፲፰/18 አቡነ ድምያኖስ ሊቀ ጳጳሳት"

፲፰/18 አቡነ ድምያኖስ ሊቀ ጳጳሳት"

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

፲፰/18 አቡነ ድምያኖስ ሊቀ ጳጳሳት”

ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ኣብ ወርሕን ኣብ ዓመትን እትዝክሮም ቅዱሳን ኣዝዮም ብዙኃት እዮም። ማለት ቅዱሳን መላእኽት፡ነቢያት፡ ሐዋርያት፡ ሰማዕታት ጻድቃን፡ ቅዱሳን ነገስታት፡ እናበለት ኣብ ወርሓውን፡ ዓመታውን ትዝክሮም። ዓላውያን ነገስታት፡ ነዛ ቅንዕትን ኣጽናፋዊትን ዝኾነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ንኸጥፍእዋ ማለት ክርስትያን እምነት ካብ ዓለም ክጠፍእ ኣለዎ ኢሎም እኳ እንተሃቀኑ፡ እዛ ቅንዕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሰራቲኣ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝኾነ   ንኸጥፍእዋ ኣይከኣሉን።  ቅዱሳን ኣቦታት ውን ግፍዕ፡ መከራ፡ ስቓይ፡ ማሕረድን ከይፈርሑ ናብ ኣረማውያን ነገስታት ዘለውዎ ሃገራት እንዳ ኸዱ ወንጌል ብምስባኽ ንዓለም ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ቀየርዋ። ገሊኦም ብሴፍ ተሰየፉ፡ ገሊኦም ብዳርባ እምኒ ተጨፍሎቑ፡ ገሊኦም ድማ ቆርበቶም ተቀልጡ። እምበኣር ንሎሚ ካብ ቅዱሳን ኣቦታት ሓደ ኣዝዩ ብገድሉን ትርፋቱን  ብቅድስናኡን ዝፍለጥ፡ገድሉ ብኣና ተንጊሩ ዘይብጻሕ፡ ግና’ኸ ንበረኸት ክኾነና ካብ ብዙኅ ብዉሕድ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ናይ አቡነ ድምያኖስ ሊቀ ጳጳሳት ክንርኢ ኢና።

አባ ድምያኖስ ተወሊዶም ዝዓበየሉ ኣብ ሃገረ ግብጽ ኮይኑ፡ ወለዶም ድማ ክርስቲያን ስለ ዝነበሩ፡ ብሕፃንነቱ እንከሎ፡ ቅዱሳን መጽሓፍትን ሰናይ ስነ ምግባርን ተማሂሩ ዓበየ። ኣብ ጊዜ ንእስነቱ ከኣ ሥርዓተ መነኮሳት ክምሃር ናብ ገዳም አቡነ ዮሐንስ ከደ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ብፈተና ከይ ሓለፈ ዝምንኩስ ሰብ ኣይነበረን።

ሓደ ሰብ ክምንኩስ እንተ ሓሲቡ ብዉሕዱ ንሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓመት ብኣመክሮ  ክሓልፍ ሥርዓት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ይእዝ ነበረ። ንዓሰርተ ክልተ ዓመትውን እንተ ደለየ ይፍቀድ ነበረ።  በዚ መሰረት አባ ድምያኖስ ከኣ ንዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ተዓጊሶም ብፈተና ጸኒዖም ንገዳም ኣገልጊሎም እዮም ። ገዳማውያ አበው ይግብኦም ማለት ይደልዎ ኢሎም፡ማዕርገ ዲቁና ከም ዝሽየሙ ገበሩ። ብድሕሪ’ዚ ንገዳማዉያን ተፋንዮም ብሰላም ወፁ፡ ናብ ዓለም ዘይ ኮነስ ናብ ምድረ በዳ ከኣ ኸዱ።

ናይ ርድእና ጊዚኦም ወዲኦም ናብ ሓድሽ ገድሊ ተሰጋገሩ። እዚ ማለት ብጾም፡ጸሎት፡ብስግደት፡ብትሕርምቲ፡ ብብሕትና፡ብፍቅሪ ሙሉእ ጊዚኦም ከሕልፉ ጀመሩ። ብኸምዚ ተግበር ቡዙሕ እዋን ጸንሑ።

ኣብቲ ጊዜ እቲ ዝነበሩ ፓትርያርክ አባ ጴጥሮስ ንጉስነት ዝሕግዞም ኣቦ የድልየኒ እዩ ኢሎም ብዝሓተትዎ መሠረት፡ ብትምህርቲ፡ብጽሕፈትን፡ ብሰናይ ተግባርን፡ ከም አባ ድምያኖስ ኣይተረኸበን እሞ፡ ብዘይ ፍቃዶም ናብ እስክንድርያ ወሲዶም ረድኢ ናይ ፓትርያርክ ኮይኖም ተሸሙ። ኣብ ጊዜ ረድእናኦም ብወንጌል ኣገልጉሎት፡ ንሕዝብ ብንጽሕና ኣገልገሉ ፡ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጴጥሮስን፡ እቶም ሕዝብን ውን መስኺረምሎም እዮም።

አቡነ ጴጥሮስ ምስ ዓረፉ፡ ሊቃውንት ሕዝብ ተኣኺቦም ንአቡነ ድምያኖስ ፓትርያርክ መረጽዎም ንዕኦም ተኪኦም ክኣ ኣብ መንበሮም ሸሙዎም። ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ድምያኖስ  ህዝቢ  ካብ ሃይማኖቱ ከይወጽእ፡ ብስነ ምግባር ክብርትዕ ከም ዘለዎ ተጊሆም መሃሩ። ከምኡ ውን  ዘይበጽሕዎም ቦታታት ብመልእክቲ (ደብዳበ) ይሰድሎም ነበሩ። ነቶም ኣብ ዘመኖም ዝተላዕሉ መናፍቃን ድማ  ተኸራኺሮም፡ ንገሊኦም ካብ ጌግኦን መለስዎም። ነቶም ካብ ጌግኦም ዘይተመልሱ ድማ  ኣውጊዞም ፈለይዎም። ካብ ናይ ኣንጾኪያ ፓትርያርክ ዝመጹ ናይ ኑፋቄ መልእክቲ ብወጊዒ ተቃዊሞም፡ ኣውገዝዎም። አቡነ ድምያኖስ ንኣርባዓን ሰለስተን (43) ዓመት ኣብ እስክንድርያ ፓትርያርክ ኮይኖም ውን ኣገልጊሎም እዮም።ኣብ እስክንድርያ ድማ መበል 45 ፓትርያርክ  ኮይኖም ስሞም ተመዝጊቡ ኣሎ።  ድሕሪ”ዚ ብዙሕ ተጋድሎ ድማ ብዕለት 18 ሰኔ ብሰላም  ኣዕረፉ።

በረኸቱን ረዲኤቱን ናይ ቅዱስ አቡነ ድምያኖስ ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኩን ኣሜን።

ሰላም፡ለሊቀ ጳጳሳት፡ድምያኖስ፡ አቡነ።

ለተልእኮ ምሥዋዕ፡ዘጽሐቀ፡ወዘአስተንተነ።

ለእለ፡ አመክነየ ፡ ሰብእ ፡ በፍስሐ፡ሐሙስ፡ ዘኮነ።

ገሠጾሙ፡ ወአውገዞሙ፡ኢይትመጠዉ፡ቍርባነ።

 በኑኀ፡ ሌሊት ሰትዮሙ፡ወይነ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

አሜን

Leave a comment

Send a Comment