፲፫/13 ሰነ ዓመታዊ በዓል ኣቡነ ማትያስ ዘምራራ

፲፫/13 ሰነ ዓመታዊ በዓል ኣቡነ ማትያስ ዘምራራ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

፲፫/13 ሰነ ዓመታዊ በዓል ኣቡነ ማትያስ ዘምራራ

 

ሓጺር ገድሊ ናይ ጻድቕ አቡነ ማትያስ ዘምራራ

ሃገርና ኤርትራ፡ ብጥንታውነቶምን ብታሪኽ ቅድስኖኦምን ዝፍለጡ ብዙሓት ዓበይትን ንኣሽቱን ገዳማት እትውንን ቅድስቲ ሃገር እያ። እምበር ንሎሚ ከም ፍቓድ አምላኽ ናይ ዕለቱ ስንክሳር ዝነግረና፡ ገለ ካብ ከርሲ ሃገርና ኤርትራ ዝፈረዩ ቅዱሳን ኣቦታትና ካብቶም ብዙሓት ገዳማት፡ ገዳም ደብረ ብርሃን ወደብረ በረኸት ወደብረ ሰማዕት ተባሂላ እትፍለጥ ዝመስረቱ ቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ዘምራር እዮም።

አቡነ ማትያስ (ማይታን) ካብቶም ብሃብቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ርኹባት ዝኾኑ ስድራ ቤት ክውለዱ እንከለው፡ እምነት ክርስትና ግና ኣይነበሮምን። ነቲ ኩሉ ሃብቶምን ርስቶምን ዝወርስ ውላድ ስለ ዘይነበሮም ኸኣ፡ ኣዚዮም ይጉህዩን ይሓዝኑን ነበሩ። ብድሕሪ እዚ ኣዲኦም ንኣቡነ ማትያስ ንበዓል ቤታ “እዘን ኣንስቲ ክርስቲያን እኮ ናብ እግዚአብሔር ለሚነን ዉሉድ ይረኽባ እየን እሞ፡ ንዓ ንሕና ዉን ናብ እግዚአብሔር ንለምን፡ ዝኾነ ዉሉድ እንተረኺብና ንእግዚአብሔር ይኹን” በለቶ። ከምቲ ቅዱስ እያቄምን ቅድስት ሃናን ዝኣተውዎ መብጽዓ ተመባጺዖም መብጽዕዖኦም ዝተፈጸመሎም፡ ከምኡ’ዉን እዞም ስድራ ቤት መብጽዓ ኣተዉ። መብጽዕኦም ድማ “ብጸሎት እግዝእትነ ማርያም ዉሉድ እንተረኺብና ክርስቲያን ክንከዉን ኢና። በቲ ካብኣ ዝተወልደ ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኔዓለም ዝብልዎ ውን ክንኣምን ኢና”በለቶ። በዓል ቤታ ኸኣ ከምዚ ትብልዮ ዘለኺ ክኾነልና ፍቓዱ ይኹን። ውሉድ እንተ ሂቡና ድማ ከምቲ ዝበልክዮ ክርስቲያን ክንከዉን ኢና በላ። ብድሕር’ዚ ንቤተ ክርስቲያን ከይዶም ብዙሕ ዕጣን ኣምሃ ኣቕረቡ። ነቲ ዝነበረ ካህን ድማ “እግዚአብሔር ዉሉድ ክህበና ጸልየልና” ኢሎሞ፡ ናብ ቤቶም ተመለሱ።

ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኸኣ ጸሎቶም ሰሚዓ ናብ ፍቁር ወዳ ለሚና ዝተዓጽወ ማህጸን ከፈተት። ከምቲ ስድራቤት ኣቡነ እንድርያስ ዉላድ ኣብ ዘይነበሮም ናብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ከይዶም ብምጽላያይ ጸሎቶም ተሰዐ። ንኣቡነ እንድርያስ ንምውላድ ዝበቕዑ፡ ጸሎት ወለዲ ኣቡነ ማትያስ’ውን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ተሰምዐ። ኣቡነ ማትያስ ኸኣ ብ14 ክ.ዘ ኣብ ዓዶም ጽልማ ታኺታ ተወልዱ። ሽዑ ኣብቲ ዓዲ ታቦት ኢየሱስ ስለዝነበረ፡ ናብኡ ከይዶም ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ካህን “ክርስቲያን ክንከውን ኽንጥመቅ መጺእና ኣሎና በልዎ። ንሱ ድማ ብሓጎስ ተቐቢሉ ከምቲ ትእዛዝ ኣቦታትና ሓዋርያት መጽሓፍቲ ኣንቢቡ፡ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብሓደ አምላኽ ኣጠሚቖም፡ ነቲ ኣቦ ኣብርሃም ንበዓልቲ ቤቱ ድማ ሒሩተ ማርያም ነቲ ዝተወልደ ህጻን ኸኣ ድሑነ እግዚእ ኢሉ ኣጠመቖም። ድሕር’ዚ ክርስቲያን ምስ ኮኑ፡ እግዚአብሔር ማህጸን ሒሩተ ማርያም ከፈተ‘ሞ ሓሙሽተ ደቂ ወለዱ።

