፲፮/16 መስከረም ዕረፍቱ ለቅዱስ ጦቢት

፲፮/16 መስከረም ዕረፍቱ ለቅዱስ ጦቢት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

፲፮/16 መስከረም ዕረፍቱ ለቅዱስ ጦቢት

ጦቢት ሃገሩ ታቤስ ኮይኑ ብምኽንያት ምርኮ ናብ ሃገረ ነነዌ ርእሲ ኸተማ ኣሶር ከደ። ጦቢት ማለት ሠናይ፡ ጠበብ ማለት ኮይኑ ነገዱ ካብ ነገደ ንፍታሌም እዩ። ቅድሚ ምምራኹ ኣብ ሃገሩ ኸሎ ኻብ ቤተሰቡ ተፈልዩ ብሕጊ፡ ብኣምልኮተ እግዚኣብሔር ጸኒዑ፡ ዓሥራት፡ በኵራት፡ ቀዳምያት፡ የውፅእ ንዘኽታማትን መበለታትን ጽጉማትን ሽጉራትን ዘመድን ሓጋዝን ይኾኖም ነበረ። ኣብ ዓመት ሠለስተ ጊዜ በዓል ንምግባር ኢየሩሳሌም ይወፅእ ነበረ። እዚ ጦቢት እዚ እቶም ዓሠርተ (10) ነገድ ናብ ኣሶር ናብ ነነዌ ኺማረኹ ከለዉ ምስኦም ኃቢሩ ተማሪኹ ነበረ። ስለምንታይ ጻድቕ ከሎ እግዚኣብሔር ኣማሪዎ ንዚብል፦ ስለ ኽልተ ነገራት እዩ

1ይ. ኣብቲ ተማሪኾም ዝኸድዎ ሃገር እቶም ሕዝቢ ናብ ኃጢኣት ናብ ኣምልኾ ጣዖት ከይዝምብሉ ንኸመኸሮምን ከስተምህሮምን።

2ይ. ከም መስፍን ኮይኑ ኸምቲ ናይ ነቢይ ዳንኤልን መርዶክዮስን፡ ከም ኤርምያስን፡ መከራ እንተ በዚኁ ጸጋ ኸኣ ብኡኡ መጠን ስለዝበዝኀ ጦቢት ተማሪኹ ምስ ከደ ስልምናሶር ኣብ ወገናቱ ሾሞ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ተሸይሙ ኸሎ በራጊስ ዘሜዶን ካብ ገባልኤል ዓሠርተ መኸሊት ገንዘብ ብኃደራ ኣቐመጠ። ስልምናሶር ሞይቱ ወዱ ሰናክሬም ነገሠ፡ ንጦቢት ካብቲ ሸይምዎ ዝነበረ ሽመት ሰዓሮ።

ንጦቢት ናብ ሃገረ ምድያም ምኻድ ዘይከኣሎ ኾነ። ናይ ጦቢት ጽቡቕ ተግባሩ ግና ዝሞተ ምቕባር እዩ ነይሩ። ካብ መዓልትታት ሓደ መዓልቲ ብበዓል ጰንጠቈስጤ ንጦቢያ ወዱ ጸዊዑ፡ ካብ ብድኽነት ኣኅዋትካ ዝኾኑ ሓደ ሰብ ምሳና ኺምሳሕ ጸዊዕካ ኣምጽእ፡ ክሳዕ ኂዝካ ትመጽእ ከኣ ኸጽበየካ እየ በሎ። ጦብያ እንተኸደ ኻብ ወገናቱ ሓደ ሰብ ሞይቱ ወዲቑ ረኸበ እሞ ተመሊሱ ንኣቦኡ ጦቢት ነገሮ። ንሱ መኣዱ ኸይበልዐ ተንሢኡ ኸይዱ ነቲ ዝሞተ ሬሳ ኣልዒሉ ኣብ ቤት ኣእትዩ ኢዱ ተሓፂቡ፡ እኽሊ ጥዒሙ፡ ፀሓይ ምስዓረበት ከይዱ ቐበሮ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ቀጽሪ ደቂሱ ኃደረ እሞ ገጹ ኸይተኸድነ ደቀሰ (ለዃኹቶ) መንካዕ ዝተባህለት ዑፍ ውዑይ ሽንቲ (ሓርኢ) ሓርኣትሉ፡ በዚ ምኽንያት ኣዕይንቱ ንኣርባዕተ ዓመት ዓወረ። ሓና ሰበይቱ ግና ኣብ እንዳ ሰብ ብስራሕ ተቖጺራትሰርሕ ነበርት፡ እቶም እትሠርሓሎም ስለዝፈተውዋ ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ማሕስእ ሃብዋ። ሽዑ እታ ዝተዋህበታ ማሕስእ ኣብቲ ዝተኣስረቶ ኾይና ትንቁ እሞ ዓይኑ ዝዓወረ ጦቢት ክትንቁ ሰሚዑ፡ ኸምኡ እውን እምብዛ ሓቀኛ ኻብ ምዃኑ፡ ዘይናቱውን ስለዘይደሊ ንሓና ሰበይቱ “እዛ ማሕስእ ካበይ ዝመጽአት እያ፧ ዝሰረቕኪያ ድያ፧ ቐልጢፍኪ ናብ ዋናኣ ምለስያ። ዝተሰርቀ መግቢ ምብላዕ ቅኑዕ ኣይኮነን” በላ። ሓና ኸኣ “ኣይፋሉን ነቲ ዓለባ ሠሪሐ ምስሃብክዎም ኣብ ልዕሊ ደሞዘይ ወሲኾም ዝሃቡኒ ህያብ እያ” ኢላ መለሰትሉ። ጦቢት ግና ኣይኣመናን፡ በቲ ዝገበረቶ ኸኣ ኣዝዩ ሓነኸ፡ ነታ ማሕስእ ከኣ ናብ ዋናታታ ኸትመልሳ ኣዘዛ። ሓና ግና ዓው ብዝበለ ድምፂ “መን ከምዚኾንካ ግና ሕጂ ፈለጥኩ እቲ እተዘውትሮ ዝነበርካ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ እቲ ግብሪ ጽድቅኻኸ ኣበይ ኣሎ፧” ኢላ ብቑጥዓ መለሰትሉ። ማለት ካብዚ ዓለም እዚ ብሞት ንኽፍለ፡ ነፍሰይ ካብ ሥጋይ ንዝፈሊ መልኣኽ ኣዝዝ። ንኣይ ካብ ከምዚ እናበልኩ ዝነብር ሞት ይኅሸኒ። ኽፉእ ነገር እናሰማዕኩ ካብ ዝነብር ሞት ይኃይሽ” እናበለት ኣምሪራ ተናገረት።

