***፲፫/13 ሕዳር ዕረፍቱ ለኣቡነ ዮሓንስ ዘደብረ ቢዘን ለጓሜ ደመና***

***፲፫/13 ሕዳር ዕረፍቱ ለኣቡነ ዮሓንስ ዘደብረ ቢዘን ለጓሜ ደመና***

***በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!***

***፲፫/13 ሕዳር ዕረፍቱ ለኣቡነ ዮሓንስ ዘደብረ ቢዘን ለጓሜ ደመና***

ጻድቅ ቅዱስ ዮሓንስ ዘደብረ ቢዘን ካብ ኣቦኡ ገብረክርስቶስ ኣዲኡ ኣክሮስያ ብዕለት ፲፪ (12) ኅዳር ብዘመነ ዮሓንስ ኣብ ዓዲ ኣሕስኣ ሓደግቲ ዞባ ደቡብ ተወልደ። ንእኡ ዜሥምር ውሉድ ንኺህባ ኣክሮስያ ናብ ኣምላኸ ትልምን ነበረት። ዕለት ዓሠርተው ክልተ ፲፪ (12) ጥር ሰንበት ለይቲ ክትጽሊ ኸላ ሓደ ራእይ ተገልጸላ። ንሱ ድማ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል “ኣቲ ብርኽቲ ሰበይቲ እንታይ እዩ ዘብክየኪ ዘሎ፧” በላ። “እንሆ ጸሎትኪ ተሰሚዑልኪ ምጽዋትኪ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ኮይኑልኪ እዩ። እንሆ ድማ ወዲ ክትወልዲ ኢኺ ንሱ ድማ ንእግዚኣብሔር ዘሥምር ኪኸውን እዩ። ከም ነቢይ ኤርምያስ፡ ከም ዮሓንስ መጥምቕ፡ ኣብ ማሕፀን ኣዲኡ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ኪኃድሮ እዩ። ዚሕልዎ መልአኽ ከኣ ኣነ ባዕለይ እየ” ኢልዋ ካብኣ ተሠወረ። ኣብታ ዝተወልደላ ዕለት ኣናብስ ካብ በረኻ መጺኦም ኣብቲ ጥቓ ዓዲ በጽሑ። እንስሳ እቲ ከባቢውን ብሓጐስ ተሰራሰሩ። እቶም ደቂ እታ ዓዲ ካብቲ ደሃይ ኣናብስ ዝተላዕለ ሰምቢዶም፡ “እንታይ እዩ መጺኡና፧ ብዘመነ ኣቦታትና ዘይኮነስ ኣብ ዘመንና በዛ ለይቲ እዚኣ ዝኾነ’ውን” በሉ። ድኅሪኡ ኣክሮስያ ሰበይቲ ገብረክርስቶስ ወዲ ወሊዳ ዚብል ናይ ብሥራት ቃል ሰምዑ። ከምዚ ኸኣ በሎ “እዚ ሕፃን እዚ ዓቢይ ሰብ ኪኸውን እዩ” ። ቅዱስ ዮሓንስ ምስተወልደ ኣብቲ ዓዲ ኣትዩ ዝነበረ ዘንቀጥቅጥ ሕማም ምእንቲ ዮሓንስ ገደፎም።

***ጥምቀት ሕፃን ዘርአ ሃይማኖት***

ድኅሪ ፵ መዓልቲ ብጥምቀት ዘርአሃይማኖት ዚብል ስም ኣውፅኡሉ። ሕፃን ዘርአሃይማኖት መንፈስ ቅዱስ ስለዚኃደሮ ኣብ ሕቝፊ ኣዲኡ ኾይኑ ኵሉ ሳዕ ንሰማይ ብምንቅዕራር ፈጣሪኡ ንምምስጋን ከናፍሩ ኣይዓርፋን ነበራ። ጡብ ኣዲኡ እንተኾነውን ንሳ እኳ ከተጥብዎ እንተደለየት ብናቱ ዝተዋህቦ መንፈስ ቅድሚ ሰዓት ሠለስተ ናይ ምሸት ድኅሪ ሰዓት ቀትሪ ኣይጠቡን ነበረ እሞ ኣዲኡ ኣክሮስያ ትድነቕ

