በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ ኣሜን!!!
፲፮/16 ሕዳር ዕረፍቶም ንቅዱሳን #ኣኖሬዎስ ንጉሥ፡ #ኣባ ዳንኤል ገዳማዊ፡ #ቅድስት ጣጡስ ሰማዕት፡ #አባ አቡናፍር ገዳማዊ.።
***ቅዱስ አኖሬዎስ***
=>
አኖሬዎስ ዝብል ስም ኣብ ቤተ ክርስቲያና ኣዝዩ ተፈላጢ ስም እዩ። ኣብ ሃገርናን ኣብ ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያናትን ድማ ብዙሓት ቅዱሳን በዚ ስም ተጸውዑ። ቀዳምነት ግን ቅዱስ ንጉሥ አኖሬዎስ ይወስድ።
ቅዱስ አኖሬዎስ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣብ ከተማ ሮም ክኸውን ከሎ ናይ ርህሩህ ንጉሥ ዐቢይ ቴዎዶስዮስን ወዲ መርኬዛን እዩ። ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ መርዓውን ርህሩህ ኣርቃዴዎስን ኣሕዋቱን፡ ጻድቅ ኣቡነ ኪሮስ ድማ ኣኮኡ እዮም። ብህጻኑ ክርስትና ዝተመሃረ ካብ ዓቢይ ቅዱስ ኣርሳኒ (ኣባ ኣርሳንዮስ) እዩ።
ወላ እዃ ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግሥቲ እንተ ዓበየ ቅዱስ ኣርሳኒ ከም ተራ ሰብ እናመሃረን እናቀጽዐን ኣዕበዮ። ቴዎዶስዮስ ቄሣር (ኣቦኡ) ኣብ ዝዓረፈሉ ጊዜ ንግዝኣት ናይ ሮም ብስምምዕ ምስ ሓዉ ኣርቃዴዎስ ተኻፈሉ። ኣብ ኣከባቢ 390ታት ኣኖሬዎስ ኣብ ሮም፡ ኣርቃዴዎስ ድማ ኣብ ቁስጥንጥንያ ነገሡ።
ቅዱስ ኣኖሬዎስ ነዛ ዓለም ስለ ዘይደለያ ናብ ገዳም ልኢኹ ሓደ ባሕታዊ (ኣባ ኣውሎጊስ) ዝበሃል ኣምጺኡ ሥርዓተ ምንኩስና ፈጸመ። ንኣክሊለ ሦክ ድማ ኣብ ውሽጢ ወርቂ ዘውዱ ገበሮ።
+ንልብሰ ምንኩስናኡ ብሰንሰለት ብውሽጢ ኣሲሩ ኣብ ልዕሊኡ ናይ መንግሥቲ ካባ ደረበ። መዓልቲ መዓልቲ ከም ንጉሠ ነገሥታት ክፈርድ፡ ንዝተበደለ ከኽሕስ፡ ንዝተሰረቀ ከምልስ ይውዕል ነበረ።
+ለይቲ ለይቲ ድማ ተዓጢቁ ክወድቅ ክትንስእ፡ ክጽሊ ክሰግድ፡ ብዘይ ዕረፍቲ ይሓድር ነበረ። እንተኾነ ብዘይካ ደረቅ ቅጫ ብጨውን ጥረ ሓምልን ካልእ መግቢ ኣይጥዕምን ነበረ። እዚ ማለት ድማ ጾይሙ ውዒሉ ምሸት ጥራይ ይምገብ ነበረ።