ንሳቶም ድማ፥——–

1.ድሑነ እግዚእ

  1. ፈቃደ እግዚእ

3.ባርያ እግዚእ

4.ንዋየ እግዚእ

  1. ደጋፊነ እግዚእ
  2. ጥሪተ እግዚእ ዚተባህሉ እዮም።

ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ወዲ እሰይ ሕሳስ ልደ ኾይኑ ኣብ ምጉሳይ ኣባጊዕ ተዋፊሩ እንከሎ ካብ ኩሎም ደቂ እሰይ ዝተመርጸ፡ ከምኡ’ዉን እቲ ሕሳስ ልደ ዝኾነ ጥሪተ እግዚእ ናይ እንዳ ዓለቡኡ ኣባጊዕ ክጓሲ ጀመረ።

ሓደ መዓልቲ እቶም መሳትኡ ምስኡ ኣባጊዕ ዝጎስዪ ካብ ዘይናቶም ግራት ሸዊት ቀንጢቦም ንኽበልዕዎ ኣምጺኦም፡ ንጥሪተ እግዚእ ካብዚ ዘምጻእናዮ ሸዊት ምሳና ብላዕ በልዎ። ንሱ ድማ ሓዲግዎም ናብ ቤቱ ብምኻድ፡ ነቲ እቶም ጓሶት ዝበልዎን ዝመለስሎምን ነዲኡ ነገራ። ኣዲኡ ኸኣ ነዚ ቃል ምስ ሰምዐት ሓቒፋ ሰዓመቶ። እቲ ንሳቶም ዝገበርዎ ጌጋ ምዃኑ ኣረዲኣ፡ ኣነ ከብለዓካን ከስትየካን እየ፡ ነቲ ናቶም ግን ከይትትንክፎ በለቶ። እቶም መዛንኡ ብዙሕ ጊዜ እዃ ይፍትንዎ እንተ ነበሩ፡ ንሱ ግና ይኣብዮምን ምስኦም ኣይቀርብን፡ ዋዛ ፈዛዛ ዉን ኣይጻወትን ነበረ። ኣብ ተግባሮም ምእንቲ ከይሓብር፡ ከምቲ ንነቢይ ኤርምያስ ኣብ ማሕጸን ኣዴኻ ከለኹ ሓረኹኻ ከም ዝበሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ስለዝሓረዮ፡ ህጻን ጥሪተ እግዚእ ፊደል ከይተማህረ መንፈስ ቅዱስ ስለዝመሃሮ መጻሕፍቲ ፈለጠ።

ኩሉ ትእዛዝ ድማ ብጥንቃቐ ሓለወ። ብድሕሪ’ዚ ኣብርሃም ንጥሪተ እግዚእ ወዱ፡ ኣባጊዕ እናሓለወ ከሎ ጸዊዑ “እዚ ወደይ ካብ ሕጂ ንኔው ጉስነት ኣባጊዕ ገዲፍካ ከብቲ ሓሉ” በሎ። ንሱ ድማ ቃል ኣቡኡ ሰሚዑ፡ ከብቲ ክጓሲ ጀመረ። ኣብ ጉስነቱ ኸኣ ከምቲ ዝድለ ይጓሲ ነበረ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ እቲ ፍቓድ እግዚእ ዝተባህለ ሓዉ፡ ዓለም መኒኑ ብኢድ ኣቡነ ተወልደመድህን መንኮሰ። እቶም ኣሕዋቱ ነዚ ምስ ሰምዑ ኣዝዮም ጉህዮምይ ከይዶም፡ ንኣብርሃም ኣቡኦም ፍቓድ እግዚእ ሓውና ሞንኲሱ ኢሎም ነገርዎ።ኣቡኦም ድማ “ፍቓድና ዘይኮነስ ፍቓድ እግዚአብሔር ይኹን” በሎም። ሽዑ ለይቲ ኣብርሃም ኣቦኦም ምስ ደቀሰ ኣብ ሕልሙ ብዘለዉ ኩላቶም ደቁን ንሱን ከም ዝምንኩሱ ረኣየ። ነቶም ደቁ ጸዊዑ ኸኣ ከምዚ በሎም፡ “ኦ ደቀይ! ብዛዕባ እዚ ዝመንኮሰ ሓውኹም ኣይትጉሃዩ፡ ድሕሪ ቁሩብ ጊዜስ ኩላትና ክንምንኩስ ኢና” በሎም። ንሳቶም ድማ “ፍቓድና ዘይኮነስ ፍቓድ እግዚአብሔር ይኹን”