ነበረት። እንታይ ኮይኑ እዩ ዘይጠቡ የሕምሞ ድዩ ኮይኑ ኢላ እናሓሰበት ከላ እቲ ዘበሠራ መልአኽ ቅዱስ ሚካኤል ብለይቲ መጺኤ ብዛዕባ ሕፃን ዘርአሃይማኖት ኣይትሕሰበ ሕማም ዝብሃል የብሉን” በላ። በዚ ከምዚ ወለዱ ቡሩኽ ውላድ ረኺብና” ኢሎም ንኣምላኸ እናኣመስገኑ ብጽቡቕ ኣተዓባብያ ኣዕበይዎ።

ወዲ ዓሠርተ ዓመት ኮይኑ ኣሓን ኣባጊዕን ኪሕለ ከሎ ብጸጋ እግዚኣብሔር ዝተቐብአ ስለዝኾነ ምስቶም ጓሶት ኣይጻወትን ነበረ። እንታይ ደኣ ንበይኑ ፍንትት ኢሉ ሰብ ኣብ ዘይርእዮ ኾይኑ ይጽልን ይሰግድን ነበረ። ብጾቱ ግና ኪርእይዎ ኸለዉ ይስሕቕዎን የባጭዉሉን ነበሩ። ዘርአሃይማኖት ንብጾቱ ኪዛረቦም ከሎ “ኣነ ፈላሲ እየ ዝኸውን ይብሎም” እሞ ይስሕቕዎ ነበሩ። ኣቦኡ ገብረክርስቶስ ኣብ ዝሞተሉ ዘርአሃይማኖት ናብ ጸሎት ከይዱ ነበረ እሞ “ኣቦኻ ሞይቱ” ኢሎም እኳ እንተነገርዎ “ንሳቶም ይቕበርዎ ብምባል ኣይከደን። ብድኅር’ዚ ኣቡነ ፊልጶስ ቆልቋል ኣብ እትበሃል ዓዲ ነታ ቡር እትበሃል ቀረባኣ ዝኾነት ኣብ በረኻ ቡር ኪኸይድ ከሎ ንዘርአሃይማኖት ረኺቡ ናይ “አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ድንግል ማርያምን በረኸቶም ይኅደርካ’ ኢሉ ባረኾ። ከምኡውን በረኸት ነቢያት፡ ሓዋርያት ጻድቃን ሰማዕት ፡ በረኸት ትጉሃን መላእክትን ደናግልን መነኮሳትን በረኸት ቅድስት ቤተክርስቲያን ኣብ ልዕሌኻ ይኅደሮ” ኢሉ ባረኾ። ብድኅር’ዚ ዘርአሃይማኖት ንኣዲኡ “ኣነ ካባኺ ክፍለ እየ” በላ። ኣዲኡ ድማ “ኣቦኻ ሞይቱ እዩ፡ ስለዚ ንኣይ ምስመን ክትኃድገኒ፧ ንስኻስ ልበይ እተረጋግእ ንኣዕይንተይ ሓጐስ ንድኻመይ ምርኩስ ንገጸይ ብርሃን ኢኻ። ስለዚ ንመን ክትኃድገኒ፧ ናብራይ ብኃዘን ከይከውንሲ ካባይ ኣይትፈለ” በለቶ። ንሱ ግና ቓላ ስለዘይተቐበለ “ባርኽኒ ደኣ እምበር ክኸይድ እየ” በላ። ንሳ “ዝወደይ ንሕዝቢ እስራኤል ዚመርሐ ቅዱስ ሚካኤል መንገዲ ጽድቅን ሰላምን ይምራሕካ እግዚኣብሔር ምሳኻ ይኹን ኢላ ኣፋነወቶ። “ኣነውን ነዚ ንስኻ እትደልዮ እደልዮ _ እየ እሞ መንገዲ ጽድቂ ስለዝደሊ ደድኅሬኻ ክስዕበካ እየ” በለቶ።

