በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን!!!
፲፫/13 ሕዳር ኣእላፍ መላእክት
አመ ፡፲ወ፫ለኅዳር፡ በዛቲ፡ ዕለት፡ አዘዙነ፡ መምህራነ፡ ቤተ፡ክርስቲያን፡ ከመ፡ ንግበር፡ ተዝካረ፡ በዓሎሙ ፡ ለአእላፍ፡ መላእክት
ኣእላፍ ዝተባህሉ መላእኽቲ እዮም። ብነገድ ድማ 99 ይበሃሉ እምበር ብዝሖምሲ እዚ እዩ ክበሃል ኣይክኣልን እዩ። እልፊ ኣእላፍ እዮም። “ሰረገላሁ ለእግዚኣብሔር ምዕልፊተ ኣእላፍ ፍሱሓን” ሰረገላታት እግዚኣብሔር ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓት እዮም (መዝ 68፡17) ። ዮሓንስ’ውን “ወሰማዕኩ ቃለ መላእክት ብዙኃን በዓውዱ ለውእቱ መንበር ወዘእንስ ሳሁኒ ወዘእልክቱኒ ሊቃናት ውኁልቆሙሰ እልፍ ወትእልፊተ ኣእላፋት ዘእልፍ ኣግዐዚ” ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ኣሕሉቕን ከኣ ድምጺ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኩ ቁጽሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓት እዩ (ራእይ 4፡11) ተፈጥልሮኦም`ከ ከመይ እዩ እንተተባህለ ጐይታ ብዕለተ ሰንበት ኣርባዕተ ባህርያት ሥጋ እሳት፡ ማይ፡ ንፋስ፡ መሬት፡ ብርሃንን ጸልማትን ምስ ፈጠረ ፡ ካብ ብርሃን እዩ ፈጢርዎም። “ዘይሬስዮሙ ለመላእክቲሁ መንፈሰ ወለእለ ይትላእክዎ ነደ እሳት” ንንፋሳት ልኡኻትካ ንሃልሃልታ ሓዊ ኣገልገልትኻ ገበርካዮም” (መዝ 104፡4) ተፈጥሮኦም ካብ እሳትን ካብ ሓውን እዩ ማለት ግን ኣይኮነን። እንታይ ድኣ እሳት ረቅቕቲ፡ ንፋስ ፈጣናትን ከም ዝኾኑ መላእኽቲ ድማ ብኢድ ዘይጭበጡ፡ ብእግሪ ዘይርገጹ፡ ረቀቕቲ ንተልእኾ ዝላኣኹ ናይ ጐይታ ፍቓድ ዝፍጽሙ ስለዝኾኑ ግብሮም ንምግላጽ እዩ። ነዚ መረዳእታ ዝኾነና ድማ ዘይመቱን ዘይልወጡን ምዃኖም እዩ። ካብ እሳት፡ ካብ ንፋስ ዝተፈጥሩ ነይሮም እንተዝኾኑ ካብ እሳትን፡ ካብ ንፋስን ዝተፈጠርና ሰባት ክንመውትን ናብ መቓብር ክንወርድን ከለና፡ ንሳቶም’ውን ከማና ምስመቱ ነይሮም። “ሶበሰ ተፈጥሩ መላእክት እምንፋስ ወእሳት እሞቱ ወእማስኑ ከማነ” መላእክት ከማና ካብ ንፋስን እሳትን ዝተፈጥሩ ነይሮም እንተ ዝኾኑ ከማና ምሞቱን ምተቐብሩን ነይሮም፡ ከም ዝበሎ ኣክስማሮስ።
