፲፬/14 ጥቅምቲ ዕርፍቱ ለኣቡነ ገብረ ክርስቶስ መርዓዊ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን::
ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ ስም ኣቡኦም ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ስም ኣዲኦም ድማ መርኬዛ ይበሃሉ፤ ናይ ሃገር ቍስጥንጥንያ ንጉሥ ድማ ነበሩ። ኣቡኦም ቴዎዶስዮስን ኣዲኦም ንግሥቲ መርኬዛን ፈተውቲ ኣጋይሽ፡ ርኅሩኃት፡ መጽወትቲ፡ ተቐባሊ ጋሻ፡ ለዋሃት፡ ፈሪሃ እግዚአብሔር ዘለዎም እኳ እንተኮኑ ውላድ ብምስኣኖም ይጉህዩን ይሓዝኑን ነበሩ። ሓደ መዓልቲ መርኬዛ ንንጉሥ ከምዚ በለቶ ንዓ እንዶ እግዚአብሔር ዘሕጕስ ወላድ ንክህበና ንለምኖ በለቶ፤ ንሱ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ንኺድ እሞ መብጽዓ ንእቶ በላ ከም ሓሳቦም ድማ መብጽዓ ኣተው፡ እግዚአብሔር ድማ ጸሎቶም ሰሚዑ ኣብ እርግንኦም ጽቡቕ ዝመልክዑ ሠናይ ዝኣርኣያሁ ወላድ ሃቦም። ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ድማ ንወዱ ዓብደልመሲሕ ትርጕሙ ድማ ‘ገብረ ክርስቶስ’ ክብል ሰመዮ።

ኣቡነ ገብረ ክርስቶስ ዅሎም ኣዝማዶምን ቤተሰቦምን ደቂሶም ከለው ብለይቲ ወፂኦም ንጽባሒቱ ኣብ ገምገም ባሕሪ በጽሑ ሓንቲ ትብገስ መርከብ ረከቡ’ሞ ገንዘብ ከፊሎም ባሕሪ ሰገሩ፡ ንጽባሒቱ ቤተሰቦም እንተኸዱ በይና መርዓት ረኸብዋ ምስ ሓተትዋ እቲ ዝኾነ ኵሉ ንገረቶም ኣዝዮም ሓዘኑን ጐሃዩን፡ ኣቡኦም ቴዎዶስዮስ ንዓሻኽሩ (ወተሃደራቱ) ብምልኣኽ ገንዘብ እንዳሃቡ ንድኻታት መንገዲ ሓለፍቲ ክሓቱ ናብ ኵላ ሃገር ለኣኽዎም እንተኾነ ግን ሰኣንዎም። ድኅሪ ብዙኅ ጊዜን ዓመትን ገብረ ክርስቶስ ኣብ ኣርማንያ ሃገር በጽሑ። ኣብኣ ድማ ሓንቲ ብስም ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝተሓንፀት ቤተክርስትያን ነበረት’ሞ ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ መርዓዊ ምስቶም ኣብታ ቤተክርስትያን ዝነበሩ ሓንካሳትን፡ ቆራያትን፡ ድኻታትን፡ ብብዙኅ መከራ የኅልፍዎ ነበሩ። እቶም ወተሃደራት ናይ ንጉሥ ገንዘብ እንዳሃቡ ሓተትዎም ግና ኣየለለይዎምን፡ ከምዚ ኢሎም ንኣስታት ፲፭(15) ዓመታት ብጾምን ጸሎትን ነበሩ። ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንሓደ ካብቶም ኣብታ ቤተክርስትያን ዘገልግል ካህን ጽባሕ ናብቲ ድኻታት ዝድቅስሉ ኣፍደገ ዄድካ ብጾምን ጸሎትን ንእግዚአብሔር ዘስመረ ሰብ ክትረኽብ ኢኻ’ሞ ምሳኻ ውሰዶ በለቶ፡ ንጽባሒቱ ከይዱ ንቅዱስ ገብረ ክርስቶስ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝገለጸትሉ ኵሉ ነገሮ ቅዱስ ጻድቅ ገብረ ክርስቶስ ዛንታ ሕይወቶም ንካልእ ከይነግር ብምምሓል ነገሮ። ሽዑ ናብቲ ቤተክርስትያን ብምእታው ‘ኦ ርኅርኅተ ሕሊና ድንግል ማርያም ኵሉ ምሥጢረይ ንሰባት