*****ጒዕዞ ናብ ገዳም ደብረ ቢዘን****

ድኅሪኡ ዘርአሃይማኖት ተኃቢኡ ናብ ገዳም ደብረ ቢዘን ከደ። ኣጋንንቲ ምእንቲ ከይጻብእዎ ቅዱስ ሚካኤል ኵሉ ሳዕ ይሕልዎ ነበረ። ኪኸይድ ከሎ ንሓደ ኣባ ዮናስ ዝተባህለ ፈላሲ ወዲ ሰብ ኣንጌቤናይ “ስለ እግዚኣብሔር ናብ ኣቡነ ፊልጶስ ኣብጽሓኒ” በሎ እሞ ሕራይ ኢልዎ ብሓደ ኪኸዱ ኸለዉ ካብ ኣዝማዱን ቤተሰቡን ኣብ መንገዱ ኣጓነፍዎ። ዘርአሃይማኖት ምእንቲ ከይርእይዎ ናብ ኣምላኽ ጸለየ። ሽዑ ቅዱስ ሚካኤል ብኸንፉ ሸፈኖ። ንኣባ ዮናስ ጥራይ ርእዮም ከመዓልካ ኢሎምዎ ኃለፉ።

ሽዑ ኣባ ዮናስን ሕፃን ዘርኣሃይማኖትን ኣብ ደብረቢዘን ኣቡነ ፊልጶስ ኣብ ዘለዎ በጺሖም ነቲ ሓላው ኣፍደገ “ንኣቦና ንገረልና” በልዎ። ከይዱ ንኣቡነ ፊልጶስ ብመንፈስ ንኣቡነ ፊልጶስ እንተሓተቶ ስለዝተገልጸሉ “ስለምንታይ ደው ተብሎም፧ በል ተሎ ኪድ ኣምጽኣዮም” በሎ። ኣቡነ ፊልጶስ “ስለ እቲ ዝተመርጸ ቈልዓ ኣምላኸይ ኣቐዲሙ ኣብ ገዳም ቆልቋል ከሎኹ ገሊጹለይ፡ መንፈስ ቅዱስ ዚኃደሮ ምዃኑ ፈሊጠ ኣሎኹ። ቀደም ነዚ ቈልዓ እዚ ብድኅሬይ ነዞም ኣብዚ ገዳመይ ዘሎኹም ኣቦ ኪኾነኩም እዩ። ነዛ ገዳመይ ከኣ ክብ ዘብላን ብሕጊ ሓዲስን ብሉይን ከልዕላን እዩ ዝበልኩኹም እዚ እዩ” ኢሉ ነገሮም። ኣቡነ ፊልጶስ ንዘርአሃይማኖት ብኢዱ ኂዙ ብመንፈሳዊ ሰላምታ ሰዓሞ “ወደየ ደሓን ዲኻ፧ ናብዚ ሰብኣይን ሰበይትን ዘይብሉ ገዳም መነኮሳትከ ደኣ መን ኣምጽኣካ፧” በሎ። ንሱ “ኣነ ትእዛዝ ኣምላኽ ምእንቲ ክሕሉ፡ ከምኡውን ናትካ ኣሰር ንኽስዕብን ካባኻ ክመሃርን መልኣኸ ናባኻ ኣብጸሓኒ” በሎ። ኣቡነ ፊልጶስ ከምዚ ምስበሎ ተገረመ። እቲ ዕለቱ ኸኣ ዕለት ፲፪ (12) ታኅሣሥ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ኮይኑ ዕድመ ዘርአሃይማኖት ዓሠርተው ኃሙሽተ ፲፭ (15) ነበረ።