በኣና ብባረቱ ኸኣ ይኽበር ይመስገን” በሉ።

ድሕሪ’ዚ ኣብ ከባቢ ታኺታ ዓዶም፡ ደርቂ ኮነ’ሞ፡ ንዕኦም መግቢ ንጥሪቶም ሳዕሪ ከም ዘየለ ርእዮም ተማኺሮም ናብ ከባቢ ደብረ ማርያም ክኸዱ ወሰኑ። ብሓባር ድማ ጥሪቶም ሒዞም ከዱ። ኣቦኦምን ኣዲኦምን ከምኡ’ዉን እቲ ሕፃን ጥሪተ እግዚእን ግና፡ ኣብ ዓዶም ተሪፎም ነበሩ። እቶም ኣርባዕተ ጥሪቶም ሒዞም ዝኸዱ ደቁ ንታኺታ ተመሊሶም እኽሊ ዘሪኦም ጽቡቕ ከም ዝበቖለሎም፡ ጥሪቶም’ዉን ከም ዝጸገባ፡ ነቲ ዝመንኮሰ ሓዎም’ዉን ከይዶም ክርእይዎ ከም ዘለዎም ንኣቦኦም ነገርዎ። ጥሪተ እግዚእ ኸኣ “ካባኹም ኣይተርፍን፡ ንሓወይ ክርኢ ክኸይድ እየ በሎም’እሞ፡ ንሳቶም ኸኣ ንስኻ ንእሽተይ ኢኻ እቲ መገዲ’ዉን ርሑቕ’ዩ እዃ እንተ በልዎ፡ ንሱ ግን ኣሰር ኣሰሮም ሰዓበ። “ተመለስ” እናበሉ ኸኣ ይገንሕዎ ነበሩ። ንሱ ግን ብፍጹም ኣይምለስን፡ ከማኹም ሓወይ ክሪኦ’የ ኢሉ ምስ ኣበዮም፡ ምስኦም ኣብቲ ናይ ሕርሻ ቦታን ኣብቲ ጥሪቶምን ቦታ ስፍርኦምን በጽሑ። ብድሕርዚ ንጥሪተ እግዚእ ንብረትናን ስንቅናን እናሓለኻ ኣብዚ ጽናሕ ፡ኣይትፍራሕ ግራውትና ሪኢና ክንምለስ ኢና በልዎ። ሕፃን ጥሪተ እግዚእ ድማ “ሕራይ” ኢሉ መነኮሳት ደብረ ማርያም ላዕልን ታሕትን ክብሉ ርእዩ፡ ነቲ ዝሕልዎ ዝነብረ ንብረት ሓዲግዎ ኣሰር እቶም መነኮሳት እናረኣየ፡ ናብቲ ዝመንኮሰ ሓዉ በጽሐ። ንሳቶም ድማ በየን ደኣ መጺእካ ኢሎም ሓቒፎም ሰዓምዎ፡ ንሱ ድማ ኣመጻጽእኡ ሓደ ብሓደ ነገሮም። እቶም ኣሕዋቱ ኸኣ ናበይ ከምዘበለ ምስ ሰኣንዎ እናሓዘኑ ከለዉ፡ ሓደ መነኮስ ሰምዕዎም እሞ፡ ኣጆኹም ኣይትሕዘኑ ጥሪተ እግዚእ ሓውኹም፡ ምስቲ ዝመንኮሰ ሓውኹም ተራኺቡ ኣሎ ብምባል ኣጸናንዕዎ።

