በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን!!!
፳፫/23 ሓምለ ሰማዕት ኮነት ቅድስቲ መሪና
ቅድስቲ መሪና ኣቦኣ ዳኬዎስ ዝተባህለ ኣብ ሃገረ ኣንጾኪያ ሓለቓ ኻህናተ ጣዖት ነበረ፡ እቲ ንጉሥ’ውን ሞኽሱ ኸሓዲ ዳኬዎስ ይብሃል ነበረ፡ቅድስቲ መሪና ጓል ፭/5 ዓመት ምስ ኮነት ኣዲኣ ስለዝሞተት ኣቦኣ ኻብ ከተማ ወፂኣ ንእትነብር ሞግዚት መዕበይት ሃባ፡ ንሳውን ክርስቲያን ስለዝነበረት ሃይማኖት ክርስትና ብግቡእ መሃረታ።
ጓል ፲፭ (15) ዓመት ምስ ኮነት ኣቦኣ ዳኬዎስ’ውን ሞተ።
ድኅሪኡ ናይ ሰማዕትነት ተጋድሎ ተሰሚዕዋ ፍቕሪ ክርስቶስ ኣብ ልባ ኃደራ እሞ ብሰማዕትነት ክትዓርፍ ደለየት።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኸሓዲ ዝኾነ መኰንን ናብታ ሃገር መጺኡ ንቕድስት መሪና ኻበይ ወገን ከምዝኾነት ሓተታ። ንሳ ካብ ወገን ክርስቶስ ክርስቲያናዊት ከምዝኾነት መለሰትሉ። መልክዓን ቁንጅንኣን ብምርኣይ ኪዕገሥ ስለዘይከኣለ ብብዙኃት ነገራት ከታልላ ፈተነ፡ ንሳ ግና ንእኡን ንጣዖታቱን ረገመቶም።
ሽዑ ብዘንግታት ሓፂን ኪኽትክትዋን ህዋሳታ ኺቘራርጽዋን ኣዘዘ፡ ንሳ ግና ናብ እግዚኣብሔር ጸለየት። ቅዱስ ሚካኤል መጺኡ ኻብቲ ዅሉ መከራ ኣድኃና።
ንኻልኣይ ጊዜ’ውን
ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣእተውዋ ጐይታ ናብ ሰማይ ኣዕሪጉ መንበሪ ሰማዕታትን ቅዱሳንን ጻድቃንን ኣርእዩ ናብ ቦታኣ መለሳ፡ ብድኅሪኡ ንሥጋኣ ብመጋዝ ክትጭደድን ጐድና ኽትሰናጠቕን ድኅሪኡ’ውን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብይዋ ንልኡኻቱ ኣዘዘ። ሕጂ’ውን ቅዱስ ሚካኤል መጺኡ ኣድኃና።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናጸለየት ከኣ ሓደ ዓቢይ ገበል ናብኣ መጽአ፡ ርእይ ምስ ኣበለቶ ፈሪሃ። ዅሉ ሰብነታ ተንቀጥቀጠ ምዝራብ’ውን ሰኣነት፡ ኣእዳዋ ብትእምርተ መስቀል ምስ ዘርግሐት ከምኡ’ውን ብልባ እናጸለየት ከላ ወሓጣ ብኡ ንብኡ እቲ ገበል ከብዱ ተጨዲዱ ብዘይ ሓደ ጕድኣት ወፅአት። ንእግዚኣብሔር ከኣ ኣመስገነቶ። ኻልእ ጊዜ’ውን ሰይጣን ጸልማት ለቢሱ ረኣየቶ፡ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊ ኣብራኹ ተጨቢጡ ነይሩ። ሽዑ ገጻ ብትእምርተ መስቀል ኣማዕቲባ ርእሱ ዘበጠቶ ብኣእጋራውን ረገጸቶ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ ናይ ጐይታ ዕፀ መስቀል ተገልጸላ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ፃዕዳ ርግቢ ተቐሚጣ ረኣየት።
“ኦ መሪና ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ዕርቡን ተቐቢልኪ ኣሎኺ እሞ ባህ ይበልኪ” በለታ፡ ንጽባሒቱ እቲ ርጉም መኰንን ክዳና ገፊፎም ቍልቁል ኣፋ ሰቒሎም ንኸቃጽልዋን ውዑይ ማይ ኣብ ዝመልአ ዓቢይ ፊስቶ (በርሚል) ኣእትዮም ኪጥጥቕዋን ኣዘዘ፡ ንሳ ኣብ ውሽጡ ኾይና እናጸለየት ከላ ኻብ ሰማይ ሓንቲ ፃዕዳ ርግቢ መጺኣ ኻብ ኣፋ ወርቃዊ ኣኽሊል መእሰሪ ፈቲሓ ብስም አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ሠለስተ ጊዜ ኣጠመቐታ ንሳ ንእግዚኣብሔር እናመስገነት ካብቲ ማይ ወፅአት።
እቲ ርጉም መኰንን ከምዝደሓነት ምስረኣየ ርእሳ ብሴፍ ኪቘርጽዋ ኣዘዘ። ናብዚ ዓቢይ ክብሪ ሰማዕትነት ንዘብጽሓን ክርስቶስ ብፍቕሪ’ውን ዝተቐበላ ጸለየት ጐይታ ኸኣ ተገለጸላ።
ቃል-ኪዳን ቅድስቲ መሪና
ስማ ዝጸወዐ መዘከርትኣ ዝገበረ መጽሓፈ ገድላ ዘንበበ ዝጸሓፈ ዝሰምዐ ኃጢኣቱ ኸም ዚሥረየሉ ኣብቲ ንሳ ዘላቶ ቦታ ኸምዘእትዎ ምሉእ ቃልኪዳን ሃባ፡ ሰማዕት ቅድስቲ መሪና ኽሣዳ ብሴፍ ተሰይፋ ዕለት ፳፫/23 ሓምሌ ዓረፈት፡ ኣብ መቓብራ ብዙኅ ተኣምራት ብምርኣይ ብዙኃን ሰባት ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣመኑ።
በረኸት ሰማዕትነታ ንዅላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይሓልወና፡ መወከሲ ስንክሳር ዕለት ፳፫ሐምሌ
አርኬ
ሰላም፡ለመሪና፡ገባሪተ፡ኃይል፡ወመንክር።
ለእለ፡ይጼውዑ፡ስማ፡ውስተ፡ገጸ፡ኵሉ፡ብሔር።
ኃይለ፡ ሰማያት፡ነሢኣ፡እንዘ፡ይእቲ፡እምድር።
እስከ፡ፈጸመት፡ጸሎታ፡ለሰይጣን፡ኅሱር።
ከመ፡አሣዕን፡ኬደቶ፡ በእግር።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን!
Leave a comment