****ምንኵስና ኣቡነ ዮሓንስ****

ኣቡነ ፊልጶስ ዘሎ ሥርዓትን መጻሕፍትን ንኺምህሮ ንይስሓቅ ዝተባህለ ፈላሲ ኣዘዞ። ንምኽንያት ደኣ እምበር ንዅሉ መንፈስ ቅዱስ ገሊጽሉ እዩ። ድኅሪኡ “ምንኵስና ይግብኦ እዩ” ብምባል ጸሎት ምንኵስና ደጊሙ ኣመንኰሶ፡ ስሙ ኸኣ ዮሓንስ ሰመዮ።

ቅዱስ ዮሓንስ ፪፻፷ (260) ዚዋጋእ ሓፂን ተዓጢቑ መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ ቀጸለ። ኣብ መዓልቲ ናብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን በቢሽሕ(4000) ይሰግድ ነበረ። ኣቡነ ዮሓንስ ለይትን መዓልትን ብምንባብ መጻሕፍቲ፡ ኣብቲ ገዳም ንዘለዉ ብምምዓድ ኣዝዩ በርትዐ። ኣቡነ ፊልጶስ ከኣ ብዮሓንስ ወዱ ኣጸቢቑ ተሓጐሰ።

****ኣቡነ ዮሓንስ ኣበምኔት ከምዚተሸመ****

ደኃር ንኣቡነ ፊልጶስ ቅዱስ ገብርኤል “ካብዚ ናይ ጻዕሪ ዓለም ከተዕርፍ ኢኻ እሞ ንደቅኻ ንገሮም ምስበሎ፡ ብበዓል ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ መዓልቲ ሰንበት ደወል ደውሉ ኢሉ ኣዚዙ። ነቶም ፱፻፷፮ (966) ዚኾኑ ደቁ ኣኪቡ “ኣነ ከዕርፍ እየ እሞ ዝኅሸኹም ኣበምኔት ናተይ መተካእታ ምረጹ” በሎም። ንሳቶም “ብብኸያት ንስኻ ብሕይወት ከሎኻ ካልእ መምህር ኣይንመርጽን ኢና” ኢሎም መለሱሉ። ኣብ መወዳእታ “እምበኣር እግዚኣብሔር ብዝሓበረካ ንስኻ ባዕልኻ ሽመልና” በልዎ እሞ “ንዮሓንስ ኣቦ ኪኾነኩም ኃርይዎ እዩ እሞ ብእኡ ተኣዘዙ” በሎም። ውኁዳት ፈለስቲ ነዚ ቓል እዚ ምስ ሰምዑ ኣዕዘምዘሙ።

*****ምኽንያት ምዕዝምዛሞም፡ በዓል፥—

  1. ኣባ ይባርከነ ክርስቶስ ብቓሉ ደመናት ዚእዝዝ ዝናም ዘውርድ፤
  2. ኣባ ኤርምያስ ዓቢይ ኣቦ፤
  3. ኣባ ፍሬምናጦስ ብመስቀል ባሪኹ ማይ ዘፈልፈለ፤
  4. ኣባ ስልዋኖስ ጐይታ ጋሻ መሲሉ ብዚመጽኣሉ እግሩ ዝሓፀበ። እዞም ኵሎም ዓበይቲ ቅዱሳን ከለዉስ ስለምንታይ፧ ብዚብል ሕሳብ ነበረ።

ኣቡነ ፊልጶስ እዞም ደቀይ እዞም እትብልዎም ዘሎኹም ቅዱሳን ምዃኖም እፈልጥ ኣሎኹ። ብዛዕባ ዮሓንስ ወደይ ግና ኣነ ብዓይነይ ከይረኣኽዎ ከሎኹ እግዚኣብሔር ነጊሩኒ እዩ እሞ ኣይትጋገዩ ኣይትከራኸሩ” በሎም። ሽዑ ኵሎም ብሓደ ቓል “ሕራይ ብቓልካ ንእዘዝ” በሉ። ኣቡነ ዮሓንስ “ኣነ ነዚ ነገር እዚ ኣይበቅዕን እየ” ብምባል እኳ ኣብዩ እንተነበረ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ስለዝኾነ ምስ ለመንዎ “ሕራይ”

