፲፭.15 ሕዳር ሰማእት ቅዱስ  ሚናስ'

፲፭.15 ሕዳር ሰማእት ቅዱስ  ሚናስ'

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

  ፲፭.15 ሕዳር ሰማእት ቅዱስ  ሚናስ

  ቅዱስ ሚናስ ካብ ፈሪሃ እግዚአብሔር ዝነብሮም፡ ካብ ኣቡኡ ቅዱስ ኣውዶክስዮስ ካብ ኣዲኡ ቅድስቲ ኣፎምያ ብ285 ዓ.ም ኣብ ግብጺ ና”ቅዮስ ዝተባህለት ከተማ ተወልደ። ቅዱስ ኣውዶክስዮስ   ኣመሓዳሪ ናይ ከተማ ና”ቅዮስ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብዅሉ ሰናይ ምግባሩ ከኣ ዝተፈተወ ነበረ። ። እንተኮነ ግና፡ እቲ ጸላኢ ሠናያት ዲያብሎስ፡   ኣብ ልዕሊ ሓው ቅንኣት ብምሕዳር ሓው ከኣ ንንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ብምእማን ካብቲ ዝነበሮ ቦታ ናብ ኣፍራቅያ     ከም ዝስደድ ገበረ

 

ቅዱስ ኣውዶክስዮስ፡ ፈሪሃ እግዚአብሔር ስለዝነበሮ ፡ ብዅሉ ሠናይ ተግባሩ፡ ኣብ ኵሉ ሕዝቢ ፍትው ነበረ። እንተኾነ ወለዲ ቅዱስ ሚናስ ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ብዘይ ውላድ ስለ ዝጸንሑ ውላድ ንኽህቦም ዘውትር ናብ እግዚኣብሔር  ይልምኑ ነበሩ።   ሓደ እዋን”ዩ  ቅድስቲ ኣፎምያ  ክብረ በዓል ናይ ኣዴና ቅድስት  ድንግል ማርያም ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣብ ቅድሚ ስእላ ኮይና፡ ዝርንዛሕ እናነበዐት ትጽሊ ነበረት እሞ፡ ደቂ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ከኣ፡ ብጻዕዳ ዝማዕረገ ልብሲ ለቢሶም ምስ ደቆምን ምስ ኵሎም ቤተሰቦም ደስ ኢልዎም ክኣትዉ ከለዉ ምስ ረኣየት ፡ ኣምሪራ በኸየት። ነቲ  ገባሪ  ኵሉ ንዝኾነ  ጐይታናን ኣምላኽናን  መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ፡ ውላድ ንኸህባ  ናብቲ ስእሊ ኣድህኖ,  ኣንቃዕሪራ  ንብዓት ብዝተሓወሶ ኣምሪራ  ትልምን  ኣብ ዝነበረትሉ ጊዜ፡ ካብታ ሥእለ ኣድኅኖ “አሜን” ዝብል ድምጺ ሰመዐት ። ናብ በዓል ቤታ ከይዳ ኸኣ፡ ካብ ስእሊ ናይ ኣዴና ቅድስት  ድንግል ማርያም ካብቲ ስእላ “አሜን” ዝብል ድምጺ ከምዝሰምዐት ነገረቶ። ቅዱስ ኣውዶክዮስ ነዚ ሰሚዑ፡ ንሰበይቱ እግዚአብሔር ከም ዝፈቀዶ  ይኹን  በላ

ድሕሪ ቁርብ ግዜ ከኣ ቅድስቲ ኣፎምያ፡   ወዲ ወለደት።  ከምቲ ዝሰምዓቶ ካብ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወጸ ድምጺ ከኣ ሚናስ ኢላ ስም   ኣውጸአትሉ። ቅዱስ ሚናስ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ምስ ዓበየ፡ ኣቡኡ ቃል አምላኽን፡ ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን፡ ክምህሮ ጀመረ። ቅዱስ ሚናስ ወዲ 12 ዓመት ዕድሚኡ ምስ በጽሐ፡ ወላዲኡ ብጽቡቅ እርጋን ኣሪጉ ካብዛ ሓላፊት ዓለም ብሰላም  ኣዕረፈ።  ድሕሪ 3 ዓመት ከኣ እንደገና፡ ወላዲቱ ብሞት ተፈለየቶ ። ቅዱስ ሚናስ,፡ ብንኡስ ዕድሚኡ እንከሎ፡  ንበይኑ ንዓለም ገጠመ። ኵሉ ግዜ ከኣ ብጾምን ብጸሎትን ይጽመድ ስለዝነበረ ፡ ጸጋ አምላኽ ኣይተጋደፎን።

