በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ ኣሜን!!!
፲፰/18 ጥቅምቲ ዕረፍቱ ለቅዱስ ቴዎፍሎስ ሊቀጳጳሳት ዘእስክንድርያ
ቅዱስ ኣባ ቴዎፍሎስ ንንጉሥ ቴዎዶስዮስ ዓብይ ኣብ መበል ሻዱሻይ ዓመቱ ኣብ እስክንድርያ ሊቀጳጳሳት ተሸመ። ኣብዚ ዘመን እዚ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ከምኡውን ቅዱስ ቄርሎስ ነበሩ፡፡ እዚ ቅዱስ ኣቦ እዚ ናይ ቕዱስ ኣትናቴዎስ ሓዋርያዊ ወደመዝሙር ኮይኑ ኣብ በዓቲ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዓበየ። ‘ኵሉ መንፈሳዊ ትምህርቲ ከኣ ካብኡ ተማህረ።አባ ጢሞቴዎስ ዝተባህለ ቕድሚኡ ዝነበረ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ምስ ሞተ፡ መተካእትኡ ኮይኑ ኣብ መንበረ ሓዋርያ ማርቆስ ሊቀ ጳጳሳት ተሸመ። ንሕዝቡ ብጽቡቕ ጓሰየ። ኣብ ዘመኑ ብዙት ድርናት ደረሰ። ንኣብነት፦
ተግሣፅ ምእንቲ ፍቕሪ
ተግሣፅ ምእንቲ ምጽዋት
ተግሣፅ ስለ ትንሣኤን ፍርድን ጸሓፈ።
እዝን ከምዚ ዝኣመስለን ብዙኅ ድርሳናት ደረሰ፡፡ ወዲ ኃውቱ ዝኾኖ ቕዱስ ቄርሎስ ብጽቡቕ ኣተዓባብያ ኣዕብዩ ናብ መምህር ኣባ ሰራብዮን ብግቡእ ኪምህረሉ ለኣኾ፡፡ ኣባ ሰራብዮን ከኣ ዘሎ መንፈሳዊ ትምህርቲ ቤተክርስቲያን መሃሮ። ኵሉ ትምህርቲ ቤተክርስቲያን ኣጽኒዑ ምስ ወድአ ናብ ኣኩኡ መለሶ እሞ ኣባ ቴዎፍሎስ ምስ ኣባ ኣትናቴዎስ ከሎ ኣዕይንቱ ናብ ቅድሚ በዓቱ ዝነበረ ዓቢይ እምባ ገጹ ኸማዕዱ ኸሎ ተመልኪቱ ዝሰምዖ ዝነበረ ቓላት ኣቦኡ ‘ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሞገስ እንተረኺበ ነዚ ኣብ ቅድሚ በዓተይ ዘሎ እምባ ምኣለኽዎ ነይረ። ኣብኡ ኸኣ ናይ ቅዱሳን ነቢይ ኤልሳዕን ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕን ቤተክርስቲያን ምሓነዕኩ ነይረ’ ዝብል ቃል ኣብ ልቡ ኣጽኒዑ ብምጽናሕ። ንሱ ምስተሸመ እቲ ቕድም መምህሩ ዚብሎ ዝነበረ ዘከረ እሞ ኣብቲ እዋኑ ኸኣ ሓንቲ ሃብታም ሰበይቲ ሰብኣያ ብዙኅ ገንዘብ ኃዲጉላ ዝሞተ፡ ኽልተ ውሉድውን ዘለውዋ፡ ነቶም ክልተ ደቃ ምስኣ ኂዛ ኸምኡውን ነቲ ሰብኣያ ዝሓደገላ ገንዘባ ሒዛ ምስኡ ከኣ ስእሊ ቅዱስ ሩፋኤል መልእኽ ካብ ዓዳ ሃገር ሮም ናብ ግብጺ እስክንድርያ መጽአት እሞ
ንቕዱስ ኣባ ቴዎፍሎስ ሊቀ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ጎቦ ክዛረብ ምስ ሰምዐቶ ሽዑ መንፈሳዊ ቅንኣት ተሰሚዕዋ በቲ ዝነበራ ገንዘብ ነቲ ዓብይ ጎቦ ኣኹዒታ ጎልጎል ገበረቶ።ክትኩዕት ከላ ከኣ ሠለስተ (3) ድስቲ ምሉእ ወርቂ ቴዳ፡ቴዳ፡ ቴዳ ዚብል ኣብ ልዕሊኡ ዝተጻሕፎ ረኸበት እሞ ንቅዱስ ኣባ ቴዎፍሎስ ሃበቶ።
ቅዱስ ኣባ ቴዎፍሎስ መንፈስ ቅዱስ ምሥጢሩ ብዝገለጸሉ፡ እቲ ሠለስተ ቴዳ ኣብ ሰለስተ መቐሎ።
እቲ ሓደ ‘ቴዳ ታኦስ እግዚኣብሔር ማለት እዩ እሞ ንድኻታት ይግባእ ኢሉ ንድኻታት ሃቦ።
እቲ ኻልኣይ ቴና ቴዎዶስዮስ ማለት እዩ እሞ ንንጉሥ ቴዎዶስዮስ እዩ ዝግባእ ኢሉ ንንጉሥ ቴዎዶስዮስ ለኣኸሉ።’ እቲ ሣልሳይ ‘ቴዳ ቴዎፍሎስ ማለት እዩ ኢሉ ንቤተከርስቲያን