በለ። ደኃር ኣቡነ ፊልጶስ ዝዓርፈሉ እዋን ምስበጽሐ፡ ንወዱ ዮሓንስ ጸዊዑ ኵሉ ነገረ ትንቢትን ምዕዶን ምዒድዎ ዕለት ፭ (5) ነሓሴ ዓረፈ። ኣብቲ ብሕይወተ ሥጋ ከሎ ባዕሉ ዝዀዓቶ መቓብር ከኣ ቐበርዎ።

****ንኣቡነ ዮሓንስ ተቓውሞ ከምዝቐረበሉ****

ቅዱስ ኣቡነ ዮሓንስ ኃላፍነት በጺሕዎ ንመነኮሳት ዘድሊ ትምህርትን ምዕዶን እናሃበ ከምቲ ኣቦኡ ብትንቢት ዝነገሮ ካብቶም ቅድም ተቓዊሞምዎ ዝነበሩ ሕጂውን ተቓወምዎ፡ ማለት ካብ ሽመቱ ምእንቲ ኪስዕርዎ ዝኾነ ጌጋ ኪረኸቡሉ ይቋመትዎ ነበሩ። ሽዑ ቅዱስ ዮሓንስ ካብቲ ዓንቀጽ ገዳም ሸነኽ ምሥራቕ ዘሎ ቦታ መቓብር ቅዱሳን ወፂኡ ብገጹ ተደፊኡ ብመሪር ብኸያት እዚ ከምዚ ዚብሉኒ ዘለዉስ ኦ ኣምላኽ ኣብ መንጎ ክልቴና ባዕልኻ ፍረድ’ ኢሉ ጸለየ። ሽዑ ድኅሪ ቁሩብ እዋን ማለት ልደት ጐይታ ምስኃለፈ ኣብ ልዕሊ እቶም ንቅዱስ ኣቡነ ዮሓንስ ዘጕረምረሙ ሕማም ተላገብ መጺኡ በቢመዓልቱ ሓንሳእ ፬ (4)- ፭ (5)- ፯(7)ብምማት ብዙኃን ፈለስቲ ማለት ኣስታት ስሳ ፷፩ (61) ሞቱ። እዚ ሞት እዚ ኸኣ ናይቲ ዝተኸራኸርዎ መልሲ እዩ እምበር ኵሎም ቅዱሳን እዮም። ሽዑ እቶም ዝተረፉ ናብ ቅዱስ ኣቡነ ዮሓንስ መጺኦም ኣብ እግሩ ብምስጋድ “እዚ ወሪዱና ዘሎ ሞት ስለዝተኸራኸርናካን፡ ዘጕሃናካን ትእዛዝካውን ስለዘየኸበርናን እዩ” በልዎ። ኣቡነ ዮሓንስ “ኣምላኽ ይኅደገልኩም ብምባል ገደፈሎም። ካብኡ ንደኃር ጠባዮም ኣመኃይሾም ብሰላም የገልግሉ ነበሩ።