ነገርክለይ፤ ሕጂ ናብቲ ዝኸዶ ንገርኒ ዝሕሸኒ ንስኺ ትፈልጢ ኢኺ’ ኢሎም ለመንዋ ነገረቶም ድማ፡ ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ ሰብ ከይፈለጦም ናብ ገምገም ባሕሪ ምስ ከዱ ሓንቲ ናብ ብሄር በርበር ትብገስ ጃልባ ረኸቡ እሞ ነቲ ዋና ጃልባ ብስም እግዚአብሔር ምሳኻ ተማልኣኒ በልዎ እቶም ተሳፈርቲ ከኣ ተማልኣዮ በልዎ እሞ ተማልእዎ። ያል ኣውሎ ንፋስ መጺኡ ነታ ጃልባ እናገፍዐ ኣንፈታ ቀይሩ ናብ ሃገር ቍስጥንጥንያ ወሰዶም፡ ሽዑ ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ ዓዶም ከምዝበጽሑ ምስ ፈለጡ ንእግዚአብሔር ኣመስገኑ ወለዶም ክርእዩ ቅዱስ ፍቓዱ ስለዝኾነ ደጊሞም ደጋጊሞም ንእግዚኣብሔር ኣመስገኑ። ናብ ኣቡኦም ከይዶም ‘ዎ ንጉሥ ፍቓድካ እንተኮይኑ ካብ ተረፍካ ክበልዕን ክሰትን ከምኡ ድማ ኣብ ኣፍ ደጌኻ ክነብር በልዎ፡ እቲ ንጉሥ ድማ ወዱ ምኳኑ ስለዘይፈለጠ እስከ ንወደይ ከኣ ከምኡ ጌሮም እንተደንገጹሉ ነዚ ሰብ’ዚ ካብ ተረፈይ መግቢ ዝህቦ ኢሎም ክልተ ወተሃደራት ካብቲ ተረፍ መግቡ ክህብዎም ኣዘዝዎም፤ እቶም ወተሃደራት ድማ ብጫፍ ንእሽቶይ ዳስ ሠሪሖም ኣቐመጥዎም። ተረፍ መግቢ ናይቲ ንጉሥ ይህብዎም ነይሮም። ኮነ ከኣ ንስኻ ሥራሕ ከተብዝኃልና ናብዚ መጺእካ እናበሉ ሓንሳእ ይጸርፍዎም፡ ይጸፍዕዎም፡ ይሸንሎም፡ ብዙኅ ግፍዕታት ይፍጽምሎም ነበሩ። ከምዚ ኢሎም ብዙኅ ስቅያት ኣሕለፉ ን፲፭(15)ዓመታት ኣብ ቤት ኣቡኦም ከም ነዳይ ነበሩ።
ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዕረፍቱ መጺኡ ከምቲ ኣብ መዝ. ፹፱፥፫ “ኪዳነ ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ” ዝበሎ ቃል ኪዳን ኣተወሎም ስሞም ንዝጸውዐ፡ ብስሞም ንድኻታት ዝመጽወተ፡ ብስሞም ሠናይ ነገር ዝገብር፡ ብስሞም ቤተክርስትያን ዝሓንፅ ክምሕረሎም ምዃኑ ብዘይ ዕጸፍ ቃሉ ቃል ኪዳን ኣተወሎም። ብድኅሪ’ዚ ነቶም ወተሃደራት ወረቀትን ብርዕን ከምጽእሎም ብስም እግዚአብሔር ለመንዎም፡ ንሶም ድማ ሃብዎም፡ ኣብታ ወረቀት ዛንታ ሕይወቶም ጸሓፉ ብሰላም ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ብ፲፬(14) ጥቅምቲ ዓረፉ። ኣባ ቴዎፍሎስ ንሥርዓተ ቅዳሴ እንዳተዳለው ከለው እግዚአብሔር ኣብ ቤት ቴዎዶስዮስ ገብረ ክርስቶስ ዓሪፉ ኣሎ’ሞ ኣምጽኣዮ ዝብል ቃል ሰምዑ እንተኸዱ ሓቂ ኮይኑ ጸንሖም ነታ ዝሓዝዋ ወረቀት እንተንበብዋ ኣቡኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ኵሎም ስድርኡን ቤተሰቡን ብዙኅ ብኽያትን ገዓርን ገበሩ ብዙኅ ሓዘን ሓዘኑ ብዙኃት ሰባት ቅዱስ ሥግኦም ምስ ተንከዩ ተፈወሱ ኣብ መወዳእትኣ ድማ ሓመድ ኣዳም ኣልበስዎም።
በረኸትን ጸጋን ኣማላድነትን ናይ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣይፈለየና።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር