ታሪኽ ኣቡነ ኣብራንዮስ
ኣብራንዮስ ማለት ‘አብራ’ ማለት ኣብርሃ(ብርሃን) ማለት ክኸውን ከሎ፡ ‘ዮስ’ ማለት ከኣ ፀሓይ ማለት እዩ። ስለዚ ትርጉም ስሞም ብርሃን ፀሓይ – ብርሃን ዓለም ማለት እዩ። ኣቡነ

ኣብራንዮስ ካብ ፈሪሃ እግዚአብሔር ዝነበሮም፡ ብሃይማኖቶም ጽኑዓት ካብ ዝነበሩን ስድራ እዮም ተወሊዶም። ኣቦኦም ወልደ ክርስቶስ ኣዴኦም ከኣ ወለተ ትንሳኤ ይበሃሉ። እዞም ስድራ ገለ ካብቲ ሰናይ ግብርታቶም ከኣ ንዝጠመዩ ምብላዕ፡ ንዝዓረቑ ምኽዳን ንድኻታት ምምጽዋት ምንባሩ ብፍሉይ ይግለጽ። ትውልዶም ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያ ምብራቕ ጎጃም ከባቢ እነብሴ (ካናት) ኣብ ዝተባህለ ዓዲ እዩ። “ወሀሎ አሐዱ ብእሲ ውስተ ሃገረ ጐጃም እምአድያመ ‘እነብሴ’ እንተ ይብልዎ ካናት ዘስሙ ወልደ ክርስቶስ፡ ወስሙ ብእሲቱ ወለተ ትንሳኤ” ከም ዝብል እቲ ገድሎም።
ወለዲ ኣቡነ ኣብራንዮስ ዋላ እኳ ብፍቕርን ብሃብትን ዝተጸገዉን፡ እግዚአብሔር ክልተ ኣዋልድ ባሪኹ ዝሃቦምን እኳ እንተነበረ፡ ምስቲ ኵሉ ሃብቶም’ውን ካብኡ ንላዕሊ ክወልዱ ይብህጉ እንተነበሩ ውላድ ግና ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ስለዚ ኸኣ ነተን ክልተ ኣዋልድ ደቆም ኃው ዝኾነን ፈቓድ እግዚአብሔር ዝፍጽም ውላድ ክህቦም ናብ ፈቖዶ ገዳማት ብምኻድ ናብ እግዚአብሔር ይጽልዩን ንነዳያን ከኣ ይምጽውቱን ነበሩ። ብዝያዳ ኸኣ ኣዲኦም ወለተ ትንሳኤ ናብ ገዳማትን ኣረጋውያን መነኮሳትን እናኸዳ ጸሎቶም ይምኅጸና ነበራ እሞ፡ ብቝዓት ባሕታውያን ወዲ ከም ዝወልዳ ይነግርወን ነበሩ። እቲ ዝለመንካዮ ዘይከልእ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ ንቅዱስ ሚካኤል ልኢኹ ንእግዚኣብሔር ዘስምር ወዲ ከም ዝወልዳ ኣበሰረን። ወላዲት ኣቦና ዝኾና ወለተትንሣኤ’ውን ከምቲ ዝተበሰረኦ ንኣቦና ጸኒሰን። ይኹን ደኣ እምበር ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ንሰማዒኡ ይኹን ንነጋሪኡ ዕፁብ ዝኾነ ሓደ ፍሉይ ተኣምራት ክፍጸም ጀመረ። እዚ ኸኣ እቲ ልሙድ ወርሓት ጥንሲ እኳ እንተሓለፈ ኣቦና ካብ ማኅፀን ኣዲኦም ክወጹ(ክውለዱ) ፈቓዶም ስለዘይነበረ ካብቲ ንቡር ጊዜ ኣዝዮም ኣብ ማኅፀን ኣዴኦም ከለዉ ደንጒዮም። ሓደ ክልተ ሠለስተ … ዓመት እናበለ ኸኣ እቲ መዋዕል ጥንሶም ዓመታት ክፍቐድ ጀመረ። ኣብቲ ዘመን እቲ ሓጸይ ሱስንዮስ ዝተባህለ ንጉስ ኣብ ዘመን ወራር መሓመድ ግራኝ ንኣቦኡ ክሕግዙ ንዝመጹ ወተሃደራት ፓርቱጋል ተጸጊዖም ምስ ዝኣተዉ ‘ሰበኽቲ’ ካቶሊካውያን ተመሓዝዩ ስለ ብዙኅ ‘ረብሓታት’ ሃይማኖቱ ናብ ካቶሊኽ ዝቐየረሉን ንሕዝብ’ውን እምነቱን ስርዓቱን ክቕይር የግድድ ዝነበረሉ ዘመን ኸኣ ነበረ። ነዚ ከተግብር ኸኣ ግዱድ ኣዋጃት ኣወጀ። ብዙኃን በብወገኖም ብፍላይ ከኣ ብካህናትን መነኮሳትን ዝተመርሑ ገባራት ሓረስቶስ ወልድ ዋሕድ እትብል ጥንታዊ ሃይማኖት ኣቦታትና ኣይንልውጥን ብምባል ትእዛዙ ስለዝነጸግዎ መከራ ኣጽኒዑሎም። ምኽሪ ዓበይቲ ምስማዕ ኣብዩ ኸኣ ብዙኃን ስለ ሃይማኖቶም ዝተሰዱሉን ሰማእትነት ዝተቐበሉሉን እዩ ነይሩ።