****ተግባር ኣቡነ ዮሓንስ****

ኣቡነ ዮሓንስ ኣብታ በዓቱ ክሳዕ መንኵቡ እትበጽሕ ጕድጓድ ኵዒቱ ኣብኣ ኾይኑ ኣብ ሰዓት ሠለስተ (3) ሾብዓተ ሚእቲ፡ ሰዓት ሽዱሽተ (6) ሾብዓተ ሚእቲ፡ ሰዓት ትሽዓተ (9) ሾብዓተ ሚእቲ፡ ሰዓት ዓሠርተው ሓደ(ምሸት) ሾብዓተ ሚእቲ፡ ለይቲ ሾብዓተ ሚእቲ፡ ፍርቂ ለይቲ ሾብዓተ ሚእቲ ይሰግድ ነበረ። ማለት ኣብ ውሽጢ ፳፬ (24) ሰዓት 4,200 ይሰግድ ነበረ። ኣቡነ ዮሓንስ ንኣዕይንቱ ድቃስ ከይሃበ ኣብታ በዓቱ ንኃሙሽተ (5) ዓመት ነበረ። ፍረ ሳግላን፡ ስየን፡ ዳዕሮን እናተመገበ ካብ ሰንበት ክሳዕ ኃሙስ ካብ ኃሙስ ክሳዕ ቀዳም ይነብር ነበረ። ብዘይካ ንእሽቶ እንጌራ እኽሊ ኵሉ ነዓቐ። ጸላኤ ሠናያት ሰይጣን ብዙኅ ጊዜ እኳ እንተፈተኖ ብጸሎቱን ብኃይሊ ኣምላኸን የሰንፎም ነበረ። ኣብ ጸሎቱ ኸኣ ንድንግል ማርያም ክሳዕ ቃላ ዚሰምዕ ይልምና ነበረ። ንሳውን “ወትቤሎ እግዝእትነ ማርያም ኢያሰትት ሐውዖተከ ወእሄሉ ዘልፈ ምስሌከ ወኢይርኅቅ እምኔከ” ትርጕም “እመቤትና ድንግል ማርያም ናባኻ ምምጻእ ኣየቋርጽን እየ፡ ኵሉ ሳዕ’ውን ኣይፍለየካን እየ” በለቶ።

*****ኣቡነ ዮሓንስ ካብ ዝገበሮም ተኣምራት*****

  1. ኣቡነ ዮሓንስ ንሓደ ጸላኤ ሠናያት ዝኃዞ ፈላሲ ብጸሎቱ ፈወሶ። ከምኡውን ኣባ ኣብርሃም ዝተባህለ ፈላሲ ብሃንደበት ምስሞተ ብጸሎቱ ኣተንሥኦ። ካብ እግዚኣብሔር ሃብተ ፈውስ ስለዝተዋህቦ ብዙኃን ሕሙማት እናመጽኡ ብጸሎቱ ይሓውዩ ነበሩ።
  2. ኣቡነ ዮሓንስ መንፈስ ቅዱስ መንፈስ ጥበብን ምኽርንውን ስለዝዓደሎ ጽኑዓት መኳንንቲ መንበሮም ከመይ ጌሩ ጸኒዑ ከምዚነብር ንምፍላጥ ምኽሪ ዘድልዮም ከካብ ዓዶም ናብኡ መጺኦም ይሓትዎ እሞ ንሱ ኸኣ እቲ ሓቂ የማኽሮም ነበረ። ከምኡውን ኣበምኔታት ናይ ገዳማት ናብኡ ይመጽኡ ነበሩ።

