፲፫.13 ግንቦት ዕረፍቱ ለኣቡነ ኣርሳንዮስ

፲፫.13 ግንቦት ዕረፍቱ ለኣቡነ ኣርሳንዮስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን!!!

፲፫.13 ግንቦት ዕረፍቱ ለኣቡነ ኣርሳንዮስ

ሓጺር ገድሊ ናይ ኣቡነ ኣርሳንዮስ

ገድሊ ቅዱሳን ኣንጉዕ ክርስቲያን እዩ። እምበኣር ናይዞም ቅዱስ ኣቦ ገድሊ፡ ነስተውዕለሉ ሕይወት፡ ጥበብ፡ መብራህቲ እዩ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ኣብ ቅዱሳኑ ሓዲሩ ደስ ዝበሎ ስለዝገብር። ኣብ 4ይን 5ይን ክፍለ ዘመን፡ በረኸታት ግብጺ ብንጽሕናን ተጋድሎን ትጉሃን መነኮሳት ባሕታውያን ዝመልኣ፡ ካብ ከባቢ ግብጺ ጥራይ ዝመጹ ዘይኮኑስ፡ ካብ ዝተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ዝመጽኡ ቅዱሳን መነኮሳት ነበሩ። ካብዚኣቶም ብሮማውያንን ብግሪኻውያንን ትምህርቲ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሑ፡ ብብዝሒ ብኽያት ቅርኒብ ዓይኖም ኩሉ ከምዝረገፈን ናብ ግብጺ ኸይዶም ብብሕትውናን ብብርቱዕ ተጋድሎን ካብ ዝፈጸሙ ቅዱሳን ኣቦታት ሓደ ፍሉጥ ዓቢይ ኣቦ እዮም።

እምበኣር እዞም ቅዱስ ኣቦ ኣቡነ ኣርሳንዮስ ኮይኖም፡ ካብ ሃብታማት ስድራ ቤት ሰብ ጸጋ ሰናይ ዝግብሮም ወለዲ ኣብ ከባቢ 350 ዓ/ም/ግእዝ ኣብ ሃገረ ሮም ተወልዱ። ወለዶም ድማ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ተኾስኪሶም ከም ዝዓብዩ ገበርዎም። ተወሳኺ ውን ብዛዕባ ጸሓይን ከዋኽብትን ካልእ ናይ ሰማይ ነገራትን ተማህሩ። እዚ ዓውደ ትምህርቲ ብናይ ዘመንና ኣጸዋውዓ ኣስትሮኖሚ ተማህሩ ማለት እዩ። ብትምህትን ብጥበብን ኸኣ ዓበዩ። ዋላ እዃ ዮናናውያን እንተተማህሩ፡ ኣብ ክርስቲያናዊ ሕይወቶም ግና፡ኣዝዮም ጥንቁቑን ቀናእን ነበሩ።

ኣብቲ ዘመን እቲ ዝነበረ ትምህርቲ ግርኻውያንን ሮማውያንን ክሳዕ መወዳእታ ዝተማህሩን ኣዝዮም ፈላጥ ነበሩ። ኣቡነ ኣርሳንዮስ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ምንባብ ዝፈትዉ ብምባሮም፡ ቀጺሎም ግቡእ ትምህርቲ ሃይማኖት ምስ ተማህሩ፡ በቲ ናይ ሽዑ ዚነበሩ ጳጳስ ናይ ሮም ዲቁና ተሾሙ። ድሕሪ ኣቡኦሙን ኣዲኦምን ምማቶም ዝወረስዎ ሃብቲ፡ ብምሉኡ ንድኻታት ብምሃብ በይኖም ምንባር ጀመሩ። በቲ ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ሥራሕ ጽድቅን ጥበብን ዝተፈልጡ ኮኑ። በዚ ምኽንያት ኸኣ እቲ ዓቢይ ንጉስ ቴዎዶስዮስ፡ ነቶም ክልተ ደቁ ኣርቃድዮስን ኣኖሬዎስን ዚምህርሉ ሰብ ደለየ እሞ፡ ናይ ሮም ጳጳስ ብመንፈሳውን ብዓለማዊ ፍልጠት ንዝበሰሉ፡ ንኣቡነ ኣርሳንዮስ ስለዝመረጸሎም ናብ ቁስጥንጥንያ ለኣኽዎም። ከይዱ ውን ኪምህሮም ጀመረ። ሓደ ጊዜ እቲ ንጉስ፡ ናብ ኣቡነ ኣርሳንዮስ ዚምህረሉ ዘለው ደቁ ንምርኣይ ምስ መጽአ፡ ኣቡነ ኣርሳንዮስ ደው ኢሉ ኪምህር ደቁ ግና ኮፍ ኢሎም ኪመሃሩ ረኣየ። እዚ ምስ ረኣየ ንሳቶም ደው ኢሎም ኪመሃሩ ኣቡነ ኣርሳንዮስ ግና ኮፍ ኢሎም ኪምህሩ ገበረ። ከምዚ እናገበሩ ከባቢ 15 ዓመት ድሕሪ ምጽንሖም፡ ዝነበርዎ ቦታ ቤተ መንግስቲ ብምዃኑ፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ባህ ኣይበሎምን።