መላእኽቲ ክፍጠሩ ከለዉ 100 ነገድ ኣብ 10 ከተማ ገይሩ ተሰወሮም። “ማእምራን ለባውያን ገይሩ ስለዝፈጠሮም “ምንት ንሕነ እምነ ኣይቴ መጻእነ፡ ወመኑ ፈጠረነ፡ መን ኢና ንሕና ካበይከ መጻእና፡ መን’ከ ፈጠረና ምስ በሉ፧ ሳጥናኤል (ድያብሎስ ሊቀ መላእክት ገይሩ ፈጢርዎ ስለዝነበረ፡ ኣብ ትሕቲኡ ኮይኖም ከምኡ ምባሎም ኣብ ልዕሊኡ ኮይኑ መልሲ ዝህብ ምስሰኣነ፡ ኣነ ፈጢረኩም ኢሉ ዝዛረብ ስለ ዘይተረኽበ፡ ኣነ እየ ፈጢረኩም በሎም። ካብቶም ናቱ ነገድ እቶም ሲሶ ንሱ እዩ ፈጢሩና ኢሎም ሰገድሉ፡ ሲሶ ተጠራጠሩ፡ እቶም ሲሶ ግን ሃለዋት እግዚኣብሔር ከይተመራመሩ ተረፉ። እቶም 99 ነገድ መላእክት ግን ብስልጣን ልዕሌና ስለ ዝኾነ ከመይ ገይሩ ፈጢረኩም ይብለና። ንሕና ነቶም ብትሕቴና ዘለዉ መዓስ ፈጢርናዮም በሉ። ፈጣሪ እንተኾንካስ ፈጢርካ ኣርእየና ድማ በልዎ። ክፈጥር እየ ኢሉ ኢዱ ናብ እሳት ምስ ኣእተዋ ኣቃጺልዎ ዋይ በለ። ጎይታ ግን ብሕቡእ ፈወሶ። እዚ ዝፈወሰኒ ኣምላኽ ነይሩ እንተዝኸውን ከየእወኹ ምፈወሰኒ ነይሩ ኢሉ ሓሰበ። በቲ ዝሓሰቦ ሓሳብ እሳት ኣብ ልቡ ተሰምዖ እሞ ኡይ በለ። እቶም መላእኽቲ ድማ ተረበሹ። “ወኣጽንዖሙ መልኣከ ሰላም ዘስሙ ገብርኤል ወይቤ ንቁም በብህላዌነ እስከ ንረክቦ ለኣምላክነ” እቲ ዝፈጠረና ኣምላኽ ክሳብ ንረኽቦ በብዘለናዮ ንቑም ኢሉ መልኣከ ሰላም ቅዱስ ገብርኤል ኣጸናንዖም። ክሕደትን እምነት ሓቅን ሓሶትን ዝተፈልጡ በዚ ግዜ እዚ እዩ። ክሕደትን ሓሶትን ካብ ድያብሎስ ሓቅን እምነትን ካብ ቅዱስ ገብርኤል። ብድሕሪ እዚ ጐይታ፡ ድያብሎስ ኣብ ዘይብሉ ብወገን ምብራቕ ኮይኑ ኣነ እየ እግዚኣብሔር ዝፈጠርኩኹም ኢሉ ፈለገ ብርሃን ኣብርሃሎም (ኣፍሰሰሎም)። ስሙ ዝተጻሕፎ መጽሔተ ብርሃን ሃቦም። ንዕኡ ብምሓዝ ድማ ስብሃት ለእግዚኣብሔር ኢሎም ኣመስገኑ። ድያብሎስ ድማ ብዝሓደሮ ትዕቢት ጸልማት ተኸዲኑ ምስቶም ኣብ ኢዮር ዝነበሩ ጸምበሮ። ኣብ ኢዮር ኮይኑ ብዕለት ሰሉስ ዝተፈጥሩ፡ ኣእዋም ኣዝርእትን ኣታኽልትን ርእዩ እንዳተደነቐ እንከሎ፡ ጐይታ ድማ ፈቲኻያ እንተኾንካ ኣብዚ ከንብረካ በሎ። ሰማያዊት ኢየሩሳለም ናበይ ምስ ከደት፡ ኣብኣ ምንባር መን ምስ ከልኣኒ እየ ኣብዚ ዝነብር ኢሉ መለሰሉ። ትዕቢት ኣብ ልቡ ስለ ዝሳዕረረት፡ ንሰራዊቱ እዘን ሰለስተ ሰማያት ተደሚረን ክንዲ ኢዮሩሳለም ሰማያዊት ክኾና ኣይክእላን