በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን.
፳፪/22 መስከረም ሰማዕት ቅዱስ ዮልዮስ
ቅዱስ ዮልዮስ ገድሊ ቅዱሳን ሰማዕታት ጺሒፉ ኣዕጽምቲ ብዙሓት ሰማዕታት ቀቢሩ ንሱ ውን ኣብ መወዳእታ ሰማእትነት ዝተቀበለ ቅዱስ ኣቦ ኢዩ።
ኣብቲ ጊዜ ‘ቲ ዜና ሰማእታት ንምጽሓፍ ቀሊል ስለ ዘይነበረ ሃፍቱ:ንብረቱ:ቤተሰቡን ህይወቱን መስዋቲ ከፊሉ ታሪኽ ቅዱሳን ዝጽሓፈ ኢዩ።
እግዚአብሔር ስለ እቶም ቅዱሳኑ ክብል፡ እቲ ገድሎም ውን ናባና ክበጽሕ ንቕዱስ ዮልዮስ ኣነቓቀሖ ። ቅዱስ ዮልዮስ ብዘመኑ ሕያዋይ ክርስቲያን:ሓዳርን ውላድን ዘለዎ: በዓልጸጋን 300 ኣገልገልቲ ዘለውዎ:ፈታዊ ምጽዋት ነበረ።
+በቲ ሽዑ ግዘ ክርስቲያናት ፈቖዶ መንገዱ ወዲቖም ክርኢ እንከሎ ዕረፍቲ ስለዘስኣኖ ምስ ቤተሰቡ መኺሩ ። ኣዕጽምቲ ቅዱሳን ክቐብር ፡ ዝተኣሰሩ ክርስቲያናት ቁስሎም እናሓፀበ ክምግቦም ወሰነ። ለይቲ ለይቲ ብ300 ኣገልገልቱ እናተሓገዘ ናይቶም ሰማእታት ዜና:ቀለም በፅቢፁ ብራና ኣልፊዑ:ብርዒ ቐሪፁ:ክፅሕፍን ክጥርዝን ይሓድር ነበረ። ኣብታ ዝተረፈቶ ቑሩብ ሰዓት ድማ ኣብ ጸሎት የሕልፎ ነበረ።
ብኸምዚ ኹነታት ዘመነ ሰማእታት ክፍፀም ቑሩብ ኣዋርሕ ተረፎ ። ቅዱስ ዮልዮስ ከኣ ስለ ኩሉ ውዕለታቱ ናይቲ በረኽት ተሳታፊ ብምኻኑ ንእግዚኣብሔር ኣመስገነ ጎይታና ድማ ተገሊፅሉ “ኪድ እሞ ሰማእት ኹን: ፈቒደልካ ኣለኹ” በሎ። ንሱ ድማ ደስ እናበሎ ዝጽሓፎ ገድሊ ሰማእታት ንእሙን ሰብ ሂቡ :ሃብቱን ንብረቱን ንፅጉማት ኣካፈለ። ኣብ ቕድሚ እቲ መኮንን ናይ ክርስቶስ ኣምላኽነት መስከረ በዚ ብዙሕ ስቃይ ተቐበለ። ንፅባሒቱ ወታደራት ንጣኦት ክሰግድ ገደድዎ ንሱ ግን ብዘይ ንእግዚኣብሔር ናብ ጣዖት ኣይሰግድን ብምባል ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ፡ ንጸሎት ቆመ ብተኣምራት ድማ ነቶም ጣኦታት ምስ ካህናቶም ምድሪ ተኸፊታ ወሓጠቶም።
ነዚ ተኣምር ርእዮም ብዙሓት መኮንን አርማንዮስ ምስ ሰራዊቱ ብክርስቶስ ኣመነ። ክብሩ ገዲፉ ድማ ንቕዱስ ዮልዮስ ተኸተለ። ቐፂሉ ጉዕዞ ናብ ሃገረ አትሩብ ኮነ። አብኡ እውን ብዙሕ መከራ ተቐቢሉ ጣኦታት ሰባበረ።
ኣብ መወዳእታ ግን ቅዱስ ዮልዮስ ምስ ብዙሓት ስዓብቱ ክሳዱ ተሰይፉ ሰማእትነት ተቐበለ ።
ጸሎትን በረኸትን ሰማዕት ቅዱስ ዮልዮስ.፡ መልኣከ ሰላም ቅዱስ ኡራኤል ከምኡ ውን ኩሎም ቅዱሳን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኹን።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!
Leave a comment 