ኣብዛ ዕለት እዚኣ ንሳራ ጓል ራጉኤል ኣብ ከተማ ኤክባታና ናይ ሚድያም ብሓንቲ ኻብተን ኣግራድ ኣቦኣ ተጸርፈት። እዛ ሳራ ጓል ራጉኤል ሾብዓተ ጊዜ ተመርዕያ ነበረት። ኣስማድዮስ ዝተባህለ እኩይ ጋኔን ግና ነቶም ሰብኡታ ብግብሪ ሥጋ ቕድሚ ምርኻቦም በብሓደ ይቐትሎም ነበረ። በዚ ኸኣ እታ ገረድ ንሳራ “ኣቲ ቐታሊት ሰብኡት፡ ረኣዪ ሾብዓተ ጊዜ ተመርዒኺ ነበርኪ፡ እንተኾነ ዕድሚኦም ስለዝሓፀረ ኻብ ሓዲኦም እኳ ትርፊ ኣይረኸብክን። ስለምንታይ ኢኺ ሓርቖትኪ ናባና እተውፅእዮ፡ ሰብኡትኪ ስለዝሞቱኺ ድዩ፧ እንተደሌኺ ምስቶም ምውታት ሰብኡትኪ ዘይትጽንበሪ። ንስኺ እትወልድዮ ወዲ ወይ ጓል ኣየርእየና“ እናበለት ጸረፈታ።

ሳራ በዚ ኣዝያ ጐሃየት፡ ብብኽያት ከኣ ቶግ ክትብል ደለየት። ተሓኒቓ ኽትመውት ስለዝመደበት ከኣ ኣብ ቤት ኣቦኣ ኣብ ላዕላይ ደርቢ ደየበት። ነቲ ነገር መሊሳ ምስ ሓሰበቶ ግና ነዚ ነገር እዚ ኣይውዕሎን እየ፡ ከመይ ሰባት ንኣቦይ ሓንቲ እትፈትዋ ጓል ነበረትካ ንሳ ኸኣ በቲ ዘረኸባን ውርደትን ተሓኒቓ ሞተት ኢሎም ኪጸርፍዎ እዮም። ኣቦይ ከኣ ብኣይ ምኽንያት ኣብ እርግናኡ ብኃዘን ኪመውት እዩ። ስለ’ዚ ተሓኒቐ ኸመውት የብለይን ግናኸ ንእግዚኣብሔር ውሰደኒ ኢለ ኽልምኖ እየ። ነዚ ጸርፊ እዚ ኸኣ ደጊመ ኣይክሰምዖን እየ ኢላ ምስ ገዛእ ርእሳ ተዛረበት። ኣብዚ ጊዜ እዚ ናይ ክልቲኦም ጸሎት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር በጽሐ። እግዚኣብሔር ንቕዱስ ሩፋኤል ብምልኣኽ ከኣ ንኽልቲኦም ኣድኃኖም። ንጦቢት ዓይኑ ኸሕውዮ፡ ንሳራ ኸኣ ንኣስማድዮስ ካብኣ ኣባሪሩ ሰበይቲ ጦብያ ኺገብራ ንቕዱስ ሩፋኤል ካብ ሰማይ ለኣኸሎም።

ኣብታ ዕለት እቲኣ ጦቢት ኣብ ራጎሰ ናይ ምድያም ምስ ጋባኤል ክልተ ኸረጺት ብሩር (ገንዘብ) ከምዘቐመጠ ዘከረ። ንእግዚኣብሔር ውሰደኒ ኢለ ካብ ለመንክዎ ቕድሚ ሙማተይ ብዛዕባ እቲ ገንዘብ ንጦብያ ወደይ ክነግሮ ኣሎኒ ኢሉ ሓሰበ።ጦቢት ንጦብያ ወዱ ጸዊዑ ተዛረቦ “ምስ ሞትኩ ብግቡእ ቅበረኒ ንኣዴኻ ድማ ኣኽብራ፡ ብሕይወትካ ኽሳዕ ዘሎኻ ድማ ብጽቡቕ ናብያ። ዜሐጕስ ዘበለ ዅሉ ግበረላ፡ ብገለ ነገር ከኣ ኣይተጕህያ። ኣብ ማሕፀና ኸሎኻ ምእንታኻ ኽትብል ብዙኅ ከምዝተሳቐየት ዘክር፡ ምስ ሞተት ድማ ምሳይ ኣብ ሓደ መቓብር ቅበራ። ወደይ! ምሉእ ዕድሜኻ ንእግዚኣብሔር ኣምላኸና ዘክሮ። ከቶ ኃጢኣት ኣይትግበር ትእዛዛቱውን ኣይትጥሓስ። ኣብ ዅሉ ዕድሜኻ ሠናይ ግብሪ ኣዘውትር። ኣብ ክፉእ ተግባር ድማ ኣይትጸንበር። ቅኑዕ ኩን፡ ኵሉ እትገብሮ ዘበለ ኸኣ ክቐንዓካ እዩ፡ ንኣኻ ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ቅኑዓት’ውን ኪሰልጦም እዩ:

“ካብ ገንዘብካ መጽውት፡ ካብ ምጽዋት ዓዲ ኣይትውዓል፡ እዚ ኸም ዝተዓቝረ ገንዘብ ኮይኑ ኪጠቕመካ እዩ። ኣብ እዋን ጸበባ ኸኣ ዓስቢ ኽትረክብ ኢኻ። ንድኻታት ምጽዋት ምሃብ ካብቲ ጸልማት ዝኾነ ዓዲ ምውታት (ሲኦል) የድኅነካ”። ወደየ “ዝሙት ካብ ዚብልዎ ነገር ኵሉ ረኃቕ፡ ርእሲ ዅሉ ኻብ ዓሌትና ዝኾነት ሰበይቲ ተመርዖ። ካብ ዘርእና ዘይኮነት ሰበይቲ ከይትምርዖ። ከመይ ንሕና ደቂ ነቢያት ኢና”። ወደየ! “እቶም ቀዳሞት ኣቦታትና ኖኅ፡ ኣብርሃም፡ ይስሐቅ ያዕቆብ ካብ ዓሌቶም ከምዝተመርዓዉ ኣይትረሥዕ”። እግዚኣብሔር ከኣ ውሉድ ብምሃብ ባረኾም። ዘርኦም ድማ ንምድሪ እስራኤል ኪወርስዋ እዮም። ሕጂ ድማ ወደየ ዓሌትካ ኣፍቅር።