እዚ ንስጥሮስ ዝዘርኦ፡ ሊዮን ዘብቖሎ ብናይ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ናይ ውግዘት ሰይፊ ዶብ ዝተገብረሉ ፍልልይ ኣብ ዘይቦትኡ ኣብ ሱስንዮስ ክፍሪ እኳ ጀሚሩ እንተነበረ ብመርገም አበው፡ ብናይ እግዚአብሔር መቓጻዕቲ ቅድሚ ምምላሱ ብዙኅ ዕንወት እዩ ኣኸቲሉ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ እዩ እምበኣር “ኣብ ዘመን እዚ ከሓዲ ንጉስ ኣይውለድን” ብምባል እቶም ካብ ማሕጸን ኣዲኦም ጀሚሮም ዝተኃርዩ ኣቦና፡ ክሳብ ስሱንዮስ ዝመውት፡ ዘመን ክሕደት ኣየርእየኒ ብምባል ን 7 ዓመትን 6 ወርሕን ዝኣልክል ኣብ ማህጸን ወላዲቶም ጸንሑ።

ኣቦኦም ወልደ ክርስቶስ ግና እዚ ጒዳይ ስለዘተሓሳሰቦም፡ ንበዓልቲ ቃል ኪዳኖም ወለተ ትንሳኤ “እዚ ነገር’ዚ እንታይ እዩ ነገሩ” በልወን። ንሰን ግና “እግዚአብሔር ዝፈቐዶ ይግበር፡ ኵሉ ዝከኣሎ ንሱ እዩ ግና ባዕሉ ዝገብሮ ጥበብ ክሳዕ እንርኢ ብእምነት ልብና ነጽንዕ” በለኦም። ንሶም’ውን “እቲ ኣሚንክዮ ዘሎኺ ንሱ ኣየሕፍርኪ ዋጋኺውን ኣየጥፍኣልኪ” ድኅሪ ምባል ነቲ ዝገብርኦ ዝነበራ ምጽዋት ከይጕድላ ተላበውወን።
እዚ ተኣምር’ዚ መዛረቢ ጐረባብትን ዓድን ምዃኑ ኸኣ ኣይተረፈን። ክሳብ መዓስ እዩ እዚ ሕጻን ዘይውለድ ብምባል ኸኣ ንኵሉ ኣስተንኪርዎ ነበረ። ጽንሲ ድዩ ሕማም ዝብል ዘረባ’ውን ኣብ ኵሉ ይስማዕ ነበረ። በዚ ነገር ዝተገረማ ሓዊ ክልምና ዝመጻ ጐረቤት “እግዝእትየ ዐቢይ ወግሩም ወልድ ሀሎ ውስተ ከርስኪ” (እምበይተይ ግሩምን ዓቢይን ወዲ ኣብ ከርስኺ ኣሎ) ክብላ ተዛረባ። ኣቡነ ኣብራንዮስ ኸኣ ኣብ ከርሲ ኣዲኦም ከለዉ ዘረባ እታ ጐረቤት ምስ ሰምዑባህ ኣየበሎምን፤ ኣፍ ኣውጺኦም ከኣ “ምንት ብየ ምስሌኪ ኦ ብእሲቶ መፍትው ለኪ ትንስኢ እሳተኪ ወትሑሪ ኀበ ግብርኪ” (ኣቲ ሰበይቲ ምሳይ እንታይ ኣሎኺ፧ ሓውኺ ለሚንኪ ናብ ስራሕኪ ዘይትኸዲ) ብምባል ነታ ሰበይቲ ዘምጽኣ ጌራ ክትኸይድ እምበር ነቲ እግዚአብሔር ዝገበሮ መንክራት ከይትምርምር ገሰጽዋ። እታ ሰበይቲ በቲ ዝኾነ ነገር እናተገረመት “ኣብ ከብዲ ኣዲኡ ከሎስ ክንድ’ዚ ይዛረብ፡ እዝስ ኣብኡ ከሎ ኣሪጉ እዩ” ብምባል እዚኦምሲ “አቦና” እዮም በለቶም። እዚ ስም ኸኣ ካልኣይ መጸውዒ ገዳም አብራንዮስ ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ዝበዘኀ ሕዝቢ’ውን ብዝያዳ ‘እንዳቦና’ ብዝብል ስም እዩ ነቲ ገዳም ዝፈልጦ። ብድሕሪ’ዚ ማለት እቲ ከሓዲ ንጉስ ድኅሪ ናይ 7 ዓመትን 6 ወርሕን ጽንሰቶም ምስ ሞተ ኣቦና ተወልዱ። ወለዶምን ኣዝማዶምን ከኣ ኣዝዮም ተሓጐሱ። ድኅሪ 40 መዓልቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ወሲዶም ኣጠመቕዎም። አብራንዮስ ዝብል ስም ከኣ ሃብዎ።