ንሳቶም ድማ እናተሓጎሱ ደብረ ማርያም ኣተዉ።

ኣብቲ እዋን ኣበ-ምኔት ኣባ ተወልደመድህን ነበሩ’ሞ፡ ነቲ ብኢድኩም ዝመንኮሰ ዓቢይ ሓውናን ነቲ ትማሊ ዝመጸ ንእሽተይ ሓውናን ክንርኢ መጺእና’ለና’ሞ ከተራኽቡና በልዎ። ጸዊዖም ኸኣ ኣራኸብዎም፡ እናበኸዩ ኸኣ ተሰዓዓሙ። ናብ ግራውቶም ክምለሱ ነቲ ንእሽተይ ሓዎም ንዓናይ እንተበልዎ፡ ንሱ ግና ቅድስና መሪጹ ኣበዮም። እቶም ዝመንኮሱ ሓዎም ድማ ከምቲ ንስኻትኩም እትደልይዎ ኣነ ዉን ይደልዮ እየ ኢሎም በልዎም። ኣብ መወዳእታ ክኸዱ ከለዉ ንኣቡነ ተወልደመድህን “ሕሳስልደ ስለዝኾነ፡ ስድራና ካብ ኩላትና ኣብሊጾም ኸኣ ስለዝርእይዎ ከይተመንኩስዎ ሓደራ በልዎም። ኣቡነ ተወልደ መድህን ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝምንኩስ እናፈለጡ ከለዉ፡ “እዚ ትብልዎ ዘለኹም ንእሽተይ ሕፃን እዩ፡ ዓቕሚ ምንኩስና ድማ ኣይበጽሐን። ኣጆኹም ባዕለይ ኣለኹዎ” ኢሎም ኣፋነዉዎም። ሽዑ ብሰላም ናብ ግራውቶምን ጥሪቶምን ተመልሱ። ድሕሪ’ዚ ጥሪተ እግዚእ ክምንኩስየ ምስ በሎም፡ እቲ መነኮስ ሓዉ “ስማዕ ሓወይ፡ እስኻ ንእሽተይ ስለዝኾንካ ክሳዕ ትጸንዕ ቁሩብ ዓቕሊ ግበር፡ እዚ ምንኩስና ንዓበይትን ብትዕግስቲ ተጋድሎ ዝጸንዑን እዩ ዝግባእ በልዎ። ንሱ ኸኣ ንእሽተይ እኳ እንተኾንኩ ንዓይ ዝሕሸኒ ይፈልጥ እየ ኢሉ ብትሪ መለሰ። በቲ ዝመለሶ መልሲ ተገሪሙ ናብ ኣቡነ ተወልደ መድህን ወሲዱ ንኸመንኩስዎ ነገሮም። “ኣቡነ ተወልደ መድህን ድማ ንኣባ ስምዖን ኣመንኩሶ በልዎ።

ድሕሪዚ ኣባ ስምዖን ናብ ቤት መቕደስ ብምውሳድ ልብሰ ምንኩስና ኣልቢሶም፡ ማትያስ ዝብል ስም ሃብዎም። ድሕሪ ምንኩሳ ንቕባሎም ኣቡነ ተወልደ መድህን መሪቖም ናብ ሓደ መንፈሳዊ መምህር ከምቲ ኩላቶም መማህራን ዝተማሃርዎ መዝሙረ ዳዊትን ካልእ ጸሎታትን ምሃርዎ ኢሎም ሃብዎ። ካብዚ ቀጺሎም ኣቡነ ማትያስ ግቡእ ትምህርቲ ተማሂሮም፡ ብጾምን ጸሎትን እናተጸመዱ፡ ቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደምን እናወሰዱ፡ ብንጹህ ሕልና፡ ፍጹም ርስሓት ዘይብሎም ኮይኖም የገልግሉ ነበሩ። ከምዚ ኢሎም ብንጽህና ምስ ዓብዩ፡ ዓቕሚ ኣዳም ስለዝበጽሑ ኸኣ፡ ጸላኢ ሰናያት ሰይጣን ብፍትወት ስጋ ፈተኖም። ኣቡነ ማትያስ ግና ብቕልጡፍ ናብ ቤተክርስቲያን ከይዶም ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም፡ እናጸለዩን እናሰገዱን እናበኸዩን “ኦ! ጐይታይን መድኃንየይን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንነፍሰይ ተቐቢልካ ውሰዳ፡ ከመይ እዚ ካብ ዝዉለድ ኣትሒዘ ክሳዕ ሎሚ ፍጹም ዘይፈልጦ ሕማቕ ሓሳብ ካብ ዝመጸንስ ሞት ይሕሸኒ” ክብሉ ጸለዩ። ጸሎቶም ምስ ወድኡ ጎይታናን መድኃኔናን ኢየሱስ ክርስቶስ መጺኡ፡ በታ ንጽህቲ ኢዱ ዳህሰሶም እሞ፡ ካብታ ዕለት እቲኣ ንኹሉ ሓይሊ ሰይጣን ብሓይሊ እግዚአብሔር ይስዕርዎ ነበሩ።

“ኣቡነ ማትያስ ካብ ዝገበርዎ ተኣምር”

ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ናብ ስራሕ ምስ ወፈሩ፡ ምሸት ምስ ኮነ ኩሎም ደቂሶም ከለዉ ደኺመ ከይበሉ መዝሙር ዳዊት 150 ተንሲኦም የንብቡ ነበሩ። እግዚአብሔር ድማ ብቅዱሳን መላእኽት ሓደ ፈረስ ለኣኸሎም። ንሶም ኸኣ ተሓጎሱ፡ ቀጺሎም ንካልኣይ ጊዜ 150 መዝሙር ዳዊት ደገሙ፡ ካልኣይ ፈረስ ድማ ተዋህቦም። ድሕሪ’ዚ እምበኣር ብዝኾነ ነገር ከይፍለጡ ከምዛ ምስኦም ደቂሶም ዝሓደሩ ሰብ ከይረኣዮም ምስኦም ደቀሱ። ከምኡ ውን ሓደ መዓልቲ ምስ ካልኣዮም ንማሕበር ዝኸውን መግቢ ክእክቡ ንበረኻ ወፈሩ’ሞ፡ ዝሰትይዎ ማይ ምስ ሰኣኑ፡ ከምቲ ነቢይ ሙሴ ንደቂ እስራኤል ኣብ ልዕሊኡ ምስ ኣጉረምረሙ ንእግዚአብሔር ሓቲቱ ነቲ ከውሒ ምስ ሃረሞ፡ ብሓይሊ እግዚአብሔር ማይ ኣፈልፊሉ ንደቂ እስራኤል ዘስተዮም፡ ኣቡነ ማትያስ’ውን ጸልዮም ብበትሮም መሬት ሃሪሞም ማይ ኣፈልፈሉ። ንእግዚአብሔር እናመስገኑ፡ መግቢ ሒዞም ናብ ገዳሞም እናተመለሱ ከለዉ፡ ኣብ መገዲ ሸፋቱ ጸኒሖም ኣሕደግዎም። ኣቡነ ማትያስ ድማ ጸለዩ’ሞ፡ ንእለቱ ኸኣ እቶም ሸፋቱ ሓሚሞም ወደቑ። ሽዑ እቶም ሸፋቱ “ኣቱም ናይ አምላኽ ሰባት ርድኡና፡ገንዘብኩም ውሰዱ’ሞ ምእንቲ “ፍጹም ዘይንፈልጦ ሕማቕ ካብ ዝመጸናስ ሞት ይሕሸና፡ ”ከይንመውት ግን ጸልዩልና” በልዎም። ኣቡነ ማትያስ ድማ ምራቖም ጡፍ ብምባል ብትእምርተ መስቀል ኣማዕቲቦም ዳህሰስዎም እሞ ሓወዩ።

ከምዚ ኢሎም ብቕድስና እናተጋደሉ ቅዱሳን መላእክት ብኽንፎም ሓዚሎም ነፍሶም ናብ ሰማያት መሲጦም ኣዕረግዎ። ኣብ ኣርያም ብምብጻሕ ኸኣ ናይ ክብሪ መግስታትን ሓጎስን ናይ ፃድቃን ናይ ዕረፍቲ በትኦምን ሙሉእ በረኸት ዘለዎ ገነት ቢሄረ ብርሃን ኣርኣይዎ። እቲ ነቶም ፍቓዱ ዚገብሩ ጻድቃን፡ ነዚ ቦታ እዚ ዘዳለወ እግዚአብሔር ይኽበር ይመስገን ብምባል ኣመስገኑ። ድሕሪኡ ድማ ናብ መካነ ደይኒ ወሲዶም ኣርኣይዎ። ነዞም ሓጥኣን ከእዉዪን ክሳቐዩን ምስ ርኣይዎም ኣቦና፡ ብጣዕሚ ደንገጹን ሓዘኑን። ካብ ብዝሒ ፍርሓት እናሓዘኑን እናተከዙን ብዛዕባ እቲ ዝርኣይዎ ዕፁብን መደንገጽን እናበኸዩ ተወርዊሮም ክወድቁ ደለዩ።

እግዚአብሔር ኸኣ “ኦ ሕሩየይ ማትያስ፡ ንስኻስ ኣይትፍራሕ፡እዚ ንዓኻ ኣይኮነን። ናትካስ ምስቶም ክሕጎሱ ዝረኣኻዮም ጻድቃን’ዩ ዕድልካ ።እዚ ኩነኔ እዚ ግና፡ ነቶም ንቓለይ ዘይሓለዉ ሓጥኣን ሕገይን ትእዛዘይን ዝጠሓሱ’ዩ ተዳልዩ በሎም።

ድሕር’ዚ ካብ ኣርያም ናብ መሬት ምስ ወረዱ፡ ኣቡነ ተወልደ መድህን ንዝነበሮም ዕድመ ብፍጹም ኣገልግሎት ብተኣዛዝነትን ትሕትናን ብዙሓት ደቂ ኣፍርዮም ድሕሪ ብዙሕ ተጋድሎ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ዓሪፎም ጸንሕዎ። ትሑት እዙዝ እምን ኣገልጋሊ ዝነበረ ወዶም ኣቡነ ፊቅጦር ኸኣ ብዝነበሮም ትግሃትን ጽንዓት እምነትን ኣበምኔት ኮይኖም ተተክኡ። ኣቡነ ፊቅጦር ድማ ብብዙሕ ተጋድሎ ጊዜ ዕረፍቶም ምስ በጽሐ፡ ንኣቡነ ማትያስ ብትሕትንኦምን ተኣዛዝነቶምን ኣዝዮም ይፈትዎም ነበሩ። እቶም ኣኅዋቱ ውን ብጸለቶም ይእመኑ ስለዝነበሩ፡