ኣብ ልዕሊኦም’ውን ኣይትተዓበ። ንኣዋልዶም ኣይትንዓቀን፡ ሰበይቲ እትኾነካ ካብኣተን ኅረ። ንሰብ ውዕለት ከኣ ውዕለቶም መዓልቲ መዓልቲ ኸፈሎም። ውዕለቶም ምሳኻ ኣይተኅድር። ወደየ እቲ ኻልኦት ንኣኻ ኺገብሩኻ ዘይትደልዮ ንስኻ ንኻልኦት ኣይትግበሮ። ምእንቲ ኸይትሰክር ብዙኅ ወይኒ ኣይትስተ። ንጥሙይ ካብ እንጌራኻ ንዕሩቕ ካብ ክዳንካ ምቐሎ።ጦብያ ወደይ ዝነግረካ ነገር ኣሎኒ ኣብ ራጎስ ናይ ምድያም ምስ ጋባኤል ወዲ ጋብሪያስ ገንዘብ ኣቐሚጠ ኣሎኹ። ድኻታት ኢና ኢልካ ኣይትጨነቕ። ንእግዚኣብሔር እንተደኣ ተኣዚዝካዮ፡ ኃጢኣት ካብ ዚብልዎ ዅሉ እንተርኂቕካ እግዚኣብሔር ብኣኻ ባህ ኪብሎ እዩ። ሃብታም ከኣ ኺገብረካ እዩ በሎ።

ሽዑ ጦብያ ንኣቦኡ “ኣቦ ኵሉ ዝበልካኒ ዘበለ ኸፍጽም እየ። ገባኤል ግና ንሱ ኣይፈልጠኒ እዩ፡ኣነ’ውን ኣይፈልጦስ እየ። ነቲ ገንዘብ ከመይ ገይረ ኻብኡ ኽቕበሎ እየ፧ መን ምዃነይ ኪፈልጠንን ኪኣምነንን፡ ነቲ ገንዘብ ኪህበንስ እንታይ ምልክት ከርእዮ እኽእል፧ ንምኳኑ ኸኣ እቲ ንሚድያም ዚወስድ መገዲ ኣይፈልጦን እየ” በሎ። ኣቦኡ “ኣነን ጋባኤልን ክታምና ዘንበርናለን ክልተ ቕዳሕ ጽሑፋት ኣለዋ፡ ነፍሲ ወከፍና ኸኣ ሓሓደ ቕዳሕ ወሰድና፡ ነታ ናቱ ቕዳሕ ምስቲ ገንዘብ ኣቐመጥክዋ። እዚ ግና ቕድሚ ዕሥራ ዓመት ዝኾነ እዩ። ስለዚ ውዕለቱ እንኸፍሎ ንምድያም ምሳኻ ኸይዱ ዚምለስ እሙን ሰብ ድለ ነቲ ምስ ገባኤል ዝኃደግክዎ ገንዘብ ድማ ዝገበርካ ጌርካ ኣምጽኣዮ” ኢሉ መለሰሉ።ሽዑ ጦብያ መገዲ ምድያም ዚፈልጥን መካይዲ ኺኾኖ ዚኽእልን ኪደሊ ናብቲ ሰራሕታኛታት ዚቕመጡሉ ውፅእ እንተበለ ምስ ሩፋኤል መልኣኽ ተጓነፉ። ጦብያ ግና ሩፋኤል መልኣኽ እግዚኣብሔር ከምዚነበረ ኣይፈለጠን። ስለዚ ኻበይ ከምዚኾነ ሓተቶ። ቅዱስ ሩፋኤል ከኣ “ሓደ ኻብቶም ርኅቕ ዝበሉ ኣዝማድኩም እስራኤላዊ እየ። ገለ ስራሕ እንተረኸብኩ ኢለ ኸኣ ናብ ነነዌ መጺአ ኣሎኹ ኢሉ መለሰሉ። ጦብያ ኸኣ ናብ ምድያም ዚወስድ መገዲኸ ትፈልጦ ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ።

ቅዱስ ሩፋኤል ከኣ እወ እፈልጦ እየ፡ ኣብኡ ብዙኅ ጊዜ ተቐሚጠ ነይረ። ንመንገድታቱውን ኣጸቢቐ እየ ዝፈልጦ። ምስቲ ኣብ ራጎስ ዘሎ ገባኤል ዚበሃል ዘመድና እቕመጥ ነይረ። ካብ ኤክባታና ኻብታ ርእሲ ኸተማ መገዲ ኽልተ መዓልቲ እያ። ከመይ ራጎስ ኣብ ላዕሊ ኣብ እምባታት እያ ዘላ፡ ኤክባታና ግና ኣብ ጐልጐል እያ ዘላ ኢሉ መለሰሉ።

ሽዑ ጦብያ ንሩፋኤል “ንኣቦይ ከይደ ኽሳዕ ዝነግሮስ ሓንሳእ ኣብዚኣ ጽንሓኒ እዚ ኃወይ ምሳይ ክትጐዓዝ እደልየካ እየ። ውዕለትካ ድማ ኸኸፍለካ እየ” በሎ። ሩፋኤል ከኣ “ሕራይ ክጽበየካ እየ፡ ግና ኣይትደንጒ” በሎ። ጦብያ ኸኣ ናብ ቤት ተመሊሱ መካይዲ ዚኾነኒ ሓደ እስራኤላዊ ብጻይ ረኺበ ኢሉ ንኣቦኡ ነገሮ።