+ነዚ ክገብር ከሎ ድማ ሰሌን ሰፍዩ፡ ንዕኡ ኣሺጡ እንበር ብናይ ካልኦት ገንዘብ ኣይነበረን። ሰባት ከይጥርጥርዎ ድማ ኣብ ውሽጢ መደቀሲኡ ሰበይቲ ኣላቶ እናበለ የውሪ ነበረ። ከምኡ ድማ መልክዑ ጽቡቕ ስለ ዝነበር በዚ ዝጠርጠሮ ኣይነበረን። በዚ መገዲ ምስ ኣባ ኣውሎጊስን ምስ ወዲ መዝሙሩን ኮይኑ ን40 ዓመታት ተጋደለ።
++ አባ ዳንኤል ገዳማዊ ++
=>ኣብ መጨረሽታ 4ተ ሚኢቲ ክፍለ ዘመንን ኣብ መጀመርያ 5ተ ሚኢቲ ክፍለ ዘመንን ኣብ ውሽጢ ግብጺ ካብ ዝነበሩ ከዋክብት ሓደ ክኸውን ከሎ መኒኑ ናብ ገዳም ካብ ዝኣተወሉ መዓልቲ ጀሚሩ ብፍጹም ተጸሚዱ፡ ካብ እኽሊ ተኸልኪሉ፡ ቆጽሊ እናበልዐ ን40 ዓመታት ተጋደለ። ሓደ መዓልቲ ግን ተፈተነ። ብትዕቢት ካባይ ዝበልጽ መን ኣሎ? ክብል ብምሕሳቡ ፈጣሪ ንመልኣኹ ልኢኹ ገሰጾ።
+ቀጺሉ ድማ ኪድ እሞ ንንጉሥ ኣኖሬዎስ ረኣዮ። ንሱ ወላ እኳ ንጉሥ ኣንተኾነ ብቅድስና ይመዓራረየካ እዩ በሎ። ኣባ ዳንኤል ድማ ብደመና ናብ ሮም ከይዱ ነቲ ቅዱስ ንጉሥ ረኸቦ። ንቅድስናኡ ሪኡ ድማ ንቅዱስ ኣኖሬዎስ ሰገደሉ። እናኣልቀሰ ድማ ናብ በዓቱ ተመለሰ።
+ቅዱስ ኣኖሬዎስ ግን ምስ መምሕሩ ቅዱስ ኣውሎጊስን ምስ ወዲ መዝሙሩን ንመንግስቱ ገዲፉ፡ ጠፊኡ፡ ናብ በረኻ ኣትዩ ምስ ኣባ ዳንኤል ተቀመጠ። ድሕሪ ተጋድሎ ድማ 4ቲኦም ቅዱሳን በዛ መዓልቲ ዓረፉ።
+ ቅድስት ጣጡስ ሰማዕት ++
=>ኣብ
ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዛ ቅድስቲ ጎርዞ ምልክዕቲ ኣይነበረን ይበሃል። ቅድስት ጣጡስ ኣብ 3ተ ሚኢቲ ክፍለ ዘመን (ኣብ ዘመነ ሰማዕታት) ዝነበረት ሮማዊት ክርስቲያን ክትከውን ከላ ንመልክዓ ዝረኣየ ኩሉ ይድነቅ፡ ይስንብድ ውን ነበረ።
+ንሳ ግን ንኣሕዋታ ዕንቅፋት ከይትኸውን ኣብ ገጻ ዐይነ ርግብ ገይራን ተሸፊናን ትነብር ነበረት። (ከምዚ ነበራ ኣደታትና) ስለዚ ኣብቲ ዘመን እስክንድሮስ ዝበሃል ኣረማዊ ንጣዖት ስገዱ እናበለ ንክርስቲያን እናቀተለ ከሎ ናታ ተራ በጽሐ።
+በዐውደ ስምዕ (ኣብ ኣደባባይ ምስክርነት) ኣቆምዋ ንገጻ ግለጹለይ በለ። ምስ ገለጽዋ ካብ መልክዓ ምጽባቅ ዝተላዕለ ፈዘዘ። ብጣዕሚ ብምቅልጣፍ ድማ ክምርዓወኪ፧ በላ። መርዓይ ሰማያዊ ስለ ዝኾነ ኣይከውንን! በለቶ። ለመና፡ ኣይሰምዐቶን። ኣፈራርሓ፡ ኣይሰንበደትን።
