፲፯/17 መስከረም በዓለ ቅዱስ መስቀል 

፲፯/17 መስከረም  በዓለ ቅዱስ መስቀል 

፲፯/17 መስከረም  በዓለ ቅዱስ መስቀል

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

መስቀል ዝብል ቃል ሰቀለ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጸ ክኸውን እንከሎ፡ መስቀሊ ማለት ኢዩ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ኣሌ ለክሙ ጻሓፍት ወፈሪሳውያን መደልዋን” ኣንቱም ፈሪሳውያንን ጽሓፍቲ ሕግን ወይልኹም፡ ኢሉ ብግብሮም ስለ ዘሰምዓሎም በዚ ተተናዂሎም ኣብ መስቀል ሰቐልዎ። ብልማድ ኦሪት ነፍሲ ዝቐተለን ሽፍታን ሕጊ ጥሒሱ ተባሂሉ ኣብ መስቀል ይሰቕልዎ ነበሩ(ማቴ 27 , ግብ.ሓዋ 7፡52)።

ኣብቲ ድሒሩ ዝመጸ ግዜ መስቀል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተኣምራት ክገብር ምስ ርኣይዎ ኣይሁድ ንተንኮል ስለ ዘየዕርፉ፡ ኦሪት “ነፍሲ ጻድቕ ኣይትቕተል” ስለ ትብል፡ ነዚ ሕጊ እዚ ስዒሮሞ ምእንቲ ከይብሉና ጉድጓድ ኩዒትና ንቕበሮ ኢሎም መኸሩ። ርስሓት ናይ ከተማ (ጉሓፍ)  ኣብኡ ክጉሓፍ ኣወጁ።

ድሕሪ ክልተ ሚእቲ ዓመት ቅድስቲ ኢሌኒ ኣደ ንጉስ ቆስጠንጢኖስ ሱባኤ ኣተወት። ሱባኤኣ ስለ ዝሰመረላ ትምኒታ ንምፍጻም ብ 319 ዓ.ም ናብ ኢየሩሳሌም መጸት። መስቀል ካብ ዝቕበር ብዙሕ ዓመት ስለ ዝገበረ ነቲ ዝተቐብረሉ ቦታ ዝፈልጥ ሰብ ስኣነት። ንኪርያኮስ ዝተባህለ ኣረጋዊ ጨው ዝበዝሖ መግቢ እናኣብልዐት፡ ማይ ከየስተየት ምስ ኣጨነቐቶ፡ “ብልክዕ እኳ እንተዘይፈለጥክዎ ካብዘን ሰለስተ ጐቦታት ሓዲአን ምዃነን ግን ኣቦታተይ ክዛረቡ ይሰምዕ እየ” ብምባል ሓበራ።  ንሳ ንካህናት ኣኪባ ዳሜራ ኣብሪሃ ዕጣን ምስ ኣትከኸትሉ “ሰገደ ጢስ በጎሎጎታ” እቲ ትኪ ናብ ሰማይ ወጺኡ ናብቲ መስቀል ዝተቐብረሉ ኣመልከተ። ብዓሰርተ መጋቢት ብርሃን ለቢሱ ተረኽበ። ሕሙማት ፈወሰ፡ ዕዉራት ዓይኖም ኣብርሀ። ኣብቲ መስቀልዝተረኽበሉ ከኣ ንመዘከርታ ዓቢይ ቤተ ክርስቲያን ኣስርሐት።

ግዚኡ ወርሓት ጾም ስለ ዝነበረ በዓል ከኽብሩ ኣይከኣሉን፡ በቲ ኩዕታ ዝተጀመረሉ መዓልቲ ማለት መስከረም 17 ክግበር ስርዓት ሰርዑ።

ሓደ መዓልቲ መእመናን ተኣኪቦም ብዓል እናኣብዓሉ ከለዉ ይስሓቅ ዝተባህለ ሳምራዊ “ኣምላኽኩም ነዚ ሕማቕ ማይ ጽሩይ ማይ እንተገይርዎ ምኣመንኩ ነይረ በሎም”። ኣጋቢስ ዝተባህለ ካህን ከኣ ጸልዩ ጽሩይ ማይ ገበሮ። መእመናን

ድማ ጥዒሞ ሰተዩ። ንሱ ክሰቲ ኢሉ እንተኸደ ግን፡ ከም ጸባ ጻዕድያ ዝነበረት ጸለመት፡ ከም ምዓር ጥዒማ ዝነበረት፡ ከም ዕረ መሪራ ዘይትልከፍ ኮነት። ሽዑ ንሱ ንስሓ ኣትዩ ኣሚኑ ተጠምቀ። እዚ ድማ ክብሪ ናይ መስቀል

ዝገልጽ እዩ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን አሜን አሜን!!!

 

 

Leave a comment

Send a Comment