ጦቢት ከኣ ጸውዓዮ፡ ኻበየናይ ማይቤትን ካበየናይ ነገድን ከምዝኾነ ኽፈልጥን ኣብ ጕዕዞ ዚእመን ምዃኑ ኽርእን እደሊ እየ በሎ።

ስለዚ ጦብያ ኻብ ቤቱ ወፂኡ “ኣቦይ ኪረኽበካ ይደሊ ኣሎ‘ ኢሉ ንሩፋኤል ጸውዖ። ሩፋኤል ምስኣተወ ጦቢት ኣቐዲሙ ሰላም በሎ። ሩፋኤል ከኣ ‘ብዅሉ ጽቡቕ ክትህሉ ተስፋ ኣሎኒ” ኢሉ ሰላምታኡ መለሰሉ። ጦቢት ግና “እንታይ ጽቡቕ ክህሉ እኔኹ ዓዊረ ሓንቲ ነገር ክርኢ ኣይኽእልን እየ። ዳርጋ ምዉት እየ፡ ብርሃን ዚብልዎ ሓንቲ ኣይርእን እየ። ካብኡ ናብኡስ ሞት እኳ ምኃሸኒ። ሰባት ኪዛረቡ ኸለዉ እሰምዕ፡ ከርእዮም ግና ኣይክእልን ኢሉ መለሰሉ። ሩፋኤል ከኣ “ኣጆኻ እግዚኣብሔር ኪፍውሰካ እዩ፡ ተስፋ ግበር” በሎ። ሽዑ ጦቢት “ጦብያ ወደይ ንሚድያም ኪኸይድ ይደሊ ኣሎ። መገዲ ክትሕብሮ ምስኡ ክትከይድዶ ምኸኣልካ ብርግጽ ውዕለትካ ኸኸፍለካ እየ፧” ኢሉ ሓተቶ።

ሩፋኤል ከኣ ብርግጽ ምስኡ ኸኸይድ እኽእል እየ። ብእኡ ብዙኅ ስለዝተመላለስኩ ኣብ እምባታት ኮነ፡ ኣብ ጐላጒል ዘሎ መገድታት ኵሉ እፈልጦ እየ ኢሉ መለሰሉ። ጦቢት መሊሱ “እስከ ንገረኒ እዚ ኃወይ ካበየናይ ማይቤትን ካበየናይ ነገድን ኢኻ” እናበለ ሓተቶ።

ሩፋኤል ግና እዚ ምፍላጥከ እንታይ ኣድለየካ፡ ምስ ወድኻ ዚኸይድ በዓል ውዕለትዶ ኣይኮነን ዜድልየካ ኢሉ መለሰሉ።

ጦቢት ወዲ መን ከምዚኾንካን መን ከምእትበሃልን ክፈልጥ ናይ ብሓቂ ደልየ ኣሎኹ’ በሎ። ሩፋኤል ከኣ “ኣነ ኣዛርያ ወዲ ሃናንያ ዓቢይ፡ ሓደ ኻብ ኣዝማድካ እየ ኢሉ መለሰሉ። ጦቢት ሽዑ እንቋዕ ደሓን መጻእካ እግዚኣብሔር ይባርኸካ እዚ ወደይ ብዛዕባኻ ኾነ፡ ብዛዕባ ስድራኻ ሓቂ ኸፈልጥ ምድላየይ ኣይትኾሪ። ከምዚ ዝርእዮ ዘሎኹ ኸኣ ኻብ ዓበይቲ ማይቤት ኢኻ እሞ ካብ ኣዝማድና፡ ነቶም ክልተ ደቂ ሰማዕያ ዓቢይ ንኣናንያን ንናታንን እፈልጦም እየ። ካብ እምነቶም ምንቕ ኢሎም ኣይፈልጡን። ንኢየሩሳሌም ብሓደ ንነግድ ኔርና።

ጦቢት ቀጺሉ “እቲ ንቡር መዓልታዊ ውዕለትካ ኸኸፍለካ እየ። ኣብ ርእሲኡ ኾነ ነቲ ኣባኻን ኣብ ወደይን ዘጥፋእካዮ ዅሉ ኸመልሰልካ እየ። ሓንትስ ንወደይ ኣብ ጕዕዞኡ ንፉዕ ብጻይ ኩኖ እምበር ኣብ ልዕሊ ውዕለትካ ጐኒዐ ክውስኸል እየ” በሎ።

ሩፋኤል ከኣ “ምስኡ ኸይድ እየ፡ ስለዚ ኣይትፍራህ። እቲ መገዲ ሰላም ስለዝኾነ፡ ብደኃን ኬድና ብደኃን ክንምለስ ኢና ኢሉ መለሰሉ። ጦቢት ከኣ ኃወይ እግዚኣብሔር ይባርኽካ” በሎ።       ሽዑ ንጦብያ ወዱ ጸዊዑ “ወደየ! ንጕዕዞ ዘድልየካ ዘበለ ዅሉ ቐርብ እሞ ምስ ኃውኻ ተበገስ። ኣብ ጕዕዞኹም ሰማያዊ ኣምላኽ ይሓልኹም፡ ምስ ጥዕናኹም ከኣ ብደኃን ይምለስኩም፡ ወደየ መልኣኽ እግዚኣብሔር ይኃሉኻ፡ ብደኃን ድማ ይምለስካ” በሎ።

ጦብያ ንምድያም ቅድሚ ምብጋሱ ንኣቦኡን ንኣዲኡን ሰዓሞም። ኣቦኡ ኸኣ “ርሑስ መገዲ ይግበረልካ መልኣኹ ልኢኹ ይሓግዝካ እዚ ወደይ” በሎ። ኣዲኡ ሓና ግና ኽትበኪ ጀመረት ንጦቢት ድማ “ስለምንታይ ንወደይ ከምዚ ጌርካ እትሰዶ ኣሎኻ፧ ደጋፊና ንሱ ጥራይዶ ኣይኮነን፧ ሕጂ ደኣ መን ኪናብየና እዩ፧ ካብ ሕይወትዶ ገንዘብ ይበልጽ እዩ፧ በለት። ጦቢት ድማ   “ኸፉእ ኣይትሕሰቢ ወድና ብደኃን ከይዱ ምስ ጥዕናኡ ብደኃን ኪምለስ ከሎ ንስኺ ባዕልኺ ብዓይንኺ ክትርእዪዮ ኢኺ ሕጂ ኸኣ ኣቲ ኃውተይ ብዛዕባኦም ኣይትስሃሪ ከመይ ሕያዋይ መልኣኽ ኬሠንዮ እዩ” እናበለ ኣጸናንዓ። ሽዑ ሓና ተጸናንዐት ምብካይውን ገደፈቶ።