መስርሒ ይግባእ ክብል ከሎ እቲ መዝገብ ባዕሉ ባግ ኢለ ተኸፍተ። ኣብ ውሽጡ ኸኣ ብዘመን ንጉሥ እስክንድር ከምዝተቐብረ ዝነግር ጽሑፍ ረኸበ። ካብ ዝቕመጥ 700 ዓመት ከምዝገበረ ዝገልጽ ነበረ። ሽዑ ናብ ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ወዲ ኣርቃድዮስ ልኡኽ ብምልኣኽ መጺኡ ኸምዚርእዮ ገበረ። ንጉሥ ቴዎዶስዮስ መጺኡ ነቲ ሠለስተ ድስቲ ወርቂ ርእዩ ተገረመ። ቅዱስ ቴዎፍሎስ እኳ ብጽሒትካ ውሰድ። እንተበሎ ቚሩብ ደኣ ንበረኸት ኢሉ ወሰደ እምበር ነቲ ዅሉ ብጽሒቱ ኣይወስዶን። መሥርሒ ቤተክርስቲያን ኪኾኖ ኸኣ ንቕዱስ ቴዎፍሎስ ኃደገሉ።
ቅዱስ ቴዎፍሎስ ከኣ በቲ ወርቂ ጌሩ ብዙኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣሥርሐ። ብቐዳምነት ናይ ነቢይ ኤልሳዕን መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ኣሕነፁ። ናይ ክልቲኦም ቅዱሳን ኣስከሬን ከኣ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣንበረ። እዛ ቤተክርስቲያን እዚኣ ኽሳዕ ሎሚ ፍልጥቲ ኾይና ትርከብ ኣላ። ከምኡውን ብስም ኣዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያም ሓደ ቤተ ክርስቲያን ሓነፀ። እዛ ብስም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተሓንፀት ቤተ ክርስትያን ሕጂ ኣብ ኢድ መለካውያን ኣትያ ትርከብ።
ሣልሳይ ብስም ቅዱስ ሩፋኤል መልኣኽ ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣብ ትርከብ ደሴት፡ ኣብ ዝባን ኣንበሪ (ዓሣ ነባሪ) ሓነፀ። ካልኦትውን ሾብዓተ ኣብያተ ቤተክርስቲያን ኣሕነዐ። ድኅሪኡ ነቶም
ክልተ ደቂ እታ ሃብታም ሰበይቲ ካብ መዓርገ ዲቁና ኽሳዕ ኤጲስቆጶስነት ዘሎ
መዓርግ ሸሞም። ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ንቕዱስ ቴዎፍሎስ ኣብ ምሕናዕ ቤተክርስቲያን
ዘለዎ ፍቕሪ ርእዩ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ግብጺ ዚርከብ ኣብያተ ጣዖታት ኩለን፡ ካልኦት ኣብያተ ኣናግዲ ዝነበሩን ከሠርሖም ሃቦ። እዚ ቕዱስ ኣቦ እዚ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ብዝተዋህቦ ጸጋ ኸጠምቕ ክሎ መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ማይ ብሓጺን ትእምርተ መስቀል ከማዕትብ
ከሎ ይርኢ ነበረ። እዚ ቕዱስ ኣቡነ ቴዎፍሎስን ንጉሥ ቴዎዶስዮስን ቐደም ኣብ እዋን ሕፃንነቶም ብሓደ ዕንፀይቲ ኺኣርዩ ኸለዉ ብራእይ፡ ሓዲኦም ጳጳስ፡ ሓዲኦም ንጉሥ ከም ዝኾኑ ርእዮም ነበሩ እሞ ኸምታ ዝረኣይዋ ኸኣ ኾነሎም። ንቕድም ቅዱስ ቴዎፍሎስ ሊቀጳጳሳት ተሸመ። ጸኒሑ ድማ ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ዓቢይ ነገሠ። ቅዱስ ኣባ ቴዎፍሎስ ብዅሉ መንፈሳዊ ሥራሑ ንእግዚኣብሔር ኣሥሚሩ፡ ንሕዝቡ ብግቡእ ኰስኲሱን ጓስዩን፡ ምሂሩን ብ411 ዓ.ም፤
ኣብ ሊቀጵጵስና ንዕሥራን ሸሞንተን (28) ዓመት ኣገልጊሉ ብዕለት
ዓሠርተው ሸሞንተ (18) ጥቅምቲ ኣዕረፈ።
ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን
ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!
Leave a comment

