፲፯/17 ጥቅምቲ ዓመታዊ ብዓል ሊቀ ዲያቆናት ቅዱስ እስጢፋኖስ

፲፯/17 ጥቅምቲ ዓመታዊ ብዓል ሊቀ ዲያቆናት ቅዱስ እስጢፋኖስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ ኣምላክ አሜን!
፲፯/17 ጥቅምቲ ዓመታዊ ብዓል ሊቀ ዲያቆናት ቅዱስ እስጢፋኖስ
ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣቡኡ ስምዖን: ኣዲኡ ማርያም ስና ይበሃሉ። ወለዱ ፍርሃ እግዚአብሔር ዝነበሮም ሰባት ነበሩ። ነገደ ትውልዱ ካብ ነገደ ቢንያም እዩ። ቅዱስ እስጢፋኖስ ዕለት 1/፩ ጥሪ ኣብ “ሃኖስ” ዝተባህለ ቦታ ተወልደ። እስጢፋኖስ ማለት ፋና ማለት እዩ። ሊቀ ዲያቆናት ቀዳሜ ሰማዕት ድማ ይበሃል። ቀዳሜ ሰማእት ምባሉ ጎይታ ንደቂ መዛምርቱ “ሑሩ ወመሀሩ ወስተ ኩሉ ኣጽናፈ ምድር” ኢልዎም ድሕሪ ምዕራጉ ንመጀመርያ ግዜ ብሰማዕትነት ዝሞተ ንሱ ስለዝኾነ እዩ። እዚኸ ከመይ እዩ ምስ እንብል ሓዋርያት ዓመት ዝኣክል ኣብ ኢየሩሳሌም ክምህሩ ከለዉ እቲ ጉባኤ ሰፊሑ ደቀ መዛሙርቲ በዚሖም ስለ ዝነበሩ ንጸሎትን ንተልእኾ ወንጌልን ስለ ዘሸገሮም “ለተልእኮ ማዕድ” ሸውዓተ ዲያቆናት መረጹ። ካብዚኣቶም ብቀዳምነት ዝተመርጸ እስጢፋኖስ ክኸውን ከሎ ንኹሎም እቶም ሽዱሽተ ድማ ሓለቓኦም እዩ ነይሩ (ሊቀ ዲያቆናት) ገይሮም ሸሙዎ (ግ.ሓዋ 6፡15)።
ብድሕሪዚ ጸጋ ሰማያዊ ሓይሊ ተዋሂብዎ ተጊሁ እና መሃረ ከሎ ኣይሁድ ክፉእ ንምግባር ስለ ዘይዓርፉ “ንእግዚኣብሔር ክጸርፍን ንሙሴ ከኣ ከቃልልን ከሎ ሰሚዕናዮ፡ ንኦሪትውን ክስዕር ከሎ ርኢናዮ በሉ” ኢሎም ናብ መጋባኣያ ኣቕረብዎ። ሊቀ ካህናት ድማ ንምንታይ ከምዚ ገበርካ በሎ። ቅዱስ እስጢፋኖስ ድማ “ኦ ጹንዓነ ክሳድ”፣ ንስኻትኩም ከምቲ ናይ ኣቦታትኩም ንመንፈስ ቅዱስ ኩሉ ግዜ ትጸርፍዎ ኣለኹም። ካብ ነቢያት ኣቦታትኩም ዘይሰጎግዎ መን ኣሎ፧ ሕጂውን ንጎይታ ስለ ዝጸላእኩምዎ ኣሕሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ንስኹም ኢኹም። ንኦሪትን ንሕግን ብኢድ መላእኽቲ ተቀበልናዮ ትብሉ ኣለኹም እንተኾነ ኣይሓለኹሞን” በሎም። ንኽሕዝዎ ድማ ቀረቡ። “ወርኢኩ ርህወ ሰማይ እንዘ ይነብር ለኣብ በየማኑ ለወልደ እጓለ እመሕያው/ እንሆ ሰማይ ተኸፊቱ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጡ እርኢ ኣለኹ” በሎም። እና ጎተቱ ድማ ካብታ ከተማ ኣውጽእዎ። “ኦ እግዝእየ ኢየሱስ ክርስቶስ ተመጠዋ ለነፍስየ/ ኦ ጎይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ንነፍሰይ ተቐበላ” ድማ በለ። ክዳውንቶም ንሳውል (ጳውሎስ) ሂቦም ድማ ብዳርባ እምኒ ቀጥቂጦም ቀተልዎ። ንሱ ካብ ጎይታ ዝተማሃሮ ምሕረት ስለ ዝነበረ ከም ዝጸልኡኒ ጽልኣዮም፡ ከም ዝገፍዑኒ ግፍዓዮም ከይበለ “እግዚኦ ሥረይ ሎሙ ዘንተ ሓጢኣቶሙ ወኢትረሲ ቦሙ ጌጋየ” ኦ ጎይታይ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘሎም እናበለ ድማ ዓረፈ (ግ.