ጦብያን እቲ መልኣኽን ካብ ቤት ወፂኦም ንምድያም ኣቢሎም ጒዕዞኦም ጀመሩ። ከልቢ ጦብያ ኸኣ ሰዓቦም። ክሳዕ ምሸት ከኣ ተጓዕዙ። ኣብ ወሰን ፈለግ ጤግሮስ ድማ ኃደሩ። ጦብያ እግሩ ኺሕጸብ ናብቲ ፈለግ ምስወረደ ሓደ ዓቢይ ዓሣ ኻብቲ ማይ ሃንደበት ዘሊሉ ወፅአ። እግሩ ኺውሕጦ ኸኣ ደለየ። ጦብያ ኸኣ ኡይ! በለ። እቲ መልኣኽ ከኣ ጸዊዑ “ነቲ ዓሣ ኃዞ ኣይትስደዶ” በሎ። ሽዑ ጦብያ ነቲ ዓሣ ስሒቡ ናብቲ ገምገም ፈለግ ኣውፅኦ። እቲ መልኣኽ “ነቲ ዓሣ ኣብ ክልተ ምቐሎ ሓሞቱን ልቡን ጸሊም ከብዱን ከኣ ውሰድ ነቲ ዝተረፈ ናውቲ ኸብዱ ግና ደርብዮ” ኢሉ ነገሮ።

ጦብያ ኸኣ ኸምኡ ገበረ። ዓሣ ጠቢሱ ድማ ዚኣኸሎ በልዐ። ነቲ ዝተረፈ ኸኣ ጨው ነስኒሱ ኣብ መገዲ ስንቂ ኺኾኖ ኣቐመጦ። ኣብ ጥቓ ምድያም ክሳዕ ዚበጽሕ ኸኣ ኽልቲኦም ጒዕዞኦም ብሓደ ቐጸሉ። ሽዑ ጦብያ ነቲ መልኣኽ “ኣዛርያ ኃወይ ሓሞትን ልብን ጸሊም ከብድን ዚፍውሶ ሕማምሲ እንታይ ዝዓይነቱ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ።

እቲ መልኣኽ ከኣ “ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ጋኔን ወይ ክፉእ መንፈስ እንተኃዞም እሞ ልብን ጸሊም ከብድን ጠቢስካ እንተዓጠንካዮም እቲ ጋኔን ይወፅእ፡ ደጊሙ ኺኅዞም ዚኽእል ጋኔን ከኣ የልቦን፡ እቲ ሓሞት ከኣ ሓደ ሰብ ዓይኑ ዓለባ ብዚመስል ፃዕዳ ነገር እንተተገብተረ፡ ኣብ ኣዕይንቱ ኣንጢብካ እንተደረዝካዮ፡ ነቲ ዓለባ ዚመስል ፃዕዳ ነገር ከኣ ኡፍ እንተበልካዮ፡ ሽዑ ኪርኢ ይኽእል እዩ” ኢሉ መለሰሉ።

ክልቲኦም ኣብ ምድያም ምስበጽሑ ኣብ ከተማ ራጎስ ኪኣትዉ ኸኣ ምስ ቀረቡ ሩፋኤል “ጦብያ ኃወይ“ ኢሉ ጸውዖ። ጦብያ ኸኣ “ኣቤት እንታይ ተረኽበ፧” ኢሉ ሓተቶ። ሩፋኤል ኣስዒቡ  ሎሚ ለይቲ ኣብ እንዳ ዘመድካ ራጉኤል ክንኃድር ኢና፡ ንሱ ሳራ እትበሃል ጓል ኣላቶ። ብዘይካኣ ኸኣ ውሉድ የብሉን። ቀረባ ዘመዳ ንስኻ ስለዝኾንካ ኸኣ ኽትምርዓዋ ዝግብኣካ ንስኻ ኢኻ። ሃብቲ ኣቦኣ ራጉኤል ብሙሉኡ ኸትወርሶ ዝግብኣካውን ንስኻ ኢኻ። ንሳ ኣዝያ ለባምን ተባዕን ኣዝያውን ውቅብቲ እያ። ኣቦኣውን ንፉዕ ሰብ እዩ። ሎሚ ምሸት ምስ ኣቦኣ ጓሉ ኺህበና ብዛዕባ መርዓ ኽዛረቦ እየ። ንሱ ኸኣ መርዓትካ ኽትኮነካ ኺህበካ እዩ። ደኃር ካብ ከተማ ራጎስ ተመሊስና ዓዲ ምስኣቶና ኸብካብ (ጽንብል) ክንገብር ኢና ራጉኤል ኣቦኣ ንኸይትምርዖ ኣይኸልኣካን እዩ። ንኻልእ ሰብውን ኪህባ ኣይክእልን እዩ። እንተደኣ ሂብዋ ግና ኸም ሕጊ ሙሴ ብሞት ኪቕጻዕ እዩ። ስለዚ ምኽረይ ስማዕ፡ ካብ ከተማ ራጎስ ኽንምለስ ከሎና ድማ ኂዝናያ ንዓድና ክንምለስ ኢና። ጦብያ ኸኣ ንሩፋኤል “ኣዛርያ ኃወይ ሳራ ሾብዓተ ሳዕ ሰብኣይ ከምዝተመርዓውዋ በታ መዓልቲ መርዓ ለይቲ ኸኣ ብግብሪ ሥጋ ቕድሚ ምስኣ ምርኻቦም ነፍሲ ወከፎም ከመይ ኢሎም ከምዝሞቱ ቕድሚ ሕጂ ሰሚዐ ኣሎኹ። ከምቲ ዝሰማዕኽዎ እንተደኣ ኾይኑ ጋኔን እዩ ቐቲልዎም። ኣነ ኸኣ ነዚ ጋኔን እዚ እፈርሆ እየ፡ ንወለደይ ኣነ በይነይ እየ ውሉዶም ኣነ እንተደኣ ሞይተ ስድራይ ብኃዘን ጥራይ ኪሞቱ እዮም። ዚቐብሮም ካልእ ወዲውን የብሎምን” በሎ። ሽዑ ሩፋኤል “ነቲ ኣቦኻ ዚሃበካ ትእዛዝዶ ድሮ ረሲዕካዮ ኢኻ፧ ሰበይቲ ኻብ ነገድካ ኽትምርዖ ነጊሩካ ነይሩ፡ ስለዚ ዝብለካ ዘሎኹ ጥራይ ስምዓኒ። ብዛዕባ እቲ ጋኔን ኣይትጨነቕ። ንሳራ ተመርዓዋ፡ ሎሚ ምሸት ራጉኤል ንሳራ ኽትምርዓዋ ኸም ዚህበካ ፈሊጠ ኣሎኹ። ኣብ ቤት ምድቃስ ምስኣቶኻ እቲ ናይቲ ዓሣ ልብን ጸሊም ከብድን ወሲድካ ኣብቲ ዚነድድ ዕጣን ግበሮ። እቲ ሽታኡ ኸኣ ነታ ቤት ኪመልኣ እዩ። እቲ ጋኔን እዚ ምስጨነዎ ኻብ ሳራ ኺወፅእ እዩ። ቅድሚ ብሥጋ ምርኻብኩም ደው ኢልኩም ጸልዩ“ በሎ።

