣኽ መጺኡ ነገር ብምምናይዶ ይፍጸም እዩ፧ ካብ ለይቲ ፳፫ (23) ካብ መዓልቲ ፯ (7) ሱባዔ ኣቲኻ ረኣዮ በሎ። ንሱ ሱባዔ ኣትዩ እዚ ሕጂ ቤተ ክርስቲያንና እትጥቀመሉ ዘላ ኣቈጻጽራ ብመጥቅዕን ኣበቅቴን ዚስራሕ ዘመን ባሕረ ሓሳብ(ካላንደር) ብምሉኡ ደረሶ።
እዚ ናይ ድሜጥሮስ ኣቈጻጽራ ዘመን ብ ፫፻፳፭ (325) ዓ.ም ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ጸደቐ።
ቅዱስ ድሜጥሮስ ንኻልኦት ኣርኣያ ኺኸውን ብዚኸእል ቅድስና ዝመልኦ ሕይወት ንቤተ ክርስቲያን ብግቡእ ክመርሕ ምስ ጸንሐ ኣብ መበል ፩፻፭ (105) ዓመቱ ብ ፪፻፳ (220 ዓመተ ምሕረት) ብሰላም ዓረፈ።
ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።
መወከሲ፦ ስንክሳር ዕለት ፲፪ /12 ጥቅምት
መቅድመ ባሕረ ሓሳብ ወመርሓ ዕዉር።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!
Leave a comment