ሃዋ ምዕራፍ 6 , ግ.ሓዋ ምዕራፍ 7)። ቅዱስ እስጢፋኖስ ዕለት ፲፭/15 መስከረም ፍልሰተ ስግኡ ክኸውን እንከሎ ፱/9 ጥቅምት ከኣ ቅዳሴ ቤቱ እዩ። ጥቅምት ፲፯/17 ሊቀ ዲያቆናት ተሾመ፡ ዕለት ፩/1ጥሪ ከኣ ቅድስት ነፍሱ ካብ ስጋኡ ዝተፈለየትላ ዕለት እያ። ናይ ፲፭/15 መስከረም ስንክሳር ከምዚ ዝስዕብ ይብል፦ “ንጉስ ቆስጠንጢኖስ ኣብ ዝነገሰ ናይ ቅዱስ እስጢፋኖስ ሥጋ ኣብ ዝነበረሉ ከባቢ ናይ ጋማልኤል ትብሃል ቦታ ሉክያኖስ ዝተባህለ ሰብ ነበረ። ነዚ ሰብ’ዚ ቅዱስ እስጥፋኖስ ብሕልሚ እናተገልጸ “ኣነ እስጢፋኖስ እየ፡ ሥጋይ ኣብዚ ቦታ’ዚ ተቐቢሩ ኣሎ” ይብል ነበረ። እዚ ሰብ’ዚ ንናይ ኢየሩሳሌም ኤጲስቆጶስ ኩሉ ዝረኣዮ ነገሮ። ንሱ ከኣ ብኽብርን ብምስጋናን ንመቓብሩ ኩዒቱ ኣውጺኡ ናብ ጽርሃ ጽዮን ወሰዶ። ድሕሪኡ ኣብ ቁስጠንጥንያ ዝነብር እለስክንድሮስ ዝተባህለ ጽብቕቲ ቤተ ክርስቲያን ሰሪሑ ሥጋኡ ናብኡ ኣግዓዞ። ንሱ ሞይተ ከሽስ ድሕሪ 5 ዓመት ኣብ ጎድኒ እስጢፋኖስ ቀበርዎ። ሽዕኡ ሰበይቱ ናይ ሰብኣያ ሬሳ ኩዒታ ናብ ቁስጥንጥንያ ክትወስድ ክትብል ተጋግያ ንናይ ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣስከሬን ካብ ዝመውት ድሕሪ 300 ዓመት ኣብ መርከብ ጽዒና እናተጓዕዘት ካብቲ ሳጹን ጥዑም ሽታን ምስጋና መላእኽትን ትሰምዕ ነበረት። ሽዕ ናይ ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣስከሬን ምዃኑ ፈለጠት፡ እዚ ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ተረዲኣ ንኢየሩሳሌም ክትመልሶ ኣይደለየትን። ከይዳ ከኣ ንንጉስ ነገረቶ። ንሱ ምስ ጳጳስ መጺኡ ብኽብሪ ተቐቢሎም ናብ ቤተ መንግስቲ ኣእተዉዎ። ብዙሕ ተኣምራት ከኣ ኣርኣየ። እቶም ተጻዒንዎም ዝነበሩ ኣፍራስ ቁስጥንጥንያ ምስ በጽሑ ምኻድ ኣብዮም ቆሙ፡ ዋላ እንተኸትከትዎም ኣበዩ። ሽዕኡ “ናይ ቅዱስ እስጢፋኖስ ሥጋ ኣብዚ ኣንብርዎ” ዝብል ድምጺ ካብቶም ኣፍራስ ሓደ ተሰምዐ ነዚ ዝሰምዑ ኩላቶም ተገረሙ፡ ንኣምላኽ ኣመስገኑ፡ ጸጋ ኣምላኹ ንቅዱስ እስጢፋኖስ ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን አሜን።
ስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር አሜን

Leave a comment

Send a Comment