ሽዑ ሩፋኤልን ጦብያን ኣብ ቤት እንዳ ራጉኤል በጽሑ። ራጉኤል ከኣ ኣብ ኣፍ ደገ ዓፀድ ቤቱ ኮፍ ኢሉ ጸንሖም ሰላም ከኣ ተባሃሃሉ። ናብ ቤት እተዉ ኸኣ በሎም። ንእድና ሰበይቱ ድማ  “እዚ መንእሰይ እዚ ንወዲ ኃወይ ጦቢትዶ ይመስል፧” ኢሉ ሓተታ። እድና ኸኣ ኻበይ መጺእኩም፧ ኢላ እንተሓተተቶም ካብ ጦቢት ዝተላእኩን ወዱ ምዃኑን ምስ ነገርዋ፡ ራጉኤል ወዲ ኃዉ ምዃኑ ምስፈለጠ ዘሊሉ ተንሥአ ናይ ሓጐስ ንብዓት እናፍሰሰ ኸኣ ሰዓሞ። “ጦቢት ኣዕይንቱ ኸምዚዓወረ ምስ ሰምዐ ብጓሂ ዓው ኢሉ በኸየ” ኸምዚ ኸኣ በለ። ኸምዚ ዝበለ ቕኑዕ ሰብ ለጋስን ብዑረት ኪሳቐስ እንታይ ክፉእ ዕድል እዩ፧ በሎ። ንጦብያ ኣብ ክሳዱ ሓቝፉ ኸኣ ሰዓሞ፡ ኵሎም እቶም ስድራ በኸዩ።

ድኅርዚ ራጉኤል ንጦብያን ሩፋኤልን ድዑል ሓሪዱ  ጽቡቕ ገይሩ ተቐበሎም።ሰብነቶም ተሓፂቦም ኣብ መዓዲ ቐሪቡ ኸኣ ጦብያ ንሩፋኤል “ኣዛርያ ኃወይ ንራጉኤል ሳራ ሰበይተይ ክትኮነኒ ኽሀበንስ መዓዝ ኢኻ እትሓቶ፧” በሎ። ራጉኤል ግና ነቲ ሕቶ ስለዝሰምዖ ንሳራ ክትወስዳ ዝግብኣካ ንስኻ ጥራይ ኢኻ። ብላዕ፡ ስተ፡ በዚ ምሸት እዚ ኸኣ ተሓጐስ። እንተኾነ ወደየ “ሓደ ሓቂ ዝነግረካ ኣሎኒ፡ ቅድሚ ሎሚ ንሾብዓተ ሰብኡት ኣመርዕየያ ነይረ ዅላቶም ከኣ ኣዝማድና እዮም። በታ ዝተመርዓዉላ ለይቲ ኸኣ ሞቱ። ሕጂ ግና ወደየ እግዚኣብሔር ንኸልቴኹም ጸጋኡ ኺህበኩም እዩ“ በሎ።

ጦብያ ኸኣ “ኽሳዕ እትህበኒ ቓል ክሳዕ እትኣትወለይ ብልዓ ኾነ መስተ ኣይክትንክፍን እየ“ ኢሉ መለሰ። ራጉኤል ከኣ ኸምቲ ሕጊ ሙሴ ዚእዝዞ ሰበይትኻ ትኹን ሂበካ ኣሎኹ። እዚ መርዓ እዚ ሰማያዊ ኣምላኽ ዝመደቦ እዩ። ስለዚ ንጓል ኃወቦኻ ሰበይትኻ ኸትከውን ውሰዳ። ካብ ሕጂ ንደኃር ንስኻ ኃዋ ኹን፡ ንሳ ኃውትኻ ትኹን ኢሉ መሪቑ ሃቦ።

ራጉኤል ንሳራ ጓሉ ጸዊዑ ኣዘራሪቡ ሰበይቲ ጦብያ ኽትከውን ሃባ። ራጉኤል ፃዕዳ ብራና ኣምጺኡ ውዕል መርዓ ጽሒፉ ምስተፈራረሙ እንጌራ በልዑ። መደቀሲ ተዋሂብዎም ከኣ ናብ ምድቃሶም ከዱ። ሳራ ከኣ ኣብታ ቤት ሕዕኖት ኣትያ ኸትበኪ ጀመረት። እድና ኣዲኣ ግና “ኣጆኺ ሰማያዊ ኣምላኸ ንኃዘንኪ ናብ ሓጐስ ኪልውጦ እዩ” በለታ። ሽዑ እድና ኻብቲ ኽፍሊ ወፅአት።ጦብያ ኣብ እዋን ድቃስ ነቲ ኣብ ሳንጣኡ ኂዝዎ ዝነበረ ናይ ዓሣ ልብን ጸሊም ከብድን ኣውፂኡ ኣብቲ ዚነድድ ዕጣን ኣንበሮ። እቲ ጋኔን ከኣ ነቲ ሽታ ስለዝጸልኦ ሃዲሙ ኸደ። ሩፋኤል ነቲ ጋኔን ኂዙ ኢደ እግሩ ኣሰሮ። ሽዑ ጦብያ ንሳራ “ኣቲ ኃውተይ ተንሥኢ እግዚኣብሔር ብዓይኒ ምሕረት ኪጥምተናን ኪሕልወናን ንጸሊ” በላ። ሳራ ተንሥአት፡ ብሓደ ኸኣ ጸለዩ። (እቲ ዝጸለይዎ ጸሎት ኣብ መጽሓፈ ጦቢት 8፡5-9 ተጻሒፉ ኣሎ)። ራጉኤል ሽዑ ለይቲ ኺመውት እዩ ኢሉ መቓብር ኰዓተ። ይኹን እምበር ጦቢት ገለ ኣይኮነን በዚ ምኽንያት ራጉኤል ናብ ኣምላኽ ምስጋና ኣቕረበ። (እቲ ዝጸለዮ ኣብ መጽሓፈ ጦቢት 8፡15-18 ኣሎ)። ብድኅርዚ እንዳራጉኤል ንመርዓ ዝኣክል እኸለማይ ኣዳልዮም መርዓ ብግቡእ ኣኅለፉ። ጦብያ ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ምስኦም ቀነየ። ራጉኤል ፍርቂ ንብረቱ ኣውረሶ። እቲ ዝተረፈ ኸኣ ድኅሪ ሞት ራጉኤልን እድናን ወረሶ።