ጎይታ ኣብ ወንጌሉ “ሰብ ኩሉ ዓለም ረቢሑስ ብነፍሱ እንተጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ፧” ዝበሎ ቃል እናሓሰቡ ናብ ፈጣሪኦም “ዚድኅነሉ መገዲ ኣርእየኒ” ኢሎም ጸለዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ሓሳብ ልቦም ሰሚርሎም፡ “ኣርሳንዮስ ኣርሳንዮስ” ካብ ሰብ ተፈሊኻ ካብዛ ዓለም ውጻእ እሞ ክትድሕን ኢኻ፡ ዝብል ድምጺ ሰምዑ፡ ነዚ ቃል ምስ ሰምዑ ከይደንጎዩ፡ ክዳኖም ቀይሮም ንቁስጥንጥንያ ገዲፎም ናብ እስክንድርያ ኣምርሑ፡ካብኡ ኸኣ ናብ ገዳም ኣስቄጥስ ናብ ኣባ መቃርዮስ ኣተው። ኣባ መቃርዮስ ኸኣ ንቅዱስ ዮሓንስ ሓጺር ብቕዓቶም ፈቲኖም ምእንቲ ክቕበልዎም ሃቦም። ምሸት ኩሎም መነኮሳት ናይ ዕለት መቕንኖም ክወስዱ ከለው፡ ኣባ ዮሓንስ ንቅዱስ ኣርሳንዮስ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ ከሎ፡ ከይሃቦ ስቕ በለ እሞ፡ድሕሪኡ ቅዱስ ዮሓንስ ነቲ መቑነን እንተደሊኻ ብልዓዮ፡ ብዝግለጽ ኩነታት

ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ኣርሳንዮስ ደርበየሉ። ቅዱስ ኣርሳንዮስ ግና ባህ እናበሎ ኮፍ ኢሉ ተመገበ።

ቅዱስ ዮሓንስ ሓጺር፡ ብናይ ቅዱስ ኣርሳንዮስ

ኩነታት ተሓጉሱ ካልእ ፈተና ከይፈተነ፡እዚ ሰብ እዚ መነኮስ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ ተቐበሎ።

ካብዛ ዕለት እዚኣ ጀሚሩ ቅዱስ ኣርሳንዮስ ተጋድልኡ ጀመረ። ሓደ እዋን ቅዱስ ኣርሳንዮስ

ዝበሰለ ጥረ ቅራፍ ክድርብዩ ከለው፡ እቶም ናይቲ ገዳም ኣበምኔትን እቶም ገዳማውያን ኣቦታትን ርኣይዎም። እቶም ኣበምኔት ግና ነቲ ረድኡ ጸዊዑ “ቅዱስ ኣርሳንዮስ ዝፈጸምዎ ጌጋ ርኢኻዮም’ዶ፧” በልዎ።ንሱ ድማ “እወ ሪኤዮ ኣቦና በሎም።” ንሶም ኸኣ “በል ጌግኦም ብቐጥታ እንተነጊርናዮም ኣብ መንፈሳዊ ሕይወቶም ዕንቅፋት ከይኮኖም፡ ካብዛ ገዳም ‘ውን ወጻኢ ከይከዱ፡ኣነ ንኣባ ኣርሳንዮስ ጸዊዐ ከዘራርቦም እየ።” ንስኻ ድማ ኣብ ጥቓና ብምምጻእ፡ እታ ንሶም ዝፈጸምዋ ጌጋ ድገማ። ሽዑ ኣነ ዝኾረኹ ብምምሳል፡ ንምንታይ እዚ ጌጋ’ዚ ፈጸምካ ብምባል ክጸፍዓካ’የ፡ በዚ ኸኣ ንኣባ ኣርሳንዮስ ጌግኦም ክእረምሉ ትምህርቲ