*****ኣቡነ ዮሓንስ ካብ ዚገበሮ ተኣምር****

ካብ መዓልትታት ሓደ መዓልቲ ኣቡነ ዮሓንስ ነዞም ኣስማቶም ተጠቒሱ ዘሎ ማለት፦

  1. ሙሴ 5. ስምዖን 1. ብሶይ 2. ተወልደመድኅን 3. ጴሜን 6. ኢሳይያስ ዝተባህሉ ደቁ ንገዳም ዚኸውን ኣስቤዛን መፍቅድን ከምጽኡ ኣዘዞም። ይኹን እምበር ዝተኣዘዘ መፍቅድ ገዚኦም ናብ ገዳም ኪምለሱ ኸለዉ ኣብዚ ሕጂ ማይ ውዑይ እናተባህለ ዚፍለጥ ዘሎ ፡ ደቂ ሳምራ ዝተባህሉ እስማዔላውያን ስለዝቐተልዎም፡ ኣቡነ ዮሓንስ ብጸሎቱ ንኣምላኸ ለሚኑ ከምቲ ናይ ነቢይ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኣውራጃ ሰምሃር ዝናም ከይዘንም፡ ምድሪውን ሣዕሪ ከይተብቍል ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርኅን ወገዘ። እዚ ኸኣ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ባጽዕ ዚርከቡ ደቂ ናይብ ዚፈልጥዎ ሓቂ እዩ። ኣብ ደብረ ቢዘን ግና ዝናም ኣየቋረጸን። ከምኡውን ኣብቶም ዘይበደሉ ከባቢታት ዝናም ኣየቋረጸን።

ድኅሪ ሠለስተ ዓመትን ሽዱስተ ወርኅን ግና እቶም ደቂ ሳምራ ንኣቡነ ዮሓንስ ይቕረታ ስለዝሓተቱ፡ ኣብ ማእከል ኣቡነ ዮሓንስን ኣብ ማእከል ደቂ ሳምራን ዝነበረ ጽልኢ ስለዝጠፍአ ኣቡነ ዮሓንስ ከም ቀደሙ ዝናም ኪዘንም ጸለየ እሞ እቶም ይቕሬታ ኪሓትዎ ዝመጽኡ እስማዔላውያን ካብኡ ክልተ ምዕራፍ (2 ኪ.ሜ) ዚኸውን ምስከዱ ካብ ሰማይ ዝናም ዘነመ። ምድሮም ልምሉም ሣዕሪ ኣብቈለት። እቶም ነቒጾም ዝነበሩ ኣእዋምውን ቈጽሊ ኣውፅኡ። ኣቡነ ዮሓንስን ደቂ ሳምራን ድማ ኪዳን ተኣታተዉ ማለት፡ “ንሕና ደቅኻ ከይንቐትል፡ ንስኻ ድማ ብጸሎትካ ሰማይ ከይትለጕም በዚ መሠረት ከኣ ንሽዱሽተ ሚእቲ ዓመት (600) ጸኒሖም ነይሮም።

*****ኣቡነ ዮሓንስ ካብ ዚገበሮ ተኣምራት።****

ከምኡውን ሓደ ኣረማዊ መፍቀሪ ዝሙት፡ ስሙ ኸኣ መሓመድ ዝተባህለ መኰንን ነበረ። ንሱ ንእግዚኣብሔር ዘይፈርህ፡ ተጀሃርን ዕቡይን ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ንሠራዊቱ ካብተን መበለታት ናይ ኣቡነ ዮሓንስ ጸጽቡቓተን ኣምጽኡለይ፡ ከምኡውን ካብ ደቁ ፈለስቲ ኣጕባዝ ዝኾኑ ንኽሸጦም ኣምጽኡለይ” በሎም። እቶም ሠራዊት ግና እቲ ዝኃለፈ ታሪኽ ጻድቕ ቅዱስ ኣቡነ ዮሓንስ ስለዝፈልጡ “ከይትቕዘፍ ኣይፋል በልዎ። ኣቡነ ዮሓንስውን ብመንፈስ ነዚ ኽፉእ ሓሳባቱ ስለዝፈልጦ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ብኣባ ሠረቀብርሃን ለኣኸሉ። “እቲ ንናምሩድ ንናቡከደነፆር፡ ንሰናክሬም፡ ንጺሩጻይዳ፡ ንፈርዖን መምስ ሠራዊቶም ዚደምሰሰ ኣምላኸይ ከየጥፍኣካ ካብቲ ሓሲብካዮ ዘሎኻ ኽፉእ ሓሳባት ተመለስ ኢሉ እኳ እንተለኣኸሉ ኪሰምዕ ስለ ዘይከኣለ። ካብ ንግሆ ጀሚሩ ክሳዕ ሰዓት ፫ (3፡00 ድ.ቀ) ወዲቑ ከም ኣድጊ ከንገርግር ወዓለ። ድኅሪኡውን ክዳኑ ደርብዩ ከም ወኻሩ እናዓንደረ ናብ ውሽጢ ቤት ኣተወ። እቶም ነዚ ዚረኣዩ ኣዝማዱ ኣቐዲሞም ዚነገርዎ ሠራዊቱን “ኣቐዲምናዶ ንዮሓንስ ኣይትዳፈሮ ኣይበልናካን” እናበሉ በኸዩሌ ቀጺሉውን ኣብ ቤቱ ከሎ ናብ ሓዊ ወዲቑ ኣካላቱ ተለብሊቡ ሞተ።