ድሕሪ ኣቡነ ፊቅጦረ ምዕራፎም፡ ናይቲ ገዳም “ኣበምኔት” ክኾኑ ብምሉእ ድምጺ ተነግሮም። ኣቡነ ማትያስ ግና በቲ ዝነበሮም ትሕትናን ልውሃት ተኣዛዝነትን “ኣነስ ኣይከኣልን እየ ኢሎም ኣቕበጹ። ብዘይክኦም ካልእ ክኸውን ዝኽእል ስለዘይነበረ፡ እቶም መነኮሳን ኢዶምን እግሮምን ኣሲሮም ኣብ መንበር ኣበምኔት ኣቡነ ፊቅጦረ ኣንበርዎም። ድሕሪ’ዚ ኣቡነ ማትያስ እግዚአብሔር ንኹሉ መታን ከኽእሎም፡ ኣገልግሎቶም ንምጅማር 40 መዓልትን 40

ለይትን ብጾምን ጸሎትን ተጸምዱ። ከምዚ ኢሎም እናተጋደሉ ከለው፡ ቅዱሳን መላእክት መጺኦም፡ ንኣቡነ ማትያስ ናብ ሰማይ መሲጦም ወሰድዎ እሞ፡ ነቶም ምስኦም ዝነበሩ መነኮሳን “ሕግን ስርዓትን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ንገሮም በልዎ። ኣቦና ድማ ብምልኣት ማሕበር ኣኪቦም ከምቲ ዝተባሃልዎ፡ ማለት ብግቡእ ሕግን ስርዓትን ቤተ ክርስቲያን ብግብሪ ኣማሊኦም ከምዝኸዱ ነገርዎም።

ብድሕሪ’ዚ ኣቡነ ማትያስ ካብቲ ገዳም ወጹ። 230 ዝኾኑ መነኮሳት “ኣቦና ካብ እግርኹም ኣይንተርፍን ኢና” ብምባል ዝሰዓብዎም። ኣብ ትኹል ዝበሃል ቦታ ኣተው፡ንሳቶም ድማ ብሰላም ተቐቢሎም ክእለቶም ሂቦም ብኽብሪ ኣፋነውዎም። ካብኡ ቀጺሎም ኣብ ጎዳዕ ዝተባህለ ምድሪ ዓረዛ ሓደሩ። ንሳቶም ውን እናተሓጎሱ ብኽብሪ ተቐቢሎም ዓቕሞም ዝፈቐዶ ሂቦም ብሰላም ኣፋነውዎም። ካብኡ ተበጊሶም ማይ ኣብ ዘይብሉ በረኻ በጽሑ። ሓደ ካብኣቶም ማይ ጸሚኤ ኣስትዩኒ በሎም።

ሽዑ ኣቡነ ማትያስ ብጸሎቶም ጌሮም ማይ ኣስተይዎ። በዚ ዝተገረሙ ኣባ ጳውሎስ ዝተባህሉ ምስኦም ዝነበሩ ኸኣ፡ “ኦ ኣባ፡ ነዚ ማይ ካበይ ኣምጺእኩሞ፡ እዚ ምድረ እዚ ማይ ከምዘይርከቦ ካብ ንእስነትና ኣትሒዝና ንፈልጦ ኢና በልዎም። ኣቦና ድማ “እወ ብሓቂ ማይ ኣይርከቦን እዩ፡ ኣነ ውን ከምዘይብሉ ይፈልጥ እየ፡ እዚ ግና ሃብቲ እግዚአብሔር እዩ፡ ንሓደ እዃ ከይትገልጽን ከይትነግርን በልዎ። ቀጺሎም ኣብ ጨዓት ዝብሃል ዓዲ ሓዲሮም፡ ካብኡ ናብ ቃቐብዳ በጽሑ፡ ቀጺሎም ኣብ ጸዓዘጋ (ኣቄታብ) በጽሑ። ካብኡ ነቲ ሹመኛ ሓማሴን ዝነበረ ከንቲባ ዮሓንስ ንኺጽውዕዎ ካብ ተመሃሮኦም ለኣኽሉ። ጸዋዒቶም ኣኽቢሩ ብምምጻእ ድማ፡ “ሰላም እንቛዕ ብጽቡቕ መጻኹም በሎም”።