ኪኾኖም እዩ” በሎ። እቲ ረድኦም’ውን ነቲ ቅዱስ ሓሳብ ብምሉእ ልቡ ተቐበሎ። እቲ ኣበምኔት

ንቅዱስ ኣርሳንዮስ ጸዊዑ እናኣዕለሎም ከሎ፡እቲ ረድኢ ድማ ኣብ ጥቓ ቅዱስ ኣርሳንዮስ ኮይኑ እናቐረፈ ኪምገብ ጀመረ። ነዚ ብምዕዛብ እቶም ኣበምኔት ከምዝተቖጥዑ መሲሎም ሃረምዎ። “ኣብ ውሽጢ ገዳምና ንምንታይ ከምዚ ትገብር፧

በልዎ። ቅዱስ ኣርሳንዮስ እቲ ተግሣዕ ንእኦም ምዃኑ ተረዲኦም “ዛቲ ጽፍአት ዘአርሳኒ ይእቲ” ማለት እዛ መጽፋዕቲ ናተይ እያ” ኢሎም ነቲ ዝነበሮም ልምዲ ገደፍዎ።

ቅዱስ ኣርሳንዮስ ኣብ በረኻ ኣስቄጥስ ሓሚሞም ከለው፡ ካብ ሰብ ምጽዋት ስለዝተቐበሉ፡ “ኦ ጎይታ! ስለ ስምካ ምጽዋት ኪቕበል ኣብቂዕካኒ ኢኻ እሞ፡ የመስግነካ ኣለኹ”በሉ። ኣብ ካልእ ጊዜ ውን ኣብ ሲሃት ዝተባህለ በረኻ ከለው፡ ተጸሊእዎም እቲ ሕማም ስለዝበርትዖም ኸኣ፡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣምጽእዎም፡ ብንእሽቶይ ምንጻፍን ትርኣስን

ጌሮም ኣደቀስዎም። ሓደ ካብ ኣረጋውያን ኪርእዮም ኢሉ ምስ መጽአ፡ “እዞም ብምንጻፍ ደቂሶም ዘለው ድዮም፧” ኢሉ ብዛዕባ ዕቤት ቅዱስ ኣርሳንዮስ ተጠራጠረ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ናይ ቤተ ክርስቲያን ካህን ነዚ ኣረጋዊ ኣቦ “ኣብ ሃገርካ ከሎኻ ስራሕካን መነባብሮኻን ከመይ ነይሩ፧” ብምባል ሓተቶ፡ ንሱ ድማ “ናይ ኣባጊዕ ጓሳ ነይረ፡ መነባብሮይ’ውን ብብዙሕ ድኻም ውረድ ደይብን ነበረ” በሎም። ብድሕሪኡ “ኣብዚ

ገዳም ከመይ እዩ፧” በልዎ፡ ንሱ ውን “ኣብዝስ ብብሕተይ ተወሲነ፡ ካብ ዓለም ኣብ ዝነበረኒ ድኻም ብጸጋ እግዚአብሔር ይነብር ኣለኹ”በሎም። እዚ ምስ በሎም ኣስዒቡ፡ “ንቅዱስ ኣርሳንዮስ ኣብ ዓለም ከሎ ትፈልጦም’ዶ፧ ክብሉ ምስ ሓተትዎ፡ ኣይፈልጦን’የ በሎም። ብድሕሪኡ እቶም ካህን

“ቅዱስ ኣርሳንዮስ ናይ ሓደ ደቂ ንጉስ መምህር ነበሩ። ንእኣቶም ብዙሕ ኣገልገልትን ተኣዘዝትን ነበርዎም። ወርቅን ብሩርን ካልእ ውን ሃብቲ ዘይቁጸር ነበሮም። ዝተማህሩን ናይ ቤተክርስቲያን ሰብን ነበሩ፡ ንስኻ ኣብ ዓለም ከሎኻ፡ ዝነበረካ ዝኣክል ሃብትን ጣዕምን እዃ

