፲፭/15 መስከረም ፍልሰተ ሥጋሁ ሊቀ ዲያቆናት ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስ

፲፭/15 መስከረም ፍልሰተ ሥጋሁ ሊቀ ዲያቆናት ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

፲፭/15 መስከረም ፍልሰተ ሥጋሁ ሊቀ ዲያቆናት ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስ

ቅዱስ እስጢፋኖስ፡ ብቅዱሳን ሓዋርያት ሊቀ ዲያቆናት ተሸይሙ ምእመናን እናኣብዝሐን ቤተ ክርስቲያን እናኣስፍሐን ከገልግል ከሎ፡ ብግብረ ሰይጣን ዝተላዕሉ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ቀተልዎ።ቅድሚ ኩሉ ሰማዕትነት ስለዝተቐበለ፡ ቀዳሜ ሰማዕት ተባህለ።ግብረ ሓዋርያት ምዕራፍ 6 ምዕራፍ 7 ንመልከት።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ንቅድስናን ክብርን ቅዱስ እስጢፋኖስ ወትሩ እኳ ትዝክሮ እንተኾነት፡ዕለት 15 መስከረም በዓለ ቅዱስ እስጢፋኖስ እተኽብረሉ ምኽንያት ግና መጽሓፈ ስንክሳር ከምዚ ዚስዕብ ይብል፡-

ቅዱስ እስጢፋኖስ ካብ ዝዓርፍ ድኅሪ 300 ዓመታት፡ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ አብ ዚነግሥ ዘመን ድማ ፡ ሥጋ ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣብ ዚተቐብረሉ ጥቓ ኢየሩሳሌም ‘ሉክያኖስ’ ዚተባህለ ሰብኣይ ነበረ። ነዚ ሰብ’ዚ ቅዱስ እስጢፋኖስ ብሕልሚ እናተገልጸ “ኣነ እስጢፋኖስ እየ፡ ሥጋይ ኣብዚ ቦታ’ዚ ተቐቢሩ ኣሎ” ይብሎ ስለዝነበረ ንኤጲስቆጶስ ኢየሩሳሌም ከይዱ ኩሉ ዝረኣዮ ነገሮ። እቲ ኤጲስቆጶስ ከኣ ምስ ክልተ ኤጲስ ቆጶሳት ኾይኑ ብኽብርን ብምስጋናን ንመቓብሩ ኰዓቶ። በዚ ጊዜ’ዚ እቲ መቓብር ኣዝዩ ጥዑም ጨና ጨነወ’ሞ “ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ” ዝብል ምስጋና መላእኽቲ ተሰምዐ። እዚ ምስ ሰምዑ ኩሎም ስለ እቲ ዝተገብረ ንእግዚአብሔር እናኣመስገኑ ተሰኺሞም ናብ ጽርሐ ጽዮን ወሲዶም ቀበርዎ።

ድኅሪ’ዚ እለእስክንድሮስ ዚተባህለ ቍስጥንጥንያ ዝሃገሩ ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ዝቕመጥ ሰብኣይ ቤተ ክርስቲያን ሓኒፁሉ ንሥጋኡ ናብኡ ኣግዓዝዎ። ድኅሪ ኃሙሽተ ዓመት እለእስክንድሮስ ሞተ’ሞ ኣብ ጐድኒ መቓብር እስጢፋኖስ ተቐብረ። በዓልቲ ቤት እለእስክንድሮስ ድኅሪ ሸሞንተ ዓመት፡ ሬሣ ሰብኣያ ናብ ቍስጥንጥንያ ንኽትወስድ ናብቲ ቤተ ክርስቲያን ከደት። ኣስከሬን ሰብኣያ ዘለዎ ሣፁን ምስ ሣፁን ቅዱስ እስጢፋኖስ ይመሳሰል ስለዝነበረ ብፈቃደ እግዚአብሔር ተጋግያ ኣስከሬን ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘለዎ ሣፁን ኣብ መርከብ ጽዒና ናብ ቍስጥንጥንያ ንኽተከይድ ጕዕዞኣ ጀመረት። ኣብ መገዲ፡ ካብ ሣፁን ቅዱስ እስጢፋኖስ ጣዕመ ዝማሬ ሰምዐት እሞ፡ ተደኒቓ ነቲ ሣፁን እንተረኣየት ሣፁን ቅዱስ እስቲፋኖስ ከምዝኾነ ፈለጠት። እዚ ዝኾነ ብፈቃደ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ተረዲኣ ንእግዚአብሔር እናኣመስገነት መገዳ ናብ ቍስጥንጥንያ ቀጸለት።

ኣብ ቍስጥንጥንያ ምስ በጽሐት እቲ ዝኾነ ኩሉ ንንጉሥ ነገረቶ። ንጉሥን ሊቀ ጳጳሳትን ካህናትን ሕዝብን ብኽብሪ ተቐበልዎም። ብዙኅ ተኣምራት ከኣ ተርኣየ። ሓደ ካብኡ ድማ ኣብ ሠረገላ ኣባቅል ጽዒኖም ክወስድዎ ከለዉ፡ ኣብ ‘ቍስጥንጥንያ’ ዝበሃል ቦታ ምስ በጽሑ እተን ኣባቅል

ምኻድ ኣብየን ደው በላ፡ ዋላ እንተኸትከትወን ምንቅስቓስ ኣበያ። ብድኅር’ዚ ሓንቲ በቕሊ ብልሳን ሰብ “ንሥጋ ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣብዚ ኣንብርዎ” ኢላ ተዛረበት።

ነዚ ዚሰምዑ ኩሎም እናተገረሙ ንኣድጊ በለዓም ዘዛረበ ኣምላኽ ኣመስገኑ። እቲ ንጉሥ ከኣ ኣብቲ ቦታ ቤተ ክርስቲያን ኽሕነፀሉ ኣዘዘ እሞ፡ ብፈቃደ እግዚአብሔር  ኣብቲ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያን ብኽብሪ ሥጋ ቅዱስ እስጢፋኖስ ተነብረ።

በረከትን ጸሎትን ናይ ቀዳመ ሰማዕት ሊቀ ዲያቆናት ቅዱስ እስጢፋኖን ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።

ሰላም፡ለእስጢፋኖስ፡አፍልሶ፡ሥጋሁ፡ዘተሀበሉ።

በዲበ፡አብቅልት፡፪ቱ፡እንዘ፡ያሌዕሉ።

አመ፡ ነድእዎሙ፡ሶቤ፡ለአርእዮ፡ዐቢይ፡ኃይሉ።

ነበበ፡በቅል፡እንዘ፡ይብል፡አሐዱ፡እምእሉ።

መካነ፡ሥጋሁ፡ ለቅዱስ፡በዝየ፡ይደሉ።

 

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

Leave a comment

Send a Comment