ምንኵስናን መንፈሳዊ ተጋድሎን
ንወለዶም ብትሕትናን ብስነ ስርዓትን እናተኣዘዙ ኸኣ ዓበዩ። ኣቦኦም ከኣ መጽሓፍ ክመሃሩሎም ወዲ 7 ዓመት ምስ ኮኑ ናብ መምህር ወሰድዎም። ኵሉ ጥበብን ተግሳጽን ንባብ ቅዱሳት መጻሕፍትን ትርጓሜኦምን ኸኣ ተምሃሩ። ገና ተምሃራይ እንከለዉ ድማ ነቲ መግቦም ንካልኦት ተምሃሮ እናሃቡ ብሕቡእ ይጾሙ ነበሩ። ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮኑ ድማ ንስድራኦም ገዲፎም ቦታ ጽድቂ ዝኾነ ገዳም ጥንታዊ ገዳም መርጡለ ማርያም(ጐጃም)ብምኻድ ድማ ብርድእና ብትግሃት ኣገልገሉ። ነቲ ትግሃቶም ዝረኣዩ አበምኔት ደብረ ሳን ዝነበሩ አባ ገብረኢየሱስ ድማኣብ መበል ፲፪ ዓመቶም ኣስኬማ ምንኩስና ኣልበስዎም።
ካብቲ ዝመንኮሱሉ ሰዓት ኣትሒዞም ገጽ ኣዝማዶም ከይረኣዩ ካብ ናብ ገዳም እናኸዱ ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ። ንስጋኦም ኸኣ ብጾምን ብጸሎትን ኣድከምዎ። ብፍጹም ትሕትናን ፍቕርን ምስ ዓበይቲ ኣረጋውያንን ንኣሽቱ ሕጻናትን ይነብሩ ኸኣ ነበሩ።

ኣባ ገብረኢየሱስ ንኵሉ እቲ መንፈሳዊ ግብሮም ምስ ረኣዩ ዲቁና ክቕበሉ ነገርዎም። ንሶም ግና ኣይግባእንን በሉ። ኵሎም ማሕበር ከኣ ግድን በልዎም፤ ጸሎት ድማ ገበሩሎምን መረቕዎምን። መዓርገ ዲቁና ኸኣ ካብ ኣቡነ ሚካኤል ዝተባህሉ ጳጳስ ተቐበሉ። ቅድስናኦም ልዑል ስለዝነበረ ክቕድሱ ከለዉ ነቲ ሕብስቲ ብ‘ከዊነ ሕጻን’ ክሳብ ምርኣይ በጺሖም ነበሩ። ትሩፋቶምን ቅድስንኦምን ርእዮም እቶም ኣበውን ካልኦት መነኮሳትን የኽብርዎንም የፍቕርዎምን ነበሩ። ብትሕትናኦምን ርድእንኦምን ኣዝዮም ይሕጐሱሎም ነበሩ። እቶም ኣቦ’ውን ንዘለዎም ጸጋ ርእዮም ንስኻ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ኣገልግል ናብ ካልእ ስራሕ ከም ምውራድ ማይ፡ ዕንጨይቲ … ኣይትኺድ ከኣ በልዎም። ሽዑ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣሕዋት ብቅንኣት “ንምንታይ ከማና ማይን ዕንጨይትን ዘየምጽእ” ኢሎም ኣዕዘምዘሙ። ንሶም ኸኣ ደሓን ኣቦይ ከምኣታቶም እናተለኣኽኩ ቤተ ክርስቲያን ከገልግል እየ ኢሎም ንክልቲኡ ተልእኾ ይፍጽሙ ነበረ። ዕንጨይቲ ተሰኪሞም ክኸዱ ከለዉ እቲ ዕንጨይቲ ሽዱሽተ እመትን ስድርን (ዳርጋ 3 ሜትሮ ዝኣክል) ልዕሊ ርእሶም ክብ ኢሉ ማዕሪኦም ይኸይድ ነበረ። ንሶም’ውን ክልተ እመት ካብ መሬት ይለዓሉ ነበሩ። ማይ’ውን እንተኾነ ንብዙሕ መዓልትታት ከም ሰለል እናበለ ካብ ምድሪ ተላዒሉ ይኸይድ ነበረ፤ ማለት መሬት ከይተንከፈ ይኸይድ ነበረ። ንሶም ኸኣ እቲ ጾር ፈጺሙ ከይተሰምዖም ብኢዶም እናጣቕዑ ብእግሮም’ውን እናስረገጹ ብኣፎም መዝመረ ዳዊት እናዘመሩ ይኸዱ ነበሩ። ብድኅሪኡ እቶም ብማኅበር ሓድነት ዝናበሩ አባ ተጠምቀ መድኅን ዜና ኣቦና ምስ ሰምዑ፡ ረኸብዎምን ተሓጒሶም ኣብ ገዳም ቱፋላ ብፍቕርን ብሰላምን ክነብሩ ኸኣ ተረዳድኡ። ድኅሪ ነዊሕ ጊዜ ኵሎም እቶም ኣሕዋት ንኣባ ተጠምቀ መድሕን እዚ ዘሎናዮ ቦታ ጥቃ ዓድታት ስለ ዝኾነ ከምቲ ሕጊ ምንኵስና ካብ ኣዝማድና ርሒቕና ገጽ ኣንስቲ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ከይድና ገዳም ንገድም በሉዎም፤ ከምኡ ድማ ገበሩ። ኣቦና አቡነ አብራንዮስ ኸኣ ኣብታ ገዳም ብርድእናን ብመጋቢነትን ብትግሃት የገልግሉ ነበሩ። ከም ኣብነት ዝስተ ማይ ዘመጽኡሉ ቦታ ግና ኣዝዩ ርሑቕን ዓቐበን ስለዝነበረ እቶም ካልኦት ኣኅዋት ክልተ ጊዜ ጥራይ ከምጽኡ ከለዉ ኣቡነ ኣብራንዮስ ግን ሸውዓተ ጊዜ የምጽኡ ነበሩ።
ድኅሪ ነዊሕ ተጋድሎ ድማ ብፍቓድ ኣምላኽ ክህነት ካብ ኣቡነ ክርስቶዶሉ ተቐበሉ። ንኣገልግሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝኣተዉሉ ኣዴና ቅድስት ድንግል ልብሰ ተክህኖ ዘአሮን ተልብሶም እሞ ናብ ከዊነ እሳት ይልወጡ ነበሩ። ኣብ ሞንጎ ቅዳሴኦም’ውን ሰማይ ተኸፊቱ መንበረ ስላሴ ይረኣዮም ነበረ። ሕብስት ናብ ፍጹም ስጋ መለኮት ወይኒ’ውን ናብ ፍጹም ደም ወልደ እግዚአብሔር ክልወጥ ይርእዩ ነበረ። ሓደ ሓደ ጊዜ’ውን ብኣምሳለ በጊዕ ብኣምሳለ ሕጻን ይረኣዮም ነበረ። ብጀካ እተን ክልተ መዓልትታት (ሰናብቲ) ኵሉ ጊዜ ይጾሙ ነበሩ። ኣብተን ክልተ መዓልትታት እንተኾነውን ብኢዶ ዓቂኖም ንእሽቶይ ብመጠን ይበልዑ ነበሩ። ማይ’ውን ብመጠን ዘየርውይ ገይሮም ይሰትዩ ነበሩ። ከም ዓንዲ ተተኺሎም ይጽልዩ፡ ስግደት ከም መላእኽቲ ክቑጸር ብዘይከኣል ይሰግዱ፡ ረሃጽ ከም ፈልፋሊ ማይ ይውሕዝ ነበረ፤ ኣብ ትሕቲ ክዳኖም’ውን ብሓጺን ዝተሰርሐ ዝባላዕ ጨጓር ማቕ ይኽደኑ እሞ ኣይድቅሱን ነበሩ። ብደበና ተጻዒኖም ክሳብ 7ይ ሰማይ ይበጽሑ (ጽርሐ አርያም) እሞ ኣብ ቅድሚ አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ከኣ ይሰግዱ፡ ምስቶም 24 ካህናተ ሰማይ ኮይኖም ሓቢሮም ማዕጠንት ሒዞም ክሳብ ምዕጣን በቒዖም ነይሮም።
