፲፬/14 የካቲት ዕረፍቱ ለቅዱስ ሳዊሮስ ሊቀ ጳጳሳት ዘኣንጾኪያ መምህረ ኲሉ ዓለም

፲፬/14 የካቲት ዕረፍቱ ለቅዱስ ሳዊሮስ ሊቀ ጳጳሳት ዘኣንጾኪያ መምህረ ኲሉ ዓለም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!

፲፬/14 የካቲት ዕረፍቱ ለቅዱስ ሳዊሮስ ሊቀ ጳጳሳት ዘኣንጾኪያ መምህረ ኲሉ ዓለም

 

 

 

ቅዱስ ሳዊሮስ መምህር ኵሉ ዓለም ንቐዳማይ ሳዊሮስ ወዲ ወዱ – ኮይኑ ዓሌቱ ካብ ሃገረ ሮማ እዩ። አባኃጐኡ ካህን ሳዊሮስ ይብሃል።  አባ ኃጉኡ  ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ምስቶም ክልተ ሚእቲ ሊቃውንቲ ኺኸይድ ከሎ ሓደ ራእይ ረኣየ። ንሱ ድማ ‘እስመ ወልድ ዘይትወለድ ወልድከ ውእቱ ያቀውም ሃይማኖተ ርትዕተ ወይሰመይ ስሙ ሳዊሮስ በከመ ስምከ” “እቲ ካብ ወድኻ ዚውለድ ስሙ ልክዕ በዚ ናትካ ስም ሳዊሮስ ዚበሃል ኪኸውን እዩ። ንሱ ነታ ቕንዕቲ ሃይማኖት ብጽቡቕ ኪሕልዋ እዩ” ዚብል ነበረ።

ቅዱስ ሳዊሮስ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ኤጲስ ቆጶስ ምስ ሞተ ተወሊዱ። ስሙ ድማ በቲ ራእይ መልክዕ ሳዊሮስ ተባህለ። ንትምህርቲ አካለ መጠን ምስበጽሐ ብዘሎ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ከምኡውን ዓለማዊ ትምህርቲ ብግቡእ ተማሂሩ ሊቀሊቃውንት ኾነ።

ሓደ መዓልቲ ናብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ሓደ ዓቢይ ባሕታዊ እንተኸደ፡ እቲ ባሕታዊ ዘይፈልጦ ኸንሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ገሊጹሉ “ሠናይ ምጽአትከ ሳዊሮስ” ሳዊሮስ እንቋዕ ደሓን መጻእካ” ምስ በሎ ”ስመይ መን ነጊርዎ፧” ብምባል ተገረመ።

‛ቅዱስ ሳዊሮስ ብግብሪ ጽድቂ ዓብዩ፡ ኣብ ገዳም አባ ሮማኖስ መንኲሱ ብግብሪ ጽድቅን ትሩፋትን ኣዝዩ ፍሉጥ ኮነ። እቲ ዝነበረ ኤጲስቆጶስ ምስ ሞተ እቶም ኪሸሙ ዚኽእሉ ሊቃውንቲ ንአባ ሳዊሮስ ብዘይፍቓዱ ብኃይሊ ሸምዎ። ንሱ ንቤተ ክርስቲያን ብጽቡቕ ኣብርሃ።

ግና ኣብ መዋእል ሽመት ኤጲስ ቆጶስነቱ ንነዊኅ እዋን ኣይጸንሐን፡ ምኽንያቱ እቲ ዝነበረ መራሒ ንጉሥ ዮስጥያኖስ ሰበይቱ ቴዎድራ ንሱ ኸሓዲ፡ ሰበይቱ ኣማኒት ብምንባሮም፡ ዮስጥያኖስ ኣብቲ ናቱ ኽሕደት ከእትዎ ወይ ከኣ ኺቐትሎ፡ ምስ ሓሰበ ንግሥት ቴዎድራ “ሰብኣየይ ኪቐትለካ ይደሊ ስለዘሎ ህደም” ኢላ ብጥበብ እግዚኣብሔር ማለት ፈሪሁ ዘይኮነስ ብዙኅ ንሱ ዘበርክቶ መንፈሳዊ ትምህርትን ትሩፋትን ስለዝነበረ ናብ ሃገር ግብጺ ሃደመ።

