፲፭/15 የካቲት ዕረፍቱ ለቅዱስ ዘካርያስ ነቢይ

፲፭/15 የካቲት ዕረፍቱ ለቅዱስ ዘካርያስ ነቢይ

ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!!!

፲፭/15 የካቲት ዕረፍቱ ለቅዱስ ዘካርያስ ነቢይ

ዕለት ዓሠርተው ኃሙሽተ የካቲት፡ ኣብዛ ዕለት እዚኣ፡ ካብ ዓሠርተው ክልተ ንኣሽቱ ነቢያት ሓደ ጻድቕ ነቢይ

ዘካርያስ ዓረፈ።እዚ ነቢይ እዚ፡ ካብ ነገደ ሌዊ ኮይኑ፡ ስም ኣቦኡ በራክዩ እዩ፡ ኣብ ምድሪ ገለዓድ ተወሊዱ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ድማ ተማሪኹ ኣብኡ ከሎ ኣብ ልዕሊኡ ብዝኃ ደረት ጸጋ ትንቢት መለኮታዊት ተነበየ፡ እግዚኣብሔር ድማ ብልሳኑ ብዙኅ ጥቕሚ ዘለዎ ቓላት ተዛረበ።

ካልኣይ ከኣ”ንኢዮሴዴቅ ኣብ ኢየሩሳሌም ንእግዚኣብሔር ካህን ዝኸውን ውሉድ ክትወልድ ኢኻ” ኢሉ ተነበየሉን፡ ንዮሴዕ (ኢያሱ) ድማ ወለዶ።

ኣብታ ዝተቐብረላ ኢየሩሳሌም ከኣ፡ ቤተ መቕደስ ሓነፀ።ንሰላትያል “ዘሩባቤል ኢልካ እትሰምዮ ስሙ ወዲ ክትወልድ ኢኻ” ኢሉ ተነበየሉሞ ከምቲ ትንቢቱ ከኣ ተወልደሉ፣ ምስ ዮሴዕ (ኢያሱ) ኮይኑ ኣብ ኢየሩሳሌም ቤተ መቕደስ ዝሓነፀ ድማ ንሱ እዩ። (ዘካ. 4፥8-10)

ንዅርሸ ንጉሥ ፋርስ ውን ተነበየሉ፡ ንእኡ ምልክት ዓወት ገለጸሉ።

ንእኡ ምስጋና ይኹን፣ ብዛዕባ ጐይታና ክርስቶስ ኣብ ኣድግን ኣብ ገልገል ኣድግን ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ምእታዉ ተነ በየ። (ዘካ. 9፥9)

ብዛዕባ ንመድኃኒና ምትሓዙ ይሁዳ ዝተቐበሎ ሠላሳ ብሩር ከኣ ተነበየ።

ኣብ ዕለት ስቕለት መድኃኒና፣ ብርሃን ጠፊኡ ጸልማት ብዛዕባ ዝኾነሉ ድማ ተነ በየ።

ንጐይታና ብምስጋና ብዛዕባ ምም ጻኡውን ተነበየ፡ ኣይሁድ ቅድም ዘይኣመንዎ ዳሕራይ ምጥዓሶም ምንሳሖም ጥቕሚ ዘይ ብሉ እዩ፣ ነቲ ዝወግእዎ ክርእይዎ እሞ፡ ክበኽዩሉ እዮም፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ብኽያት ክበዝሕ እዩ” በለ።

ዘመነ ትንቢቱ ምስ ወድአ ብሰላም ዓረፈ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ኣብ መቓ ብር ነቢያት ተቐብረ፡ በረኸት አምላኹ ንዘለዓለም ምሳና ይኽን ኣሜን።

ሰላም ለዘካርያስ ዘኮነ በኀቤሁ ቃለ ልዑል፡ በወርኀ ከሢል፡ ለቤተ ክርስቲያን ቅድስት እንተ ሐዋርያት መድበል፡ አምሳለ ተቅዋም ዘማኀትዊሃ ፅዱል፡ ማእከለ ክልኤ አዕፁቅ ርኢክዋ ይብል።

ምንጪ ስንክሳር ፲፭/15 የካቲት

 

ስብሐት ለእግዜብሔር ልዑል

ወወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን!

Leave a comment

Send a Comment