ቅዱስ ኣርሳንዮስ ኣብዚ ገዳም’ዚ፡ ኣብ እዋን ሕማሞም ኣይረኸብዎን። ንስኻ ግና ኣብዚ ገዳም እዚ ናብራኻ ጥዒሙካ ትነብር ኣሎኻ፡

ቅዱስ ኣርሳንዮስ ግና እቲ ኹሉ ክብርን ሃብትን ገዲፉ መጽአ”በሎ። እዚ ምስ ሰምዐ እቲ ኣረጋዊ ኣቦ ተጣዕሰ፡ “ቅዱስ ኣርሳንዮስ ኣቦይ ይቕረ በለለይ፡ ንስኻ ናብ ድኽነትን ትሕትናን መጻእካ፡ናተይ ግና ካብ ድኻም ናብ ዕረፍቲ እዩ” ኢሉ ሰጊድሎም ኸደ።

ፍሉይ ጸሎትን ንብዓትን ኣቡነ ኣርሳንዮስ

ቅዱስ ኣርሳንዮስ ብዛዕባ ነፍሶምን ኩነታት ዓለምን ኩሉ ጊዜ ይበኽዩ ብምንባሮም፡ ኣብ መንጎ ኣፍ ልቦም ንብዓት ዝወርደሉ ቦታ ውሕጅ ከምዝኸደሉ መሬት ፍሉይ ምልክት ሒዙ ይርአ ነበረ። ተንኮበት ብምስራሕ ክነብሩ ከለው፡ ንመተርከሲ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ማይ ኣይቅይርዎን ነበሩ’ሞ፡ ነዚ ዝተዓዘበ ሓደ፡ ንምንታይ እዚ ኣዝዩ ዝረስሐን ዝጨነወን ማይ ዘይትቕይርዎ ምስ በሎም፡ ኣቦና ድማ፡ ኣብ ዓለም ከለኹ ዝሰተኽዎ ዝጸበቐን ጥዑምን ማይ፡ በዚ ክቕጻዕ ኢለ’የ በልዎ። ከምዚ ኢሎም ኸኣ ፡ቀዳም ምሸት ገጾም ናብ ምብራቕ ጌሮም ጸሓይ ዝባኖም ክትሃርሞም ኢዶም ዘርጊሖም ንጸሎት ምስ ቆሙ፡ ኮፍ ዚብሉሉ ሰንበት ንግሆ ጸሓይ ገጾም ክትሃርሞም ከላ እዮም። “ኦ! ድኹም ስጋ በስባሲ፡ በል ሕጂስ ኣዕርፍ”

ብምባል የዕርፉ። ኣቡነ ኣርሳንዮስ ንሓደ ዘይተማህረ መነኮስ ምኽሪ ኪሓትት ረኣይዎ፡ “ንስኻ ብዙሕ ዝተመሃርካ ከሎኻ ከመይ ኢልካ ነዚ ትሓቶ ኣሎኻ፡”ድማ በልዎ። ንሱ ኸኣ “እወ ኣነ ትምህርቲ ግሪኽን ሮማውያንን ተማሂረ ኣሎኹ፡ብዛዕባ ናይ ቅዱሳን ሕይወት ግና፡ ነቲ ፊደል’ውን ኣይቄጸርኩን”ኢሉ መለሰሎም።

ኣቡነ ኣርሳንዮስ ናብራ ብሕትውና ፈጺሞም፡ ካብ ምፍታው ዝትላዕለ ምስ ሰብ ምርኻብ ኣይፈትውን ነበሩ። ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ኣባ መቃርስ “ኣባ ኣርሳንዮስ፡ ካባና ንምንታይ ትሃድሙ ኣሎኹም፧ ንዓና’ውን ዓለማውያን ዲኹም ጌርኩምና በልዎም። ንሶም ድማ “ካብ መጠን ንላዕሊ ከም ዝፈትወኩም እግዝአብሔር ይፈልጥ እዩ፡ እንተኾነ ግና፡ ኣብ ሓደ ጊዜ ምስ ሰብን ምስ እግዝአብሔርን ምዃን ኣይከኣልን እዩ። ንእግዝአብሔር ሓዲገ ድማ ምስ ሰብ ምንባር ኣይክእልን እየ” ብምባል መለስሎም።

ናብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ኪኣትዉ እንከለዉ ኸኣ ኣብ ዓንዲ ይስወሩ (ይኽወሉ) ነበሩ።