+ሽዑ ግን ንኣካላ ኣቀጥቀጣ። ካብ ኣካላ ድማ ኣብ ክንዲ ደም ጸባ ፈሰሰ። ተበሳጭዩ ናብ ኣራዊት ደርበያ። ንሳቶም ግን ሰገዱላ። ብእሳትውን ፈተና። ንሳ ግን ንኹሉ ተዓጊሳ ጸንዐት። ኣብ መጨረሻ ግን በዛ መዓልቲ ኣቅተላ። ፈጣሪኣ ክርስቶስ ድማ ብሰማያዊ ኣክሊል ኸለላ።
++ ቅዱስ አቡናፍር ገዳማዊ ++
እዚ ጻድቅ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣብ 5ተ ሚኢቲ ክፍለ ዘመን ኣብ ምድረ ግብጺ እዩ። እቲ ወቅቲ ሥርዓተ መነኮሳት ዝሕለወሉ፡ ኣበው ባሕታውያን ከም ሰማይ ከዋክብት በዚሖም ዝደመቁሉ ነበረ።
+ዓቢ ኣቡናፍር ድማ ካብ ክርስቲያን ወለዱ ተወሊዱ፡ ብሥርዓት ዓብዩ፡ መጻሕፍቲ ድማ ተማሂሩ ገና ብንእስነቱ መነነ። ሥርዓተ መነኮሳት ካብ ኣባ ኤስድሮስ ዓቢ ኣጽኒዑ ንገዳሙን መምሕሩን እናረድአ ንብዙሕ ዓመታት ብጾምን ብጸሎትን ነበረ።
+እቶም መነኮሳት ስለ ትሕትናኡን ስለ ተኣዛዝነቱን ፈጺሞም የክብርዎ ነበሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣረጋውያን መነኮሳት ብዛዕባ ኣብ ጭው ዝበለ በረኻ ዝነብሩ ባሕታውያን እናኣዕለሉ፡ ከድንቅዎም ሰምዐ።
+ንሱ በቲ ወቅቲ ባሕታውያን ኣብ በረኻ ምንባሮም ስለ ዘይፈልጥ ዝነበረ ከይዱ ንመምሕሩ ንኣባ ኤስድሮስ ሓተቶ። ንሶም ድማ እወ ዝወደይ! ካብዚ ብጣዕሚ ርሒቆም፡ ንንጽህናኦም ሓልዮም፡ ካብ ሰብን ካብ ኃጢኣትን ተፈልዮም ዝነብሩ ገዳማውያን ኣልዉ በልዎ።
+ቅዱስ ኣቡናፍር ኣብዚ ካብ ዘለዉ መነኮሳትን ኣብ በረኻ ካብ ዘለዉን መን ይበልጽ፧ እንተ በሎም ንሳቶም ብጣዕሚ ይበልጹ። ዓለም ከማን ምስ ክብራ ንናይ እግሮም ሸኾና ኣይትኣክልን በልዎ። እዚ ዝሰምዐ ቅዱስ ኣባ ኣቡናፍር ጊዜ ኣይወሰደን፡ ካብ መምሕሩ ቡራኬ ተቀቢሉ ናብ በረኻ ከደ። ንብዙሕ መዓልታት ምስ ተጉዓዘ ሓደ ባሕታዊ ረኺቡ ምስኦም ተቐመጠ። ካብኦም ድማ ሥርዓተ ባሕታውያን ተማሂሩ እንደገና ናብቲ ቀንዲ በረኻ ጉዕዘኡ ቀጸለ።