ኣቡነ ኣብራንዮስ ዘሕለፍዎ ተጋድሎ ምስቲ ኵሉ ብቕዓቶም ኸኣ ምንኵስናኦም ብዝያዳ እናጽንዑን እናበርትዑን ብገድልን ብትሩፋትን ኸኣ እናዓበዩን መጹ። ኣብ ልዕሊ ገድሊ ገድሊ፡ ኣብ ልዕሊ ትግሃት ትግሃት እናወሰኹ ንሸውዓተ ዓመት ብጀካ ኣባ ኤዎስጣቴዎስ ዝተባህለ ረድኢ ካልእ ከይረኣዮም ብጾምን ብጸሎትን ተወሲኖም ጸሓይን ወርኅን ከይረኣዩ ድኅሪ ምጽናሕ ካብ መዓልትታት ሓደ መዓልቲ ግና ቅዱስ ገብርኤል ካብ እግዚአብሔር ተላኢኹ ብምምጻእ ናብ ትግራይ ክኸዱ ስለዝነገሮም ብሰረገላ ተጻዒኖም ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከብ መደባይ ወይውን በአተ ሐሞ እግዚእ መጽኡ። ምስቶም ኣረጋውያን መነኮሳት ኸኣ ብፍቕርን ብርድእናን ክቕመጡ ጀመሩ። እንደገና እግዚአብሔር ባዕሉ “እዚኣ ሃገር ክፍልኻ ኣይኮነትን” ብምባል ተንሲኦም ናብ ኤርትራ ማለት ምድረ ሰራየን ሓማሴንን ክሰግሩ ነገሮም። ኣብኡ ኸኣ ምስ ዓበይቲ ሽማግሌታት ምስ ዝኾኑ መነኮሳት ንቝሩብ ጊዜ ድኅሪ ምጽናሕ ናብ ኤርትራ ነቐሉ። እቶም መነኮሳት
ኣኅዋት ከም ሰብ ዘይኮነ ከም መልኣኽ ገይሮም የፍቕርዎም ስለዝነበሩ ብብኽያት ተፋነዉዎም። ካብ ትግራይ ኸኣ ናብ ኤርትራ ሰገሩ። ብመጀመርታ ኸኣ ኣብ ጥቓ መረብ ኣብዓይላ ጕንደት ኣብ ዘሎ ገዳም በጽሑ።ቅዱስ ገብርኤል ተገሊጹ ድማ እዚ እውን ቦታኻ ኣይኮነን በሎም። ካብኡ ኸኣ ምድረ በዳ (ምናልባሽውን ጋሽ ገጾም) ኣቢሎም ምስ ከዱ ብዙኃት ሓራምዝ ረኸቡ። ገድልን መከራን ምስ በዝኆም ኣብቲ ሓርማዝ ዝሓልፋሉ ሩባ ምእንቲ ክርገጹ እሞ ክሞቱን ከዕርፉን ኣብ መገዶም ስጥሕ ኢሎም ወደቑ። እቲ መልኣኽ ግና ክትንሥኡ ገንሖምን ካብቶም ሓራምዝ ከኣ ኣናገፎምን። ቅዱስ ሚካኤል ድማ ዕረፍቶም ገና ምዃኑን ብጸሎቶም ዝድኅኑ ከምዘለዉ ሓበሮም። ንሶም ግና ካብቲ ዘለኽዎ መከራሲ ዕረፍቲ ይሕሸኒ ኢሎም ብምምላሶም እቲ መልኣኽ “ተንሥእ መሬታዊ” ብምባል ኣብ የማናይ እግሮም ተንከፎም እሞ ቖሰለት። በታ ኣብ እግሮም ንዝነበረት ቍስሊ ሕጻብ፡ ዝሕጸባን ዝሰትያን መካናት ከኣ ይወልዳ ነበራ። ኣቦና ኸኣ ፈቓዱ ይኹን ኢሎም ድማ ተንሥኡ። ኣብ ኵሉ እናተዘዋወሩ ኸኣ ትምህርቲ እናሃቡ ተኣምራት ይፍጽሙ ነበሩ። ካብኡ ኸኣ ተላዒሎም ናብ ገዳም ኣቡነ ብፁዕ አምላክ ጽልማ ከዱ። ብኽብሪ ድማ ተቐበልዎም። ኣብኡ ኸኣ ቍሩብ ድኅሪ ምጽናሕ ኸኣ ናብ ደብረ ቢዘን ክነቕሉ ተኣዘዙ። ብዙኅ ተኣምራት እናገበሩን ወንጌል እናመሃሩን ደብረ ኮዳዱ እንዳ ኣቡነ ብፁዕ ኣምላኽ ገዲፎም ኣብ ደመና ተጻዒኖም ደብረ ቢዘን ኣተዉ። ኣብዚ ገዳም ከለዉ ድማ ብጾምን ብጸሎትን ብተጋድሎ ጸንሑ። ኣብኡ ከለዉ ካብ ዝፈጸምዎ ኸኣ ሓደ መዓልቲ ኣብ ጸሎት ከለዉ፡ ሰማንያ ኣግማል ኣብ ነፍስ ወከፈን ሰማንያ ኣጋንንቲ ዝጸዓና ንቅዱሳን ክጻብኣ ክመጻ ከለዋ ርእዮም ገጾም ብትእምርተ መስቀል ብምምዕታብ “ይትነሣእ እግዚአብሔር ወይዘረዉ ፆሩ ይጒየዩ ጸላእቱ እም ቅድመ ገጹ” ኢሎም ምስ ጸለዩ ካብ ቅድሚ ዓይኖም ተሰዊረን ነፊጸን ናብ ሓደ ጸድፊ ኣተዋ። ከምቲ ጐይታ ነቶም ኣጋንንትን ሓሳማታትን ጌርጌሴኖን ዝገበሮም ማለት እዩ። ንሸውዓተ ወርሒ ዝኣክል ብዓቢይ ተጋድሎ ከኣ ኣብኡ ተቐመጡ። ብድኅሪኡ’ውን እግዚአብሔር ንሃገርና ክዞርዋን ወንጌል እናመሃሩ ኸኣ ክባርኽዋን ስለ ዝኣዘዞም ናብ ጽልማ ሰልዳይት (ሰለ ዳዊት) ብምኻድ ገዳም መሥሪቶም ሥርዓት ሠሪዖም ማኅበር ኣቚሞም መንፈሳዊ ገድሊ ክጋደሉ ጀመሩ። ብዙኃንን ብዙኃትን ሰዓብትን ኣርድእትን ኸኣ ክገብሩ ጀመሩ። በቲ ኣብ ኣቡነ ብፁዕ አምላክ ዝረኣይዎ ሰብ ዝጀመረ ምትእኽኻብ ብዙኃን ናብኦም ክመጹን ማኅበር ክኣትዉን ጀመሩ። ኣቦና ኸኣ ሥርዓተ ምንኵስና እናመሃሩ ብሃይማኖትን ሰናይ ግብረ ምናኔን ጸኒዖም ክጓዓዙ ነቶም ኣርድእቶም ይላበዉዎም ነበሩ። ብዙኅ መንፈሳዊ ምኽሪ ብቀጻሊ ይመኽርዎም ነበሩ። ከምዚ እናገበሩ ካብ ዝተቐመጡለንን ብዙሕ ተኣምራት ካብ ዝፈጸሙለንን ዓድታት ኸኣ እታ ሓንቲ ዓዲ ሰልዳይት እያ። ኣብኡ ካብቲ ዝገበርዎ ተኣምራት ኸኣ ንሓደ ካብ ኣባርዳእ ዝመጽእ ሰብኣይ ገና ከይተቐለቀለ ከምዚ ዓይነት ሰብ ይመጽእ ኣሎ ብምባል ድኅሪ ምዝራቦም ልክዕ ከምቲ ዝበልዎ እቲ ሰብኣይ መጺኡ ኣብኦም መንኰሰ። ሓንቲ ንእሽቶይ ጓል’ውን ካብ ማዕዶ መረብ መጺኣ ብኢዶም መንኲሳ። ይኹን እምበር ስድርኣ መጺኦም ብኃይሊ ወሰድዋ። ኣቦና በዚ ነገር ጸሎት ምስ ገበሩ ሩባታት ዓዲ ነጸፉ፤ እቶምስድራ’ውን ብሕማም ብድብድን ተላገብን ተጠቕዑ። ሽዑ እቶም ስድራ ከይፈተዉ በቲ ግብሮም ተጣዒሶም ነታ መነኮሳይት መለስዋ። ብጸሎቶም ድማ ነቲ ዝተኣዘዘ ቍጥዐ ኣህድእዎ። ኵሉ ድማ ከም ቀደሙ ኮነ። ኣቡነ ኣብራንዮስ ዝተወልዱሉን ዝዓበዩሉን ከባቢታት ኣብ ጐጃም ይኹን ደኣ እምበር ብፍቓድን ትእዛዝን ኣምላኽ ናብ ኤርትራ ክመጹን ሓዋርያዊ ስራሕ ከበርክቱን ክኢሎም እዮም። ኣብኤርትራ ድማ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊን ማእከላዊን ዞባታት እናተንቀሳቐሱ ስብከተወንጌል ኣካይዶምን ኣስፊሖምን እዮም። ድኅሪ ነዊሕ ጊዜ ማለት ኣብ ዝተፈላለየ ገዳማት ምብጻሕን ዝተፈላለየ ተኣምራት ምፍጻምን ብትእዛዝ ኣምላኽ ናብ ዓዲ ሰልዳይት መጺኦም ተቐሚጦም ነይሮም። ኣብኡ እንከለዉ ኸኣ “ቦታይ ኣርእየኒ” ኢሎም ናብ ኣምላኽ ምስ ጸለዩ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ተገልጸትሎም እሞ ኣብ ደብረ ጥሉል ዓምደብርሃን ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ተተኺሉ ረኣዩ። ኣዴና ኸኣ በል እዛ እትርእያ ዘለኻ እያ ቦታኻ በለቶም።