ሓደ እዋን፡ ካብ ቤተ መንግስቲ ሮም ዝኾነት ንእግዚአብሔር’ውን እትፈርህ ዝነበረት ንግስቲ፡ ክትርእዮም ስለዝደለየት ንሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ቴዎፍሎስ ንኣቡነ ኣርሳንዮስ ኪዛረበላ ኢላ ለመነቶም። ሊቀ ጳጳሳት ሓሳባት እታ ንግስቲ ንኣባ ኣርሳንዮስ ነገሮም። እንተኾነ ግና ቅዱስ ኣቦና ፍቓደኛ ኣይኮኑን። እታ ንግስቲ ከም ዘይቅበልዋ ምስ ፈለጠት፡ “ኣነ ተራሰብ ዘይኮንኩስ ነቲ ዓቢይ ቅዱስ ኣርሳንዮስ ክርእዮም መጺኣ ኣሎኹ፡ ከም ዝርእዮም በረኸቶም’ውን ከም ዝቕበል ብእግዚአብሔር ኣሚነ ኣሎኹ” ኢላ ምስ ብዙሓት ዓጀብታን ሰራዊታን ኮይና ኸደቶም’እሞ፡ ንኣቡነ ኣርሳንዮስ ኸኣ ኣብ ኣፍደገ በዓቲ ረኸበቶም። ከይዳ’ውን ኣብ እግሮም ወደቐት። ንሶም ድማ “ክሳዕ ኣብዚ መጺእኪ “ንሮም ኬድኪ፡ ኣርሳንዮስ ርኤዮ ኢልኪ ከተውርዩ እሞ፡ ኩለን ናይታ ሃገር ኣንስቲ ኪመጽኣ መገዲ ከተርእይየን ዲኺ፧ “በልዋ። ንሳ ኸኣ “እግዚአብሔር እንተዘይፈቐደ ዝኾነ ሰብ ናብ’ዚ ኪመጽእ ኣይኽእልን እዩ፡ እንተኾነ ንዓይ ብጸሎትኹም ኩሉ ሳዕ ክትዝክሩኒ ይደሊ እየ” በለቶም።

ኣቡነ ኣርሳንዮስ ግና “ኣነስ ንፈጣርየይ ዝልምኖ ምዝካርኪ ካብ ልበይ ምእንቲ ከጥፋለይ እየ” በልዋ። እዚ ምስ ሰምዐት ኣዝያ ሓዘነት፡ እስንክንድርያ ምስ በጽሐት ድማ ንሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ቴዎፍሎስ ነገረቶም።”ብሰንኪ እዚ ጽኑዕ ሓዘን ክመውት እየ’ውን በለቶ። ቅዱስ ቴዎፍሎስ ግና “ንስኺ ሰበይቲ ከም ዝኾንኪ ሰይጣን ‘ውን ንቅዱሳን ብመልክዕ ሰበይቲ ከም ዚዋግኦም ኣይትፈልጥን’ዶ ኢኺ፧ ኣቡነ ኣርሳንዮስ ከምዚ ዝበሉኺ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ። ብዛዕባ ነፍስኺ ኩሉ ሳዕ ብጸሎት ይዝኹርኪ እዮም።ካብ ምጽላይ’ውን ኣየብኩሩን እዮም።

ስለዚ ሕጂ ካብ ሕማምኺ ክትድሕኒ ኢኺ “በልዋ። ሽዑ’ውን ካብ ሕማማ ሓወየት፡ ቅዱስ ቴዎፍሎስ ዝነገርዋ፡ ተረዲኣ ኸኣ ባህ እንበላ ናብ ሃገራ ኣተወት።

ሊቀ ጳጳስ ቅዱስ ቴዎፍሎስ’ውን፡ ናብ ኣቡነ ኣርሳንዮስ ናብ ዘለውዎ በረኻ ከይዶም ምእንቲ ኪረኽብዎም ልኡኻት ምስ ለኣኽሎም፡ ኣቡነ ኣርሳንዮስ ድማ “ንስኹም እንተመጺኩም ክቕበለኩ እየ። ንዓኹም እንተተቐቢለ ካልኦት ንዝመጽኡ’ውን ክቕብል እየ። ንኹሉ ዝቕበል እንትኾይነ ኣብዚ ቦታ’ዚ በይነይ ምንባር ኣይክእልን እየ” ኢሎም መለስሎም። ነዚ ምስ ሰመዑ ሊቀ ጳጳስ ቴዎፍሎስ “ናተይ ምኻድ ዘዕንቅፎም እንተኾይኑ ይትረፈኒ “በሉ። ቅዱስ ኣርሳንዮስ ኸኣ ንውዳሴ ከንቱ ክሳዕ መጠረሽታ ፈጺሞም ዝጸልኡን ካብዚ ዓቢይ ጾር ዝረሃቑን ነበሩ።