+ድሕሪ ናይ መዓልታት መገዲ ኣብ ሓደ ሠፊሕ ሜዳ በጽሐ። ኣካባቢኡ ናይ ማይ ንጣብ ዘይርከበሉ፡ ንሱ እሞ ይትረፍ መጽለሊ ገረብ ዘርኢ ሳዕሪ ከማን ዘይብሉ ወይ ድማ ብልሳን ኣበው ዋዕየ ፀሐይ ዝጸንዖ፡ ልምላሜ ሣዕሪ ዘይብሉ፡ ነቅዓ ማይ ዘይርከቦ ቦታ ነበረ። ኣብዚ ቦታ ይትረፍ ዶ ወዲ ሰብ ኣራዊትውን ኣይነብርዎን እዮም።
+ንኣባ ኣቡናፍር ግን ተመራጺ ቦታ ነበረ። ንቅዱሳን እዚ ኣየሕስቦምን እዩ። ምኽንያቱ ድማ ንዕኦም ምግቦምን፡ ልብሶምን ፍቕሪ ክርስቶስ ስለ ዝኾነ።
+ኣባ ኣቡናፍር ናብ ፈጣሪ ጸልዩ። ብርህራሄ እግዚአብሔር ካብ ጎኖም ሓንቲ ስየ (ዘንበባ) በቆለት። ካብ ትሕቲ እግሮም ጽሩይ ማይ (ንጹሕ ምንጪ) ፈለቐ።
+እዞም ጻድቅ ተጋድለኦም ቀጸሉ። ዓመታት ሓለፈ። ንልብሶም ፀሐይን ቁርን ስለ ዝወድኦ ቆጽሊ ለበሱ። ኣብቲ ቦታ ድማ ዘርኢ ወዲ ሰብ ከይረኣዩ ን60 ዓመታት ብተጋድሎ ነበሩ። ዝዓርፉሉ ጊዜ ምስ በጽሐ እግዚአብሔር ንኣባ በፍኑትዮስ (ናይ ባሕታውያን ዜና ዝጸሓፈ ኣቦ እዩ) ልኣኸሎም።
+ቃለ እግዚአብሔር እናኣዕለሉ ከለዉ ናይ ኣባ ኣቡናፍር ኣካሉ ተለወጠ። ከም እሳት ድማ ነደደ። ኣባ በፍኑትዮስ ድማ ሰንበደ። እቶም ዓቢ ገዳማዊ ኣቦ ግን ንኣእዳዎም ዘርጊሖም ጸለዩ፡ ሰገዱ’ሞ ኣማዕተቡ። ነፍሶም ድማ ካብ ሥጋኦም ብፍቕሪ ተፈልየት። ቅዱሳን መላዕክቲ ድማ ብዝማሬን ብማኅሌትን ኣዕረግዋ። እቲ ዝገርም ድማ ኣባ በፍኑትዮስ እዚ ክርኢ ጸኒሑ ዘወር እንተበለ እታ ገረብ ወዲቃ፡ እታ ምንጪ እውን ደሪቓ ጸንሐት።
በረኸቶም ኣይፈለየና።
ኅዳር 16 ዝኽበሩ ዓመታዊ ናይ ቅዱሳን በዓላት=
1.ቅዱስ አኖሬዎስ ጻድቅ (ንጉሠ ሮም)
2.አባ ዳንኤል ገዳማዊ
3.ቅዱስ አውሎጊስ መነኮስ
4.ቅድስት ጣጡስ ሰማዕት
5.አባ አቡናፍር ገዳማዊ
6.ቅዱስ ኪስጦስ ሰማዕት
7.ቅዱስ ፊቅጦር ምዑዝ
8.አባ ዮሐንስ መሐሪ
=>ወርኀዊ በዓላት
1.ኪዳነ ምሕረት (ናይ 7ተ ኪዳናት ማሕተም)
2.ቅድስት ኤልሳቤጥ (ናይ መጥምቁ ዮሐንስ ኣደ)
3.ቅዱስ ገብረ ማርያም ጻድቅ ንጉሠ ኢትዮዽያ
4.ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌሉ ዘወርቅ
=>++ ++ (1ዮሐ. 2፡15)
ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!
Leave a comment