ኣቡነ ማትያስ ድማ “እወ ጽቡቕ እዩ፡ እንተኾነ ናባኻትኩም መምጽኢና፡ጊዚኡ ክረምቲ ከሎ ካብ ደርብናን ካብ ኣባይትናን ኣውጺኦም ሰጉጎም ስለዘጋፍዑና ኢና፡ “ሕጂ ድማ ኣብቲ ኣቦታትና ዚነብርዎ ዝነበሩ ቦታ ክንቅመጥስ ቦታ ሃበና በልዎ። ከንቲባ ዮሓንስ ኸኣ፡ ንሕናስ ክንበኩም ኢና፡ እንተኾነ ንስኻትኩም ኣብኡ ኣይትነብሩን ኢኹም። ከመይሲ ንስኻትኩም ትጸልኡና ንሕና ግና ንፈትወኩም ኢና፡ እንታይ እሞ ኪህበኩም እየ፡ ምኽንያቱ እዚ ቦታ እዚ ዓሶ እዩ፡ ብዙሕ ሕማማ ዓሶ ድማ ኣለዎ፡ እዚ ሰናይ ምድሪ እዩ፡ ጥዕና እዩ እምበር ሕማም ውን የብሉን። ሕጂ ድማ ሂበኩም ኣለኹ ኣብ ቃሕ ዝበለኩም ንበሩ፡ ሕደሩ። እተን ኩላተን ኣቦታትኩም ዚነበርወን መሬትና ሂበኩም ኣለኹ በሎም። ሽዑ ንሱ ካብኣቶም ተመሪቑ ኣንጊሁ ከደ። ንሳቶም ውን ካብኡ ተላዒሎም ናብ ወኪ ዝተባህለ ዓዲ በጺሖም ኣብኡ ሓደሩ’ሞ፡ ኣብኡ ብዙሕ ሽግርን ጸገምን ኣጋጠሞም።

ካብኡ ድማ ናብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወረዱ፡ ኣብኡ እኽሊ ከይጠዓሙ ንኽልተ ቅነ ዝኣክል ኣብ ሓንቲ መንቀራቕሮ በዓቲ ብምእታው፡ “ኣብዚ ክመውት እየ” ኢሎም ወሰኑ። ኣብኡ ክዓርፉ ፍቓዱ ስለዘይኮነ እግዚአብሔር ተገሊጹ፡ “ንዓኻ እትኸውን ጽብቕቲ ምድሪ መሪጸልካ ኣለኹ’ሞ፡ናብ ደቅኻ ተመለስ በሎም። ድሕሪ ብዙሕ ሽግር ድማ ናብ ዓንደቕ ኸዱ። ካብ ዓንደቕ ኸኣ ናብ ዓቢይ ዒላ ከዱ፡ ኣብኡ 66 መዓልታት ተቐመጡ። ሽዑ ናብ ደብረ ብርሃን ደየቡ። ኣብኡ ድማ ኣቡነ ማትያስ “እግዚአብሔር ዝሃበና ገዳም እዚኣ ካብ ኮነት፡ ሕጊ መነኮሳን ነቑም”በልዎም። ሕጊ ኣቖሙ፡ እቶም ማሕበር ድማ ከም ኣቦኦም ገይሮም ኣኽበርዎምን ተኣዘዝዎምን። ነታ ደብሪ ድማ ደብረ በረኸት ዝብል ካልእ ስም ሰመይዎ።

ኣቡነ ማትያስ ድሕሪ ብዙሕ ተጋድሎን ቅድስናን ካብ ደቆም ቅድሚ ምፍላዮም፡ ደቀየ ካብ ሕጂ ንድሓር ኣይትሕዘኑ፡ ኣይትብከዩ፡ ኣይትጉሃዩ፡ ከመይ ነታ እግዚአብሔር ዝበላ ቃል ክትቅይርዋ ኣይትኽእሉን ኢኹም። “ኣነ ውን ኣብኡ ንጽሁን ብሩህን ማሕበር ስለዝረኣኹ፡ ናብኡ ክኸይድ’የ ዝደሊ እምበር፡ ኣብዛ ጓህን ሓዘንን እትህብ ዓለም ክነብር ኣይደልን እየ። ሕጂ ግና ልብኹም ኣጽንዑ’ሞ ንፈላለ በልዎም።

ንሳቶም ኸኣ ኦ ኣባ! ንመን ክትሓድገና፧ ኣበይ’ከ ትገድፈና ኣሎኻ ኢሎም በኸዩ። ነቲ ፍቕሪ ደቆም ምስ ርኣዩ ኣቡነ ማትያስ ብዙሕ ክበኽዩ፡ ፍቓድ አምላኽ ካብ ኮነስ “ኣይትፍርሑ” ኣነ ኣይሓድገኩምን’የ፡ ካብ ማእከልኩም ድማ ኣይፍለን’የ፡ ብስጋ እኳ እንተተፈለኹ ብመንፈስ ግና ምሳኻትኩም ኣለኹ። እንተኾነ ግና ነቲ ስርዓት ኣቡነ ኤዎስጣጤዎስን ኣቡነ ኣብሳድን ሓልዉዎ። ካብኡ ድማ ንየማን ኮነ ንጸጋም ኣይተልግሱ። ነዛ ደብሪ እዚኣ ድማ ፍተዉዋ፡ እግዚአብሔር ንኹሉ ጊዜ ዝሃበኩም ገዳም ስለዝኾነት፡ ካብኣ ኣይትውጽኡ። ኣብኣ ዝቐርበኩምን ዝገፍዓኩምን የለን። ሽሞኛታት ምድሪ ድማ ከኽብርኹም እዮም። ሃብታማት ብጾሎትኩም ክእመኑ እዮም። መከራን ሽግርን ግና ከጋጥመኩም እዩ። ክትማረኹ ኢኹም ግና ኣይክትጠፍኡን፡ ቤተ ክርስቲያን ሕነጹ፡ ኣብ ክንዳይ ንዮሓንስ ሸይመልኩም ኣለኹ። ንዕኡ ተኣዘዝዎ በልዎም። እዚ ዝነግረኩምን ዝፋነወኩምን ዘሎኹ፡ ከምቲ ሓደ ናብ ርሑቕ