ከምዚ ኢሎም ብቕድስና እናነበሩ፡ ሓደ መዓልቲ ካብ ኣገልገልቲ ንጉስ ዝኾነ ተለኣኣኻይ፡ ንኣቡነ ኣርሳንዮስ ናይ ሓደ በዓል ጸጋ ዘመዱ ናይ ውርሻ ደብዳቤ ሂዚሎም መጽአ፡ እቲ ደብዳቤ ኣቡነ ኣርሳንዮስ ነቲ ሃብቲ ምእንቲ ክወርሱ መዋቲ ዘመዶም ከም ዝተናዘዘሎም ይገልጽ ነበረ። ኣቡነ ኣርሳንዮስ ኸኣ ነታ ደብዳቤ ምስ ኣንበብዋ ኪቐድዋ ኪብሉ ከለው፡ እቲ ዝተላእኸ ሰብ ኣብ እግሮም ብምውዳቕ “ኣብ ልዕለይ ጸገም ስለ ዝበጽሓኒ ኣይትቕደድዋ” ምስ በሎም፡ ከይቀደዱ ገደፍዋ እሞ፡ “ኣነ ቅድሚ እዚ ሰብ’ዚ ዝመትኩ ስለዝኾንኩ፡ ናቱ ወራሲ ኪኸውን ኣይክእልን እየ”፡ መነኮስ ማለት ካብ ንብረት ናይዛ ዓለም ሞተ ማለት እዩ በልዎ። ኣቡነ ኣርሳንዮስ ኣብኡ ብጸምን ጸሎትን ትሕትናን ፍቕርን ሰናይ ገድሊ ክርስቲያን ተጋደሉ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ስቕታ የዘውትሩ ነበሩ። ብስቕታ ናቶም ዝተገረሙ ኣብ ዝሓተትዎ ጊዜ፡ ክምዚ ክብሉ ይምልስሎም፥- “ብምዝራበይ ብዙሕ ሳዕ ተጣዒሰ እየ፡ ኣብ ጊዜ ስቕታይ ግና ተጣዒሰ ኣይፈልጥን’የ ማለት ኣብ ብዝሒ ዘረባ ውድቀት ስለዝፍጸም’ዩ ይብሉ። ኣቡነ ኣርሳንዮስ ካብቲ ዝነበርዎ ሕይወት ንድሕሪት ከይምለሱን ዘለዎም ጸጋ መታን ከየጥፍእን ድማ፡ “ኣርሳንዮስ ኣርሳንዮስ” እንታይ ክትገብር ናብዚ መጻኻ እናበሉ የዘኻኽርዋ ነበሩ። ገድሊ ናይ ኣቡነ ኣርሳንዮስ እዚ ኢልካ ዝግለጽ ኣይኮነን፡ ከምቲ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ዝብሃል፡ ካብ ብዙሕ ብውሑድ በረኸቶም ንኽንካፈል ኢልና ኢና።

እምበኣር ኣቦና ከምዚ ኢሎም ብቅድስና ምስ ዓበዩ ዘሕለፍዎ ዕድመ፡ 40 ዓመት ኣብ ሮም ፡ 35 ዓመት ኣብ ገዳመ ኣስቄጥስ፡ 20 ዓመት ኣብ ምስሪ ፡ 3 ዓመት ኣብ ኣድባራት እስክንድርያ፡ 2 ዓመት ኣብ ደብረ ምስሪ ብምቕማጥ ኣብ መበል 100 ዓመቶም፡ ብ13 ግንቦት ግእዝ ካብዛ ሓላፊት ዓለም፡ ናብታ ዘለዓለማዊት ተስፋ ኩላትና ዝኾነ መንግስተ ሰማያት ተሰጋገሩ።

በረኸቶምን ጸሎቶምን ናይ ኣቡነ ኣርሳንዮስ ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን አሜን!!!

ኣቡነ ኣርሳንዮስ

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን!

 

Leave a comment

Send a Comment