ጒዕዞ ናብ ከተማ ራጎስ

ሽዑ ጦብያ ንሩፋኤል ጸዊዑ “ኣዛርያ ኃወይ ኣርባዕተ ገላዉን ክልተ ኣግማልን ውሰድ እሞ ናብ ከተማ ራጎስ ናብቲ ገንዘብ ኣቦይ ዝተቐመጦ እንዳ ገባኤል ኪድ ነቲ ቕርሺ ብሩር ምእንቲ ኺህበካ ድማ ነዚ ኸታም ዘለዎ ናይ ውዕል ጽሑፍ ሃቦ። ኣብ መርዓይ ምእንቲ ኺውዕል ከኣ ንገባኤል ተማልኣዮ። ሽዑ ሩፋኤል ገላዉን ኣግማልን ኂዙ ኣብ እንዳ ገባኤል ኃደሩ። ነቲ ውዕል ዘለዎ ጽሑፍ ሃቦ። ብዛዕባ እቲ ዕድመ መርዓውን ነገሮ። ገባኤል ከኣ ነተን ቅርሺ ዝኃዛ ኸረጺት ከይከፈተ ብሕቱማተን ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ኣብ ኣግማል ጽዒኖም ናብ እንዳ ራጉኤል ኣምርሑ። ገባኤልውን ምስኦም መጽአ። ኣብ እንዳ ራጉኤል መጺኡ ኸኣ በቲ ዅሉ ዚኾነ ተሓጒሱ፡ ንኣምላኽ ኣመስገነ። ንእኦም ከኣ መረቖም።

ፍርሂ ጦቢትን ሓና ሰበይቱን

ጦቢትን ሓና ሰበይቱን ከኣ ነተን ንጦብያ ወዶም ናብ ራጎስ ኣብጺሐን ዝመልሳኦ መዓልትታት ይቘጽሩ ነበሩ። ሓና እተን መዓልትታት ምስኃለፋ ወደይ ሞይቱ እዩ ብምባል በታ ጦብያ ዝኸደላ  መገዲ ተቐልቒላ ምሉእ መዓልቲ እናበኸየት ከተማዕዱ ትውዕል ነበረት። ብልዒ ዚብልዎ ድማ ኣበየት። ፀሓይ ምስ ዓረበት ናብ ቤታ ትምለስ ነበረት። ምልእቲ ለይቲ ኸኣ ክትበክን  ክትቍዝምን ከይደቀሰት ትኃድር ነበረት። እተን መዓልቲ ሕፅኖት ምስተወድኣ ጦብያ ንራጉኤል ሓሙኡ በል ናብ ስድራይ ክኸይድ መርቐኒ ኢሉ ለመኖ። ራጉኤል ኣግራድ፡ ከብቲ፡ ገንዘብ፡ ኣቑሑ ቤት፡ ፍርቂ ንብረቱ ሂቡ፡ ምስ እድና ሰበይቱ መሪቖም ኣፋነውዎም።

ምምላስ ናብ ዓዲ

ጒዕዞኦም ወዲኦም ኣብ ከሰሪን ኣብ ከባቢ ነነዌ ምስ በጽሑ ሩፋኤል ንጦብያ “ንኣቦኻ ኣብ ከመይ ዝበለ ኹነታት ከምዝኃደግካዮ ትፈልጥ ኢኻ። እዞም መጓዕዝትና ኽሳዕ ዜርክቡ ንዓናይ ቅድሚ መርዓትካ ኃሊፍና ቤት ነዳሉ። ነቲ ሓሞት ዓሣ ኸኣ ተማልኣዮ” በሎ። ሓና ኸም ቀደማ ኣብታ መገዲ ኾይና ኸተማዕዱ ኾላ ህሩግ በልዋ። “ንጦቢት ዓው ብዝበለ ድምፂ ጸዊዓ እንሆ ጦብያ ወድና ይመጽእ ኣሎ ዓርኩ ኸኣ ምስኡ ኣሎ“ በለቶ። ሩፋኤል “ኣቦኻ ዓይኑ ኸምዝርኢ ኣረጋገጸ ኣሎኹ። እንተስ ንስኻ በቲ ሓሞት ዓሣ ንኣዕይንቱ ልኸየን እምበር እቲ ፈውሲ ነቲ ገብቲርዎ ዘሎ ዓለባ ዚመስል ከም ዚኹምተር ኪገብር እዩ። ግፍፍ ኣቢልካ ኸኣ ኸተልግሶ ኢኻ። ኣቦኻ ኸኣ ኸም ብሓድሽ ብርሃን ፀሓይ ኪርኢ እዩ‘” በሎ። ሓና ከኣ ንወዳ ኽሳዱ ኂዛ ሰዓመቶ “እንቋዕ ደኣ ሕጂ ብሰላም ምምጻእካ ረኣኹ እምበር ዋላ እሙት” በለት።

