በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
፲፯/17 ሚያዝያ ዕረፉቱ ለያዕቆብ ወልደ ዘብዴዎስ
ያዕቆብ ማለት ተሓዚ ሸኾና (ኣሰናኻሊ) ማለት እዩ። ነገዱ ካብ ነገደ ይሁዳ ፡ሃገረ ስብከቱ እስያ ፡ ቁጽሩ ድማ ካብ 12 ሃዋርያት እዩ።
ሃዋርያ ያዕቆብ ኣብ ኤስያ ወንጌል ድሕሪ ምስትምሃሩ ናብቶም እምነት ዘይነበሮም ካብ 12 ነገድ ዝውለዱ ዝርዋን ዝበሃሉ ከይዱ ጎይታ ዝገበሮ ኩሉ ካብ ጽንሰቱ ጀሚሩ ዝገበሮ ኩሉ ትእምርትን ተኣምራትን መሃሮም። ንሳቶም ነፍሲ ወከፎም ዘምልኽዎም ጣኦታት ነበርዎም። ምስ ካልእ ዘየራኽብ ቛንቛ’ውን ነበሮም። ቅዱስ ሓዋርያ ያዕቆብ ድማ ብዘይካ ምስቶም ብጾቱ ሓዋርያት ዝተቐበሎ 72 ቋንቋታት ናይ እንስሳን ኣራዊትን ኣዕዋፍ ሰማይን ከይተረፈ ፍሉይ ውህብቶ ስለዝነበሮ በብቋንቋኦም ቃለ ሃይማኖት ኣረድኦም። ወንጌል ክሰብከሎም ከሎ ከኣ “ዝወሃብ እንተደኣ ረኺብኩም ንምድራውያን ነገስታት ዘይኮነ፡ ንድኻታት ደኣ መጽውቱ፡ ምኽንያቱ ንዳሕራይ ንሳቶም እዮም ዝቕበሉኹም እምበር ነገስታት እዛ ዓለም ኣይኮኑን። ንነገስታት መሃብ ከም ዘየድሕነኹም ፍለጡ” ኢሉ ምስ ኣረድኦም፡ ኣሚኖም ተጠመቑ። ሄሮድስ ግና ነዚ ምስ ሰምዐ “ሎምስ ከኣ ንኔሮን ንጉሰ ነገስትን ነኣይ ንሄሮድስ ንጉስን ኣይትሃብዎም ዝብል ሰባኺ መጺኡና፡ ሕጂ ኣምጽኡለይ” ኢሉ ንሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ከምጽእሉ ኣዘዘ፡ ንሳቶም ውን ኣምጽኡሉ። ኣብ ቅድሚኡ ጠጠው ኣቢሉ ድማ፡ “እንታይ እዩ ፍጥረትካ፧ ብመን ከ ትኣምን፧” ኢሉ ሓተቶ። ቅዱስ ሓዋርያ ያዕቆብ ድማ ” ኣነ በቲ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ፍጥረታት ስልጣን ዘለዎ እግዚኣብሔር እየ ዝኣምን፡ ከምኡ’ውን ንስኻ ኮነ ኔሮን ካብቲ ፍጥረት ስለዘይትፍለዩ ናባኻትኩም’ውን ከይተረፈ ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ እየ ዝኣምን” ኢሉ መለሰሉ። ሄሮድስ ነዚ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ተቖጢዑ ” ካብዛ ሕጂ ዝተዛረብካያ ዘረባ ንላዕሊ ኣብ ምድጋም ኣየብጽሓካን እየ” ኢሉ ሰይፉ መዚዙ ክሳዱ ቆረጾ። ነፍሱ ካብ ስግኡ ተፈልየት። ምእመናን ድማ ናብቲ በጥቂ ዘማማርቂ እትበሃል ቦታ ጸግዒ ቤተመቕደስ ቀበርዎ። ዕለቱ 17 ሚያዝያ 44ዓ. ም ነበረ።
በረኸቱን ኣማላድነቱን ናይ ቅዱስ ሓዋርያ ያዕቅብ ወልደ ዘብዴዎስ ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን።