እየን ነቶም ገዛእቲ ንሕና ኢና ዝበሉ ሚካኤልን ገብርኤልን ስዒርና ንሓዛ ኢሉ ኣዘዞም። ተላኢኾም ዝኸዱ ክኽእልዎም ስለ ዘይከኣሉ ተመልሱ። ገብርኤልን ሚካኤልን እኮ ከማይ እሳታውያን ኣይኮኑን ኢሉ፡ ብኣምሳለ ኪሩቤል ኣርባዕተ ተሰከምቲ ብምድላው፡ ተሰከሙኒ እሞ ንኺድ በሎም። ረድኤት እግዚኣብሔር ተፈልይዎ ስለዝነበረ ንታሕቲ ምውራድ እምበር ንላዕሊ ክድይብ ኣይከኣለን። ንታሕቲ እንዳወረደ ክኸይድ ከሎ፡ ነገራት ድማ ካብ ዓይኑ ይርሕቅዎ ስለዝነበሩ፡ “ጎየ እግዚኣብሔር ምስለ ኣርያሙ” ሰማይ ካባይ ይሃድም ኣሎ ድኣ በለ። ጐይታ ብዕለተ ረቡዕ ብርሃን ይኹን ኢሉ ምስ ኣዘዘ፡ ጸሓይ፡ ወርሒ፡ ከዋኽብቲ ምስተፈጥሩ፡ “ወኣመ ተፈጥሩ ከውክብት ሰብሑኒ መላእክትየ” ከዋኽብቲ ምስ ተፈጥሩ መላእኽቲ ኣመስገኑኒ ስለ ዝብል ኣመስጊኖም ኣመስግን በልዎ። “ኣንሰ ውጹእ እምዝንቱ ህሊና” ኣነስ ካብዚ ነገር እዚ ውጹእ እየ። ከም ራብዓይ ጌርኩም ድኣ ኣመስግኑኒ በሎም። ክሳብ መኣስ እዩ ብኣምላኽና ዝዕበይ ኢሎም ኲናት ገጠሙዎ። ክስዕርዎ ስለ ዘይከኣሉ፡ ንጎይታ ፍቓድካ ስለ ዘይኮነ ድዩ ዘይሰዓርናዮ በልዎ። ጎይታ ድማ ፍቓደይ እዩ ብምንታይ ክትስዕርዎ ከም ዘለኩም ንኽትፈልጥዎ ኢለ እየ ኢሉ፡ ስሙ ዝተጻሕፎ ብርሃን መስቀል ኣብ ኣስይፍቶም ገበረሎም። ነዚ ሒዞም ድማ ስዓርዎ። ናብ መሬት ድማ ሽዑ ደርበዮ። ብዕለት ሓሙስ ናብ እንጠርጦስ
ኣውረዶ (ራኢ 12 ፡9-12) ።
ኣምላኽ እዩ ኢሎም ዝሰገድሉ ምስኡ ናብ እንጠርጦስ ወረዱ። ዝተጠራጠሩ ኣብ መሬት ተረፉ። ህልዊ እግዚኣብሔር ዘይተረድኡ
(ዘይመርመሩ) ኣብ ኣየር ተበተኑ። ንፈጣሪኦም መርሚሮም ዝረኸብዎ ወገን ናይ ቅዱስ ሚካኤል፡ ቅዱስ ገብርኤልን 99 ነገድ ኣብ ዘለውዎ ጸኒዖም ብመዓልትን ለይትን ንጎይታ እንዳ ኣመስገኑ ዝነብሩ ኮኑ። ንተልእኾ፡ ይወርዱ፡ ይወጹ፡ ህዝቢ እግዚኣብሔር ይሕልዉን ይረድኡን (ዘፍ 48፡16, ዘኁ 20፡16, መዝ 34፡7, መዝ 91፡11)
ንዕኦም ዓሰርተ መዓርጋት ኣለዎም፡ ስርዓቶም ድማ ሰመያዊ ስርዓት እዩ።
- መላእክት
- ሊቃነ መላእክት
- ኣጋዕዝት
- ስልጣናት
- ሃይላት
- መናብርት
- መኳንንት
- ሱራፌል
- ኪሩቤል
- ደቂቀ ኣዳም
ጸሎትን በረኸትን ኩሎም ቅዱሳን መላእክት ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!
Leave a comment