ምሕዋይ ኣዕይንቱ ዓዊሩ ዝነበረ ጦቢት

ጦቢት ብድድ ኢሉ በቲ ኣፍ ደገ ዓፀድ ኪወዕእ ኪብል ተዓንቀፈ። ጦብያ ነቲ ሓሞት ዓሣ ኂዙ ተቐባበሎ። ብኢዱ ቐጥ ኣቢሉ ኂዙ ኸኣ ኣብ ኣዕይንቱ ኡፍ በለሉ። “ኣቦይ ኣጆኻ” ኸኣ በሎ። ብድኅሪኡ ነቲ ፈውሲ ኣብ ኣዕይንቱ ገበረሉ። ኣዕይንቱ ኸኣ ኃወያ። ጦብያ ኸኣ ጻዕዳ ዓለባ ዚመስል ቅልጥ ኣቢሉ ኣልገሰሉ። ጦቢት ድማ ንጦብያ ብኽልተ ኣእዳዉ ሓቖፎ እሞ ናይ ታሕጓስ ብኽያት በኸየ። ዓው ኢሉ ኸኣ “ኣታ ብርሃን ዓይነይ ዚኾንካ ወደይ እርእየካ ኣሎኹ” በሎ። ኣስዒቡ ድማ ንእግዚኣብሔር ስለ እቲ ዅሉ ዝገበረሉ ኣመስገነ። እቲ ዘመስገኖ ኣብ መጽሓፉ ምዕ ፲፩፡፲፬-፲፯ (11፡14-16) ኣሎ። ጦቢት እናተደፋነቐ ንመርዓት ወዱ ሳራ ንእግዚኣብሔር እናኣመስገነ ኺቕበላ ወፅአ። ሕዝቢ ነነዌ በቲ ዝኾነ ኣዝዮም ተገረሙ። ጦቢት ንሳራ “እንቋዕ ደሓን መጻእኺ እዛ ጓለይ እቲ ናባና ከም እትመጽኢ ዝገበረ እግዚኣብሔር ይመስገን፡ ንኣቦኽን ንኣዴኸን ይባርኮም፡ ንኣኸን ንጦብያን ይባርኽኩም፡ ቤት በረኸትን ሓጐስን ይግበረልኪ፡ እተዊ እዛ ጓለይ“፡ እናበለ መረቓ። ንሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ናይ መርዓ ጽንብል ገበሩ። በዓላት መርዓ ምስ ኃለፈ ጦቢት ንጦብያ ወዱ ጸዊዑ “ወደየ ነቲ መካይድኻ ውዕለቱ ኸም እትኸፍሎ ግበር። ናይ ጉንዖትውን ከም እትህቦ ግበር” በሎ። ጦብያ ኸኣ “ኣቦ ኽንደይ እንተሃብክዎ ዚኃይሽ ይመስላካ፧ ብወገነይ እኳ ናይቲ ዘምጻእናዮ ፍርቂ እንተሃብክዎውን ኣይዓመፀንን ምበልኩ ብሰላም ናብ ቤተይ ከምዝምለስ ገበረኒ፡ ካብ ገባኤል ነቲ ገንዘብ ተቐቢሉ ኣምጽኣለይ፡ ንሰበይተይ ካብቲ ኃዲርዋ ዝነበረ ጋኔን ኣኅወያ፡ ንኣኻ ኸኣ ኻብ‘ቲ ዓዊርካዮ ዝነበርካ ፈወሰካ። ኣብ ክንዲ እዚ ዅሉ ኽንደይ እንተሃብክዎ ይኃይሽ ይመስለካ፧” ኢሉ ሓተቶ። ጦቢት ከኣ “ናይቲ ዘምጻእክምዎ ፍርቂ ሃቦ ይግብኦ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ጦብያ ንሩፋኤል ጸዊዑ “ናይቲ ዅሉ ዘምጻእናዮ ፍርቂ እንሆ ዝግብኣካ ውዕለትካ እዩ። ኂዝካዮ ብሰላም ናብ ቤትካ ኺድ” በሎ። ሽዑ ሩፋኤል መልኣኽ ንኽልቲኦም ኣግልል ኣቢሉ ተዛረቦም። “ንእግዚኣብሔር ወድስዎ፡ በቲ ዅሉ ዝገበረልኩም ከኣ ኣመስግንዎ፡ እወ ንንጉሥ ምስጢር ክትሕልወሉ ጽቡቕ እዩ፡ እግዚኣብሔር ዚገበሮ ግና ዅሎም ምእንቲ ኼኽብርዎን ኬመስግናዎን፡ ኣብ ኵሉ ኺእወጅን ብዅሉ ክፍለጥ ኣዩ ዝግባእ ጽቡቕ ግበሩ እሞ፡ ኽፉእ ዘበለ ኣይኪበጽሓኩምን እዩ”። ሩፋኤል ንጦቢት “ንስኻን ሳራን ምስጸሌኹም፡ ንጸሎትኩም ናብ ቅድሚ እግዜብሔር ዘቕረብክዎ ኣነ እየ ነይረ፡ ምዉታት ኣብ ዝቐበርካሉ እዋንውን ኵሉ ጊዜ ምሳኻ ነበርኩ። ኣነ ኻብቶም ጸሎት ቅዱሳን ዜዕርጉን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኬገልግሉ ደው ዚብሉን ሾብዓተ ቕዱሳን መላእኽቲ ሓደ ዚኾንኩ ሩፋኤል መልኣኽ እየ” በሎም።

ንሳቶም ብፍርሂ ዝኣክል ኣንቀጥቀጡ፡ ግና ኸኣ ባዕሉ ኣጸናንዖም፡ ንኣምላኽ በዚ ኵሉ ዝገበረሎም ከመስግናዎን፡ ኣብ መጽሓፍ ኪጽሕፍዎን ነጊርዎም ናብ ሰማይ ዓረገ።

ሞት ጦቢያን ጦቢትን

ጦቢት ፻፶፰ (158) ዕድመ ምስመልአ ብኽብሪ ዓረፈ።

ጦብያ ፻፳፯ (127) ጌሩ ብዙኃት ውሉድ ገዲፉ ዓረፈ።

ጸሎታቶምን በረኸታቶምን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ምንጪ፦  መጽሓፈ ጦቢት፡ ስንክሳር ዕለት ፲፮/16 መስከረም

ስብሐት  ለእግዚኣብሔር ልዑል

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን።

Leave a comment

Send a Comment