፲፭/15 ግንቦት ዕረፍት  ሓዋርያ  ቅዱስ ናትናኤል

፲፭/15 ግንቦት ዕረፍት  ሓዋርያ  ቅዱስ ናትናኤል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

፲፭/15 ግንቦት ዕረፍት  ሓዋርያ  ቅዱስ ናትናኤል

 

 

 

 

ናትናኤል ማለት ቀናኢ ለሕገ ኣምላኩ፡ ተንኮል ዘይብሉ ማለት እዩ። ቅዱስ ሓዋርያ ናትናኤል ቁጽሩ ካብ 12 ሓዋርያት ኮይኑ ስምዖን ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ እዩ።

ሓዋርያ ናትናኤል ወዲ ኣውራጃ ገሊላ ብዓል ቃና እዩ። ኦሪትን ነቢያትን ተማሂሩ ስለዝ ዝዓበየ ከኣ መንፈሳዊ ቅንኢ ነበሮ፡ ስለዚ ከኣ ቀናኢ ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ።

 

 

 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ገሊላ እንዳ ከደ እንከሎ ንፊሊጶስ “ስዓበኒ” በሎ። ንሱ ድማ ናብ ናትናኤል ተመሊሱ “እቲ ሙሴ ኣብ ሕጊ፡ ነቢያት’ውን ብዛዕብኡ ዝጸሓፉ ኢየሱስ ብዓል ናዝሬት ረኪብናዮ” በሎ። ናትናኤል ድማ “ካብ ናዝሬት ዶ ገለ ሠናይ ክርክርብ ይከኣል እዩ፧” በሎ። ፊልጶስ’ውን ንዓ ርአ በሎ። ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ክመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ “እንሆ ክፍኣት ዘይብሉ እስራኤላዊ” በለ። ናትናኤል ከኣ “ኣበይ ትፈልጠኒ” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ፊልጶስ ከይጸውዓካ ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ ከለኻ ርእየካ” ኢሉ መለሰሉ። ናትናኤል ድማ “መምህር ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉሥ እስራኤል ኢኻ ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ድማ “ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ ርእየካ ስለዝበልኩኻዶ! ኣሚንካ፧ ካብዚ ዝዓቢ ክትርኢ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኣስዒቡ ከኣ ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ መላእኽቲ ኣምላኽ’ውን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ክድይቡን ክወርዱን ከምትርእዩ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎ።

ጐይታ ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ ከለኻ እፈልጠካ ዝበሎ፥

1,ቅዱስ ሓዋርያ ናትናኤል ንእሽቶ እንከሎ ምስ ሓደ ካብ ወገን ኣሕዛብ ዝኾነ ጎበዝ ተባእሰ እሞ ብሓቲ ህራም ሃሪሙ ቀተሎ፡ ሰብ ከይርኣዮ ኣብ ቀጽሪ ቤቱ ኣብ ዝነበረ ኣታኽልቲ ድማ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኦም በለስ ቀበሮ።

2,ሄሮድስ ሕፃናት ኣብ ዘህለቐሉ ጊዜ፡ ኣዲኡ ንዕኡ ኣብ ኣገልግል የእትያ ኣብ ልዕሊ ኦም በለሰ ትሰቕሎ፡ ምስ ጸልመተ ኣውሪዳ ኣጥብያ ኣብ ልዕሊ ኦም በለስ ተቐምጦ ነበረት። ከምዚ እናገበረት ክሳብ እቲ ክፉእ ጊዜ ዝሓልፍ ኣብ ኦም በለስ ሓቢኣቶ ነበረት።

ስለዚ ቅዱስ ሓዋርያ ናትናኤል ጐይታ ነቲ ሕቡእ ምሥጢር ምስ ነገሮ ብሓቂ ኣምላኽ ምኳኑ ኣሚኑ ስዓቦ፡ ምስቶም 12 ሓዋርያት ድማ ተቖጽረ። ቅዱስ ሓዋርያ ናትናኤል መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሉ ናብ ሃገረ ስብከቱ ማለት ናብ ኩርጅ ዝተባህለት ሃገር ኣብ ከተማ እልብጅህ ኣትዩ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ከሓድያን ወንጌል ሰበኸሎም ። ብዙኃት ድማ ብስብከቱ ናብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተመልሱ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ናብ ካልእ ኣሕዛብ ዝነብሩላ ናብ በራንጥያ ዝተብህለት ደሴት ከይዱ ወንጌል ሰበኸሎም። ንሳቶም ግና ሓድሽ ትምህርቲ ኣምጺኡልና ኢሎም ሒዞም ኣሳቐይዎ፡ እግዚኣብሔር ግንኃይልን ብረትዐን ስለዝሃቦ፡ ምውታት የተንሥእ ፡ ሕሙማት ይፍውስ ነበረ። ብድሕሪ እዚ እቶም ከሓድያን ናብ ንጉሥ ወሰድዎ እሞ ቅዱስ ሓዋርያ ናትናኤል ድማ “ይእዜሰ እፈቕድ እክዓው ደምየ በእንተ ስሙ ለኢየሱስ” “ሎሚ ብስም ኢየሱስ ደመይ ከፍስስ እየ” በለ። እቲ ጨካን ንጉሥ ከኣ “ካብ ቅድመይ ወሲድኩም ገሪፍኩም ስቀልዎ” ኢሉ ንወታሃደራቱ ኣዘዞም፡ ንሳቶም ድማ ከምቲ ዝተኣዘዝዎ ገሪፎም ሰቐልዎ። በዚ ከኣ ሰማዕትነት ተቐበለ።

በረኸትን ጸሎትን ረድኤትን ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ናትናኤል ምስ ኲላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።

ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

 

Leave a comment

Send a Comment