፳፪/22 ጥቅምቲ ዕረፍቲ ሉቃስ ወንጌላዊ

፳፪/22 ጥቅምቲ ዕረፍቲ ሉቃስ ወንጌላዊ

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!

                 ፳፪/22 ጥቅምቲ ዕረፍቲ ሉቃስ ወንጌላዊ

ሉቃስ ማለት መበሰሪ፡ ነጸብራቕ፡ ብርሃን ማለት እዩ። ብስራት መልኣኽ ስለ ዝጸሓፈ። ብካልእ ድማ ሓኪም ማለት እዩ። ሓኪም ናይ ስጋ ከሎ ጎይታ ድሕሪ ደጊም ሓኪም ናይ ነፍሲ ክትከውን ኢኻ ኢሉ ጸውዖ። ትውልዱ ኣንጾክያዊ ኮይኑ ወንጌል ዝጸሓፎ ድማ ብቋንቋ ዮናኒ እዩ።  ቁጽሩ ካብ 72 ኣርድእቲ ኮይኑ ወንጌል ዝጸሓፈሉ ዘመን ድሕሪ ዕርገት ጎይታ 21 ዓመት ብ 54 ዓ.ም  እዩ። ቅዱስ ሉቃስ ንቅድስት ድንግል ማርያም ብዙሕ ይፈትዋ ነበረ። ካብ ብዝሒ ምፍታው ዝተላዕለ ድማ ስእላ እንዳ ሰኣለ ይሸይጥ ነበረ። ነቲ ዝረኸቦ ኣታዊ ድማ ድራር እለቱ እንዳ ኣትረፈ ኩሉ ብስማ ይምጽውቶ ነበረ። “ወይእተ ስዕል ትመስል ልብስተ ስጋ ወያንጻፈጽፍ ሓፍ እምነሃ” መቅድም ተኣምረ ማርያም።

ሓዋርያት ኣገልግሎት ወንጌል ዕጫ ምስ ኣውደቑ፡ ንዮሓንስ ጽርእ በጽሓቶ፡ ምስኡ ሓቢሩ ብምዃድ ንመቂዶንያ፡ ፈልዩ ኣስተምህር ኢሉ ሃቦ። ንዕኦም የእሚኑ ነቶም ወንገል ዘይበጽሖም ከስተምህር ኢሉ ክኸይድ ከሎ፡ ቴዎፍሎስ መስፍን እስክንድርያ ዘስተምሃርካና ምእንቲ ከይንርስዖ ጽሒፍካ ሃበና በልዎ። ንሱ ድማ ንወንጌሉ ጽሒፉ ሃቦም። ብሕሪ እዚ ድማ ንግብሪ ሓዋርያት ጽሒፉ ልኣኸሎም።

ንሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስ ተኸቲሉ ሮም ከይዱ ከስተምህር ከሎ ሮማውያን ካብ ኣምልኾ ጣዖት ናብ ኣምልኾ እግዚኣብሔር ተመሊሶም ነበሩ። ካህናተ ጣዖት ንንጉስ ኔሮን “ሉቃስ ዝተባህለ ዕብራዊ መስረይ ነዚ ህዝቢ ይወስዶ ኣሎ” በልዎ። ንጉስ ጸዊዑ “ኣንታ መሰረይ ንኣምላኽካ ገዲፍካ ነዚ ጣዖት ስገድ” በሎ። “ኣኮ መስረይ ኣለ ሓዋርያሁ ለእግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ” ኣነስ ሓዋርያ ደኣ እምበር መስረይ ኣይኮንኩን ኢሉ መለስሉ። “ነታ እንዳ ጸሓፈትን እንዳ ስኣለትን እተስሕት ዘላ የማነይቲ ኢዱ ቁረጽዋ” ኢሉ ኣዘዘ። እቶም ወተሃደራት ድማ ከም ትእዛዝ ንጉስ ቆረጽዎ። ቅዱስ ሉቃስ ድማ ብድሕሪ ምቑራጽ ኢዱ፡ እዞም ምቑራጽ ኢደይ ዝረኣዩ ኣሕዛብ እቲ ዘድሕን ኣምላኽ ኣሎና ዝብልዎስ ኣበይ ደኣ ኣሎ፧ እንተድኣ ሃልዩስ ንመዓስ ደኣ ክኸውን እዩ፧ መታን ከይብሉስ ነዛ ዝተቖርጸት ኢደይ ከም ቀደማ (ጥዕይቲ) ክትገብራ እልምነካ ኣለኹ፡ ኢሉ ጸሎት ገበረ እሞ፡ ጥዕያ ከም ቀደማ ኮነትሉ። “ኣመነ ብኣምላኩ ለዝንቱ ብእሲ/ብዙሓት ድማ ብኣምላኹ ኣሚና” ኢሎም ብዙሓት ብክርስቶስ ኣመኑ። እቲ ናይ ንጉስ ግን ነቶም ዝኣመኑን ንቅዱስ ሉቃስን ብሓንቲ መዓልቲ ማለት ጥቅምቲ 22 ንሞት ፈረዶም። ብፍላይ ድማ ንቅዱስ ሉቃስ በታ መዓልቲ እቲኣ ብሰይፊ ክሳዱ ይቆረጽ ኢሉ ኣዘዘ። ብሓደ ሰያፊ ተሰይፉ ድማ ዓረፈ። እንደገና ድማ ኣሰሩ ከይርከብን ከይዝከርን ኢሎም ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። እንተኾነ ግን ንባሕርን ንቀላያትን ዝእዝዝ እግዚኣብሔር ማዕበል ኣላዒሉ ካብቲ ዝተደርበዮ እናደፍአ ናብ ወሰን ባሕሪ ስለ ዘውጽኦ በረኸት ተኻፈል ዝበሎ ሰብ ረኸቦ እሞ ብንጹህ ዓለባ ገኒዙ ናብ ናይ ምእመናን ዝቕበሩሉ መካነ መቓብር ቀበሮ።

በረኸትን ረድኤትን ናይ ቅዱስ ሉቃስ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን። ኣሜን!

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!