*****ተወሳኺ ተኣምር ኣቡነ ዮሓንስ*****

ሓደ መዓልቲውን ኣባ ገብረኣምላኸ ዝተባህለ ፈላሲ ኣቡነ ዮሓንስ ኣብ ጉባኤ ካብ ገድሊ ኣባ መቃሪ እናመሃረ ከሎ እቲ ትምህርቱ ስለዝገረሞ፡ ብውሽጢ ልቡ ካብ ሰብሲ ከም ኣቡነ ዮሓንስ ዝበለ’ዶ ይርከብ ይኸውን፧ ” ኢሉ ሓሰበ እሞ ፡ ኣቡነ ዮሓንስ ግና ብመንፈስ እቲ ዅሉ ዚሓሰቦ ፈሊጡ ንኣባ ገብረ ኣምላኽ ንበይኑ ወሲዱ ኣረድኦ።

ቃል ኪዳን ኣቡነ ዮሓንስ ለጓሜ ደመና ጐይታናን ኣምላኸናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣቡነ ዮሓንስ ኣቐዲሙ ብሕይወት ከሎ “እንሆ ሠለስተ ኣኽሊላት ኣዳልየልካ ኣሎኹ፡ንሳተን ከኣ፡-

  1. እታ ሓንቲ ምእንቲ ድንግልናኻ፤
  2. ንኣይ ኣብዚኅካ ስለዝፈተኻኒ፤
  3. እቲ ሣልሳይ ድማ ነዚ ዓለም መኒንካ ምእንታይ ብዙኅ ስለዝደኸምካ፤

መዘከርታኻ ዝገበረ፡ ንስምካ ብእምነት ዝጸውዐ፡ መጽሓፈ ገድልኻ ዝጸሓፈን ዘጽሓፈን፡ ንዅሉ ብጸሎትካ ዝተኣመነ ክምሕረልካ ኣብቲ ናይ ፲የ ምሳሕ ደብረ ጽዮን ምሳኻ ኪቕመጡ እዮም።

*****ዕርፍቲ ኣቡነ ዮሓንስ*****

ድኅሪ እዚ ቅዱስ ኣቡነ ዮሓንስ ንደቂ መንፈሳዊ ምዕዶታት መዓዶም። ከምቲ ንእኡ ቅድም ኣቡነ ፊልጶስ መሪጹ ዝገደፎ፡ ሕጂ ኸኣ ንኣቡነ ሠረቀብርሃን ሸሞ።ሽዑ ሰንበት ለይቲ ሰዓት ፩ (100 ድ.ቀ. ለይቲ) ዕለት ፲፫ (13) ኅዳር ቅድስት ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ተፈልየት ናብ ሰማይ ብምዕራግ ኵሎም ቅዱሳነ እግዚኣብሔር ነቢያት፡ ሓዋርያት፡ ጻድቃን ሰማዕታት፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስለ ፍቁር ወልዳ ተኣከቡ። ብኽብሪ ኸኣ ናብ ሰማይ ዓረገት።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን። ምንጪ፡ ገድለ ኣቡነ ዮሓንስ ብራናን ወረቐትን፡

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለምውስቀሉ ክቡር

አሜን!

Leave a comment

Send a Comment