ቅዱስ አባ ሳዊሮስ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተዘዋወረ  ሃይማኖተ ክርስቶስ  ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሰበኸ። እቲ ንጉሥ ኪቐትሎ እኳ እንተሓሰበ እግዚኣብሔር  ሠዊርዎ ኣብ ጥቕኡ ኸሎ  ኺረኸቦ ኣይከኣለን። ምስቶም  ንኽቐልትልዎ ዝተላእኩ ወተሃደራት ብሓደ እናወዓሉን እናኃደሩን እግዚኣብሔር ሠዊርዎ ኺርእይዎ ኣይከኣሉን።

 

 

 

 

ቅዱስ አባ ሳዊሮስ ከም ሓደ ታራ ፈላሲ ተመሲሉ ኣብ ናይ ግብጺ ገዳማት ኪንቀሳቀስ ከሎ ሓደ መዓልቲ ናብ ገዳመ ኣስቄጥስ ገዳም አቡነ መቃርዮስ፡ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን እቲ በዓል እብረ ዓጣናይን ቀዳሳይን መሥዋዕቲ ንኸዕርግ ነቲ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣቐመጦ። ሽዑ ንኺቕድስ ነቲ መሥዋዕቲ ኣብቲ ዘቐመጦ ሃሪ ኸፊቱ እንተረኣየ ተሠዊርዎ ኺረኽቦ ኣይከኣለን። ንሱ እናበኸየ ኻብ መቕደስ ወፂኡ ነቶም ሕዝቢ እንተብኃጢኣተይ፡ እንተብኃጢኣትኩም እቲ ዘቐመጥክዎ ኺቕድሰሉ ዚግባእ መሥዋዕቲ ስኢነዮ” ኢሉ ነገሮም። እቶም ሕዝቢውን ኃቢሮም ብኃጢኣቶም ምስኡ በኸዩ። ሽዑ መልኣኸ እግዚኣብሔር ተገሊጹ ነቲ ኻህን “ኣኮ ዘኮነ በእንተ ኃጢአትከ ወኢበእንተ ኃጢአተ ሕዝብ” እዚ ኾይኑ ዘሎ ብኃጢኣትካ ወይ ብኃጢኣት ሕዝቢ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ሊቀ ጳጳሳት አባ ሳዊሮስ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ስለዘሎ  ንሱ እምበር ንስኻ ኽትቕድስ ኣይተፈቕደልካን።” ሽዑ እቲ ካህን “በል ኣርእየኒ ኽጽውዖ ኣበይ ኣሎ በሎ፧ እቲ መልኣኽ ዘለዎ ሓቢርዎ ንሱ ውን ጸውዖ። እቲ ኻህን ንሊቀ ጳጳሳት “በል ከምዚ ርእየ ሕጂ ኸኣ ነዓ ቐድስ” እንተበሎ፡ አባ ሳዊሮስ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቐዲሙ ፈሊጡ እኳ እንተጸንሐ “ኣይፋልካን ንስኻ ደኣ ቐድስ’ በሎ። ሽዑ ንአባ ሳዊሮስ ኪቕድስ ብዓቢይ ክብሪ ተኸቲሎም ኣእተውዎ። እቲ ተሠዊሩ ዝነበረ መሥዋዕቲ ኸኣ ኣብቲ ዝተቐመጦ ጸንሐ። ሽዑ ዅሎም ንግብሪ እግዚኣብሔር ኣመስገኑ።

ድኅሪኡ ቅዱስ አባ ሳዊሮስ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ኣብ ሃገር ስሓ ኣብ እንዳ ታርዳዊስ ዝተባህለ መፍቀር እግዚኣብሔርን ሃብታምን_ሰብኣይ

ጸኒሑ ብሰላም ዓረፈ። ጸሎቱን በረኸቱን ናይ አቡነ ሳዊሮስ ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።

መወከሲ፦ ስንክሳር ፲፬ (14) የካቲትን ስንክሳር ፪ (2) ጥቅምትን ተመልከት።

ስብሐት ለእግዜብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን!!!

Leave a comment

Send a Comment