በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!
፲፱/19 ሓምሌ በዓለ ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ
ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ንቅዱስ ቂርቆስን ንቅድስት ኢየሉጣን ካብ ፍሉሕ ማይ ዘድሓነሎም ዕለት እዩ።
ቅዱስ ቂርቆስ ሃገሩ ሮም እዩ። ኣቦኡ ቆዝሞስ ኣዲኡ ከኣ ቅድስት ኢየሉጣ ይበሃሉ። ቅድስት ኢየሉጣ ሓረገ ትውልዳ ካብ ነገሥታት እዩ።
ድዮቅልጢያኖስ ምስ ነገሠ ኣብ 20 ዓመቱ “ኣብያተ ክርስቲያናት ይተዓጸዋ ኣብያተ ጣዖታት ይከፈታ” ዝብል ሰይጣናዊ ኣዋጅ ኣወጀ። በዚ መሰረት ብዙኃት ክርስቲያን ዓዶም ገዲፎም ካብ ሃገር ናብ ሃገር ተሰዱ። ቅድስት ኢየሉጣ ድማ ወዲ 3 ዓመት ወዳ ሒዛ ካብ ሃገራ ናብ ኢቆንዮን ሃደመት። እንተኾነ ግና መስፍን ናይታ ሃገር ዝነበረ እለእስክንድሮስ ዝተባህለ ውን ንክርስቶስ ክሓዱ ንጣዖት ስገዱ በሎም። ቅድስት ኤየሉጣ ድማ “ነዞም ኣፍ ከለዎም ዘይዛረቡ፡ እዝኒ ከለዎም ዘይሰምዑ፡ ኢድ ከለዎም ዘይድህሱ፡ ዓይኒ ከለዎም ዘይርእዩ፡ ስርሓት የእዳውካ ንዝኾኑ ጣዖታት ኣይሰግድን እየ” በለቶ። ንሱ ከኣ “ንጣዖታተይ እንተዘይሰጊድኪ ብሰይፊ ክስይፈኪ እየ” በላ። ንሳ ድማ ፈሪሃ ነዚ ሕጻን በል ሕተቶ በለት። ንሱ ድማ ንወዲ 3 ዓመት ህጸን ቂርቆስ “ብዙኅ ወርቂ ክህበካ እየ ጣዖት ስገደ” በሎ። ህጻን ቂርቆስ ድማ “ንእምነተይ ብወርቅን ብሩርን ኣይሸይጥን እየ፡ ነዞም ንገዛእ ርእሶም እኳ ከድሕኑ ዘይክእሉ ርጉማት ጣዖታትካ ከኣ ኣይሰግድን እየ” በሎ።
ዲዮቅልጢያኖስ በዚ ተቖጢዑ “ኣብ ናይ ሓጺን ዕትሮ ኣብ ፍሉሕ ማይ ጠጥቕዎም ኢሉ” ቄናን ፍርዲ ፈረደ። እቶም ወታሃደራቱ ድማ ከምቲ ዝተኣዘዝዎ ገበሩ። ጌና ርሑቕ ከላኻ ከም ነጎድጓድ ክሳብ ዝስማዕ ድማ ማይ ኣፍልሑ። ናብቲ ፍሉሕ ማይ ከእትውዎም እናወሰድዎም ከለዉ ከኣ ኢየሉጣ ፍርሒ ተሰምዓ። ህጻን ቄርቆስ ግን መሊሱ ጸንዐ፡ እግዚኣብሔር ንኣዲኡ ፍርሓት ካብኣ ኣርሒቑ ጽንዓት ክህባ ከኣ ጸሎት ገበረ። “ንሃናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል ካብ እቶን ሓዊ ዘውጽኦም እግዚኣብሔር ንዓና ውን ከውጽኣና እዩ ኣደየ ኣጆኪ” እናበለ ከኣ ኣጸናንዓ። በዚ ንሳ ውን ኣዝያ ጸንዐት። ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ዝረኣዩ ወታሃደራት ዲዮቅልጢያኖስ ድማ ናብቲ ፍሉሕ ማይ ኣእተውዎም። እግዚኣብሔር ድማ ብስሙ መስኪሮም መከራ ዝጸግቡ ክጠፍኡ ስቕ ኢሉ ስለ ዘይርኢ ንሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ለኣኸሎም። ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ነቲ ፍሉሕ ማይ ብበትሪ መስቀሉ ገይሩ ተንከፎ’ሞ ናብ ዝሑል ማይ ተቐየረ። ካብቲ መከራን ስቓይን ድማ ኣናገፎም። ኣብ ፍሉህ ማይ ኣትዮም ገለ ነገር ከይኮኑ ብሰላም ውጹ ነዚ ዝረኣዩ ብዙሓት ድማ ብኣምላኽ ቂርቆስን ኢየሉጣን ኣመኑ። እዚ ዕለት እዚ ብኽብሪ ዝበዓል እንበኣር ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ንቅዱስ ቂርቆስን ንቅድስት ኢየሉጣን ካብ ፍሉሕ ማይ ስለ ዘድኃኖም እዩ።
ክቡራት ናይ እግዚኣብሔር ቤተሰብ ንሕናውን ሎሚ ኣብ እምነትና ከም ህጻን ቂርቆስን ኣዲኡ ኢየሉጣን ጸኒዕና ክነብር እግዚኣብሔር ይሓግዘና።
እግዚኣብሔር መልኣኹ ልኢኹ ካብ ክሉ ሽግርና ምእንቲ ከድኅነና ኩሉ ጊዜ ኣብ እምነትና ጽኑዓት ንኹን። እግዚኣብሔር ኣብ እምነትና የጽንዓና ኣሜን።
በረኸትን ረድኤትን ናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።
ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን።
Leave a comment