እቶም መካንንቲ ፡ ኣጸቢቆም ይፈትውዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ክንዲ ኣብኡ መስፍን ናይቲ  ሃገር ጌሮም ሸምዎ።

ንሱ ከኣ ፡ ብኣምልኾተ እግዚኣብሔር ጸኒዑ ይነብር ነበረ።

ኣብቲ ጊዜ ‘ቲ’ ነጊሱ ዝነበረ ንጉስ፡ ንጉስ ዲዮቅልጥያኖስ ኮይኑ፡ ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ንዝነበሩ ኣምልኾ ጣኦት ከኣ ፡ ክነግስ መምርሒ ኣውጽአ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ብዙሓት ቅዱሳን ሰማእትነት ዝተቀበሉሉ እዋን እዩ ነይሩ። ቅዱስ ሚናስ ፡ ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ናይ ዲዮቅልጥያኖስ ነበረ። ነዚ ኵሉ ክሕደት ምስ ተዓዘበ ከኣ ፣ ኵሉ ዝነበሮ ሃብቲ ናይዚ ዓለም ሸይጡ ከኣ፡ ንድኻታት ድሕሪ ምሃብ፡ ናብራ ነገስታትን ሃብታማትን  ራሕሪሑ ናብ ምድረበዳ  ብምዃድ ናብራ ብሕትውና ሓደ ኢሉ ፈለመ።

ኣብ ምድረበዳ ከኣ፡ ዓቢ መንፈሳዊ ገድሊ ይጋደል ነበረ። ሓደ እዋን”ዩ፡ ሓደ ራእይ ረኣየ። እቲ ራእይ ከኣ ሰማይ ተኸፊቱ ሰማእታት ወርቂ ኣኽሊል ዝደፍኡ ድምጺ’ ሰምዐ። እቲ ድምጺ ከኣ፦

“ምእንቲ ክርስቶስ ነፍሱ ኣሕሊፉ ዝህብ ነዚ ኣኽሊል ሰማእትነት ይበቕዕ።” ዝብል ነበረ።

ቅዱስ ሚናስ ፡ሰማእትነት መታን ክቕበል ,ካብታ ሰዓት እቲኣ ጀሚሩ፡ ናብታ ዝዓበየላ ከተማ ተመሊሱ ክሰብኽን ክምህርን ጀመረ።ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ቡዙሓት  ከኣ፡ ካብ ክቡራት ስድራ ምዃኑ ይፈልጡ ስለዝነበሩ፡ ነቲ ዚብሎ ዝነበረ ከቃርጾ ይመኽሩዎ ነበሩ።  ንሱ ግና  ብክርስቶስ ሓንሳብ ስለዝኣመነ ብትብዓት ይምስክር ነበረ። ኣማሓዳሪ እታ ከተማ  ከይተረፈ፡ ብትብዓቱን ተወፋይነቱን ስለዝፈልጦ፡ ቅድሚ ናብ ምድረበዳ  ምዃዱ ዝነበሮ ናይ ወተሃደራዊ መዓርግን ስልጣንን ካብኡ ንላዕሊ ዝበለጸ ከም ዝህቦን ከም ዝገብረሉን ቃል ኣተወሉ።

ቅዱስ ሚናስ ግና፡ ንሰማያዊ ሃብቲ እዩ ዘቋምት ዝነበረ እምበር፡ ምድራዊ  ኣተሓሳስባ ስለዘይ,ነበሮ  ስብከቱ ቀጸለ። እቲ ኣማሓዳሪ ግና ንወተሃደራቱ ከሳቅይዎን ኣብ መወዳእታ ’ከኣ ብበሊሕ ሰይፊ  ርእሱ ክቖርጽዎን ኣዘዘ። ድሕሪ ብዙሕ  ስቓይን መከራን፡ ተጋድሎን ከኣ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ሰማእትነት ተቀቢሉ ፡  ካብዛ ሓላፊ ዓለም ፡ ብ15 ሕዳር  309 ዓ.ም ብሰማእትነት  ኣዕረፈ።

ቅዱስ ሚናስ፡ ድሕሪ ብሰማእትነት ክሳዱ ብሰይፊ ምቁራጹ ፡ ሬሳኡ ኣብ ሓዊ ንሰለስተ መዓልቲ  ከቃጽልዎ ተኣዘዘ። ገለ ኣመንቲ ግና ነቲ ሬሳ ካብቲ ሓዊ ምስ ኣውጽእዎ ከምዘይ’ተቓጸለ ምስ ተመልከቱ። ንአምላኽ እንዳ ኣመስገኑ ክሳዕ ዘመነ ስደት ዘብቅዕ ፡ ብመግነዝ ገኒዞም ኣብ ጽቡቕ ሳንዱቕ ዓቐብዎ።

ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ሰላማ ረኺባ ካብ ዓላውያን ነገስታት ፈተና ነጻ ኣብ ዝኾነትሉ ግዜ፡  ኵሉ መሰላ ምስ ተሓለወላ፡ ነቶም ክርስቲያን እቶም ዝተረፉ ኣረሜናውያን ስለዘሸገርዎም ናብ ኵናት ወፈሩ። ናይቲ ኵናት መራሒ ዝነበረ፡ ገድሊ ቅዱስ ሚናስ ብዓይኑ ዝረኣየ ሓደ ሰብ ጥያይ  እዩ ነይሩ። በዚ ድማ ንሳንዱቕ ሬሳ ናይ ቅዱስ ሚናስ ምእንቲ ክሕግዞም ፡ምስኣቶም  ተማልእዎ  እሞ፡  ብመርከብ ከኣ ኩጋዓዙ ጀመሩ።

እግዚአብሔር ኣምላክ ፡ኣብ ቅዱሳኑ ፍሉይ ክብሪ ከም ዘለዎ  ተአምር ክገልጽ ከሎ፡ ካብቲ ባሕሪ ፍልይ ዝበሉ እንስሳታት፡ ክሳዶም ንኣግማል ዝመስል ርእሶም ከኣ  ቅርጺ ተመን  ንዝነበሮም ካብ ባሕሪ ወጺኦም ነቲ ሬሳ ናይ ቅዱስ ሚናስ ክልሕስዎ ናብቲ ሳንዱቕ ምስ ቀረቡ፡ ካብቲ ሳንዱቕ ከኣ ፡ ሓዊ ወጺኡ ኣቃጸሎም።  እግዚአብሔር ብቅዱሳኑ ከኣ ፡ ተኣምራት  ክገበር ንርኢ። እቶም ሰባት  ኵሎም፡ ነዚ ርእዮም ተደነቁ።

ብድሕሪ’ቲ ኵናት፡ ካብ እስክንድርያ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ምስ ደለዩ፡ ንሬሳ ቅዱስ ሚናስ ማለት ነቲ ሳንዱቕ ኣብ ገመል ምስ ኣቀመጥዎ፡ እቲ ገመል ምንቅስቓስ ኣበዮም። ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ገመል ከኣ ፈተንዎ።  እንተኾነ ግን፡ተማሳሳሊ ስለዝነበረ፡ ኣብታ ዝነበሩዋ ቦታ ቀበርዎ። ነታ መቃብር ከኣ መፈለጥታ ገበሩላ  እሞ ፡ ናብ ቦትኦም ተመልሱ። ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ ግና፥ ትእምርተ እግዚአብሔር ክግለጽ ስለ ዘለዎ፡ ኣብቲ ቅዱስ ሚናስ ዝተቀብረሉ ቦታ፡ ሓደ ጓሳ ኣባጊዑ ሒዙ ዘውትር ይመላለስ ነበረ።

እዚ ጓሳ እዚ፡  ካብተን ጥሪቱ ብብርቱዕ ቝስሊ ዝሓመመት ሓንቲ በጊዕ ነበረቶ። ብርግጽ ኣበይ ከምዝተቀብረ ናይ መን መቃብር ከም ዝኾነ ይፈልጥ ኣይነበረን። እንተኾነ ግና እታ በጊዕ ኣብቲ መቓብር ናይ ቅዱስ ሚናስ ዘሎ  ሓመድ ምስ ደቀሰትን ካብቲ ዝፍልፍል ዝነበረ፡ማይ ምስ ሰተየትን፡ ብቕጽበት ካብ ኵሉ ቍስላን ሕማማን ነጺሃ፥ ፈጺማ ሓወየት።

እዚ ተኣምር ዝተዓዘበ ጓሳ፡ ብሓቒ ተሓጐሰ ከምኡ’ውን በቲ ዝተፈጸመ ተኣምር ፈርሀ። ካብ ሽዑ ንደሓር ካብ ኣባጊዑ ዝኾነ ሕማም ከጋጥመን እንከሎ ካብቲ ሓመድ ወሲዱ ማይ ሓዊሱ ይለኽየን፡ የስቲየን እሞ፡ ካብ ሕማመን ይሓውያ ነበራ። ካብ ጥሪቱ ሓሊፉ’ውን ንዝሓመሙ ሰባት ከሐዊ ጀመረ። እዚ ዜና እዚ ክሳዕ ንጉስ ናይ ሮም በጽሐ።