ቦታ ዚገይሽ እሞ ዚምለስ ኣይኮነን። ከምዚ ኢሎም ንሸውዓት መዓልቲ ኪላበውዎም ቀንዮም፡ ከምቲ ናይ ኩሎም ቅዱሳን ቃል ኪዳን ተቐቢሎም፡ ብዕለት 13 ሰኔ ግእዝ ካብዛ ሓላፊት ዓለም ብሰላም ኣዕረፉ። ኩሎም ሰራዊት መላእኽት፡ነበያት፡ሓዋርያት፡ጻድቃን፡ሰማዕታት፡ኣቦ መነኮሳት ኣቡነ እንጦንዮስ ምስቶም ኩሎም ደቁ በዓል ኣቡነ ኤዎስጣቴዎሳ

ኣቡነ ኣብሳዲ፡ኣቡነ መርቅቆሬዎስ፡ኣቡነ ዘካርያስ፡ ኣቡነ ተወልደመድህን፡ ኣቡነ ፊቅጦር መጺኦም ንነፍሶም ብኽብሪን ብዝማሬን ናብ ሰማይ ከዕርግዋ ከለው፡እቶም ኩሎም ደቆም ከቢቦም ድማ ከምዚ እናበሉ በኸይሎም፡ ” ኣንታ ብሩህ ፀሓይ ደቂስካ ዲኻ፧ ኣይትሰምዓናን’ዶ ፧ ዓሪብካዶ ፧ ኦ ኣባ ዓንዲ ማእከልና ረሰቢርካ’ዶ፧እምኒ ኩርናዕና ፈሪስካዶ፧ ደብሪ ምስካይና ንሕና ጣዕሚ ቃልካ ኣይጸገብናዮን፡ኦ ኣባ ገጽካ ከይረኣና ንሓንቲ ሰዓት እዃ ክንዕገስ ከምዘይንኽእል ትፈልጠና ኢኻ፡ እናበሉ ከም ኩሉ ሰብ ቀበርዎም።

ድሕሪ ዕረፍቲ ኣቡነ ማትያስ ከምቲ ኣቐዲሞም ብቃል ትንቢት ንደቆም ዝበልዎም፡ መከራን ሽግርን ኣጋጠሞም ግና ኣይጠፍኡን። ማለት ካብ ኣርድእቶም ክልተ መነኮሳት ተማረኹ፡ ብጸሎቶም ድማ ገለ ነገር ከይኮኑ ናብ ገዳሞም ተመልሱ። ንካልኣይ ጊዜ ኸኣ ኣብ ዘመነ ኣቡነ ዮሓንስ ፡ 7 (ሾብዓተ) መነኮሳት ብኣረሜናውያን ተማረኹ። ንዝነበሮም ንብረት ኣሕዲጎም ነቶም ክልተ ቀተልዎም፡ ነቶም 5ተ (ሓሙሽተ) መነኮሳት ድማ ናብ ባሕሪ ኣጥሓልዎም። ሽዑ ኣቡነ ማትያስ ብኣካለ ነፍሲ መጺኦም “ኣጆኹም ምሳኹም ኣለኹ፡ ንዓኹም ከውጻኣኩም’የ፡ ነዛ ባሕሪ ድማ ብሓዊ ከቃጽላ’የ” ኢሎም ኣጸናንዕዎም። ደቂሶም ከለው ድማ ሓደ ዝነቕሐ ነዚ ርእዪ፡ ነቶም ካልኦት ኣተንሲኡ እቲ ኩሉ ዚረኣዮን እንታይ ከምዚበሎምን ነገሮም። ንሳቶም ኸኣ ተሓጉሶም “ኣቦና ከምዘይሓደግካና ሕጂ ፈሊጥና” ኢሎም ኣመስገኑ። እምበኣር ናይ ‘ዞም ሕሩይን ጻድቕን ኣቡነ ማትያስ ገድሊ በዚ ኣቕሪብናዮ ዘለና ዝውዳእ ኣይኮነን። ብዝያዳ ግና መጽሓፍ ገድሎም ገዚእና ክነንብቦ ይግብኣና።

ጸሎቶምን በረኸቶምን ምሕረት አምላኾምን ናይ ኣቡነ ማትያስ ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን አሜን።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን!!!

Leave a comment

Send a Comment