ከም ገዳመ አስቄጥስ ከም ገዳመቆሮንቶስ ከምገዳም ዋሊ ገይረ ባሪኸያ ቀዲሰያ ኣሎኹ በለቶም። ሽዑ ዘርአብሩክ ዝተባህለ መኰንን ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተክርስቲያን ሰሪሑ ምስ ፈጸመ አቡነአብራንዮስ ነቶም ደቆም መነኮሳትን መነኮሳይያትን በቦትኦም ፈላልዮም ስርዓት ገበሩሎም። ክሳብ ሕጂ’ውን ንጸሎትን ቅዳሴን ኣብ ቤተክርስቲያን እንተዘይኮይኑ ናይ መነኮሳትን መነኮሳይያትን ሰፈር በበይኑ እዩ። ናብዚ ገዳም ድማ ብዙኃን እናመጹ ከም ከዋክብቲ ሰማይ ከሰርግዉዎ ጀመሩ። ወረ ኣቦና ኸኣ ኣብ ኵሉ ይስማዕ ስለ ዝነበረ ናብኦም እናመጹ ዝምንኵሱ በዚኆም። እቲ ገዳም’ውን ደልደለ። እቲ ገዳም፡ ገዳም ደብረጥሉል አቡነ አብራንዮስ ተባህለ።መብዛሕትኡ እዋን ግን በቲ ኣቡነ ኣብራንዮስ ኣብ ከርሲ ኣዲኦም ከለዉ ዝፈጸምዎ ተኣምር “እንዳቦና” ተባሂሉ እዩ ይጽዋዕ። ኣብ ስብከተ ወንጌልን ገድሊ ምንኵስናን ከለዉ ኣቦና ብዙኅ ፈተናን ተጻብኦን ይገጥሞም ነበረ። ይኹን ደኣ እምበር ንኵሉ በቲ ስሙር ጸሎቶምን መንፈሳዊ ተጋድሎኦምን ብዝገብርዎ ተኣምራታዊ ስርሖምን ይሰግርዎ ነበሩ። ኣቦና ስለታ ርትዕቲ ተዋሕዶ ሃይማኖቶም ካብ ዝተፈተንዎ፡ ክሳብ ማእሰርቲ ዘብጽሖም እዋን ከምዝነበረ ገድሎምን ታሪኻዊ ጽሑፋትን ዝገልጽዎ እዩ። እዚ ኸኣ ሓደ እዋን ንጉስ ተክለሃይማኖት ዝተባህለ ንጉሰ ኢትዮጵያ፡ በቲ ጊዜ እቲ ሩባ ሰጊሩ ንገዛኢ ሰራየ ንዝነበረ ዮሓንስ (አቤቶ ማሞ) ንኣቦናን ንመምህራነ ሕጊ መነኮሳት ደብረ መርቆሬዎስን (ደብረ ድማኅ) ዝኾኑ አባ ላእከ ወልድን አባ መሥዋዕተ ጽዮንን አባ መፍቀሬ ክርስቶስን ከምኡውን ኃረየ ሰባኪን ኣሲሩ ክሰደሉ ኣዘዞ። በዚ ትእዛዝ እዚ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሞቕሑ። ኣብኡ ኮይኖም ድማ ብትግሃት ናብ ኣምላኾም ይጽልዩ ነበሩ። ቅዱስ መልኣኽ እናተገልጸ ድማ የጸናንዖም ነበረ። ክፉእ’ውን ከምዘይቀርቦምን ከምቲ ጸላእቶም ዝሓሰብዎ ዘይኮነሲ መረብ’ውን ከም ዘይሰግሩን ገለጸሎም። እቲ ማእሰርቲውን ንጽቡቖም (ንደቆም ምስክር ክኸውን) ምዃኑ ነገሮም። ኮይኑ ድማ ኣቦና በቲ ከባቢ ሕዝቢ ፍቱው ስለዝነበሩ እቶም ሕዝቢ ብፍላይ ሕዝቢ መራጒዝ ኣቦና ኣኅሊፍና ኣይንህብን፡ መረብ’ውን ኣይነስግሮምን ብምባል ተቓውሞ ኣለዓዓሉ። ኣቦና ስለ ተዋሕዶ ሃይማኖት በቶም ዓለውቲ ሃይማኖትን ፈተውቲ ስልጣኖምን መከራ ይበጽሖም ከምዘሎ ብዝተረድኡ ስሌኦም ክሳብ ሞት ክብጸሑ ነሕድሕዶም ማሕላ ገበሩ፡ ዝናገፉሉ ሜላ ድማ ሓሰቡን፡ ምኽሪ ድማ ገበሩን። ነቲ ምኽሪ ድማ ነቲ ገዛኢ ኣካፊሎሞ እኳ እንተነበሩን ነቲ ምኽሪ’ውን ሰሚርዎ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ምኽሪ ጸላእቶም ሰሚዑን ንንጉሰ ፈሪሁን ሓሳቡ ስለዝቐየረሎም ዓቢ ባእስን ውግን ኣንጻር ገዛኢ ገበሩ። 30 ዝኾኑ ካብኣቶም ከኣ ኣብቲ ባእሲ ተቐትሉ። ኣቦና እዚ ነገር ብዝሰምዑ ሓዚኖም ትሕርምቲ ብምግባር ምብላዕን ምስታይን ኣበዩ። ኣርባዕተ ሱባኤ ምስ ወድኡ ኸኣ እቲ ክእሰሩ ዝኣዘዘ ንጉስ ተክለሃይማኖት ተቐዝፈ። ብኽብሪ ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጹ። ቅድሚ ናብ ገዳሞም ምምላሶም ድማ ብዙኃን ቦታታት እናባረኹ ምስ ቅዱሳን እናተራኸቡ እግረ መገዶም ዑደት ኣካየዱ።ንዕረፍቶም ክልተ ዓመት ክተርፎ ከሎ ነቲ ቅድም ኣብ ጊዜ ህጻንነቱ ካብ ምድሪ ደምቢያ ኣትሒዙ ዝተኸተሎም አካለ ክርስቶስ ንዝተባህለ ተመሃራዮም “ቀዳማይ ወደይ መስቀለይን መንበረይን ሂበካ ኣሎኹ” በልዎ። አባ አካለ ክርስቶስ ኣሽንኳይዶ ብሕይወትኩም እንከሎኹም ብድሕሬኹም እንተኾነ’ውን ኣብ መንበርኩም ክቕመጥ ኣይደፍርን እየ በሎም። ትሕትና እዞም ኣቦታት ክንደይ ደስ ዘብል እዩ። ንሶም ግና “እዚ ብናተይ ፍቓድ ዘይኮነስ ብናይ ጐይታ ቃል እዩ ዝብለካ ዘሎኹ” ምስ በልዎ ሕራይ በለ። ሽዑ ኣቡነ አብራንዮስ ንምሉኣት ማሕበር ኣኪቦም ብድሕሪኦም ንኣባ አካለ ክርስቶስ ከም ዝሾሙሎም ገለጹሎም። ደጊም እቲ እግዚአብሔር ዝሃቦም ዕድመ ከም ዝኣኸለ ኣፍለጥዎም። ኣብ መወዳእታ ጐይታ ምስ ቅድስት ኣዲኡን ምስ ቅዱሳን መላእኽቲን ተዓጂቡ ብምምጻእ ከምቲ ንዅሎም ቅዱሳን ዝሃቦም ቃል ኪዳን ንኣቡነ ኣብራናዮስ’ውን ቃል ኪዳን ሃቦም። “ኦ ፍቁረይ ኣብራናዮስ ዝኽርካ ዝገበረ፡ ቤተ ክርስቲያንካ ዝሃነጸ፡ ኣብ ገዳምካ ዝመንኮሰን፡ መጽሓፈ ገድልኻ ዝጸሓፈን ዘንበበን ኃጢኣቱ ክስረየሉ ኣብቲ ዘይሓልፍ መንግሥተይ’ውን ንዘለዓለም ከንብሮ እየ።” ዝብል ቃል ኪዳን ተዋህቦም።
ጐይታ ባዕሉ’ውን ስለቲ ሓዋርያዊ ትግሃቶምን ሰማእትነቶምን ድንግልንኦምን ብቃሉ ሰለስተ ኽብሪ ሃቦም። ንእሽቶ ሕማም ኸኣ ሓሚሞም ብ 21 ነሓሰ ነፍሶም ካብ ስግኦም ተፈልየት። ነፍሶም ከኣ ብኢድ መላእኽቲ ብኽብሪ ናብቲ ናይ ዘለዓለም መሕደሪኣ ከደት። መቓብሮም ኸኣ ኣብ ጥቓ እቲ ዓቢይ ቤተ ክርስቲያን (እንዳ ኣቦና) ንበይኑ ቤተ ክርስቲያን (ቅድስት ማርያም) ተሰሪሑሉ ብኽብሪ ተዓቂቡ ይርከብ፤ ጥቓ እቲ መቓብሮም ዘለዎ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣቦና ደው ኢሎም ዝጽልዩሉ ከምዝነበሩ ዝፍለጥ፤ ክልተ ኣእማን ኣለዋ። ነዘን ኣእማን ድማ ግብጻውያን ጳጳሳት ስለ ክብሪ ኣቦና ክብሉ ይሳለምወን ከምዝነበሩ ይፍለጥ። እዚ ኸኣ ዜና ገድሊ ኣቦና ካብ ሃገርናን ካብ ኢትዮጵያን ሓሊፉ ግብጺ በጺሑ ከምዝነበረ ዘረጋግጽ እዩ።
ሰላም ለከ አብራንዮስ ፍጹም፡
ዘድብረ ልምላሜ ሥዩም፡
በረከተ ሰማይ ወምድር እስመ ተውህበከ ዮም፡
ባርከነ ለደቂቅከ በቡራኬ ብዙኅ ሰላም፡
ከመ ባረኮሙ ኖኅ ለያፌት ወሴም።
በረኸትን ኣማላድነትን ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ኣብራንዮስ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን !!!
ኣሜን!!!
ስብኃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!
Leave a comment