ንጉስ  ናይ ሮም ፡ሓንቲ ጓል ነበረቶ እሞ፡ እዛ እንኮ ሓንቲ  ጓሉ ኵሉ ሰውነታ ብዘስካሕክሕ ቁስሊ ተሸፊኑ ነበረ። ንኽትሓውየሉ ድማ ናብቲ ቦታ ሰደዳ። ነቲ ጓሳ ከመይ ገይሩ ንጥሪቱ ከምዘሕውየን ከም ዝነበረ’ ውን ሓተቶ። እቲ ጓሳ ከኣ፡ ብዝግባእ ምስ ሓበሮ፡ እታ ጓል ንጉስ፡ ከምቲ እቲ ጓሳ ዝሓበራ፥ ሓመድ ምስ ማይ ሓዊሳ, ንኹሉ ሰውነታ ለኸየቶ። ካብቲ ማይ’ውን ሰተየት፡ ኣብቲ  መቓብር ዝነበሮ ኸኣ ሓደረት። እዚ ዅሉ ተኣምር ክግበር ግና ናይ መን መቓብር ምዃኑ ዝፈልጥ  ወላሓደ ሰብ  ኣይነበረን።እታ ጋል ንጉስ ፡ ለይቲ ኣብ ድቃስ እንከላ ሰማእት ቅዱስ ሚናስ ተራእያ”እሞ፡ከምዚ’ውን በላ፡-

እዛ ደቂስክላ ዘለኺ መቓብረይ እያ፡ ኲዒትኩም ኣዕጽምተይ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ዝብል ድምጺ  ሰምዐት። በቲ ዝሰምዓቶ ሰንቢዳ ከኣ  ንስኻ መን ኢኻ በለቶ፧ ንሱ ድማ  ኣነ ሚናስ እየ ኢሉ መለሰላ። ንቅዱስ ሚናስ ኣብ ድቃሳ ብራእይ ስለዝረኣየቶ ፡ ብጣዕሚ ደስ በላ። እቲ ኵሉ ጊዜ ዘሳቕያ ዝነበረ ቁስሊ ድማ ተቐንጢጡ ከም ዝጠፍኣላ  ምስ ረኣየት  ዓቢ ሓጐስ ተሓጐሰት። ንአምላኽ’ውን ኣመስገነት።

ብድሕሪ’ዚ ኣንጊሃ እቲ ዝረእየቶን ዝሰምዓቶን ንዅሎም ነገረቶም እሞ፥ ንገላውኣ ድማ ካብቲ ቦታ ኲዒቶም ንሬሳ ቅዱስ ሚናስ ከውጽእዎ ኣዘዘት። ነዚ ኵሉ ሓጐስ ከኣ ንንጉስ  ደብዳቤ ሰዲዳ ኣበሰረቶ። ንጉስ ናይ ሮም  ነዚ ምስ ሰምዐ፡ ቤተክርስቲያን ኣብቲ ቦታ ሓነጸ። ብጊዜ ንጉስ  ኣርካ’ድዮስን፡ ኦናር’ዮስን ብስም እዚ ጻድቕ አቦ ዓቢይ ቤተ ክርስቲያን ክሰርሑን፡ ከተማ’ውን ንኽገብሩላ ኣዘዙ። እዞም ቅኑዓት ነገስታት ኣዕጽምቲ ቅዱስ ሚናስ ኣብታ ቤተክርስቲያን ከም ዝዕቀብ ገበሩ። ብዙሕ  ዓበይቲ ትእምርትታትን ተኣምራትን ድማ ብፍቓድ አምላኽን ብኣማላድነት ቅዱስ ሚናስን ተገብረ።

ካብቲ ዕለት እቲ ጀሚሮም ድማ,፡ ብዙሓት ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት,፡ ዝሓመሙ ናብዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መጺኦም፡ ይሓውዩ ነበሩ ። ዝተፈላለየ ትእምርትታትን፡ ተኣምራትን ከኣ  ይርእዩ ነበሩ። ጸላኢ ሰናያት ግና በዚ ስለዝተረበሸ ናዕቢ ኣላዒሉ ነታ ቤተ ክርስቲያን ከምትፈርስ ገበረ። እታ ከተማ’ውን ዑና ኮይና ተረፈት። ሕጂ’ውን ጸላኢ ሰናያት ምእንቲ ክሓፍር ኣዕጽምቲ ናይ ቅዱስ ሚናስ ፡ካብቲ ዝነበሮ ኣውጺኦም  ካልእ ቤተክርስቲያን ሰሪሖም ኣቐመጥዎ።

ሕጂ ’ውን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተራእየ ዝዓበየ ዘደንቕ ተኣምራት ተገብረ።

ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ሰማእት ቅዱስ ሚናስ ምስ ኵላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን!

 

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል

አሜን!

Leave a comment

Send a Comment